እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 22 guests and no members online

ስጊንጢር ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ጸገም ብሰላም ንምፍታሕ፡ መስርሕ ዘተ ክጅምር ተሰማሚዑ፡ ንመራሒ ዘተ ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ከልኪሉ።

ጉጅለ ህግደፍ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ መስርሕ ሰላም ክጅመር ፈቒዱ ክንሱ፡ ኣካልን መራሕን ናይ’ቲ ዘተ ንዝኾኑ መራሒ ካቶልካዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳሳት ብጹእ ካርዲናል ብረሃነ የሱስ ሱራፌል ናብ ኤርትራ ከይኣትው ከም ዝኸልከሎም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ትሕተም ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ናይ ሰንበት 19 ሕዳር 2017 ሕታማ ሓቢራ።

ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ጸገም ብዘተ ክፍታሕ ድልውነቱ ኣረጋጊጹ፡ ናይ 11 ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ መራሕቲ ሃይማኖት ናብ ኤርትራ ክኣትው ፈቒዱ፡ ንሊቀ ጳጳስ ብጹእ ብርሃነየሱስ ምኽልካሉ ንብዙሓት ከም ዘገረመ፡ እቲ መስርሕ ሽምግልና ግን ይቕጽል ከም ዘሎን ኣረዲኣ።

ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር ብመሰልን ረብሓን ህዝብታት ኤርትራ ዝጣላዕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ባድመ ስዕረት ኣብ ዘጋጠመሉ ሰሙን ዘርእዮ ዝነበረ ምሽክንክን፡ ናይ ትምክሕቲ ቃናኡ ቀይሩ፡ ጎደቦና ጎደቦና የዘውትር፡ ናብ’ቶም ድሕረ መራሕቲ ሃይማኖት ዘለው ርእሰ ሓያላን ጽግዕግዕ ይብል ከም ዘሎን ዝተፈላለዩ ፈለጥቲ ውሽጢ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።

 

ኣስማት ዝርዝር ኣፍሪቃውያን ግዳያት ባሕሪ ከም ዝወጽአ፡ ኤርትራውያን ግዳያት ድማ ቀዳማይ ቦታ ሒዞም ከም ዝርከቡን ተገሊጹ።

ዴር ታገስ ስፒዩጌል ዝተባህለት ዕለታዊ ጋዜጣ ጀርመን፡ ናይ’ቶም ካብ ሽግር ክወጽኡ ህይወቶም ከድሕኑ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ምድሪ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ’ሞ ኣብ ባሕሪ ብምጥሓል ክቡር ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝሓዘ ኣስማት ዝርዝር ከም ዝተገልጸ፡ ኤርትራውያን ግዳያት ብብዝሒ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ሒዞም ከም ዘለውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዚ ልብኻ ዘንድድ መዓንጣኻ ዝኹምትር ብዝብል ዝተገልጸ ዝርዝር ኣስማት ግዳያት፡ 40 ገጻት ዘለዎ ኮይኑ፡ 33,293 ግዳያት ዝተምዝገብሉ ማዕበራዊ ዕንወት’ዩ ክትብል እታ ጋዜጣ ምጽብጻባን ኣሶሰይትድ ፕሬስ ሓቢሩ።

 

ኣንጻር’ቲ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ንግዲ ደቂ-ሰባት፡ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ ሰላት ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቅድሚ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሊብያ ኣብ ፈረንሳ ተኻይዱ።

ካብ ካልእ ግዝያት ብዝኸፍአ ኣብ ምድሪ ሊብያ ሃይሃይታ ንግዲ ደቂ-ሰባት ይካየድ ከም ዘሎ፡ እቶም ንባርነት ዝሸየጡ ዘለው ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ መደብ ዝነበሮም’ሞ ብምልሻታት እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ዝፍጸም ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ገበን ከም ዝኾነን ነዚ ብምኹናን መንግስታት ነዚ ጉዳይ’ዚ ንምዕጋትን ግዳያት ንምድሓንን ብተግባር ክብገሱ ዝሓተት ከም ዝኾነን ተሓቢሩ።

እቲ ኣንጻር ንግዲ ባርነት ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ ብ18 ሕዳር 2017 ከም ዝተኻየደ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ፍሉጣት ሰባት ዝወደብዎን ዝተሳተፍዎን ኮይኑ፡ ኣይፋል ንባርነት ዝተጻሕፎ ማሊያ ለቢሶም፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ሊብያ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝጸወዑን ኣቓልቦ ብዙሓትን ግዱሳትን ስሒቡ ከም ዘሎን ረድዮ ኤረና ብ21 ሕዳር 2017 ጸብጺባ፡

ብካልእ ዜና ጃፓን ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ ወተሃደራዊ መደበር ዝያዳ ከተስፈሖ መደብ ከም ዘለዋ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ብ18 ሕዳር 2017 ብወግዒ ምግላጹ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስትራተጂካዊ ቦታ ተደኲናት ትርከብ ንእሽቶ ሃገር ጅቡቲ፡ ናይ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ቻይና፣ ጃፓን፣ ስዑዲያ ወተሃደራዊ መደበራት ከም ዘለዋ ኤረና ወሲኻ ገሊጻ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድሕሪ ሃገረ ጅቡቲ ብመነሃርያ ናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ መደበራት ትስራዕ ኤርትራ ምዃና፡ ክሳብ ሕጂ ናይ ስዑዲያ፣ ኢማራት ዓረብ፣ ግብጺ፣ እስራኤል መደበራት ከፊታ ከም ዘላ ክግለጽ ምጽንሑ ዝዝከር’ዩ።

ናይ ዙምባብዌ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ን37 ዓመት ሒዝዎ ካብ ዝጸንሐ በትረ ስልጣን ወሪዱ።

ወዲ 93 ዓመት ሮበርት ጋብርኤል ሙጋበ ሕጋዊ ናይ ምምራሕ ግዜኡ ከይወደአ፡ ቅድም ክብል ንናይ ጸጥታ ሓላፊ ድሒሩ ንምክትሉ ብምብራሩን ስልጣኑ ናብ በዓልቲ ቤቱ ከሰጋግሮ መደብ ኣለዎ ብዝብል ከዘራርብ ድሕሪ ምቕናዩ፡ ኣብ ሰልፊ ዛኑ፣ ሓርበኛታት ብጾቱ፣ ጀነራላቱ፣ ኣብ ቀረባ ርሕቀቱ ዝርከቡ ፈተውቱ፡ ቅሬታ ከም ዝፈጠረ፡ ብሰላም ስልጣኑ ክሓድግ ኣይፋል እንተኢሉ ድማ ብዝፈጸሞ ጉድለት ክኸስዎ ከም ዝኾኑን ብምሕባር ከዘራርብዎ ከም ዝቐነዩ፡ ንሱ ግን እዚ ስልጣን እግዝኣብሄር’ዩ ሂቡኒ እዝግኣብሄር ድማዩ ዘሕድገኒ ብምባል ከም ዘሓንገደ፡ ኣብ መወዳእታ ሃገራዊ ባይቶ ንውሳነ ኮፎ ምስ በለ ደብዳቤ ጽሒፉ ስልጣኑ ከረክብ ፍቓደኛ ምዃኑ ምሕባሩን ኣባላት ባይቶ ንውሳኔኡ ብሓጎስ ከም ዝተቐበልዎን ካብ’ታ ሃገር ዝተቓለሐ ዜና ኣረጋጊጹ።

ሮበርት ሙጋበ ንሃገሩ ሰሪሑላ’ዩ ነጻ ኣውጺእዋ’ዩ። ንስለ ጠቕሚ ህዝቢ ክበሃል ምስ ምዕራባውያን መንግስታት ዓይኒን ሓመድ ኮይኑ’ዩ። ብ21 ሕዳር 2017 ን37 ዓመታት ብፕረዚደንት ሒዝዎ ንዝነበረ ፖለቲካዊ ስልጣን ብወግዒ ብደብዳቤ ንባይቶ ምሕባሩ፡ ኣፈ ባይቶ ናይ’ታ ሃገር ድሕሪ ምግላጹ፡ ህዝቢ ዙምባብዌ ናብ ጎደናታት ወጺኡ ሓጎሱ ብሆታን ዕልልታን ከም ዝገለጸ፡ ሙጋበ ብዘይ ዝኾነ ደም ምፍሳስ ስልጣኑ ምርካቡ ንብዙሓት ከምዘገረመን ከምዘደነቐን ማዕከናት ዜና ይጽብጽባ ኣለዋ።

ድሕሪ ወግዓዊ ምርካብ ስልጣን ናይ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ባዶነት፡ በቲ ዘባረሮ ምክትሉ ኢመርሰን ምናንጋግዋ ክምላእ ምዃኑ ሰልፊ ዛኑ ምሕባሩ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ላዕለዎት ጀነራላት ዝተጠቕምሉ ሜላን ንህዝቢ ዘርኣይዎ ውግንናን ኣብ ታሪኽ ፍሉይ ቦታ ዘውህቦም ኣብነታዊ ተግባር ምዃኑን ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ ኣለው።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰልማን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 24-11-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel