እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 11 guests and no members online

ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

3ይ መዓልውዕሎ ኣብ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ

ኣብ ናይ ትማሊ ሓበሬታና፡ ናይ ኩለን ቤት-ጽሕፈታት ፈጻሚ-ኣካልንኦዲት ኮሚሽንንዞባታትን ጨናፍራትን፡ ደግሓኤ ደቂቕን ሰፊሕን ዝርዝር ጻብጻብ ናይ 3ተ ዓመት ክቐርብ ከምዝወዓለ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ዝቐረቡ ጸብጻባት ድምጺ ተገይርሎምብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብምሉእ ድምጺ ኣባላት ጉባኤ ከድቁ ከለዉ፡ ኣብ መዛዘሚ ናይ 2ይ

መዓልቲ ከኣ ምምራጽ ሰክረታርያ ከምዝተሳለጠ፡ ጉባኤ ድማ ንሎሚ 3ይ መዓልቱ ክቕጽል ምዃኑ ከምዝሓበርና ዝዝከር ኢዩ።

ናይ ሎሚ ዛዕባ ኣብቲ ዝቐረበ “ንድፊ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መደብ-ዕዮመሰረት ብምግባር ምሉእ መዓልቲ ብሕኑን መንፈስ ክቕጽል ውዒሉ። ኣብ ዝቐረቡ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ብርክት ዝበሉሕቶታት ቀሪቦም። ግቡእ መልስታት እንዳረኸቡ ድማ ብምርድዳእ ደሞክራስያዊ መደብ-ዕዮብምሉእ ድምጺ ጸዲቑ       3ይ መዓልቲ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዛዚሙ ጉባኤ ንጽባሕ 4ይ መዓልቱ ብካልእኣርእስቲ ክቕጽልኢዩ።

ገለ ካብቶም ፈተንትን ሓለኽትን ነጥብታት ንምጥቃስ ዝኣክል፣

  • ኣብ ዓለምናን፡ኣብ ከባቢናን፡ ኣብሃገርናንዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ ኵነትን ሓደገኛነታቶምን
  • ብቀጻሊ ዝረኤ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልምላው ካበይ ዝብገስኢዩ፡ ንህዝብናን ሃገርናን ዘውርድዎ ሃስያትትን
  • ኣብ ህዝብናን ሃገርና ኤርትራን ዝወርደና ዘሎ ብርሰት ጠጠው ንምባል ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት
  • ፖ/ዊ ዓቕሚ ኣባል ንምዕባይ ዝሕግዝ ቀጻልነት ዘለዎ መደብ ምንቕቓሕን ኣጠቓቕማ መድያታትን
  • ቁጠባዊ ምንጪ ውድብና ብመትከል ኣብ ነፍሰ-ምርኮሳ ዝተሰረተ ምዃኑቀጻልነት ዘለዎ ቁጠባዊ ምንጪ ንምርግጋጽ ዘኽእል መደባት ወይ ፕሮጀክትታትምድህሳስ
  • ምስ ህጹጽነት ናይ መድረኽናን ኣተሃላልዋ ሓይልታት ኤርትራን፡ ንናይ ሓባር ጸላኢና ኣብ ምግጣምኡ

ውድቀት ንጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ!

ዓወት ንካልኣይ ውድባዊ ጉባኤና!

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ስዉኣትና!

ብክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ካብ ቦታ ጉባኤ

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ደግሓኤ/

22መስከረም 2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel