እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 11 guests and no members online

ካብ እስራኤል ወጻኢ ዝርከቡ ትካላት ኣይሁድ፡  መንግስቲ ናታንያሁ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ንዝፍጽሞ ዘሎ ግዱድ ምብራር ይቃወሙ ኣለው።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት ዝወስዶ ዘሎ ግዱድ ናይ ምብራር ስጉምቲ፡ ኣብ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ዝርከቡ ግዱሳት ማሕበራትን ትካላትን ኣይሁድ ብወግዒ ይኹንንዎ ከም ዘለው ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ዋሽንግቶን ዲሲ ሓቢሮም።

ልዕሊ 20 ማሕበራትን ወነንቲ ውልቀ ትካላት ዝኾኑ ውልቀ ሰባትን ነቲ ናይ ምብራር ስጉምቲ ብምኹናን፡ ናብ መራሒ እታ ሃገር በንያሚን ናታንያሁ ኣፋልካን ዝብል ደብዳቤ ከም ዝጸሓፉ፡ መንግስትና ነቲ ስጉምቲ ግብራዊ እንተደኣ ገይርዎ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መሳኪን ኤርትራውያንን ሱዳናውያን ስደተኛታት ንህይወቶም ኣብ ዘስግእ ኩነታት ስለዝወድቁ ዳግመ ርእይቶ ክገብረሉ ዝብል ምሕጽንታ ከም ዘቕረቡን ገሊጾም።

በቶም ማሕበራትን ትካላትን ኣብ ዋሽንግቶን ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቶም ዝወጸ መግለጺ፡ ንሕና ከም ህዝቢ ስደተኛታት ኢና ነይርና፡ ኣብ ዘይሃገርና ተበቲና ዕቑባ ሓቲትና ንነብር ዝነበርና ከም ምዃና መጠን፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ፍሉይ ምድንጋጽ ከነርኢ ደኣምበር ግዱድ ስጉምቲ ክንወስድ ቅኑዕ ኣይኮነን ክብሉ ከም ዝተመሕጸኑን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ’ታ ቅሱን ፖለቲካዊ ኩነታት ዘይብላ ሃገረ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ንግዲ ደቂ-ሰባት

መግትኢ ክግበረሉ ዝተፈላለየ ጻዕርታት ይግበር ኣሎ።

ዘመናዊ ባርነት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገረ ሊብያ፡ ከም ሃይሃይታ ቀውዒ ዕሙር ዕዳጋ ኮይኑ ከም ዘሎ፡ ዝተፈላለዩ ብክብረት ሰብኣዊ መሰላት ዝግደሱ ማሕበራት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣህጉራውያን ውድባት፣ ትካላት መራኸቢ ብዙሓን ብዓቢኡ ድማ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ብምኹናን፡ ግዳይ ባርነት ንዝኾኑን ዝኾኑ ዘለውን ሰባት ንምድሓን ገበነኛታት ድማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ይዛተዩን መደባት ይወጽኡን ከም ዘለው ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ዓለም ይሕብር።

ኣብ ሃገረ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ዘመን ዝሰገሮ ንግዲ ደቂ-ሰባት፡ ውጽኢት ዓለምና ትምረሓሉ ዘላ ማሕበረ ፖለቲካዊ ኩነታትን ተፈጢሩ ዘሎ ንዓይ ይጥዓመኒ ሕሉፍ ነብሰ ፍትወት ምዃኑ፡ እዚ ነቶም ብቐጥታ ኣብ’ቲ ገበን ዝዋስኡ ዘለው ሕልና ኣልቦ ሰባት ምቁጽጻር ጥራሕ ደው ስለዘየብሎ፡ ኣብ’ቶም ዜጋታት ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱን ግዳይ ክኾኑን ዝገብሩ ዘለው ፖለቲካዊ ስርዓታት ርኡይ ዘየላቡ ስጉምቲ ብምውሳድ ግጉይ ምሕደራኦም ከስተኻኽሉን ህዝቢ ከኽብሩን ብምግባር ጥራሕ’ዩ ብቐንዱ ክፍታሕ ዝኽእል ዝብል ፍሉይን ቅኑዕን ርእይቶ ይምዕብል ምህላውን ይቃላሕ ኣሎ።

እቲ ንግዲ ደቂ-ሰባት ልክዕ ንማሕረዲ ከም ዝተዳለወ ብዕራይ፡ ጉልበትን ጥንካረ ጭዋዳን ናይ ሰባት ብክኢላታት እናተጽንዐን ብኢድ እናተዳህሰሰን መሪጽካ 3-4 ሚኢቲ ዶላር ኣመሪካ ነቶም ንስደተኛታት ብብረት ዘሪዖም ናብ መሸጣ ዘቕርቡ ዘለው ሸፋቱ ብምኽፋል ይካየድ ከም ዘሎ፡ እዚ ጸረ-ሰብኣዊ ፍጡር ዝኾነ ተግባር ካብ ዘለዎ ከይሰፍሕ ቅልጡፍ ፍታሕ ዘድሊዮ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዝተፈላለዩ ትካላትን ኣካላትን ዛጊት ትርጉም ዘለዎ ወፍሪ ኣይጀምሩ ደኣምበር፡ ተስፋ ዘለዎ ምድላዋት ይገብሩ ምህላዎምን ይጽብጽባ ኣለዋ።

ሓደ ካብ’ቲ ብወተሃደራዊ መምርሒ ዝመሓደራ ኮለጃት ኤርትራ ዝኾነ፡ ኮለጅ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት

ዓዲ-ቀይሕ ናይ ምምህራን ምስትምሃርን ስሩዕ ንጥፈታቱ ከም ዘቋረጸ ተገሊጹ።

ኣብ ዓለም ተገይሩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ብወተሃደራዊ መምርሒ ዝመሓደራ ኮለጃት ከፈቱ፡ ብኩለንተንኡ ዝማዕበለ ወለዶ ንምህናጽ ገዚፍ ባጀት ሰሊዐ ይሰርሕ፡ ርኡይ ውጽኢት ድማ የመዝግብ ኣለኹ እናበለ ኣብ ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሒ ተጸሚዱ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ እተን ኮሎጃት ካብ መኽሰበን ክሳራአን ይበዝሕ ከም ዘሎ፡ ካብኣተን ሓንቲ ዝኾነት፡ ኮለጅ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ዓዲ-ቀይሕ ድማ ከም ዝተዓጽወት ንምንጭታታ ምርኩስ ብምግባር ረድዮ ኤረና ሓቢራ።

እተን ኮለጃት ካብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ዝምደቡለን ተመሃሮ ከም ዝቕበላ፡ እንተኾነ ዓመት ኣብዘይመልአ መምሃሪ ክፍልታተን ብዋሕዲ ሰብ ገረውረው ከም ዝበል፡ ስለዚ ከኣ ዳርጋ ኩለን ብተግባር ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዝኸይድ ስሩዕ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ኣገልግሎት ንምሃብ ተጸጊመን ከም ዘለዋን ኣረዲኣ።

ከም ኣብነት ከኣ ካብ ዝምስረት ሸውዓተ ዓመት ዝገበረን ብገንዘባዊ ደገፍ መንግስቲ ቻይና ዝቖመን ኮለጅ ዓዲ ቀይሕ፡ ብዋሕዲ ተመሃሮን መማህራንን ከምኡ’ውን ህንጸት ጽገና ትሕተ ቅርጽን ስኢኑ፡ ጠቕሊሉ ከም ዝተዓጽወ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ሓላፊ ላዕለዋይ ደረጃ ትካላት ትምህርቲ ምዃኑ ዝተሓበረ ብርጋደር ጀነራል ሃይለ ምሕጹን ምሕባሩን ኣረጋጊጻ።

ብመሰረት መግለጺ እቲ ጀነራል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ሃገር ትሽዓተ ኮለጃት ክህልዋ እንከለዋ፣ ኣስታት 12 ሽሕ ዝኾኑ ተማሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ትምህርቶም ኣብ ምክትታል ከም ዝርከቡ፡ ኣብ’ተን ኮለጃት ካብ ዘለው 700 መምሃራን   እቶም 200 ናይ ወጻኢ ዜጋታት ከም ዝኾኑን ረዲዮ ኤረና ወሲኻ ጸብጺባ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 06-12-2017

Loading...

You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel