እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 23 guests and no members online

ናይ ሓዘን መግለጺ

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ብጻይና ገዲም ሓረበኛ ተጋዳላይ ኣብራሃም ነጋሲ፡ ኣቦ-መንበር ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ዝነብረሉ ዝጸንሐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽንሑ ምስውኡ መሪር ሓዘን ተሰሚዕዎ።

ስውእ ሓረበኛ ተጋዳላይ ኣብራሃም ነጋሲ ካብ ግዜ ንእስነቱ ዓቕሚ ኣዳም ኣብ ዝበጽሓሉ ተመሃራይ እንከሎ ብዝሓደሮ ልዑል ሃገራዊ ፍቕሪ፡ ኣብ ናይ ተጋዳሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ውሽጣዊ ስርርዕ ተሓቚፉ ግቡእ ዝፍጽም ዝነበረ ተቓላሳይ’ዩ ነይሩ።

ስርዓት ሃ/ስላሴ ወዲቑ ፋሽሽታኢው ስርዓት ደርግ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ህሞት፡ ተጋዳላይ ኣብራሃም ነጋሲ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተሰጋጊሩ፡ ብዝለዓለ ኣገባብ ቃልሱ ክቕጽል ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰለፈ። ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ( ጀብሃ) ካብ 1974 ክሳብ 1982 ኣብ ዝነበረ ግዝያት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ናይ ቃልስን ጽፍሒ ሓላፍነታትን ተሰኪሙ ኣብ ናይ ውሽጣዊ ናይ ከተማታት ስርርዕን ናይ ፈዳይን ናይ ደባይ ስራሓትን ካብኡ ቀጺሉ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ወተሃደራውን ጸጥታውን ስራሕ፡ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ዝተቓለሰ ብጻይ’ዩ ነይሩ። ተጋዳሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ወጽአት ከኣ፡ ኣብ’ቲ ሽዑ ንምሕዳስ ተጋዳሎ ሓርነት ኤርትራ ዝቃለስ ዝነበረ፡ ናይ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ተበግሶን ምንቅስቓስን ድሕሩ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ማእከላይ መሪሕነት (ሳግም) ዝተፈልጠ ውድብ ኣብ ናይ ምጣነ ሃብታውን መጎዓዝያን ጽገናን ዓውደ ስራሓት ተመዲቡ፡ ብዝነበሮ ሞያዊ ክእለትን ኣፍልጦን ብጽንዓትን ተወፋይነት ካብ ዝተቃለሱ ብጾት ሓደ’ዩ ነይሩ።

ብድሕሪኡ ብዝነበሮ ማሕበራዊ ጸገማት ንሱዳን ካብኡ ቀጺሉ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ’ኳ እንተተሰደ፡ እዚ ቃልሱ ካብ ምቕጻል ኣይዓገቶን። ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ማእከላይ ማእከላይ መሪሕነት (ሳግም) ተወዲቡ ናቱ ኣስተሃዋጽኦ ይገብር ነይሩ። ብድሕሪ’ዚ ካብ ተጋዳሎ ሓርነት ኤርትራ ማእከላይ መሪሕነት ምስተፈልየ’ውን ዝተፈላለየ ውዳቤታት ክሳብ’ዚ ሕጂ ብመስዋእቲ ዝተፈልየሉ ውዳብ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራ ዝተመስረተሉ፡ ኣቦ- መንበር እቲ ውድብ፡ ኣባል መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኮይኑ፡ ከይተሓለለ ክቃለስ ዝጸንሐ ብጻይ’ዩ።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ብጻይና ኣብራሃም ነጋሲ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንመላእ ኣባላት ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራን ስድራ ቤቱን ኣዕርኽቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

       ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                         1 ለካቲት 2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel