Print 

ለበዋ ዉሽጡ ሑሩር

,,ጤየል መጠራ, ካብታ ምንጣራ ስ ምምጥጣራ,

ህዝቢ ኤርትራ, ንመገሻ ንሕክምና,, ንባኒ ኩሉ ብመስርዕ,,

ምምባር መሪርዎ ንስግር ዶብ እንዳ ጠመተ,,

ኣዲኣ ሐዲጋስ ሐትንኣ ትናፍቕ, ከመይ ገርና ሞ ክንብል ስቕ,

ኣርዮስ ምስ ደቂ መዛምርቱ

ንጳጳስን ንሸኻትን ዝኣስሩ ሸፋቱ

መስጊድን ቤተክርስትያን ጸልሚቱ,

ንሱ ድዩ ለበዋ ስዉእ ጅግና ዓዋተ

ክንዲ ህግደፍ ክንምክቶም ንዛተ

ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ታተ

ዓዲ ቀያሕትን ጸለምትን እንዳ ጸነተ,

ኣይትተንኩፉና ኢድኩም ኣክቡ,,

ኣይበልናን ዶ ብዓንተቦ,,

ንኤርትራ ዓዲ ኣስላም ክስታን ዓደቦ,

ኤርትራ ሃገርና ኣይኮነት ዓረባዊት

ንጥልያን ንቱርኲ ንግብጺ,ዝመከተት

ንመግዛእቲ ንኢትዮጵያ ዝመሐወት

ዓዲ ቁርኣን ዓዲ ዳዊት ኣፍሪቃዊት,,

እቶም ዘይናቶም ዝበሃጉ

ንመሰል ኤርትራዊያን ዝባሕጎጉ

ንሐድነትና ስ, ኣይካኣሉን ክዘርጉ,

ኣግእዝያዊን ኤሊተ ይግዓሩ

ተረዲእዎም ኣሎ ንተጋሩ

ኣብ ምፍልላይና ከም ዝተሳዕሩ,

ቋንቋና,,ትግረ ትግርኛ ሳሆ ብሌን, ኩናማ ሕዳረብ ናራ ዓፋር,, ህዝቢ ኤርትራ እዘን ቋንቋታት እዩ ዝዛረብ,ቋንቋ ዓረብ መራዳድኢ ደኣ እንበር,ኤርትራ ምስ ህዝባ ስ,, ኣፍሪቃዊት እያ ኣይኮነትን ዓረብ፡፡

ሕጂ ውን ብመኣዲ ሾሞንተ,

ክትግበርዩ ሕድሪ ሰማእታተ

ኣብቂዑ ዩ ግርህነተ ዕሽነተ,

ሻዓብ ኤርትራ ሐተ

ኣበ ሐተ እሕና ሐተ፡፡

ሕድሪ ቀዳሞት ዳሕረዎት

ዝወደቑ ስለ ኤርትራውነት,

ኢደይ ኢድካ ንበል ንሕርነት

ብዘይ ሃገር የለን ክብረት,,

ንፋስ ሐርነት ክነፍስ

ንድሕሪት ኣይንመለስ,

ሐቢርና ንቃለስ,,

ንህዝቢ ኤርትራ

ካብ ባርባራዊ ምሕደራ

ህግደፍ ክንገብሮ ሐራ,,

ኣስተውዕል ኤርትራዊ,,ኣብ መንጎ ክልተ ኣህዛብ, ማለት ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን,ስብሐት ነጋን, ኣብይ ጸሃየን,ደቂ መዛምርቶምን,ማለት ጉጅለ ዕባይ ጨርሕን, ዝኣጎድዎ ሐዊ,ቂም ጽልኢ ቁስሊ,ሹዑ ዩ ዝሐዊ፡፡

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና, ዓወት ነቲ ደም ዘነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ,,ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን,ካብ ዉሽጡ ሑሩር, በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን፡፡