እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 80 guests and no members online

ኣብ ሃገረ ሊብያ ብሓደጋ መኪና 19 ስደተኛታት መይቶም ልዕሊ 100 ድማ ብከቢድን ፈኲስን ቆሲሎም

ኣብ ሊብያ ብመኪና ካብን ናብን ካም ዝጎዓዙ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ስደተኛታት፡ እታ መኪና ብዘጋጠማ ናይ ምግምጣል ሓደጋ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተነግረሎም 19 ሰባት ከምዝመቱ ልዕሊ 100 ድማ ብከቢድን ፈኲስን ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ጠራብሎስ ሕክምናዊ ረድአት ይገበረሎም ከም ዘሎን ንፖሊስን ሓካይም እቲ ሆስፒታልን ብምጥቃስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።

እቲ ሓደጋ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ 14 ለካቲት 2018 ኣብ ከባቢ ከተማ ባኒ ወሊድ ዝተባህለ ካብ ጠራቡሎስ ኣስታት 170 ኪ/ሜተር ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ማለት ኣብ’ቲ ስደተኛታት ናብ ማእከላይ ባሕሪ ንምእታው ዘዕርፉሉ ቦታ ከም ዘጋጠመን ሓቢረን።

ፍሉይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ካብ መሳርዕ ሰራዊት ኤርትራ ዘምለጡ ሕቶ ፖለቲካዊ ዕቑባ ንምርካብ ብቑዕ ምኽንያት’ዩ ክብል ወሲኑ።

መንግስቲ ናታንያሁ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ብረሃጾም ሰሪሖም ንዝነብሩ ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝኾኑ ስደተኛታት፡ ናብ ኣነ ዘዳለኽልኩም ሳልሳይ ሃገር ትኸዱ ወይ ትእሰሩ ዝብል ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ ከቢድ ጸቕጢ ፈጢርሉ ኣብ ዘሎ ወቕቲ፡ ፍሉይ ቤትፍርዲ ይግባይ እስራኤል፡ ብሓሙስ 15 ለካቲት 2018 ካብ ሰራዊት ኤርትራ ምምላጥ ሕቶ ዑቕባ ንምቕራብ ዘኽእል ብቑዕ ምኽንያት’ዩ ክብል ከም ዝወሰነ ብ17 ለካቲት 2018 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

ውሳነ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ነቶም ኣብ ጭንቀት ዝርከቡ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ተስፋ ዝህብ’ዩ ዝበለ እቲ ዜና፡ እቲ ውሳነ፡ ኣብ ተልኣቪቭ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ Clinic for Refugee Rights (ሕክምና ንመሰል ስደተኛታት) ንጉዳይ ሓደ ካብ ሰራዊት ኤርትራ ኣምሊጡ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤርትራዊ ዝምልከት ናይ ይግባይ ጥርዓን ናብቲ ፍሉይ ቤትፍርዲ ምስ ኣቕረበ፡ እቲ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ካብ ሰራዊት ምምላጡ ብዝወሃቦ ፖለቲካዊ ትርጉም፡ ካብ ሰበስልጣን ኤርትራ ግፍዒ ክወርዶ ከምዝኽእል ዘረጋግጽ ጭቡጥ ስግኣት ኣለዎ ዝብል ውሳኔ በቲ ናይ ይግባይ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምውሳኑ ዝተረኽበ ዓወት ምዃኑን ኣረዲኡ።

እዚ ውሳነ ‘ዚ፡ ንኹሎም `ቶም ብተመሳሳሊ ምኽንያት፡ ጉዳዮም ብብዓል መዚ ህዝብን ኢሜግሬሽንን ተነጺጉ ዝጸንሐ ኣሽሓት ኤርትራውያን ፍታሕ ከምጽእ ትጽቢት ከም ዘሎ Hotline for Refugees and Migrants ዝብሃል ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቕ ትካል ሓቢሩ ክትብል ገሊጻ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃ/ማሪያም ደሳለኝ፡ ኣብ’ታ ሃገር ኣጋጢሙ ብዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝሓሸ ፍታሕ ንምምጻእ ብሰናይ ፍቓዶም ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ብወግዒ ሓቲቶም።

ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፡ ርትዓዊ ምክፍፋል ሃብትን ስእነት ስራሕን መበገሲ ዝገበረ ብፍላይ ካብ 2015 ጀሚሩ ኣብ’ታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ሓንሳብ ዝረስን ካልእ ግዜ ዝዝሕል ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ክበጽሕ ዝጸንሐ ሞትን ዕንወትን ንምፍዋስ፡ መንግስቲ ዝተፈላለየ ስጉምቲ ይወስድ ከም ዘሎ እንተኾነ ግን ንዝሓሸ ሰላምን ደሞክራስያዊ ምሕደራን ብዝሰልጠነ ኣገባብ ስልጣኖም ብሰናይ ፍቓዶም ክለቁ፡ ናብ ዝምልከቶም ትካላት ከም ዘቕረቡ፡ ብፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ናይ ደቡብ ህዝብታት ደሞክራስያዊ ግንባር (ደህደግ)ን ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኢህወደግ)ን ተቐባልነት ከም ዝረኸቡን ብ15 ለካቲት 2018 ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም

ኣቶ ሃ/ማርያም፡ ኢህወደግን ኣባላቱን፣ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኢትዮጵያ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣሰካፊ ዝበልዎ ኩነታት ንምፍታሕ ነናቶም ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክገብሩ ብምጽዋዕ፡ ቤት ምኽሪ ኢህወደግን ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያን ንዘቕረብዎ ናይ ስንብታ ሕቶ ኣወንታዊ መልሲ ክሳብ ዝህብዎም ኣብ ስልጣኖም ክጸንሑ ምዃኖም ወሲኾም ሓቢሮም።

ብካልእ ዜና ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ህይወትን ንብረትን እዛ ሃገር ዘብጸሖ ዘሎ ጉድኣት እናኸፍአ ብምምጻኡ፡ ነዚ ንምዕጋትን ንምቁጽጻርን መታን ክከኣል ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ካብ 16 ለካቲት 2018 ጀሚሩ ኣብ ተግባር ዝውዕል ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጃ ከምዘውጸአ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ብ16 ለካቲት 2018 ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዜና ፈነወኣ ሓቢራ።

ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ ካብ ስልጣኖም ወሪዶም፡ ሲሪል ራማፎዛ ፕረሲደንት እታ ሃገር ብምዃን ቃለ ማሕላ ፈጺሞም።

ሓደ ካብ’ቶም ፍሉጣት ጸረ-ዓሌታዊ ስርዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ነጻነት ተጋደልቲ ዝኾኑ ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮቭ ዙማ፡ ቀጻሊ ብህዝብን ውድቦምን ብብልሽውናን ክቕርበሎም ብዝጸንሐ ሕሜታን ክስን፡ ሰልፊ ANC ብዝገበሮ ሓያል ድፍኢት ዋላ’ኳ ምስ ውሳነ ናይ ሰልፈይ ዘይሰማማዕ እንተኾንኩ፡ መታን እቲ ሰልፊ ከይፈላለን ሃገራዊ ሰላም ከይዝረግን ካብ ስልጣነይ ወሪደ ኣለኹ ብምባል፡ ብ14 ለካቲት 2018 ሕጋዊ ናይ ስልጣን ዕድሜኦም ከይወደኡ ከም ዝወረዱ ብወግዒ ሓቢሮም።

ከም ምክትል ፕረሲደንት ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ሚስተር ሲሪል ራማፎዛ ድማ ቦታኦም ብምትካእ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኖም ክሰርሑ ቃለ ማሕላ ከም ዝፈጸሙ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን። ፕረሲደንት ነበር ጃኮብ ዙማ ካብ 2009 ጀሚሮም ን9 ዓመታት ብፕረሲደንት ዝመርሑ ወዲ 75 ዓመት’ዮም።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 19-02-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel