እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 13 guests and no members online

ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ተዛዚሙ።

ካብ’ቲ ኣብ ኣረኣእያን ተግባርን ዝተሰረተ ዘላቒ ሓድነት ንምርግጋጽ ንቃለስ!፣ ሓደን ዝሰመረን ናይ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ሃገራዊ ግንባር ክረጋገጽ ንቃለስ!፣ ምሕዝነት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይደልድል!፣ ሰሚናር ፖለቲካዊ ውድባት፡ ካልኣይ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕንዋት ንረባረብ!፣ ብዝብሉ መሪሕ ደሞክራስያዊ ጭርሖታት ተዓጅቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ኣርእስታት ዝተዛተየ ውድባዊ ሰሚናር ቀጺሉ ብ20 መስከረም 2017 ዝጀመረ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤና ብ24 መስከረም 2017 ተዛዚሙ።

ብኣላዪ መድረኽ ብ/በየነ ኪዳነ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኹም ሰላምታን ብጉጅለ ባህሊ ደግሓኤ ሙዚቃዊ ድራማን ዝተዓጀበ ዝኽሪ ሰማእታት ብድምቀት ዝተኸፍተ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤና፡ ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ደግሓኤ፣ ቃል- ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ ተነቢቡ። ቀጺሉ ብኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፡ ብኣካል ናይ ዝተረኽቡን ዘይተረኽቡን መሓዙት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ናይ ደገፍ መግለጺ ብዝተታሕዘሉ መደብ መሰረት ተሰሚዑ። መልእኽቲ መሓዙት ፖለቲካዊ ውድባት ጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱር መሰረቱ ንምምሓው ሓቢርና ክንቃለስ ከም ዘለና ዝጠልብ ክኸውን እንከሎ ፡ ገለ ድማ ክሳብ ንምትሕንፋጽ ዝጽውዕ ነይሩ።

ቀጺሉ፡ ሰለስተ ዓመታዊ ናይ ስራሕ ጸብጻብን ኣብ መንጎ መንጎ መግለጺ ደገፍ ናይ ዞባታት ደግሓኤን ቀሪቡ። ዞባታት ደግሓኤ ብወሳኒ መልክዑ ምስ መሓዙት ፖለቲካዊ ውድባትን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ሓቢርናን ተኻባቢርናን ብምስራሕ ጭርሖ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ብተግባር ንተርጉም ዝብል ነይሩ። ሰለስተ ዓመታዊ ፖለቲካዊ ጸብጻብ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ስለስተ ዓመትን መንፈቕን ክስርሑ ዝተታሕዙ መደባት፡ኣፈጻጽማኦም ዝነበሮም ድኽመታትን ኣርእስቲ በርእስቲ ዝዳህሰሰ ነይሩ።

ንፖለቲካዊ ጸብጻብ ስዒቡ ጸብጻብ ገንዘብ ብኦዲት ኮሚሽን ቀሪቡ። ቀጺሉ ጉባኤኛ ኣብ ረቂቕ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ሕገ-ህንጻ ተኻቲዑ ኣድላዪ ምስትኽኻል ድሕሪ ምግባር ኣጽዲቑ። ንሰለስተ ዓመት ዝመርሑ ኣባላት ማእከላይ ማሪሕነትን ኦዲት ኮሚሽንን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። ጉባኤኛ ኣብ መዛዘሚ ዕለት ማለት 24 መስከረም 2017 ብጉጅለ ባህሊ ደግሓኤን ተዓዲሙ ብዝመጸ ውሩይ ድምጻዊ ኪሮስ ኣስፋሃን ክዘናጋዕ ኣምሲዩን።

ኔዘርላንድስ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከም እትኽእል ኣእንፊታ።

ካልኣይ ባይቶ ነዘርላንድስ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንዝእክቦ ዘይሕጋዊ ግብሪ 2% እተጽንዕ ጉጅለ መዚዙ ከም ዝነበረ፡ እታ ጉጅለ ድማ ኣብ ነዘርላንድስ፣ ኢጣልያ፣ ኖርወይ፣ በልጁም፣ ጀርመን፣ ሽወደን፣ ዓባይ ብሪጣኒያ መጽናዕታ ከም ዘካየደት፡ እቲ ዘሕጋዊ ግብሪ ብጭቡት ከም ዝካየድ፡ ነዚ ዘይሕጋዊ ግብሪ ኣይንኸፍልን ኣብ ልዕሊ ዝብሉ ድማ ሓያል ምፍርራሕ ከም ዝግበረሎም ከም ዘረጋገጸት ኣብ ጸብጻባ ምሕባራን ረድዮ ኤረና ገሊጻ።

እቲ መጽናዕቲ ክፍሊት 2% ካብ ሃገር ናብ ሃገር ከም ዝፈላለ፡ ንኤርትራውያን ምስ ዝነብሩለን ሃገራት ተወሃሂዶም ብሰላም ከይንበሩ ጸገም ኮይኑ ምህላው፡ መጠን ናይ’ቲ ክፍሊት ዝውስን ሕጋዊ ወኪል መንግስቲ ዘይኮነ፡ ብወኪል ህግደፍ ተባሂሉ ዝምደብ ወልቀ-ሰብ ምዃኑ፡ እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክትን ረድዮ ኤረና ኣብ’ቲ ብ24 መስከረም 2017 ዝዘርገሓቶ ዜና ኣፍሊጣ። 

   ጸብጻብ መጽናዕታዊ ጉጅለ፡ ዝኾነ ኤርትራ ዘይሕጋዊ ክብሪ 2% ክኸፍል ጸቕጢ እንተተገይርሉ ብቕጽበት ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ከመልክት ከም ዘለዎ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ክውሰድ ንሃገራዊ ባይቶ ከም ዘቕረበን ሓቢራል          

                      

ኣብራሃ ካሳ ዝተባህለ ጀነራል ኢሳያስ

ንስምረት ገዳማትን ጳጳሳትን ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ኣኪቡ ከም ዝሃደዶም ተፈሊጡ።

ስማዊ ጀነራል ኣብራሃ ካሳ ንስምረት ገዳማትን ጳጳሳትን ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኣኪቡ፡ ነቲ ብማሕበር ገዳም ደብረ ቢዘን ተገይሩ ዘሎ ውግዘት ብቕልጡፍ መልሲ ክትህብሉ ኣለኩም፡ እዚ ኮነ ኢልካ ህዝብን መንግስትን ንምጽላም ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተማህዘን ዝተደፍአን’ዩ ዝብል ታህዲድ ዝተሓወሶ ትእዛዝ ከምዘውረደ፡ እዚ ድማ ቁጠዐ ከም ዝፈጠረን ማዕከናት ዜና ብ24 መስከረም 2017 ጸብጺበን።

ጉጅለ ህግደፍ ድሮ ን ወዲ 37 ዓመት ኣባ ገብረ ትንሳአን ተወልደመድህንን፡ ወዲ 61 ዓመት ኣባ ክብረኣብ ተኪኤን ዝተባህሉ ዝረከብዎም ኣሲሩ ምህላውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብሓልዮት ደምክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 25-09-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel