እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 9 guests and no members online

ሕቶ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ብምልኣት ዝምለስ ተባራዒ ኮይኑ ክቕጽል’ዩ።

ንሕና ደቂ ሰባት ሳላ ተፈጥሮኣዊ ትዕድልትና እንታይ ከም ዝሕሸና፡ እንታይ ከምዘዋጸኣና ንግንዘብ ኢና። ኣገንዝቦና ግን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክሰፍሕን ክጸብብን ይኽእል። ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና ማለት፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ስቪካዊ …ወዘተ እንታይ ክንገብር ከም ዘለና ብኸመይ ክንጎዓዝ ከም ዘለና ክንመርጽ ኣእምሮ ተዓዲልና ኢና። ልክዕ’ዩ ስነ-ፍልጠት ንወዲ-ሰብ ምስ እንስሳዩ ዝምድቦ። ንጉስ ማሕበራዊ እንስሳ ድማ ይብሎ። እንተኾነ ግን ወዲ-ሰብ ካብ ካልኦት እንስሳታት ዝተፈልየ፡ ናይ ምስትውዓል፡ ምምዝዛን፡ ምምማይ፡ ምፍራይ ፍሉይ ዓቕሚ   ዝተዓደለ ፍጡር ብምዃኑ ዝግበረሉ ትጽቢት ብኡ መጠን’ዩ።

ሰባት ከም ኣካል ኣምሳል ማሕበራዊ እንስሳ መጠን ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታቶም ክጋጨው፡ ዝተፈላለየ ርእይቶ ከማዕብሉ ይእኽእሉ’ዮም። ከም’ቲ ኣብ ኣካሎም ኮነ መልከዖም ሓደ ዘይኮኑ’ሞ ነውሪ ዘይኮነ’ሞ ዘየገርም፡ ናይ ተፈጥሮ ጉዳይ’ዩ ኢልካ ቅቡል ገይርካዮ ትኸይድ፡ ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣተሓሳስባኦም እንተተፈላለዩ ከገርም የብሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ዝተፈላለየ ሓሳባት ብምምንጫው ዝሓሸ ኣማራጺታት ክትረክብ ዕድል ዝህብ ብምዃኑ ክምጎስ’ዩ ዝግበኦ። ምኽንያቱ ሰባት ናይ ባህሪ ፍልልይ ኣለዎም። እቲ ባህሪ ናብ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ዝዘንበለ ድዩ ወይስ ናብ ውልቃውን ዕግርግር ግን ክምዘን ክምመ ኣለዎን ይግባእን። ናይ ርእይቶ ፍልልይ ስለ ዘጋጠመ ዘይንቡር ገይርካ ክውሰድ፡ ሰባት ናይ ግድን ኣብ ኩሉ መዳይ ኣብ ሓደ ክመጽኡ ኣለዎም፡ ኣብ ሓደ እንተዘይመጺኦም ከምዚ’ዮም ምባል ኣሉታዊ ፍርዲ ምሃብ ግን ልክዕ ኣይኮነን።

ደቂ-ሰባት ኣብ ዙርያ’ቲ ከም ሰባት ሓደ ዝገብሮም ዘይፈላለይሉ መሰረታዊ መሰላት፡ ብከምዚ እንተተ መራሕና እንተተ መሓደርና ሰላም ንክረክብ ንምዕብል ዝብል ርእይቶ ከማዕብሉ ቅዱስ ሓሳብ ‘ዩ። ነቲ ፍልልይ ከም ፍልልይ ተቐቢሎም ብግቡእ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ከመሓድርዎ እንተዘይክኢሎም ኣንፈቱ ኣስሒቶም ናብ ምፍልላይ፡ ምስሕሓብ፡ ግጭት ከምርሕ እንተደፊአሞ ግን፡ ቀላሲ ዝሰኣነ ናይ ደንበርበር ጉዕዞ ክኸውን ናይ ግድን’ዩ። ደቂ-ሰባት ባዕሎም ክሓስብሉ ምርጫ ከውስድሉ ’ዩ ኣእምሮ ተዓዲልዎም። ስለዚ እቲ ብሰብ ዘይኮነ ብተፈጥሮ ዝተዓደለ ናይ ምሕሳብ ሓርነት ብሰብ ክንፈጉ ኣይግባእን። ከም ህግደፍ ዝበለ ነፋጊ እንተመጽአ ድማ ኣይፋልካን ብዝብል ንመሰሎም ክከላኸሉ ኣለዎም። ህይወት ወዲ-ሰብ ካብ ሓርነታዊ መሰላት ምጉንጻፍ ወጻኢ ምቓረት የብላን። ስለዚ ህይወትን ክብረትን ወዲ-ሰብ በተሓሳስባን ብሕግን ውሕስነት የድሊዮ። ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ምሕደራን ሕግን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ከኣ ፍቱናት ወሃብቲ ውሕስነት ንህይወትን ክብረትን’ዮም።

ደሞክራሲ ብርግጽ ፍትሓውያንን ጨቆንትን ዝምድርሉ ኣምር ብምዃኑ፡ መን ሓቀኛ ኣብ ምርዳእን ምምራጽን ንገለ ግሩሃት ድንግርግር ክብሎም ይኽእል’ዩ። ሓቀኛ ደሞክራሲ ግን፡ ንህይወት ውሕስነት ዝህብ፡ ሓባራውነት ዘለምልም፡ ሓርነታዊ መሰላት ዘረጋግጽ ብድሌት ብዙሓት ዝግራሕ’ዩ። ስለዚ ከኣ፡ ንኣብዝሓ ህዝቢ ዘይጠቅም እንተደኣ ኮይኑ ሓቀኛ ደሞክራሲ ኣይኮነን። ኣብ ዝኾነ ሃገር ዝኾነ ህዝቢ መሰሉ ክኽበርሉ ይደሊ። ከም ሰብ ክነብር ድማ ክነብር ዘኽእሎ መሰረታዊ ነገራት ክረክብ ኣለዎ። ካብ ሃገራዊ ጸጋታቱ ሰሪሑ ተጠቃሚ ክኸውን፡ ኣብ ጉዳይ ፖለቲካዊ ምሕደራኡ ብተመሳሳሊ ተዋሳኣይ ክኸውን ኣለዎን ይግባእን። እዚ መሰላት’ዚ ድማ ምልክነት፡ ጸረ-ደሞክራስያውነትን ልዕልና ኣብ ዝሓዘሉ ዝርከብ ኣይኮነን። ውሑዳት ከም ቃሕታኦም ዝዝውርዎ ኣልቦ ደሞክራሲ ኣልቦ ሕጊ ዝኾነ ሃዋህው እንተነጊሱ፡ እቲ መሰል ዝበሃል ሽዑ ንሽዑ ይድፈር ይርገጽ። ሰባት ናይ ተፈጥሮ ሰባት ክንሶም፡ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ብዝተወጥሑ እኽብካብ በጋሚዶታት ኩሉ ተፈጥሮኣዊ መሰላቶም ክግፈፉ ይረኣዩ። መለኽቲ ከም ክብሪ ዘለዎም ሰባት ዘይኮነ፡ ከም መገልገሊ ኣቕሓ ቆጺሮም ኣብ ድሌቶም የውፍርዎም።

ስለዝኾነ ከኣ፡ ደሞክራሲ ዘይከም ህግደፋውያን ጠማዚዞም ዝህብዎ ትርጉም ዘይኮነ፡ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ዘለዎ ኣገዳስነት ግዜን ቦታ ኣይፈልን። ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ክለዓል እንከሎ ሕቶ ደሞክራሲ ኣብኡ ኣሎ። ክብረት መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት እንተኢልካ ሕቶ ደሞክራሲ ኣብኡ ኣሎ። ነጻ መራኸቢ ብዙሓን እንተኢልካ ሕቶ ደሞክራሲ ኣብኡ ኣሎ። ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ኢንተኢልካ ሕቶ ደሞክራሲ ኣብኡ ኣሎ። ጾታዊ ማዕርነት ኮነ ሃይማኖታዊ ነጻነት እንተልዒልካ ሕቶ ደሞክራሲ’ዩ። ርትዓዊ ቁጠባዊ ተጠቃምነት እንተልዒልካ ሕቶ ደሞክራሲ’ዩ ዝመጽእ። ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን እንክለዓል ሕቶ ደሞክራሲ’ዩ። ስለዚ ደሞክራስን ህይወት ወዲ-ሰብን ዝተኣሳሰረ’ዩ። ሓቀኛ ደሞክራሲ ውሕስነት ህይወትን ማዕርነት ብምዃኑ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ኣድላይነት ኣለዎ።

ደሞክራስን ኣድላይነቱን ክሳብ ክንድዚ ዕዙዝ ምዃኑ ተገንዚብና፡ ምስ’ቲ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ውልቀ መልክነት ከነነጻጽሮ ምስ እንፍትን ፈጺሙ ኣይጠዓዓምን። ስለምንታይ ፍትሕን ጸረ ፍትሕን ወይ ድማ ጽድቅን ሓጥያትን ከም ማለት ስለ ዝኾነ። ጉጅለ ህግደፍ ኣማሓዳሪ ዘይኮነ ገዛኢ’ዩ። ዝኸተሎ ፖሊሲ ድማ ፍትሒ ዘይኮነ በትሪ’ዩ። ህግደፍ ምስ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ መትከላትን ዘራኽብ ባህርን ተግባርን የብሉን። ህግደፍ ኣብ ስልጣን ንኽቕጽል ክብል ንደሞክራሲ ትርጉሙ ኣዛቢዑ ህዝቢ ኣብ ደሞክራሲ ዘለዎ ርድኢት ንምብልሻው’ዩ ክሰርሕ ጸኒሑን ዘሎን። እዚ ጉጅለ ሓንሳብ ህዝቢ ኤርትራ ስለዘይሰልጠን ኣብ ደሞክራሲ ዘለዎ ርድኢት ትሑት ስለዝኾነ ደሞክራሲ ኣየድሊዮን ይብል። ካልእ ግዜ ኣብነታዊ ደሞክራሲ ኣለኒ ይብል። ቀጺሉ ደሞክራሲ ምዕራባውያን ኣፍሪቃውያን ንምግዛእ ዝጥቀምሉ ሜላ’ዩ ይብል። መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክስዕስ፡ ህዝቢ መጋለቢ ሜዳ ኮይኑ ዝተባህሎ ክሰምዕ ዝተኣዘዞ ክፍጽም ኣለዎ ዓይነት መንገዲ ይኽተል። እዚ ዘርእየና ሕቶ ደሞክራሲ ሕቶ መሰል ስለዝኾነ ክሳብ መሊኡ ብሓሳብን ብተግባርን ዝምለስ ምቅላስ መተካእታ ዘይብሉ ምዃኑ’ዩ። ነዚ ከኣ’ዩ ተባራዒ ሕቶ ህዝብታት ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ።

ደሞክራሲ ሓሳብ ስለዝኾነ ረቂቕ’ዩ። ደሞክራሲ ካብ ድኳን ዝሽመት ሸቐጥ ኣይኮነን። ኣረኣእያ’ዩ። ደሞክራሲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣየድልዮን ክብሉ እንከለው ህግደፋውያን ኣብ ህዝብታት ኤርትራ ዘለዎም ንዕቀት’ዮም ዝገልጹ ዘለው። ከምኡ ክብሉ ክገብሩ እንከለው ካብ ዘለዎም ውሽጣዊ ተርባጽ፡ ሕሉፍ ስሰዐን ዝነቅል’ዩ። ብዝኾነ ሕቶ ደሞክራሲ ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ብፍላይ ብዙሕ ኣብ ዝኸርተቱ ህዝብታት ኤርትራ፡ መድረኽ ክንዲ ዝተረረ ይትረር፡ ግዜ ክንዲ ዝወሰደ ይውሰድ ‘ምበር፡ ኣይከኣልን ኢልካ ትገድፎ ወይ ትርሰዖ ዛዕባ ኣይኮነን። እቲ ኣንጻር መልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብኸምቲ ዝድለ ክሳብ ዝምለስ ሕቶ ደሞክራሲ ተግባራዒ ሕቶ ህዝብታት ኤርትራ ኮይኑ ክቕጽል’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 01-12-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel