እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 69 guests and no members online

ሕብረትን ተግባርን ዝጠልብ ኣገዳሲ መድረኻዊ ፖለቲካዊ ውሳኔታት

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ክዝቲ ዝቐነየ ውድባዊ ሰሚናር፡ “ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኩሉ ዓቕሚታት ተቓላሳይ ህዝብና ደመኛ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ ይቕናዕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ካብ 20 ክሳብ 24 መስከረም 2017 ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ኣካይዱ። ውድባዊ ሰሚናር ሓያልን ድኹምን ጎኒታት ውድብ ዳህሲሱ፡ ኣባላት ውድብ ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘለና ተሃዋሲ ፖለቲካዊ መድረኽ፡ ካብ ኣፍልጦን ንቕሓት ዝምንጩ ድልዱል ኣረኣእያ ዓጢቖም ብጽንዓት ክምክቱ ዘኽእሎም ኣገዳሲ ትምህርቲ ዝተረኽበሉ ነይሩ። ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ድማ፡ ውድብ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን እንታይ መደባት ነይረሞ? እንታይ ኣዐዊቱ? እንታይ’ከ ተሪፍዎ? ስለምንታይ ብምንታይ ምኽንያት ዝብል ፖለቲካዊ ጸብጻብ ተመልኪቱ። ቀሊል ዘይኮነ ናይ ኣፈጻጽማ ድኽመት ከም ዘለዎ ርእዩ። ኣብ’ቶም ኣዕኑድ ናይ’ቲ ውድብ መሳርሒ ዝኾኑ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ሕገ-ህንጻን ካብ ዝቐደመ ዝተመሓየሸን ብሩህን ኮይኑ ክስነድ ተኻቲዑ ኣጽዲቑ። ነዚ ዘተግብሩ ኣባላት መሪሕነትን ኦዲት ኮሚሽንን ድማ መሪጹ።

ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ኣብ መዛዘሚ ጉባኤኡ፡ ንቕድሚት ብቃልሲ ክፍትሑ ዘለዎም ኢሉ ዝረኣዮም ንገዛ ርእሱ፣ ንደመኛ ጸላኢ ጉጅለ ህግደፍ፣ ንመሓዙት ፖለቲካዊ ውድባት፣ተሳተፎ መንእሰያት፡ ደቂ-ኣንስትዮን ምሁራንን፣ ዋሕዚ ስደት፣ ድሕረት ከም ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ምጥቃም፣ ምዕቃብ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ዝብል ጽማቕ በዓል ሸውዓተ ነጥቢ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ። እቲ ውሳኔታት ብመሰረት ዘለናዮ ተሃዋሲ መድረኽን ኣገዳስነቱን ክጥመት እንከሎ ንሓደ ውድብ ደግሓኤ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንኹሉ ሓቀኛ ደላዪ ሓድነትን ምሕዝነትን ከምኡ’ውን ደላዪ ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝምልከት’ዩ። ምኽንያቱ ንቕልጡፍ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዘገልግል ሜላታት’ዩ።

ንጸላኢ ኣመልኪቱ ኣስፊርዎ ዘሎ ምስ እንምልከት፡ ጸላኢ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ብውሽጥን ብደገን ክኽተሎ ብዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ፖሊሲታት፡ ሃገርና ፍሽልቲ ሃገር ናይ ምዃን ድነ የንጸላልዋ ከም ዘሎ፤ እዚ ጉጅለ ንጸቢብ ረብሓኡ ቀዳምነት ብምስራዕ፡ ዞባውን ዓለማውን ኣገዳስነት ዘለዎ ስትራተጂካዊ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ከም ቃሕታኡ ንዕዳጋ ኣውሪዱ ብምሕራጅ ሃገርና መነሃርያ ናይ ዝተፈላለዩ ተነሓናሕቲ ዞባውን ዓለማውን ሓይልታትን ኣሽበርቲ ጉጅለታት ክትከውን ዝዕድም ባይታ ይፈጥር ከም ዘሎን ብብሩህ ኣስሚርሉ ይርከብ።

ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ደግሓኤ፡ ንሕቶ ምሕዝነትን ሓድነት ኣብ ዝምልከት ድማ፡ ውድብ ኣብ ሕቶ ምሕዝነት ሓድነት ካብ ቅድም ዝጸንሖ መትከላዊ ሓላፍነታዊ እምነቱ መሰረት ብምግባር ከሰላስሎ ዝጸንሐ ብምምጓስ፡ ምስ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለሱ ሓይልታት ዝጸንሖ ዝምድና ንምድልዳል ብምሉእ ዓቕሙ ክረባረብ ከም ዝኾነ፡ ብመሰረት እቶም ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታት ዝወነንዎ ኣረኣእያን ዝምርሕሉ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ፈላልዩ ብምቕማጥ፡ ምስ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ዘለዎም፡ ብሄራዊ ኮነ ሕብረ-ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ውድባት፡ ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ክምስረት፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ሕብረ ብሄራውያን ደሞክራስያውያን ውድባት ክሳብ ምትሕንፋጻዊ ሓድነት ክገብር ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ናይ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝሰመረ ወቓዒ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክምስረት ክቃለስ ምዃኑ’ውን ወሲኑ።

ኣብ ደውታ ዝርከብ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ዳግም ንምብርባር ብመንገዲ ሰሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ተታሒዙ ዘሎ መደብ ንቕድሚት ብምድፋእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ’ቲ ግንባር ንኽግበር ካብኡ ዝጥለብ ከማልእ ድልዊ ምዃኑ፣ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ብኹለ-መዳያዊ ቃልሲ ክውገድ ካብ ዝጸንሖ ስሩት ፖለቲካዊ እምነት ነቒሉ፡ ኩሎም ዕጡቕ ክንፍታት ዘለዎም ውድባት፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ስትራተጂን ናይ ሓባር መሪሕነትን ብዝተወሃሃደ ወተሃደራዊ ኮማንድ ተጠርኒፎም ክሰርሑ ዘለዎ ተደላይነት ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ደግሓኤ ሎሚ’ውን ከም ቀደሙ ዘይተቖጠበ ዕዙዝ ተራኡ ክጻወት ምዃኑ ወሲኑ።

ሕቶ ምሕዝነትን ሓድነት ግብራዊ ከይኸውን ክዕንቅፉ ዝጸንሑ ናይ ትምክሕትን ጽበትን ድሑራት ኣረኣእያታት ንምግራሕን ንምብላይን ቀጻልነት ዘለዎ ዝተነጸረ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ምክያድ ከም ዘድልን ከም ውድብ ተራኡ ክጻወት ድልዊ ምዃኑን ኣስሚርሉ ኣሎ። እቲ ተዘሪጉ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትና ኣብ ምጽራይ፡ ንጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ብምውጋድ፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ምብትታን ንምድሓን ተራን ግደን መንእሰያት፣ ደቂ-ኣንስትዮን ምሁራንን ዕዙዝ ምዃኑ ስለዚ ከኣ ነዞም ማሕበራዊ ክፍልታት እዚኦም ብምሉእ ዓቕሞም ኣብ’ቲ ቃልሲ ክሳተፉ ንምግባር ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ምዃኑን ኣብ ፖለቲካዊ ውሳኔኡ ኣረጋጊጹ።

ፖለቲካዊ ውሳኔታት ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ደግሓኤ፡ ነቲ ንዓለም ገረሞ ኮይኑ ዘሎ ዘይንቡር ዋሕዚ ስደትን ጠንቁን ኣመልኪቱ ድማ፡ ጠንቂ ጉጅለ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ምዃኑ፡ መፍትሒ ናይ’ዚ ከኣ ዓቕሚታትካ ኣላፊንካ ምቅላስ ምዃኑ፡ ስደት መሰረታዊ መፍትሒ ከምጽእ ከም ዘይኽእል ብምንጻር፡ ደላዪ ሰላም ማሕበረ ሰብ ዓለም ንስደተኛ ህዝብና ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ኮነ ኣብ ገለ ዝዓረፈለን ሃገራት ዝገጥሞ ዘሎ ዘይሕጋውን ዘይሰብኣውን ተግባራት ብኣንክሮ ተኻታቲሉ ነቲ ሽግር ኣብ ምፍታሕ ኣህጉራውን ሰብኣውን ተራኡ ክጻወት ተማሕጺኑ። ድሕረት ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ኮይኑ የገልግል ከም ዘሎ፡ ቀንዲ በዚ ክግልገል ዝጸንሐን ዘሎን ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ፡ ካልኦት ገለ ዝነደዩ፡ ገለ ድማ ብፖለቲካዊ ቅርሕንቲ ዝመረቱ ወገናት ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታትን ኣስማትን ክጥቀምሉ ይፍትኑ ከም ዘለው ኣነጺሩ፡ ብቕሉዕ ክምከቱ ከም ዝግባእ ወሲኑ። ውሳኔታት ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ምዕቃብ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ኣብ ዝምልከት ድማ፡ ነቲ ብዝተናወሐ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ዝተሃንጸ ሓባራዊ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒታት ንምህሳስ፡ ብወሳኒ መልክዑ ጉጅለ ህግደፍ፡ ገለ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ተበለጽቲ ምሁራት፡ ከምኡ’ውን ናይ ሃገራዊ ሰራዝነት ኣንፈት ዘለዎም ብስም ብሄረ ኣግኣዝያን ተዋህዶ ክርስትያን ዝሰረቱ ብሄረ ትግርኛ ክንምስርት ኢና ዝብሉን ነዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ተጻይ መልሲ ዝህብ ናይ መታሕት ኣመንቲ ምስልምና ዝኾና ናትና ነጻ ሃገር ክንገብር ኣለና ዝብል ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገጽ ዝኾኑ ኣዕነውቲ ኣተሓሳስባታት ይቀላቐሉ ከም ዘለውን ከይሳዕረሩ ብትሪ ክምከቱን ክብርዕኑን ከም ዘለዎም ወሲኑ ኣሎ።

ውሳኔታት ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ብዋንነቱ ናይ ሓደ ውድብ ይምሰል’ምበር፡ ብትሕዝቶ መልእኽቱ ንኹሉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝምልከት ኣገዳሲ መድረኻዊ ውሳኔታት ብምዃኑ፡ ናይ ኩሉ ጠመተ ክረክብ፡ ብሕብረት ድማ ኣብ ባይታ ክትርጎምን ዘለዎ ውሳኔታት ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ። እዚ ካብ ቁጽሪ ሓደ ክሳብ ቁጽሪ 7 ሰፊሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ክዕወት ብርግጽ ሓባራዊ ቃልሲ የድሊዮ። ዝህቦ ረብሓ ከኣ ሓባራዊ’ዩ። በዚ ዓይኒ ምስ ዝጥመት ድማ’ዩ፡ ሕብረትን ተግባርን ዝጠልብ ኣገዳሲ መድረኻዊ ፖለቲካዊ ውሳነ ንምዃኑ ንምርዳእ ዝከኣል።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 16-10-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel