እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 51 guests and no members online

ህግደፍ ብባህሪኡ ሰብኣዊ ዓቕሚ ክሃንጽ ኮነ፡ መሬት ከልምዕ ኣይክእልን።

ከም’ቲ ንውልቀ ሰብ፡ ኣወንታውን ኣሉታውን ጎኑ ክትመዝን እንከለኻ፡ ከምዚ ኣመል ኣለዎ፡ ከምዚ’ዩ ጠባዩ ወይ ባህሪኡ ኢልካ ትገልጾ፡ ንሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ መንግስቲ’ውን ከም ናይ ሰባት ምትእኽኻብ መጠን፡ ከይተጋነነ ልክዕ ዝኾነ ንመሰረታዊ ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡ ወይ ባህሪኡ ዝገልጽ ሚዛን ሂብካ፡ ካብኡ ክትረኽቦ ትኽእልን ዘይትኽእልን ተረዲእካ፡ ናተይ ትብሎ ፖለቲካዊ መንነት ክትውንን ምኽኣል ብቕዓት’ዩ። ከተዐውቶ ትቃለሰሉ፡ ምስተ ዓወተ ክትዕቅቦ፡ ትከላኸለሉ ትማጎተሉ ክሳብ’ውን ገንዘብካ፣ ጉልበትካ፣ ግዜኻ፣ ህይወትካ ትበሉ፡ ብሓቂ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ዝኾነ ናተይ ናትና ትብሉ መንነት እንተዘይወኒንካ ግን ፖለቲካዊ ኣንፈት ኣጥፍእካ ኣለኻ። ፖለቲካዊ ኣንፈትካ ብግቡእ እንተዘይ ፈሊጥካ ድማ፡ ከም’ቲ ወናማት ኣዋልድ እግረ መንገደን ናብ ዝረኸባኦ ጎይላ ከይደን ክጻወታ ይሰማማዓ’ሞ ሓንቲ ካባታተን እንታይ ኢልና ክንደርፍ ኢና ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረባት ካልእ ተቐባሊት ድማ “ ዘዝበላኦ ላሎ ዘዝበላኦ’የ ንብል” ክትብል መለሰት ዝበሃል፡ ዕድልካ ካልኦት ዘዝሓዝዎ ኣንፈት ወይ ኣረኣእያ ምኽታል፡ ኣብዘይ ዳስካ ኣቲኻ ምጥቓዕ፣ ፍረ ኣብ ዘይህብ ከንቱ መብጸዓ እናተተስፋኻ ምንባር’ዩ ዝኸውን።

ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ መንግስቲ፡ ብኣካሉ ዘይኮነ በተሓሳስባኡ፣ ብተግባሩ ዘይኮነ ብደርባዊ ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡ’ዩ መን ምዃኑ፡ ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ከምዝበጽሕ፡ ንመን ሓቚፉ ንመን ከምዘጥቅዕ ክፍለጥ ዘለዎን ዝግባእን። ሰባት ተኣኻኺቦም ውድብ ስለዝመሰረቱ፡ ብዝኾና ኣጋጣሚ ኣብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ስለዝደየቡ፡ ናይ ህዝቢ ቋንቋ ስለዝተዛረቡ፡ ፍትሓውያን ደሞክራስያውያን፡ ብሱላት ብቑዓት ገይርካ ክትወስድ፡ ስለዚ ከኣ ካብ ልሳኖም ዝወጽእ ንባህሪኦም ዘይገልጽ ዝኾነ ሕጋዊ መቐየዲ ዘይብሉ ቃላት ተኣማሚንካ፡ ንሳቶም ነናብ ዝተጠምዘዝዎ ኣንፈት እናተጠምዘዝካ ብተስፋ ምንባር፡ ሰብኣዊ ክብረትካ ካልኦት ክነብርሉ ኣሕሊፍካ ምሃብ’ዩ።

ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ብመንጽር ፖለቲካዊ ደሞክራሲ፡ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ባህሪኡ እንታይ ይመስል፣ ድሕሪ ምልጋስ መግዛእታዊ ሰራዊት እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣንፈት ክኽተል’ዩ፣ ማሕበራዊ መሰረቱ መን’ዩ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እንታይ ክገብር’ዩ …ወዘተ ንብሱላትን ብቑዓትን ፖለቲከኛታት ኣብ 90ታት ኣብ 80ታት ዘይኮነ ኣብ 70ታት ርዱእ’ዩ ነይሩ። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ሓርበኛዊ ሃገራዊ ውድብ ደኣምበር፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ውድብ ኣይኮነን። ሰራዊት መግዛእቲ ካብ መሬት ኤርትራ ክሳብ ዘይወጽአ ሓርበኛዊ ወተሃደራዊ ዕማሙ ክፍጽም’ዩ። ሰራዊት መግዛእቲ ካብ ኤርትራ ወጺኡ፡ ኤርትራ ብሕጊ ልኡላውነታ ካብ ዘረጋገጸትሉ ጽባሕ ግን፡ ተሓቢእሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ጉልባብ ክቕደድ’ዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ደምበ ፈታዊ ናብ ደምበ ጸላኢ ክቕየር’ዩ። ዓለማዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሃብቲ ናይ ዝተቖጻጸሩ ሓይልታት ጽግዕተኛ ብምዃን፡ ነቲ ክቡር ናይ ህይወት ዋጋ ዝተኽፈሎ ሃገራዊ ነጻነት ኣብ ጉጅላዊ ረብሓኡ ከውዕሎ’ዩ። ህዝቢ መሰረታዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላቱ ተመዚዑ ብስመ ነጻነት ኣብ ባርነት ክኣቱ’ዩ ዝብል ኣብነት ናይ ካልኦት ተመሳሳሊ ባህርን ተመክሮን ዝነበሮም ውድባትን መንግስታት ብምጥቃስ ስኽፍታኦም ይገልጹ ነይሮም’ዮም። እቲ ትምቢት ዝመስል ዝነበረ ግን ከኣ ካብ ብሱል ፖለቲካዊ ገምጋም ዝመንጨወ ስኽፍታን ኣስተምህሮን ኣይደንጎየን ኣብ መጀመርያ 90ታት ተጋሂዱ።

መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ከምስል ነቲ ምስ ምምጻእ ነጻነት ተተሓሒዙ ኣብ ህዝቢ ተፈጢሩ ዝነበረ ርሱን ናይ ታሕጓስ ስምዒት መዝሚዙ፡ በቲ ሓደ ካብ ባህሪኡ ተበጊስካ ፈጺሙ ዘይትግብሮ ዘተሃራርፍ ናይ ልምዓት መብጸዓታት ይኣቱ ነይሩ። በቲ ካልእ ከኣ፡ ነዚ ሎሚ ኮይንዎ ዘሎ ክኸውን ዘብቀዖ ክኢላታት ዘየርቀቕዎን ህዝቢ ዘይተመያየጠሉ ዝተፈላለዩ ብጋዜጣዊ ኣዋጃት ዝፍለጡ፡ መሰል ህዝቢ ዝምንዝዑ፣ ንጥፈታቱ ዝግድቡ፣ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎኡ ዘደንዝዙ፣ ልሳኑ ዝቑልፉ፣ ኣድኪዮም፡ ኣምበርኪኾም፡ ኣርዒዶም ዝገዝኡ ቀየድቲ ሕግታት የውጽእ ነይሩ። እዚ እቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ብሃገራዊ ነጻነት ተጎልቢቡ ዝነበረ ሓቀኛ ባህሪኡ ሀ ኢሉ ክገሃድ ዝጀመረሉ’ዩ። ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይንፈቅድ መግለጺ ፈጣርን መራሕን ህዝባዊ ግንባር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ 20 1991፣ ኣድማ ተጋደልቲ 1993፣ ጨፍጫፍ ውጉኣት ሓርነት 1994፣ ምብራር ምሁራት ካብ ዩኒቨሪሲቲ ኣስመራ፣ ብናቱ ቋንቋ ምጽልጻል ሰራሕተኛታት ካብ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ፣ ምእዋጅ ፈጺሙ ኣድላይነት ዘይነበሮን ባዶ ዝነበረ ሃገራዊ ቁጠባ ዘይስከሞን ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ብድሑርን ቅዱምን ገለ ኣብ ዝያዳ ነቲ ሃገር ከገልግልሉ ዝኽእሉ ውዑይ ዕድመ እንከለው፡ ገለ ድማ ኣብ’ቲ ዝተናወሐ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነት ዕድሜኦምን ኣካሎምን ዝደኸሙ ሃገር ክትስከሞም ዝግበኣ ሓርበኛታት ካብ መሳርዕ ሰራዊት ምፍናው…ወዘተ እዚ ካብ’ቲ ብዙሕ ውሑድ ግብራዊ ኣብነት’ዩ።

ድሒሩ እንታይ ኮይኑ ከም ህዝቢ ከም ሃገር ኮይናዮ ዘለና ሓባሪ ስለ ዝኾነ ነጋሪ ኣየድሊዮን። ገለ ውልቀ ሰባት፣ ማሕበራት እንኮላይ ሓቂ ኣብ ምጭባጥ፡ ኣብ ምስሓልን ምንቃሕን ኤርትራዊ ስነ-ኣእምሮ ልሉይ ተራ ክጻወቱ ዝግበኦም ገለ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርከቡ መራኸቢ ብዙሓን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጋሽ ባርካ ሰፋሕቲ ልምዓታዊ መደባት የካይድ ኣሎ። ኣብ ከባቢ ተሰነይ ሓይሊ ኤሌትሪክ ይዝርግሕ ኣሎ። ብዙሓት ናይ ወጻኢ ኩባኒያታት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተሻሪኸን ኣብ ዕደና ብሰፊሑ ይነጥፋ ኣለዋ። ኣርበዓ ማሕረሻ ዘለዋ ትራክተር ኣእትዩ። ኣብ ዓዲ ሃሎ ዓቢ ዲጋ ይሰርሕ ኣሎ። ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ ካብ ስዑዲያ፣ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓርብ፣ ካብ ቀጠር ክንድዚ ሚሊዮን ገንዘብ ረኺቡ። ደው ኢሉ ዝነበረ ፋብሪካ ስሚንቶ ስራሕ ጀሚሩ፡ ዋጋ ስሚንቶ ጎዲሉ። መንግስቲ ዝርገሐ ዓቐን ገንዘብ ስለዝተቖጻጸረ ዋጋ ሃለኽቲ ቀኒሱ። 2 ሜጋ ዋት ሓይሊ ጸዓት ኣመንጭዩ ጸገማት ማይን መብራህትን ተፈቲሑ …ወዘተ ዝብል ነቲ ፈጺሙ ዘይቕየር ጸረ-ህዝባዊ ልምዓት ዝኾነ ባህሪኡ ዝዘንገዐ ዘይሰማዕካ ስማዕ፡ ዘይፈለጥካ ፍለጥ ክጉስጉስሉ ምስማዕ ዘደንጹ’ዩ።

እዚ ጉጅለ ሰብኣዊ ዓቕሚ ሰብ ብቕኑዕ ኣገባብ ክሃንጽ ኮነ፡ ህዝቢ ኣሳቲፉ ትሕተ ቅርጻዊ መደባት ልምዓት ብውጥን ሒዙ ክሰርሕን ከስርሕን ከምዘይኽእል ተመክሮ 26 ዓመት ኣኽል ታርፍ ኮይኑ እናሃለወ፡ ነቲ መፋትሕ ማይን መብራህትን ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ሓንሳብ እናፈነወ ካልእ ግዜ እናዓጸወ፡ ዝመጽኣሉን ዝጠፍኣሉን ስሩዕ ሰዓትን ዕለትን ዘይፍለጥ፡ ኣብ ኣሎን የለን ህዝቢ ዘሳቕየሉ ዘሎ ማሕበራዊ ትካላት፡ ዝኾነ ዝጭበጥ መረጋገጺ ከይሓዙ ጸገም ማይን መብራህትን ከተማታት ተፈቲሑ ኢሎም ከመጉስዎ፤ ኣይ ወርሒ ኣይ ዓመት ድማ እቲ ተፈቲሑ ዝበልናዮ ጌጋ ኮይኑ፡ እቲ ጸገም ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ ኢሎም ከቃልሑ እንከለው በቲ ገልበጥበጥ ዝብል መርገጾም ትግረም። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣካይዳ ነገራት ብውድዕነቶም ኣብ ምምዛን ጸገም ከምዘሎ ድማ ትርዳእ።

እዚ ባህርን ባህሪኡ ዝገለጸሉ ዓፋኒ ውጥናትን ናይ’ዚ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ብልክዕ ከምዘይተታሕዘ፡ በቲ ንሱ ዝህቦ ኣጉል መብጸዓ ፍታሕ ክረኽቡ ዝጸበዩ ወገናት ምህላዎም ዘርኢ’ዩ። ኣብ’ዚ ብንጹር ክፍለጥ ዝግባእ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራዊ ትውልዲ ደኣምበር፡ ፈጺሙ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባህሪ ዘይብሉ ምዃኑ’ዩ። ካብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባህሪ ዘይብሉ ኣኽብካብ ጉጅለ ከኣ፡ ሰብኣውን ነገራውን ሃገራዊ ልምዓት ምጽባይ ኣይከኣልን። ስለዚ መንግስቲ ኤርትራ ከም’ዚ ገይሩ ኢልካ ካብ ምምጓስ፡ ተገልቢጥካ እቲ ኮይኑ ዝበልናዮ ኣይኮነን እናበልካ ኒዮው ነጀው ዝብል ርእይቶ ካብ ምሓዝ፡ እዚ ጉጅለ መን’ዩ እንታይ ክገብር ይኽእል እንታይ ክገብር ከ ኣይኽእልን ብግቡእ ገምጊምካ ፖለቲካዊ መስመርካ ኣነጺርካ፡ ብድሌት ጥራሕ ዘይኮነ ድሌት ምስ ክውንነት እናነጻጸርካ ምኻድን ሰጢምካ ንምውጋዱ ምቅላስ’ዩ እቲ እንኮ ናይ ህልዊ ሃገራዊ ጸገም ፍታሕ ዝኸውን። ጽግዕተኛ ጉጅለ ህግደፍ ብባህሪኡ፡ ሰብኣዊ ዓቕሚ ክሃንጽ ኮነ፡ መሬት ከልምዕ ከምዘይኽእል ሎሚ ድሕሪ 26 ዓመት ዘይኮነ ቅድሚ 1991 ርዱእ ምንባሩ ከም ተመክሮ ምውሳድ ድማ ልቦና’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርይራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 29-12-2017    

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel