እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 69 guests and no members online

መንግስቲ ሪፓብሊክ ሱዳን ዕሉላት ኣባላት ህግደፍ ዝርከብዎም ብጥርጠራ ሒዝዎም ዝጸንሐ 27 ኤርትራውያን ካብ ሃገሩ ኣባሪሩ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ክነጥፉ ተረኺቦም ኢሉ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎም ዝነበረ፡ የውሃንስ ዘሚካኤል (ዓዲ ከሎም)፡ ጎይታኦም ኣብራሃን ሓደ ንግዝይኡ ስሙ ዘይተፈልጠ ግን ኣብ ፖርት ሱዳን ሓላፊ ማሕበር መንእሰያት ህግደፍ ምንባሩ ዝተሓበረን ዕሉላት ኣባላት ህግደፍ ዝርከብዎም 27 ኤርትራውያን ብ15 መጋቢት 2018 ካብ ሃገሩ ናብ ኤርትራ ከም ዘባረሮም እሙናት ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ሱዳን ብስልኪ ኣፍሊጦም።

ጸጥታ ሱዳን ካብ ህዝቢ ብዝረኸብዎ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብ ዘካየድዎ ተፍትሽ፡ ኣብ ገዛ የውሃንስ ዘሚካኤል ስእሊ ዘይተለጠፎ ብርክት ዝበለ ናይ ኤርትራ ፓስ ፖርት ከም ዝረኸቡ፡ ንየውሃንስ ብኸመይን ንምንታይ ሒዚካዮ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረብሉ፡ ጎይታኦም ኣብራሃ ከም ዝሃቦ ምሕባሩን፣ ምስ’ቶም ዛጊት ዝርዝር ኣስማቶምን ንጹር ምኽንያት ዝተባረርሉን ብልክዕ ዘይተፈልጠ 24 ሰባት ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ከም ዝተጠረዙ ኣረጋጊጾም።

ጸጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዕሉላት መጋበርያ ጉጅለ ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን ከም’ዚ ዝበለ ስጉምቲ ክወስድ ካብ’ዚ ቀረባ ዓመታት ናይ መጀመርያ ከም ዝኾነ፡ እዚ ድማ ምስ ህግደፍ ዝጸንሖ ዝምድና ከም ዝተበላሸወ መረጋገጺ ምዃኑን ኣረዲኦም።

እዚ ከም’ዚ ዝበለ ስጉምቲ ድሕርቲ ካብ መጀመርያ ወርሒ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2018 ጀሚሩ መንግስቲ ሱዳን ብዝሒ ዘለዎም ወተሃደራት ኣንቀሳቒሱ፡ ምስ ኤርትራ ዘራኽቦ መስመር ድሕሪ ምዕጻው ዝመጸአ ምዃኑ፣ ጉጅለ ህግደፍ ሓቂ ከዛብዕ ኣብ መጀመርያ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ሱዳን ዘለው ውሑዳት ሰብ ፍሉይ ረብሓ ዝፈጠርዎ ክብል ገሊጹ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ ብ22 መጋቢት 2018 ብሚኒስትሪ ዜናኡ ኣቢሉ ዘውጸኦ ካብ ፖለቲካዊ ትሕዝቶኡ ንዕዋላዊ ባህሪኡ ዘቃልዕ ፈኲስ መግለጺ፡ ኣብ ከሰላ ብቐጠር ዝምወል፡ ብፍሉጥ ኣኽራሪ እምነት ምስልምና ዝኾነ ሰብ ዝዝወር፡ ግን ከኣ፡ ብጸጥታ ሱዳን ዝመሓደር ሓድሽ ወተሃደራዊ መደበር ከም ዘሎ፡ ክልተ ብደቂ ቀጠር ሓንቲ ብኢትዮጵያዊ ዝምረሓ ንግስነት ቀጠር ዝሃበቶም ነፈርቲ ውግእ ዓጢቖም ኣለው ክብል ምስ ዝሃቦ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣዛሚድካ ክረአ እንከሎ፡ እቲ ምብልሻው ዝምድና ኣብ ዝኸፍአ ጥርዚ ምብጻሑ ከም ዘመልክትን ሓቢሮም።

 

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እስራኤላውያን ዝተሳተፍዎ፡ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስጓግ ስደተኛታት ዝዓለመ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቴል ኣቪቭ ተኻይዱ።

ሓደጋ ዘይሕጋዊ ምጥራዝ ዘንጸላልዎም ዘሎ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ፖለቲካዊ ዕቑባ፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ በበይኑ እዋናት ከካይድዎ ዝጸንሑ፡ ንውሳነ መንግስቲ እስራኤል ዝኹንን፡ ፖለቲካዊ ዕቑባ ድማ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንሕቶኦም ብሓጺርን ብንጹርን ዘንጸባርቕ ጭርሖታት ሒዞም ኣብ ጎደና ቴል ኣቪቭ ወጺኦም ዓገብ ብዘይ ጥፍኣትናን ብዘይ ኣገባብን ንብደል ኣለና ክብሉ ድምጾም ከም ዘስምዑ ካብ’ቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ኣብ’ቲ ብ24 መጋቢት 2018 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ሎሚ’ውን ከም ዝሓለፈ ብዙሓት ብሰብኣውነት፡ ብኣድማሳዊ ስምምዕ ምኽባር መሰል ስደተኛታት፡ ከምኡ ድማ ምስ ኤርትራውያን ብዝፈጠርዎ ሕወነታዊ ዝምድናን ዝግደሱ፡ ንፖሊሲ መንግስቶም ብሰንጠቕ ዝጻረሩ፡ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ዝርከብዎም ብዙሓት እስራኤላውያን ዝተሳተፍዎ ምንባሩን እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 28-03-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel