እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 67 guests and no members online

ኣብ ኣስመራ ተመሃሮ ዲያእ ኣል እስላሚያ ንኢድ ምትእትታውን

ጸረ-ህዝቢ ተግባርን ጉጅለ ህግደፍ ብወግዒ ተቓዊሞም።

ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላሚያ ካብ ግዜ ስርዓት ሃይለስላሴ ኣትሒዛ ዝነበረ ነባር ቤት ትምህርቲ ክንሳ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን እምነቱን ካብ ዘለዎ ትሑት ግምትን ዝተለምደ ፋሽሽታዊ ተግባርን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እታ ቤት ትምህርቲ ኢዱ ብምእታው፡ ዝነበረ ኣካይዳ ኣቋሪጻ ዘይነበረ ኣገባብ ክትክተል ንዘውረዶ ትእዛዝ ብሰንጠቕ ብምቅዋሞም ንዝኣሰሮም ኣመሓደርትን ኣማኻርትን ክፍትሑ ዝጠልብ ኣብ ጎደና ወጽኢኦም ተቓውሞ ኣስሚዖም።

እቲ ብ31 ጥቅምቲ 2017 ቤት ትምህርትና ንምዕጻው ዝተወስደ ስጉምቲ ንኹንን፡ ኣካያዲ እታ ቤት ትምህርቲ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝርከብዎም ብትካል ጸጥታ ዝተኣስሩ ብቑልጡፍ ክፍትሑ ንጠልብ፡ ዝብል ድምጺ ብዓውታ እናስምዑ ድሕሪ ዘካየድዎ ተቓውሞ፡ ኣብ ክንዲ ብሰላማዊ ኣገባብ ተቐቢሉ ተላዚቡ ምፍታሕ ቅሩብነት ዘርኢ፡ ወተሃደራት ልኢኹ ብበትሪ ከም ዝኣተዎም፡ ካብ’ዚ ክሃድሙ ንዝፈተኑ ድማ ኣድራጋ ጠያይቲ ከም ዘዝነብሎም ማዕከናት ዜና ኣልጀዚራን ቢቢሲን ብምስሊ ኣደጊፈን ጸብጺበን።

ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ብጎነጽ ክፈትሖ ኣብ ዝወሰዶ ፋሽሽታዊ ስጉምቲ፡ ብዙሓት ከም ዝቖሰሉ፣ ከም ዝሞቱን ከም ዝተኣስሩን፣ እቲ ተቓውሞ ግን መልክዑ ቀይሩ ናብ ካልእ ቦታታት ሊሑም ይቕጽል ከም ዘሎን መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ የቃልሓ ኣለዋ።

ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ሲቪላዊ ሰነዳት ክትህብ ከም ዝጀመረት ገሊጻ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሃገሩ ተዓቝቦም ንዝርከቡ ስደተኛታት ምስክር ወረቐት ማለት ከም ዕለተ ልደት፣ መርዓን ሞትን ዝኣመሰለ ሲቪላዊ ሰነዳት ካብ 27 ጥቅምቲ 2017 ኣትሒዙ ክህብ ከምዝጀመረ፡ ምዝገባ ሰቪላዊ ሰነዳት ኣብ ኩሉ መዓስከራት ክትግባር ምዃኑን፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣፍሊጡ።

ንስደተኛታት ኣዒቊበን ዘለዋ ሃገራት፡ ንስደተኛታት ስቪል ሰነዳት ክህባ፡ ኣብ ክብሪ መዝገብ ከስፍራ፡ ናይ ትምህርትን ስራሕን ዕድል ክፈጥራ ዝብል ኣብ 2016 ኣብ ኒውዮርክ ተቓኒዑ ዝነበረ ዋዕላ ስደተኛታት ተመሓላሊፉ ከም ዝነበረ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተግባር ክትርጉሞ ምጅማሩ ከም ዘሐጎሶን ወኪል ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ኤርትራዊ ናብ ኤርትራ ከይጥረዝ ሓቲቱ

ብቅትለት ሰብ ኣብ ብሪጣኒያ ን14 ዓመታት ክእሰር ዝተፈርዶ ቶማስ ግርማይ ዝተባህለ ኤርትራዊ ናብ ኤርትራ ከይጥረዝ፡ ናብ ኤርትራ እንተተጠሪዙ ንህይይወቱ ዘስግእ ሓደጋ ክበጽሖ ከም ዝኽእል፡ ናብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ምባሉ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብምጥቃስ ረዲዮ ኤረና ብ31 ጥቅምቲ 2017 ሓቢራ።

እቲ ኤርትራዊ፣ ምስ ሓደ ጉጅለ ገበነኛታት ብምዃን ኣብ 2004 ንሓደ ታይላንዳዊ ክኢላ ምድራዝ ሰብነት፣ ብካራ ወጊኡ ብምቕታል ከም ዝተኸሰሰ፣ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ን14 ዓመታት ክእሰር ከም ዝፈረዶ፣ ወዲ 34 ዓመት ቶማስ ግርማይ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ'ውን ተመሳሳሊ ገበን ከምዝፈጸመ፣ ኣቐዲሙ ብስርቅን ሓሽሽን ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ተኣሲሩ ከም ዝነበረን ዝገለጸት ኤረና ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ ናብ ሃገሩ ክጥረዝ ክፍሊ ኢሜግሬሽን እታ ሃገር ከም ዝወሰነሉ ጸብጺባ።

ቶማስ ግርማይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝተወልደ ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ወለንታዊ ተግባራት ብምስታፍ ኣብ ሰናይ ተግባር ይነጥፍ ከም ዘሎን ንሕብረተ-ሰብ ሓደገኛ ከም ዘይኮነን ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ከም ዝመስከረሉ ድማ ወሲኻ ገሊጻ።

ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣንጻሩ ዝተላዕለ ናይ ብዱላት ተቓውሞ  ሃይማኖታዊ መልክዕ ከትሕዞ ጎስጓሳት ጀሚሩ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ሃላሊ ጉጅለ ህግደፋ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃይማኖት ኢዱ ብምእታውን ኣካየድቲ ስራሕ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላሚያ ብምእሳሩን ናብ ጎደና ወጺኡ ዝተቓወመ ህዝቢ፡ ወተሃደራት ሰዲዱ ምህራሙ፡ ምቕታሉን ምእሳሩን ከይኣክል፡ ሃይማኖታዊ መበገሲ ዘለዎ ትሕቲ ሃገራዊ ምትእኽኻብ’ዩ ዝብል ጎስጓስ ከካይድ ጀሚሩ ከም ዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ይገልጹ ኣለው።

እዚ ብደም ንጹሃት ዝጨቀወ መሪሕነታዊ ጉጅለ፡ ንደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ 1973፣ ኣብ 2001 ጽገናዊ ለውጢ ንዝጠለቡ ወገናት፣ ብጎነጽን መቐተልትን ምስተቖጻጸሮም ኣውራጃውያን ዝብል ስም ከም ዝለጠፈሎም፣ ብ21 ጥሪ 2013 ዝተገብረ ናይ ሰራዊት ምንቅስቓስ ኣስላም ዝመርሕዎ ፍሹል ፈተነ ብዝብል ዘይመልክዑ ከትሕዞ ከም ዝፈተነ፡ ብዙሓት ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ ዜጋታት ሃለዋቶም ኣጥፊእዎም ከም ዘሎን ብምዝካር፡ ነዚ መንግስቲ ካብ ጉዳይና ኢዱ የውጽእ፡ ዝኣሰሮም መራሕትና ይፍታሕ ዝብል ናይ ተመሃሮ ተቓውሞ፡ ተመሳሳሊ ናይ ጠቐነ ስም ብምልጣፍ ኣብ መንጎ ህዝብታትን እምነታትን ሓዊ ከሳወር ውሽጢ ውሽጢ ጎስጓስ የካይድ ከም ዘሎ ኣረዲኦም።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 03-11-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel