እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 27 guests and no members online

መንግስቲ ሱዳን፡ ህግደፍ ብዝተፈላለየ ጉልባብ ኣብ ስለያዊ ስራሓት ኣዋፊርዎም ዘሎ ሰባት ይሃድን ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ህግደፍ ልክዕ ከም ግዝኣቱ ናይ ጸጥታን ዘይሕጋዊ ንግድን መሓዋራቱ ዘርጊሑ፡ ብቁጠባ ክምዝምዛ፡ ብጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተፈላለዩ ገበናዊ ተግባራት ብምፍጻም፡ ፖለቲካዊ ምስላ ክሳብ ምብልሻው ዝበጽሕ ዝባኑ ቀሊዑ ክዕንድረላ ዝጸንሐ ሱዳን፡ ዘይተጸበዮ ኣደብ ግበር ዝብል መልእኽቲ ከመሓላልፈሉ ጀሚሩ ከም ዘሎ፡ ከም ጭቡጥ ኣብነት ከኣ ምስ ኤርትራ ዘራኽብ መንገዲ ከም ዝተዓጸወን ካብ’ታ ሃገር ዝወጽእ ዘሎ ዜናዊ ሓበሬታ የረጋግጽ።

መንግስቲ ሱዳን ብወገን ኤርትራ ብደረጃ መንግስቲ ካብ ሃገሩ ዝወጽእን ናብ ሃገሩ ዝኣቱን ዘይሕጋዊ ንግድን ካልእ ብከቢድ ገበን ዘሐትት ተግባራትን ንምቁጽጻርን ጸጥታኡ ንምውሓስን ዶቡ ኣብ ብምዕጻው ጥራሕ ከይተደረተ፡ ኣብ ልዕሊ መሓውር ስለያ ህግደፍ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ምውሳዱ፡ ኣብ ጉጅለ ህግደፍ ራዕዲ ፈጢሩ ከም ዘሎ፡ ኢሳያስ ናብ ግብጺ ዘብዘብ ምባሉ ከኣ ጽዑቕ መግለጺ ናይ ውሽጣዊ ተርባጹ ምዃኑን እቲ ዜና ይሕብር።

ገለ ካብ’ቶም ኣብ ዘይሃገሮም ስለያዊ ስራሓት ኣብ ምክያድ ተዋፊሮም ዘለው ዕሱባት ህግደፍ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ወርሒ ጥሪ 2018 ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከም ዘለው፡ እቲ ናይ ምቁጽጻር ሃደን ድማ ይቕጽል ከምዘሎን ተፈሊጡ።

ማእከላይ መደበር ናይ’ቲ ኣብ መሬት ኤርትራ ኣትዩ ዘሎ ሰራዊት ግብጺ ማርሳ ተኽላይ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ዝሓፍር፡ ተገልቢጡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ብኣሉታን ፕሮፖጋንዳዊ ወፍርን ክሓብኦ’ኳ ይፍትን እንተሃለወ፡ ኣስታት ናብ ክልተ ሽሕ ዝጽግዑ ወተሃደራት ግብጺ፡ ኣብ ማርሳ ተኽላይ፡ ሂምቦል፡ ከርከበት፡ ሳዋ ክንቀሳቐሱ ከም ዝተራእዩ፡ ማእከላይ መዋፈሪኦም ማርሳ ተኽላይ ምዃኑን ዘይወግዓውያን ምንጭታት ገልጹ።

መንግስቲ ግብጺ ወተሃደራቱ ኣብ መሬት ኤርትራ ዘስፍረሉ ዘሎ ምኽንንያት፡ ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ቁጠባዊ ረብሓ ስለ ዘለዎ ዘይኮነስ፡ ምስ ሱዳን ዝምድናኡ ሓርፊፉ ስለዘሎ፡ ከምኡ’ውን ብምኽንያት ዲጋ ኣባይ ምስ ኢትዮጵያ ስለዘይተቓደወ፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ሰሪቱ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ገንዘባውን ዓይነታውን ደገፋት እናሃበ፡ ብሓደ መደባይ ንተቓወምቲ መንግስቲ ሱዳን ብምዕጣቕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ተጽዕኖ ንምፍጣር፡ ብካልእ ከኣ ብህይወት ኤርትራውያን ወተሃደራት ህግደፍ ሰላምን ጸጥታን ኢትዮጵያ ንምህዋኽ ዝዓለመ’ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ።

ብውድቀት ኤርትራ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ጥራሕ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ከም ህዝቢ ናይ ታሪኽ ተሓታቲ ክኸውን’ዩ ተባሂሉ።

ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ብቐጥታ ንሃገርና ብኣሉታ ዝጸሉ ሓድሽ ምዕባሌታት ይረአ ከም ዘሎ፡ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ድማ ኣካል ናይ’ቲ ኣሉታዊ ምዕባለ ብምዃኑ፡ ንህዝቢ ዝኾነ ሓበሬታ ስለዘይህብ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳዩ ክንሱ ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ፡ ብከምዚ ኣገባብ እንተቐጺሉ ድማ፡ ስዒቡ ብዝመጽእ ሃገራዊ ውድቀት ተሓታቲ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ናይ ታሪኽ ተሓታቲ ካብ ምዃን ከምልጥ ከምዘይኽእል ረድዮ መድረኽ ብ9 ጥሪ 2018 ኣብ ዝዘርገሓቶ ዜናዊ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።

ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን፣ ኣብ መንጎ ጉጅለ ህግደፍን መንግስቲ ሱዳንን ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ጥዑይ ፖለቲካዊ ሽርክነት ዝተሰረተ ዝምድና ከምዘይነበረ፡ ወግዓዊ ናይ ቃላት ምምልላስ ዘይስመዓሉ፡ ግን ከኣ ክሳብ ገዚፍ ወተሃደራዊ ምቅርራባት ኣብ ዶባት ዝረኣየሉ ኩነታት ተፈጢሩ ምህላው፡ እዚ ምቅርራባት’ዚ ካብ’ዚ ዘለዎ እንተማዕቢሉ ከኣ ቀዳማይ ተጎዳኢ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ምዃኑ፡ በዚ ከኣ ህዝቢ ብሰንኪ ሓያል ውደባ ፈጢሩ ነቲ መንግስትኻ’የ እናበለ ናብ ውድቀት ዝምረሖ ዘሎ ጉጅለ ዘይምቅዋሙ ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ከምዘይኽእል ሓቢራ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 12-01-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel