እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 109 guests and no members online

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ28 ጥሪ 2018 ስሩዕ ኣኼባ ከም ዘካየደ ኣፍሊጡ

ኣቦ-መንበር እቲ ሰልፊ ብ/መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ፡ ኣብ ሃገርናን ዞባናን ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታትን ከመይነት ኣገጣጥማኡን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ከም ዝሃበ፡ ድሕሪ መብርሂ ብ/መንግስተኣብ ናይ ትሸዓተ ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ስራሕ ቀሪቡ ከምዝተዘተየሉ፡ ቤት ጽሕፈት ዜና እቲ ሰልፊ ብ29 ጥሪ 2018 ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ ንምሕዳስ ሰልፊ ኣመልኪቱ ድሕሪ ምምይያጥ ናይ ኣተገባብራ ጉዳያት መሰረት ብምግባር ኣገደስቲ ውሳነታት ከም ዘመሓላለፈ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰልፊ ንዝቐረበሉ ንምምሕዳራዊ ጉዳያት ዝምልከት ተመያይጡ ንከመይነት ኣወጋግናኡ ዝምልከት ውሳነ ከም ዝሃበን ኣረዲኡ።

መሬት ከም ናይ ውድብ ኣባልነት ካርድ ምጥቃም፡  ኣብ መንጎ ነበርቲ ከቢድ መዘዝ ከምዘኸትል ስዒቡ ተገሊጹ።

መሬት ምስ ህይወትን ቀጻልነትን ወዲ-ሰብን ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎ፡ ናይ ዜጋታት ሓባራዊ ሃብቲ ክንሱ፡ ጉጅለ ህግደፍ ከም ናይ ውድባዊ መለለዪ ኣባልነት ካርድ ንዝበዝሑ ኣግሊሉ፡ ንውሑዳት ይዕድሎ ከም ዘሎ እዚ ኣብ ቀጻሊ ኣብ’ቲ ብሓባር ዝነብር ህዝቢ ዘስዕቦ መዘዝ ከቢድ ምዃኑን ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ከም’ቲ ኣብ ካልእ ኣብ ጋላ ነፍሒ ብምርድዳእ እቶም ነበርቲ ዓዲ ዘይኮነ፡ ብቀጥታዊ ትእዛዝ ካድራ ህግደፍ “ግቡኦም ንዘማልኡ ሰብ መሰል” ብዝብል ንልዕሊ 500 ዝኾኑ ፍሉያት ናብ ህግደፍ ቅርበት ዘለዎም ሰባት መሬት ጤሳ ከም ዝተዓደለ፡ እዚ ኣገባብ’ዚ ኣብ ነበርቲ ዓዲ ንሕናኸ ኣበይ ክነብር? ደቅና ኣበይ ክዓብዩ? ካብ ናይ ሞት ፍርዲ ዘይንእስ ዓመጽ’ዩ ዝብል መሪር ቁጠዐ ፈጢሩ ከም ዘሎ፡ መጻኢ ሓደጋኡ ኣብ ህዝቢ ኣሰካፊ ምዃኑን ገሊጾም።

መንግስቲ ሩዋንዳ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንምቕባል ምስ እስራኤል ዝገበርክዎ ወግዓዊ ስምምዕ የለን ምባሉ፡ ኣብ ኤርትራውያን ግዝያዊ ኣፎይታ ፈጢሩ ምህላው ተሓቢሩ።

ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ክትባረሩ ኢኹም እንተዘይኮነ ድማ ክትእሰሩ ኢኹም ዝብል ሐበሬታ ካብ ዝተቓልሓሉ ግዜ ጀሚሮም ኣብ ከቢድ ጭንቀት’ዮም ዝነብሩ ዘለው።

ካብ ዘለዎም ስግኣት ተበገሶም ድማ፡ ሰብኣዊ ሓላፍነት ንዝጎደሎ ውሳኔ መንግስቲ ቤኒያሚን ናታንያሁ ብምቅዋም፡ ምስ ግዱሳት እስራኤላውያን ኮይኖም ብ22 ጥሪ 2018 ኣብ ቴል ኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሩዋንዳ ንሕና ባሮት ኣይኮናን ኣይንሽየጥን ዝብል ጭርሖ ሒዞም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ድሕሪ’ዚ መንግስቲ ሩዋንዳ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኡ ኣቢሉ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብምስጢር ናይ ዝኾነት ሃገር ስደተኛ ክንቅበል ኣይተሰማማዕናን ዝብል መግለጺ ሂቡ። ቀጺሉ ፕረሲደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ ምስ ናታንያሁ ተራኺቦም ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ዝተዘራረብሉ፡ ሩዋንዳ ካብ እስራኤል ዝምለሱ ስደተኛታት ክትቅበል እንተደኣ ኮይና፡ ንስደተኛታት ዝምልከት ኣድማሳዊ ቻርተር ብዝፈቕዶን ብወግዕን ‘ምበር ብስውሩ ኣይትቕበልን ምባሉ፡ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ከፊላዊ ኣፎይታ ፈጢሩ ከም ዘሎ ምንጭታትና ይሕብሩ።

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣድሒኑ።

ብሓሙሽተ ዘይተኣማምና ጃላቡ ተሳፊሮም ካብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ናብ ምድሪ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝተበገሱ፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻነት፣ ነብሰ ጾራት፣ ሕሙማት ዝርከብዎም ኣስታት 800 ዝኾኑ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብ27 ጥሪ 2018 ንስክላ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከም ዘድሓነ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓይሊ ባሕሪ ቁጽሪ ናይ’ቶም ስደተኛታት ክብገሱ እንከለው ክንደይ ነይሩ ጭቡጥ ሓበሬታ ከምዘይረኸበ፡ እንተኾነ ኣብ መንጎ እቶም ብህይወት ዝደሓኑ ናይ ክልተ ሰብ ሬሳ ከም ዝረኸበ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ንህጹጽ ሕክምናዊ ክንክን ብሄሊኮፕተር ናብ ሆስፒታል ከም ዝወሰደ ምግላጹን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 31-01-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel