እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 15 guests and no members online

ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)ኣብ 2ይ መዓልቱ፡

2ይ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ 2ይ መዓልቱ፡

ኣብቲ ብክብ ዝበለ ድምቀትን ዓጀባን ትማሊ መዓልቲ ካብ ናይ ዕጡቓት ናይ ፕሮፖጋንዳን ምንቕቓሕን ኣሃዱታትን ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ውድብ፡ ካብ ህዝብና ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝመጹን፡ ካብ መሓዙት ውድባትን፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ሓለፍትን ተወከልትን ኣሳቲፉ ብምዕሩግ ኣገባብ ዝተኸፍተ ካልኣይ ጉባኤ ደግሓኤ ሎሚ ድማ 21 መስከረም 2017 ንካልኣይ መዓልቱ ካብ ሰዓት 9 ቅ. ቀ. ብሕኑን መንፈስ ተጀሚሩ።

ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ዞባታትን ጨንፈራትን ኣካላት ውድብ ኣብ ጉባኤ ብኣካል ተረኺቦም ብተኸታታሊ ነናይ 3ተ ዓመት ጽማቝ ጸብጻቶምን፡ ጉባኤ ናይ ምዕዋት ዘለዎም ግብራዊ ተሳትፎን ምስ ሰናይ ድሌትን ናይ ደገፍ መግለጽታትን ከቕርቡ ውዒሎም።

ካብ ዞባታትን ጨንፈራትን ብኣካል ዝተረኽቡን፡ ብኣካል ዘይተረኽቡጽሑፎም ዘቕረቡንምጥቃስ ዝኣክል፡

  • ዞባ ኢትዮጵያ፡ ዝተፈላለያ ጨናፍር ዘጠቓለለ
  • ዞባ መዓከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ
  • ዞባ ሱዳን፡ ዝተፈላለያ ጨናፍር ዘጠቓለለ
  • ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ
  • ዞባ ካናዳ
  • ጨንፈር ጀርመን
  • ጨንፈር ስካንድናቭያን
    • ዞባታት ኣወስትራልያ፡ ዞባ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ (ብመልእኽቲ)

ቀጺሉ ከኣ ናይ ኩለን ቤት-ጽሕፈታት ፈጻሚ-ኣካልን ኦዲት ኮሚሽንን ደግሓኤ ደቂቕን ሰፊሕን ዝርዝር ጻብጻብ ናይ 3ተ ዓመት ቀሪቡ። ካልኣይ መዓልቲ፡ ጉባኤ ቁም ነገር ብዝመልኦም ዓለማውን ሃገራውን ዞባዊን ውድባውን ጸብጻባት ዝቐረብሉን ኣብ ጸብጻባት ምይይጥን ገምጋማትን ዝተኻየደሉን ኮይኑ እዩ ውዒሉ ዘሎ። ዝቐረቡ ጸብጻባት ብምሉእ ድምጺ ኣባላት ጉባኤ እንዳ ጸዲቑ ኢዮም ዝከናወኑ ዘለዉኣብ መዛዘሚ ናይ 2ይ መዓልቲ፡ ንጉባኤ እትመርሕ ሰክረታርያ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪጻን መደባ ሰሪዓን። ጉባኤ ንጽባሕ ክቕጽል እዩ ።

ውድቀት ንጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ!

ዓወት ንካልኣይ ውድባዊ ጉባኤና!

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ስዉኣትና!

ብክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ካብ ቦታ ሰሚናር

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ደግሓኤ/

21መስከረም 2017

2ይ ውድባዊ ጉባኤ፡ 2ይ መዓልቱ

2መዓልቲውድባዊጉባኤደግሓኤ 21 መስከረም 2017፡ ሰዓት 9 ናይንግሆብድምቀት ተጀሚሩ

ናይ ደገፍ መግለጺታት

ካብ ውሽጢ ኤርትራን ካብ ዲስፖራን ናይ ሰናይ ምንዮትን ናይ ቃልሲ ፍናንን ክውሕዙ ይርኣዩ ኣለዉ !

ኣብዚ ቅንያት ናይ ደግሓኤ ምጅማር ውድባዊ ሰሚናርን ጉባኤን ብዝተፈላለዩ ናይ መድያ ማዕከናት ኣቢሎም ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘተባብዑን ፍናን ዝህቡን መልእኽትታትን ዕምባባታትን ስእላዊ ምልክታትን መግለጽታትን ክውሕዙ ንዕዘብ ኣሎና። ዓቢ ናይ ክብሪ ቦታ ከኣ ኣለዎም

  • ኣጆኹም ኣብ ጎንኹም ኣለና !
  • ኣብ ህዝባዊ ሰሚናርን ጉባኤን ትሳተፉ ዘለኹም ደቂ-ህዝቢ ዓወትን ኣሳልጦን ንምነየልኩም !
  • I am proud of this organization !
  • ኣብዚ እንርእዮ ዘለና ጉባኤ ብልጫ ዘለዎ ተሳትፎ ሓርነታዊ ቃልሲ ከም ምዃኑ ዘገናዝብ ካብ ኩሎም ኣካላት ሕብረተ-ሰብና ምስታፎም ኢዩ። ንሓረስታይ ኣካል ሕብረተ-ሰብና እውን ዘጠቓለለ ኢዩ !
  • ኣውሊዔ ኣውሊዔ፡ መመሊስኪ ጠጥዒየ (ኣብ ከተማታት ኤርትራ ካብ ዝስምዑ ዘሎዉ ደርፊታት) !
  • ኣውሊዔ ኣውሊዔ፡ ደንጕኽኒ ንዒየ (ኣብ ከተማታት ኤርትራ ካብ ዝስምዑ ዘሎዉ ደርፊታት) !
  • መርዓተይ ኩሕሎ፡ ህዝብኺ ይጽበየኪ ሎ (ኣብ ከተማታት ኤርትራ ካብ ዝስምዑ ዘሎዉ ደርፊታት) !
  • ዕዉት ሰሚናርን ጉባኤን ይግበሮ !                      

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel