እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 23 guests and no members online

ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 40 ሽሕ ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ንህይወቶም ውሕስነት ብምስኣን ኣብ ከቢድ ጸገም ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።

ካብ 2006 ክሳብ 2013 ኣብ ዝነበረ ግዝያት ብምድረ ባዳን ዘስካሕክሕ ገበናት ብዝፍጸመሉ ሲናን ሰጊሮም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ሃገረ ስራኤል ኣትዮም፡ መብዛሕቲኦም ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ተዋፊሮም፡ ሸለብ ገለብ እናበሉ ህይወቶም ክመርሑ ዝጸንሑ ኣስታት 40 ሽሕ ከም ዝኾኑ ዝተነግረሎም ስደተኛታት፡ ብመሰረት ባይቶ እስራኤል ንዓታቶም ዝምልከት ዘውጸኦ ዘይፍትሓውን ዘይሰብኣውን ውሳነ፡ ኣበይ ክንወድቕ ኢና ኣብ ዝብል ዓሚቕ ሻቕሎት ከም ዝርከቡ ድምጺ ኣመሪካ መደብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ብ20 ሕዳር 2017 ጸብጺባ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ሃሃገሮም ካብ ዘሎ ንምንባር ውሕስነት ዘይህብ ጸረ-ደሞክራስያዊ ምሕደራ ኣምሊጦም ዝወጹ ናይ ፖለቲካ ዕቑበኛታት ክንሶም፡ መንግስቲ እስራኤል ግን፡ ናይ ኢኮኖሚ ስደተኛታት’ዮም: ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት ኣይኮኑን ብዝብል ሸፈጥ፡ ሓያሎ ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዘባረረ፡ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ድማ ኣብ ሓደ ሓውሲ በረኻ ዳጒንዎም ምጽንሑን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ቅድሚ ሳልስቲ ዘመሓላለፎ ውሳነ ግን፡ ወይ ካብ ሃገርና ጠቕሊልኩም ትወጽኡልና ኣይፋልናን እንተበልኩም ግን ትእሰሩ ዝብል መጠንቀቕታ ዘለዎ ከም ዝኾነን፡ መዓለቢኦም ዘይፈለጡ ስደተኛታት ኣብ መዋጥር ኣትዮም ናይ ኣድሕኑና ኣውያት የስምዑ ምህላዎምን ኣረጋጊጻ።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ንውሳነ እስራኤል ከም ዝተኸታተሎን ከምዘይቅበሎን ኣብ ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ብ17 ሕዳር 2017 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።

ዕውት ናይ ፕሮፖጋንዳን ውደባን ወፍሪ ተኻየዱ።

ድሕሪ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ጀጋኑ ዕጡቓት ናይ ፕሮፖጋንዳን ውደባን ኣሃዱና፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዕውት ናይ ፕሮፖጋንዳን ውደባን ወፍሪ ከም ዝተፈጸሙ ካብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ቤት ጽሕፈት ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።

እቲ ወፍሪ፡ ፍሉይ ሕታም መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራስን ካልኦት ንደሞክራስያዊ ተጋድሎ ውጹዕ ህዝብና ዝገልጹ ጽሑፋትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንምዝርጋሕ ብዝተታሕዘ መደብ መሰረት፡ ብ5 ሕዳር 2017 ኣብ ከባቢ ማይ-ምነን ዓድዃላን ብ8 ሕዳር 2017 ድማ ኣብ ከባቢ መስሓል ኣኽራን ኣብ ዝተጸንዑ ኣገደስቲ ቦታታት ጽሑፋት ብምዝርጋሕ ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ወገናት ክበጽሕን ምስ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታትና ከላለዩን ከም ዝገበሩን እቲ ዜና ገሊጹ።

በቲ ናይ ውደባን ፕሮፖጋንዳን ወፍርን ምዝርጋሕ ዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ጸላኢ ዘይተጸበዮ ኣጋጢምዎ ሸበድበድ ክብል ከም ዝተራእየ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝርከቡ ተማሃሮን ነበርቲ ናይ’ተን ዓድታትን ኣኪቡ ከፈራርሖም ከም ዝጀመረ፡ ነቲ ዝተበተነ ጽሑፋት ኣኪቦም ከረክቡ ብምእዛዝ ከም ዝሃደዶምን ኣብ እዋኑ ብ17 ሕዳር 2017 ናብ ዌብሳይታት ምዝርጋሕናን ዝፍለጥ’ዩ።

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ኤርትራ ንዝኣትው ዜጋታቱ መጠንቀቕታ ሂቡ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፣ ናብ ኤርትራ ንዝገሹ ዜጋታቱ ብጉዳይ ባጤራ ናቕፋ ኣመልኪቱ ናይ መጠንቀቕታ መግለጺ ከም ዘውጸአ፡ ካብ ኤርትራ ክወጽእ እንከሎ ልዕሊ 1000 ናቕፋ ሒዙ ዝተረኽበ ሰብ ብቐጥታ ከም ዝህገር፡ ካብ 5 ሽሕ ናቕፋ እንተኾይኑ ድማ እቲ ጉዳይ ዝኸበደ ምኻኑን ብምንጻር ኣዘኻኺሩ።

እቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ህግደፍ ካብ መወዳእታ ዓመተ 2015 ንነጀው፡ ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ዝወጽእ በጸሓይ ኮነ ኤርትራውያንን ትውልደ ኤርትራውያንን ካብ 1000 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ሒዙ ዝተረኽበ ሰብ ገንዘብ ከም ዝህግር፡ ከም ተወሳኺ ድማ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ማሕበረ-ሰብ ዲፕሎማሲ ካብ ኣስመራን ከባቢኣን ርሒቑ ከይኸይድ መምርሒ ከም ዝሃበን ብምጥቃስ፡ ነዚ ሓቂ ‘ዚ መሰረት ብምግባር ጥንቃቐ ንዘይገብሩ ዜጋታቱ ቅልጡፍ ድጋፍ ክገብረሎም ከምዘይኽእል ብወግዒ ምሕባሩን ረዲዮ ኤረና ብ20 ሕዳር 2017 ኣቃሊሓ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 22-11-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel