እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 94 guests and no members online

ወዲ 94 ዓመት ክቡር ሓርበኛ ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ዓሪፎም

ልዑል ሃይማኖታዊ እምነትን ኣኽብሮት ህዝብን ፍቕሪ ሃገርን ከም ዝነበሮም ዝዝረበሎም ወዲ 94 ዓመት ክቡር ሓርበኛ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር፡ ልጓም ኣልቦ ሃላሊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስርዓተ ሃይማኖቶም ንዝገበሮ ቅሉዕ ኢድ ምትእትታው ፊት ንፊት ብምቅዋሞም፡ ኣብ ደገፍን ክብርን ክረኽብሉ ዝግባእ ዕድመ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ክሳቐዩ ድሕሪ ምጽናሕ ብ2 መጋቢት 2018 ከም ዝዓረፉ ክፍሊ ዜና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብ3 መጋቢት 2018 ኣፍሊጡ።

በዓል ጸጋ ዕድመ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣስታት ድሕሪ ናይ 5 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ከም ዝዓረፉ፡ ንስለ ክብሪ ስርዓተ ሃይማኖቶምን ፍትሕን ኣንጻር ጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ብዘርኣይዎ ጽንዓትን እንምቢታን ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ታሪኽ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ብኽብሪ እናተዘከሩ ዝነብሩ ኣብነታውያን ሓርበኛታት’ዮም።

በዚ ኣጋጣሚ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ንመዋቲ መንግስተ ሰማያት፡ ንቀረባ ቤተ ሰቦምን ፈተውቶምን ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።

 

 

ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከቡ ጽጉማት ወገናትና ዝውዕል ሓገዝ ንምርካብ ትነጥፍ ኣላ።

ብወለንታኡ ንማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ኣብ ምግልጋል ዝርከብ ክቡር ኣቶ ካሕሳይ ይሕደጎ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከቡ ጽጉማት ኤርትራውያን ዝውዕል ገንዘባውን ዓይነታውን ደገፍ፡ ካብ ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራውያንን ንምትእኽኻብ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክበጽሕ ምዃኑ፡ “ዑደት ንረድኤት ብመንገዲ ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ” ብዝብል ዝተዘርገሐ ዜናዊ መጸዋዕታ ኣፍሊጡ።

ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ካብ ኣባላቱ፣ ፈተውቱን ሰብኣዊ ተደናጋጽነት ዘለዎም ወገናትን ዝረኽቦ ውሱን ደገፋት፡ ሓጋዚ ዘይብሎም ኣብ ከቢድ ጸገም ንዝወደቑ ኤርትራውያን ብመልክዕ ገንዘብ ዓይነትን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝደጋገፍ ማሕበር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣቶ ካሕሳይ ኣብ ዝገብሮ ዑደት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ግዱሳት ሓበሬታ ንዘይብሎም ብምሕባር፡ ኣድላዪ ምድግጋፍ ክገብርሉ ጸዊዑ።

ንዝገብርዎ ምትሕብባር ናብ ብጸይቲ ህይወት ገብረሚካኤል ብቑጽሪ ስልኪ 317 362 3107 ክድውሉ ድማ ሓቢሩ ኣሎ።

 

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መንግስቲ ሩዋንዳ ምስቲ ኣንጻር መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ንዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ንምብራር ዝነጥፍ ዘሎ መንግስቲ እስራኤል ከይትተሓባበር ጸዊዑ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ እስራኤል ተዓጊቶም ንዘለዉ ዑቑባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ንመንግስቲ ሩዋንዳ ምስቲ ኣንጻር መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝሰርሕ ዘሎ የማናዊ መንግስቲ እስራኤል ከይትተሓባበር ከም ዝጸወዐ ቤት ጽሕፈት ዜና እቲ ሰልፊ ብ1 መጋቢት 2018 ሓቢሩ።

ሰዲህኤ፡ ነቲ መጸዋዕታ ብ28 ለካቲት 2018 ከም ዝለኣኸ፡ ኣብ መልእኽቱ መንግስቲ ሩዋንዳ ስደተኛታት ኣገዲድካ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ምስግጋር መሰል ምግሃስ ስለዝኾነ፡ ኣብ ምግሃስ መሰል ስደተኛታት ከይተሓባበር ከም ዝጸወዐ ኣፍሊጡ።

ቅዳሕ ናይ’ቲ ናብ መንግስቲ ሩዋንዳ ዝተለኣከ መዘክር፡ ናብ ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ ፋቂ ማሃመትን ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ፍሊፖ ግራንዲን ከም ዝለኣኸውን ወሲኹ ኣረዲኡ።

 

ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝርከብ ነጻ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ ስጉማን ጨንፈራዊ ጉባኤ ከም ዘካየደ ገሊጹ።

ንነገራውን ገንዘባውን መኽሰብ ዘይሰርሕ፡ ነጻ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ብ24 ለካቲት 2018 ኣብ ፍራንክ ፎርት ሃገረ ጀርመን ዓመታዊ ጉባኤ ከም ዘካየደ፡ ጉባኤ ብኣቦ-መንበር ናይ’ቲ ማሕበር ኣቶ ኣፈወርቂ ኣባይ ከም ዝተኸፍተ፡ ኣብ ዓመተ 2017 ዝነበረ ንጥፈታት ሓያልን ድኹምን ጎኒታት፡ ህልዊ ኩነታት ኣብ ከሰላ ሱዳን ዝርከቡ ኣካለ ጽጉማን ኣመልኪቱ ሰፊሕ ጸብጻብ ከም ዘቕረበን ኣረጋጊጹ።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ’ቲ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ናይ ዝተሓቑፉ፡ ውጉኣት ሓርነት፣ብባህሪያዊ ጸገማት ዝሰንከሉ ዜጋታት፣ ብሕማምን ዕቤትን ዝተሰውኡ፣ ዕቑባ ረኺቦም ናብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ዝተጣየሱ፣ ዝተወሰኹ ሓደሽቲ ኣካለ ጽጉማትን ዘርኢ ዝርዝር ከም ዝነበረ፡ ቀጺሉ ጸብጻብ ገንዘብ ብኣቶ መዓሾ ኣስራት ከም ዝቐረበ፡ ተሳተፍቲ ጉባኤ ምስቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ክብሪ መነባብሮ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ዝገብርዎ ወፋያ ክብል ከብሉ ከም ዝተሰማምዑ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ሓሙሽተ ዝኣባላት ኣካያዲት ሽማግለን ክልተ ተቖጻጸርትን ብምምራጽ ጉባኤ ብጽቡቕ ከም ዝተዛዘመ ብስም ሽማግለ ማሕበር ኣብ መርበብ ቶጎሩባ ዝረኸብናዮ ዜናዊ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 05-03-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel