እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 59 guests and no members online

ፖሊስ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ን95 ኤርትራውያን ካብ ነጋዶ ሰብ ነጻ ኣውጺኦም።

ፖሊስ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ነዊሕ ግዜ፣ ጻዕርን ወጻኢታትን ዝሓተተ ኣንጻር ነጋዶ ሰብ ከካይድዎ ኣብ ዝጸንሑ ተፍትሽ፡ ብጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ዝበዝሓ ቆልዑ ዝሓዛ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 95 ኤርትራውያን ነጻ ከም ዝወጽኡ ማዕከናት ዜና ሱዳን ንዘቃለሓኦ ዜና ምርኩስ ብምግባር ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ሱዳን ኣብ ዝሰደድዎ ሓበሬታ ኣረዲኦም።

ኣዛዚ ፖሊስ’ቲ ዞባ ጀነራል ዓብደላ ኣልሳይግ መጀመርያ እቶም መሳኪን ስደተኛታት ብነጋዶ ሰባት ከም ዝተጨውዩ ሓበሬታ ምስ በጽሐና፡ መዓስ? ብኸመይ? በየናይ ኣንፈት ገለ ፍንጪ ንምርካብ ኣብ ህዝቢ ተዋፊርና፡ ዘድልየና ሓበሬታ ምስ ረኸብናን ኣበይ ከምዘለው ምስ ኣረጋገጽናን ናብ’ቲ ግዳያት ዘለውዎ ተበጊስና፡ ከም ዝተጸበናዮ ድማ ካብ ነጋዶ ሰብ ተዂሲ ገጢሙና፡ 95 ብጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ መሳኪን ድማ ነጻ ኣውጽኢና፡ ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን በቲ ተዂሲ ዝተጎደአ ሰብ የለን ከም ዝበለን ወሲኾም ሓቢሮም።

ከሓዲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣልጀዚራ ንህላወ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ግብጺ ኣብ ኤርትራ ኣመልኪታ

ንዘቃለሓቶ ዜና ዝሃቦ መልሲ ንዕዋላዊ ባህሪኡ ዘንጸባርቕ ከም ዝኾነ ተገሊጹ።

ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ሸንሺኑ ንወጻእተኛታት ኣብ ምዕዳል ተጸሚዱ ዝርከብ ከሓዲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ተሌቪዥን ኣልጀዚራ፡ ንህላወ ዝተፈላለዩ ዘመናዊ ኣጽዋር፡ መራኸቢታትን መጎዓዝያን ዝወነኑ ወተሃደራት ግብጺ ብፍላይ ምስ ሱዳን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ማለት ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ( ሳዋ) ከም ዝተራእዩ ንዝፈነወቶ ዜና ብዕለት 3 ጥሪ 2018 ኣብ ናይ ሰዓት 12፡30 ዜና ፈነወኡ ዝሃቦ መልሲ፡ ንዕዋላዊ ባህሪኡ ዘንጸባርቕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዓቕሊ ጽበታዊ ናይ ምክልኻል ፈተነየ ክብሉ ነቲ ዜና ዝተኸታተሉ ኤርትራውያን ሓቢሮም።

ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድሕሪ ጅቡቲ፡ ናብ ወተሃደራዊ መደበር ዞባውን ዓለማውን ተነሓናሕቲ ሓይልታት ትቕየር ዘላ ሃገር ምዃና፡ ከም ኣብነት ናይ እስራኤል፣ ስዑዲያ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ግብጺ ወተሃደራዊ መደበራት ምህላው ተረጋጊጹ ዝሓደረ ክንሱ፡ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝርዝር ብዝበለ መልክዑ ብምቕራባ፡ ነቲ ናታ ደጊሙ ብምቅላሕ ሓሶት’ዩ ዝብል መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ዝገበሮ ፈተነ፡ ንጽግዕተኛ ባህሪኡን ዕሱብ ተግባሩን ከቶ ክኸውሎ ኣይክእልን ክብሉ ኣረጋጊጾም።

መላኺ ኢሳያስ ኣብ’ቲ እዋን ምስሓለፈ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2017 ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ምስ ግብጺ ወተሃደራዊ ስምምዕ ከይንገብር መን ይኽልክለና? ንግስነት ስዑዲያ ንዘለዎም ጸጋታት ተጠቒሞም ኣብ’ዚ ዞባ ልሉይ ተራ ክጻወቱ መኺርናዮም፡ ዓለማዊ ኩነታት ብናትና ዓቕምን ክእለትን ዘይኮነ ብናይ ባዕሉ መስርሕ ናብ ረብሓና ይቕየር ስለ ዘሎ፡ ልኡላዊ መሬትና ኮነ ሓርነታዊ ክብረት ህዝብና ብዘየገድስ ዕድመ ስልጣና ዘቐጽል ስጉምቲ ክንወስድ መን ኣዋዲ ኣለና ዘስምዕ መልእኽቲ ኣመት ሂቡ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

ፈጻሚ ኣካል ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኢህወደግ) ጠንቂ ውሽጣዊ ጸገምና እንታይ’ዩ ዝብል ኣብ ዘካየዶ 17 መዓልቲ ዝወሰደ ገምጋም ኣብ ናይ ሓባር ተረድኦ ከም ዝበጽሐ ገሊጹ።

ኢህወደግ ዝመርሖ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ተዘሪጉ፡ ንዜጋታት ብሰላም ወፊሮም ብሰላም ንምእታው ስግኣት ክሳብ ምዃኑ በጺሑ ከም ዘሎ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ናብ’ዚ ዘብጸሐ ምኽንያት እንታይ’ዩ፡ ተሓታቲ’ኸ መን’ዩ? ብኸመይ’ከ ክፍታሕ ይከኣል መሰረት ዝገበረ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ኣብ ገምጋም ዝቐነየ ፈጻሚ ኣካል ኢህወደግ፡ ጠንቂ ደረጃ ብደረጃ እናሳዕረረ ዝመጽአ ስልጣን ሽፋን ዝገበረ ሱር ዝሰደደ ግዕዝይናን ዘይመትከላዊ ምትእስሳርን ምዃኑ፡ ርእሰ ኲናት ናይ’ዚ ድማ ከም ትካል ፈጻሚ ኣካል ባዕሉ ምዃኑን ብ29 ታሕሳስ 2017 ኣብ ዘውጸኦ ወግዓዊ መግለጺ ምሕባሩ፣

ኣብ’ቲ 17 መዓልቲ ዝወሰደ ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ሕጋዊ ፈጻሚ ኣካል ኢህወደግ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ቀደም ላዕለዎት ኣማራርሓ ዝነበሩ’ውን ዝተሳተፈዎ ከም ዝነበረ፣ ኣብ ህይወትን ንብረትን ንዝበጽሐ ሞትን ዕንወት ሓላፍነት ከም ዝወስድ ብምግላጽ ይቕሬታ ሓቲቱ። ኣበየናይ ጽፍሒ ስልጣን ኣለው ብዘየገድስ ኣብ’ቲ ገበን ኢድ ነይርዎም ዝበሃሉ ሰባት ብቐጥታ ከም ዝሕተቱ፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ናብ ባህሪያዊ ቦታኡ ንምምላስ ድማ ተጊሁ ከም ዝሰርሕን ኣረጋግጹ።

ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰረ ዜና፡ ካብ ናይ መንግስታዊ ስራሓት ብናቱ ሰናይ ፍቓድ ስንብታ ሓቲቱ ተቐባልነት ረኺቡ ዝተሰናበተ ነባር ተጋዳላይን ኣብ ክፍሊ መጽናዕቲ ሃገራዊ ፖሊሲ ካልኣይ ሰብ ዝነበረ ኣቶ በረከት ስምኦንን ኣፈ ባይቶ ሃገራዊ ባይቶ ዝነበረ’ሞ ብደረጃ ትሕት ኢለ ክሰርሕየ ዝብል ምልክታ ኣእትዩ ዝጸንሐ ነባር ተጋዳላይ ኣቶ ኣባዱላ ገመዳን፡ ፈጻሚ ኣካል ኢህወደግ ዳግም ናብ ባህሪያዊ ቦታኦም ክምለሱ ከም ዝወሰነሎም ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ናይ 3 ጥሪ 2018 ሕታማ ኣመት ሂባ።

ኣቦ-መንበራት ኣባል ውድባት ኢህወደግ ብ3 ጥሪ 2018 ነቲ ናይ 17 መዓልቲ ገምጋም ፈጻሚ ኣካልን ውጽእቱን ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሃቡ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሃገራዊ ጸገም ካብ መሰረቱ ንምፍዋስ ይሕግዝ ዝበሃል ኩሉ ስጉምቲ ክውስዱ ከም ዝተሰማምዑ፡ ካብኡ ሓደ ብቤት ፍርዲ ውሳነ ዝተዋህቦም ይኹኑ ጉዳዮም ኣብ መስርሕ ዘሎ ክሱሳት ናይ ፖለቲካ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ጋዜጠኛታት ኣባላት በርገስ ማሕበራት ናይ ይቕረታ ሕጊ ብዝፈቕዶ መሰረት ክፍትሑ፡ ካብ ግዜ ደርጊ ኣትሒዙ ዜጋታት ዝሳቐይሉ ማእከላዊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ተዓጽዩ ናብ ሙዜዬም ክቕየር ከም ዝወሰኑን ቴሌቭዥን ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ዕለት 3 ጥሪ 2018 ሰዓታት ምሸት ፈነዋኣ ሓቢራ።

መንግስቲ ሱዳን ክሊ ማያዊ ግዝኣተይ ብግብጽን ስዑዲ ዓረብን

ተደፊሩ ክብል ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።

መንግስታት ግብጽን ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ንዝገበራኦ ናይ ምንጻርን ምምልካትን ስምምዕ ወይ ክታም፡ ብምቅዋም መንግስቲ ሱዳን ብወግዒ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓኑ ኣቕሪቡ ምህላው ረዲዮ ኤረና ብ1 ጥሪ 2018 ጸብጺባ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ንክሊ ማያት ሱዳን ዝጥሕስ ብምዃኑ'ያ ሱዳን ነቲ ጥርዓን ኣቕሪባ ዘላ ከም ዝበለ፡ ሱዳን ብፍላይ ምስ ግብጺ ብጉዳይ ዞባ ሓላይብን ማያት ቀይሕ ባሕርን ኣቐዲማ ክትሰሓሓብ ምጽነሓን ኤሬና ሓቢራ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡05-01-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel