DFfEUˆ8 መጋቢት ብዓለም ደረጃ ዓመት ዓመት እትኽበር ናይ ቃልስን መኸተን ታሪኻዊት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እያ፡፡ ከምኡ ስለ ዝኾነ ካኣ’ዩ ሎሚ-ዘመን’ውን ንመበል 109 ግዚኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ናይ ዓለም ተዘኪራ ብድምቀት ትባዓል ዘላ፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ እውን ከም ኣካልን ኣምሳልን ደቀ-ኣንስትዮ ዓለም መጠን ዋላኳ ኣብ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ጨካን ዘቤታዊ-መግዛእቲ-ስርዓት ህግደፍ ተጨቂነን ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ድምጸን ብናጽነት ከስምዓ ዘይፍቀደለን ይኹን ዳኣምበር፡ እተን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተሰዲደን ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ከከም ኩነታተን ዘፍቅደለን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይ ዓለም ኮይነን ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘብዕለኦ ዝነበራ ብዝበለጸ ተወዲበን የብዕለኦ ምህላውን ንቕሓትን ተወፋይነትን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ እናበረኸ ይኸይድ ምህላዉ ዘርኢ ሓደ ኣብነት ናይ ጽንዓትን መኸተን መግለጺኤን እዩ፡፡

 

እዚ ክተባባዕ ዘለዎ ናይ ጽንዓትን መኸተን ተበጉሶታትን ’ዚ ናይ መጀመርያኤን ዘይኮነስ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ ኣብቲ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝወሰደ፡ ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋተን ጎኒ-ንጎኒ ተሰሊፈን ብጅግንነትን ተወፋይነትን ንባዕዳውያን ገዛእቲ ኣላሽ ዘበላን ነጻን ልኡላዊትን ሃገረ-ኤርትራ ክውን ክትከውን ቅያ ሰሪሐን ብመስዋእቲ ዝሓለፋን ዘለዋን ሓርበኛታት ተቓለስቲ እየን፡፡

ካብ ዱሑር መስፍነ-ርእሰ-ማላዊ ሕብረተ-ሰብ ዝወጸት ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ፡ ምግዛእታዊ ወጽዓ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብደርበዊ ወጽዓ ተባዕታዊ ጭቆና፡ ርእሳ ኣድኒና እትኸይድ ዝነበረት ኣብ ሜዳ ኤርትራ ማዕረ ኣሕዋታ ደቂ- ተባዕትዮ ብረት ዓጢቓ ኣብ ኩሉ-ዓውደ-መዳያት ናይ ቃልሲ ኣብ ፖለቲካዊ ወታሃደራዊ፡ ጸጥታዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ተዋፊራ ዘመዝገበቶም ዓወታት ኣብ ታሪኽ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ዓለም፡ ብሓፈሻ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ-ኣንስትዮ ዓለም ካኣ ብፍላይ ልዑል ስፍራ ዝሕዝን ብኣድናቖት እናተዘከረ ዝነብርን እዩ፡፡

ከምዚ ዝኣመሰለ ቅያ ሰሪሓ ዝሓለፈት ዋዕሮ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ፍረ-ውጽኢት ጻምኣ ብጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን፡ ጨፍጫፊ ስርዓት ህግደፍ ተመንጢሉ፡ ከምቲ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ተጨቂኑ ድከቱ ዝሰቲ ዘሎ፡ ንሳውን እዚ ዕጫ’ዚ በጺሕዋ፡ ብዘቤታዊ መግዛእቲ ዳግም ሓሳረ-መከራኣ ትርኢ ኣላ፡፡ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክትከልን ማዕርነት ደቂ- ኣንስትዮ ክረጋገጽን ልዑል ትጽቢት ዝነበራ ይኹን ዳኣምበር፡ ጭው ዝበለ ጩራ ናይ ደሞክራሲ ዘይብሉ፡ ምልካዊ ስርዓት ተተኺሉ፡ ውጹዕ ሕብረተ-ሰብና ብኹሉ መልክዕ ናይ ጭቆናታት ብሄራዊ፡ ደርባዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ጾታዊ፡ ወዘተ…ወጽዓታት ሓሰረ-መከርኡ ርእዩ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ’ውን ከም ኩሎም መንእሰያት ኣሕዋታ ካብ ማእቶትን ትምህርትን ተነጺላ፡ ማሕበራዊ ህይወታ መሪሓ ኣብ ምዕባሌ ሕብረተ-ሰብና ተራኣ እትጻወት ኣፍራይት ዜጋ ክትከውን ዕድል ኣይረኸበትን፡፡

ብሓይሊ ተገዲዳ ኣብቲ ደረት ዘይብሉ፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝካየድ ናይ ውትህድረና ህይወት፡ ከም ባርያ ከተገልግል ተፈሪድዋ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ካምቦታት ጆሆ ተታሒዛ፡ ከዳሚት ወታሃደራውያን ሓለፍቲ ህግደፍ ኮይና፡ ብሓይሊ ክትድፈርን፡ ኣብ ዘይተደለዬ ናይ ሕርስን ጥንስን ሽግራት ክትወድቕን፡ብተላጋብቲ ሕማማት ክትሳቐን ጸኒሓን ኣላን፡፡ እዚ ሕሱም ህይወት እዚ መጨረሽታ ዘይብሉ ኮይኑ ኣብ ዝረኸበትሉ፡ መሬት ቀትሪ እንከሎ ስለ ዝጸልመታ፡ አትፈትዋ ሃገራ ራሕሪሓ እግራ ናብ ዘምርሓ ብጥይት ጸላኢ እናተቖልበት ተገዲዳ ንስደት ከተምርሕ ጸኒሓን ኣላን፡፡ ኣብ ስደት እውን እንተኾነ፡ አብ ፈቀዶ ምድረ-በዳን ባሕርን ብነጋዶ ሰብ እናተደፍረትን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስቓያ እናረአየትን አብ ባሕሪ እናጣሓለትን፡ አካላታ ንመሸጣ እናተዘልዘለትን፡ ዕድለኛታት ዝኾና እዚ ኩሉ ናይ ሓሰረ-መከራ ህይወት ሰጊረን ኣብቲ እፎይታ ክረኽባሉ ዝኽእላ ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ክበጽሓ ዝኻኣላ፡፡ ኣብዚ ምስ በጽሓ ሓዲሽ ህይወት ክዘርኣ ብዙሓት ተስፋ ከይቆረጻ ክጽዕራ እንከለዋ፡ ገለ-እውን ነዚ ኩሉ ጸገማት ተጻዊረን፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብጽንዓት ተጸምቢረን ተሳትፎአን ኣዕዚዘን ክረባረባ ዝጸንሓናን ዘለዋን ውሑዳት ኣይኮናን፡፡

ምስዚ ኩሉ ናይ ውረድ ደይብ ህይወት እዚ ግን፡ ኣብ ሃገርና ብጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ዘጋጥመን ዝነበረ ግፍዕታት ይኹን፡ ኣብ ጉዕዞ ስደተን ዘጋጠመን ዝነበረ፡ ኢሰብኣዊ ግፍዕታት ዝገደፈለን በሰላ፡ ብስነ ኣእሙሮ ዝሳቕየን ኮይኑ፡ ጸጸኒሐን ክዝክረኦ እንከለዋ ከም ሰብኣውያን ፍጡራት መጠን፡ ዝርንዝሕ ክነብዓ ዝጸንሓን ዘለዋን ምዃኑ፡ እዚ መሪር ህይወተን እዚ ክዝንጋዕ ኣይግባእን፡፡ እዚ ካኣ ብሓርነት ህዝብናን ማዕርነተንን ከም ዝድበስ ኣይንጠራጠርን፡፡

ሎሚ ነዛ ክብርቲ ናይ ቃልስን መኸተን ታሪኻዊት መዓልቲ 8 መጋቢት አህጉራዊ መዓልቲ እዚኣ፡ ከነብዕል እንከለና ቀንዲ ቀልብናን ሃምናን ክኸውን ዝግበኦ፡-

ቀዳማይ፡ ህዝብና ከመይ ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ዘቤታዊ መግዛእትን ንላዕላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውድቕ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ይገላገልን፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ውድቀትን ምብትታንን ይድሕንን ምርኣይ፤ ካልኣይ፡ ደምበ-ተቓውሞ ኤርትራ ከመይ ኢሉ ውሽጣዊ ሓድነቱ ኣረጋጊጹ፡ ሓደ ሰፊሕ ናይ ሓባር ግንባር ኣቚሙ፡ ብሓደ ኣንፈት ኣብ ኩሉ ብሓባር ዘቓልሰዎ መዳያት ኢድ-ንኢድ ተታሓሒዙ፡ ብሓደ ይምክት ምልዛብን ኣብ ሓደ ዝጭበጥ ሓባራዊ ነጥበ-ስምምዕ ምብጻሕን፡፡ ሳልሳይ፡ ሰፊሕ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ከመይ ይቐውምን፡ ማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮ ብቓልሲ ፍታሕ ይረክብን፡ ምርኣይ ዝብሉ፡ መሰረታውያን ሕቶታት ኣልዒሉ፡ መድረኽ ከፊቱ ክመያየጥን፡ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ክበጽሕን እዋናዊ ዛዕብኡ ገይሩ ክሪኦ ይግባእ ንብል፡፡

ብመሰረቱ ሕቶ ደቂ- ኣንስትዮ ደሞክራስያዊ ፍትሓዊ ሕቶ ኮይኑ፡ ብቀጻሊ ደሞክራስያዊ ደርባዊ ቃልሲ መሊኡ ፍታሕ ክረከብ ተኸታታሊ ዕቱብ ቓልሲ ዝሓትት’ዩ፡፡ ንፍርቂ ኣካል ሕብረተ-ሰብና ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ጨቍኑ ዝሕዝ ሓርነት ዘየፍቕድ ስርዓት ንካልኦት ክፍልታት ሕብረተ-ሰብ ሓርነት ከፍቅድ ኣይክእልን’ዩ፡፡ ከምዚ ስለዝኾነ ካኣ’ዩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብትምክሕተኛታትን ዱሑር መስፍናዊ ባህልን ዘይተናገፉ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ተባዕታዊ ልዕልናን ትምክሕትን ከንጻባርቑ ዝራኣዩ፡፡ እዚ ንደቀ-ኣንስትዮ ኣናኣኢሱ ዝርኢ ዱሑር ኣታሓሳስባታት እዚ፡ ንሳ ከም በዓልቲ ሓዳሩ፡ ኣብ ኩሉ ስርሓት ዕጽፊ ናቱ እናሰርሐት እንከላ፡ ትሰርሕ ከምዘየላ ገይሩ ዝርእን ዘቋናጽብን ዓቀይታዊ ሞግዚታዊ ኣታሓሳስባታት ብሓደ ሸነኽ፡ ብካልእ ሸነኽ ንሳ’ውን ስኣን ደርባዊ ንቕሓት እስርቲ ናይዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኮይና፡ ናይ ሓዳራ ምንጪ ቁጠባ ይኹን ናይ ስራሕ ውጽኢት ከም ዘይግባኣ፡ ኩሉ ናይ ሰብኣያ ዋንነትን ሓላፍነትን ጥራሕ ገይራ ብምውሳድ ብናይ ተጸባይነት መንፈስ ጽግዕተኛ ኮይና፡ ብድርብ ጭቆና ሓመድ ድፋጭኣ እናበልዐት ከተሕልፎ ጸኒሓን ኣላን፡፡

እዚ ኣብ ገጠር ሰበይቲ ገባር ንዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ካኣ ወጽዓኣ ብዕጽፊ ከቢድ ይገብሮ፡፡ እዚ ምስቲ ናይ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ መላእ ሕብረተ-ሰብና ዝጻዓን ኣዕናዊ ፖሊሲ እዚ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ እዚውን ተወሲኽዎ ሽግራታ ዝተደራረበ ክኸውን ይገብሮ፡፡ ስለዝኾነ ካኣ እዚ ድርብ ወጽዓ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክውገድ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ዕቱብ ቃልሲ ይሓትት፡፡ እዚ ካኣ ህንጸት ናይ ሓንቲ ሃገር ካብ ንኡሽተይ ስድራ-ቤት ዝጅምር ስለዝኾነ፡ ትምህርቲ ድማ መሰረት ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ከም ምዃኑ መጠን ኣደ ኻኣ ኣብ ምኹስኳስ ስድራ-ቤት ዓቢ ተራ ስለ ዘለዋ፡ ደቂ ኣንስትዮ ክማሃራን ክምዕብላን እንተተገይሩ፡ ተካእቲ ወለዶ ዝኾኑ መንእሰያት ብቑኑዕ ስነ- ምግባርን ስነ-ዜጋን ተኾስኲሶም ስለዝዓብዩ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ናይ ህንጸት ስራሕ ኣብቲ ሓድሽ ወለዶ ናይ ደሞክራሲ ባህሊ እናዓምበበ ክኸይድ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር’ዩ፡፡

ሓርነት ሕብረተ-ሰብ ብሓርነት ደቂ-ኣንስትዮ እዩ ዝዕቀን፡፡ ስለዝኾነ ካኣ ኩሎም ክፍልታት ሕብረተ-ሰብና ብቀጻሊ ቃልሲ፡ ካብ ትምክሕትን ጽበትን፡ ዱሑር ሕብረተ-ሰብኣዊ ሕማማትን፡ ሞግዚታዊ ናይ ተጸባይነት ኣታሓሳስባታትን እንተዘይተጋላጊሉ፡ ደሞክራስያዊ ሕቶ ዉጹዕ ሕብረተ-ሰብና ይኹን፡ ደሞክራስያዊ ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ ክፍታሕ ኣይካኣልን’ዩ፡፡ ከምቲ ዝሓለፈ ተሞኩሮ ናይ ቃልስና፡ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ካብ ተራ ሃገራዊ ነጻነት ንላዕሊ ክሰግር ዘይከኣለ፡ እዚ’ውን ብዕቱብ እንተዘይተቓሊስናዮ ውጽኢቱ ወጮ እንተገምጠልካዮ ወጮ እዩ ዝኸውን፡፡ ብሓጺሩ ምዕቡል ደሞክራስያዊ ኣታሓሳስባ እንተዘይተወኒኑ፡ ምዕብልቲ ደሞክራስያዊት ሃገር ክንሃንጽ ኣይንኽእልን ኢና፡፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ተጋድሎና መሊኡ ክዕወት ዘይኽኣለ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ድሕረት ኣካይዳታት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝኣሊ፡ ብቑዕ መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ዘይምርግጋጹ እዩ፡፡ ጉዳይ ምዕዋት ማዕርነታዊ ሕቶ ደቂ -ኣንስትዮ ካኣ፡ ካብዚ ተነጺሉ ክረአን ክፍታሕን ዝኽእል ኣይኮነን፡፡

ደሞክራስያዊ ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ፍታሕ ክረክብ እንተደኣ ኮይኑ፡ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ንገዛእ ነብሰን ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስበአን ከዕብያን ብንቕሓት ክውደባን እዩ ዘለወን፡፡ ምኽንያቱ ከይነቓሕካን ከይተወደብካን ዝዕወት ቃልሲ ስለ ዘየለ፡፡ እቲ ኣቐዲሙ ብንቕሎ ኣዴታት ኣብ ኤውሮጳ መበገሲ ውዳበ ገይረን ንደምበ-ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ክጣራነፋ ዝገበረኦ ጻዕርታት ዋላ’ኳ ኣብ መደምደምታ ኣይብጻሕ፡ እቲ ዘተበገሳሉ ዕላማን ተበግሶን ግን ዝናኣድ’ዩ፡፡ ሕጂ ካአ ብደረጃ ሰሜን ኣመሪካ ደቂ ኣንስትዮ ከውደባ ኣብ ዋሺግንቶን ዲሲ ዝገበረኦ ዋዕላ፡ ኣብ ምውዳብ ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ፡፡

ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ብዙሕ ጠቓሚ ኣስተምህሮታትን ኣብ ሂወተን ዘጋጠመን ግፍዕታትን ኣብ መድረኽ ወጺአን ብግልጽን ብትብዓትን ገለ-ጭላፍ ካብ ተሞኩሮአን ከም ኣብነት ክገልጽኦ ምብቀዐን ክምጎሳ ዝግበአን ሓርበኛታት ዋዕሮታት ኣዴታትን ኣሓትን እየን፡፡ እዚ ውዳበ እዚ ግን በዚ ጥራሕ ጠጠው ክብል ዘይኮነስ፡ ኣብ ወጻኢ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ሓደ ሰፊሕ ጽላል ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውደባ ዝሓቖፈ ማሕበር ምእንቲ ክረጋገጽ ጻዕርታተን ክብ ከብላን፤ መላእ ደምበ-ቓውሞ ኤርትራ ካኣ ኣብ ጎነን ጠጠው ኢሉ ኩሉ ዝካኣሎ ክተሓጋገዘን ግቡእ ገይሩ ክወስዶን ይግባእ ንብል፡፡

ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ውዳበ ከዕወትን ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ ሕቶ ህዝብታትና ይኹን ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ሸትኡ ክበጽሕ ኣብ ምርግጋጽ እዚ ዕላማታት እዚ ተረአን ምእንቲ ዕዙዝ ክኸውን ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ / ኣብ ጎነን ጠጠው ኢሉ ግቡኡ ክፍጽም ምዃኑ፡ በዛ ታሪኻዊት ኣጋጣሚ እዚኣ ከረጋግጽ ይፈቱ፡፡

                  8 መጋቢት ዓለምኻዊት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዘልኣለም ከቢራ ትንበር !

                          ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና !

               ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ /

                                     8 መጋቢት 2020