እዋናዊ ዜናታት
- ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣስታት 100 ስደተኛታት ጥሒሎም።
- ናይ ሓዘን መግለጺ
- ሰማእታትና ዝቐስኑን ህዝብታት ኤርትራ ዝድበሱን፡ ዝወደቕሉ ህዝባዊ ሓርነታዊ ዕላማ መሊኡ ሽትኡ ምስ ዝወቅዕ ጥራሕ እዩ፡
- ወዲ 48 ዓመት እስራኤላዊ ኣብ ልዕሊ ጓል 6 ዓመት ኤርትራዊት ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ
- ጋዜጣዊ መግለጺ ንሕቶ ዶብ ብሰላም ንምፍታሕ ዝምልከት
- ጉጅለ ህግደፍ ንደገፍቱ ብመደብ ኣባኢሱ ተመሊሱ ብምሽምጋል ንመናዊሕ ስልጣኑ ይጥቀመሎም ኣሎ።
- ኣብ ሊብያ ካብ ኢድ ነጋዶ ሰብ ከምልጡ ካብ ዝፈተኑ ስደተኛታት 15 መይቶም ልዕሊ 20 ከም ዝቖሰሉ ተፈሊጡ
- መግለጺ ንዝኽሪ በዓል ናጽነት ኤርትራ
- ህግደፍ ብኣስገዳድ ህዝቢ የፈናቕል ኣሎ።
- ሓደ ወተሃደር ህግደፍ ሕነ ሓዉ 6 ኣብ ሓለዋ እሱራት ዝነበሩ ወተሃደራት ቀቲሉ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ኣሰና ሓቢራ።
- ልዕሊ 11 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቐዩ ዝጸንሑ፡ ፓስተር ዕቑባ ሚካኤል ተኽለ ሃይማኖት ዝተባህሉ መራሒ ሃይማኖት ተፈቲሖም
- ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ካብ ስነ-ሓሳባዊ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ፡ ድሑር ስምዒታት ዝፈጥሮ ምፍልላይ ይዓቢ
- ነጻነት መራኸቢ ብዙሓን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ
- ሰብ ክጨውዩ ናብ ሱዳን ዝተላእኩ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ፡ ብኣባላት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
- መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ኤርትራ ሰባት ብናይ መንግስቲ ተኲስካ ቅተል ፖሊሲ ከም ዝቕተሉ ገሊጹ
ኣብ መርበብ ዘለዉ
We have 20 guests and no members online
- Details
- Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
- Published: 16 April 2018
ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብሓደጋ መኪና ህይወቶም ስኢኖም።
ብርክት ዝበሎ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገስ ማሕበራት ዝተረኽብሉ ዋዕላ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ለንደን ተቓኒዑ።
ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ወኪል ህግደፍ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ኩሎም ናይ ቁጠባ ስደተኛታት’ዮም ክብል ናብ መንግስቲ እታ ሃገር ከም ዘመልከተ ተገሊጹ።
ብርክት ዝበሎ ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርገስ ማሕበራትን ሃገራውያን ውልቀ ባእታታትን ዝተሳተፍዎ፡ “ፖለቲካዊ ዘተ ንሓባራዊ ዕዮን ሕብረተ-ሰብኣዊ ጥምረትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ፡ ኣብ ዕለት 7ን 8 ሚያዝያ 2018 ኣብ ከተማ ለንደን ከም ዝተኻየደ፡ ብ8 ሚያዝያ 2018 ዝተዘርገሐ መግለጺ ናይ’ቲ ዋዕላ ኣፍሊጡ።
እቲ ዝተወስደ ተበግሶ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ዓቢ ድርኺት ዝፈጥር’ዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ገምጋም ሕሉፍ ተመክሮ ኣብ ኤርትራዊ ሓባራዊ ዕዮ፣ ሕድሕድ ምትእምማን ብኸመይ ክህነጽ ይኽእል ከምኡ’ውን ራእይ ደሞክራስያዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ናብ ዝብል ዘቕንዑ ብርክት ዝበሉ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዝቐረብሉ መድረኽ ከም ዝነበረ፡ ኣብ’ቲ ጽሑፋት መሰረት ብምግባር ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ፡ ከም’ዚ ዓይነት መድረኻት ቀጻሊ ክኸውን ከም ዝተራእየን ኣረዲኡ።
ኣብ’ቲ ዋዕላ 10 ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታት ከምኡ’ውን 6 በርገስ ማሕበራት ከም ዝተሳተፋ፤ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝግበር ዘን ውጽኢቱን ብቐጥታ ኣብ ህዝቢ ምብጻሑን ዘይምብጻሑን ዝከታተሉ ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ጸጊዕነት ዘይብሎም ነጻ ውልቀ-ሰባት ክህልው፡ ኩለን ምስ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ዝዋሳኣ ናይ ዜና ማዕከናት ንሓድነት ህዝቢ ከምኡ’ውን ንዕብየትን ሓያልነትን ደምበ ተቓውሞ፣ ቀዳምነት ሂበን ክሰርሓን ከም ዝጸወዐ’ውን እቲ መግለጺ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ወኪል ህግደፍ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ኩሎም ናይ ቁጠባ ስደተኛታት’ዮም ክብል ናብ መንግስቲ እታ ሃገር ከም ዘመልከተ ተገሊጹ።
መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብ ሃገሩ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ን3200 ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ መደብ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጹ፡ ዶ/ር ቶኒ ሎሸ ዝበተባህለ ኣብ’ታ ሃገር ዝርከብ ብናይ ክብሪ ውክልና ዝሰርሕ ልኡኽ ህግደፍ፡ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ስለዝኾኑ ነብስ ወከፎም 15 ሽሕ ዶላር ተዋሂብዎ ክጥረዙ ኣለዎም ዝብል ሓላይን ሓላፍነታውን ዝመስል ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጸገም የለን ዝብል መልእኽቲ ከመሓላልፍ ምፍታኑን ተፈሊጡ።
ንሱ፡ ኣስታት 99% እቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ፖለቲካዊ ዕቑባ ሓቲቶም ዘለው ኤርትራውያን፡ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ዘይኮነ፡ ብቑጠባዊ ምኽንያት ዝተሰዱ ብምዃኖም እግሪ ዘትክሎም 15 ሽሕ ዶላር ደገፍ ተገይርሎም ክምለሱ ኣለዎም ክብል ኣብ’ታ ሃገር ምስ እትሕተም ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ማሕተት ከም ዝሓበረ፡ እዚ ምስ’ቲ ውልቀ መላኺ መራሒኡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ እስራኤል ንዘለው ስደተኛታት ነፍስ ወከፎም 50 ሽሕ ዶላር ተኸፊልዎም ክምለሱ ኣለዎም ኢልና ምስ መንግስቲ እስራኤል ተዘራሪብና ክብል ዝሃቦ ህህይወት ዜጋታት ገንዘብ ናይ ምቕራብ ሸፋጢ መግለጺ ከም ዝመሳሰልን ተገሊጹ።
ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብሓደጋ መኪና ህይወቶም ስኢኖም።
ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ክሳቐዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክውሰዱ እንከለው ኣብ መስመር ኣስመራ ባጽዕ ብዘጋጠመ ምግልባጥ መኪና ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሽዑ ንሽዑ ከም ዝሞቱ፡ ብዙሓት ድማ ብከቢድ ብፈኲስን ከም ዝቖሰሉን ብ10 ሚያዝያ 2018 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝወጸ ዜና ኣፍሊጡ።
እቶም ግዳይ ዝኾኑ ወገናት መብዛሕቲኦም ገና ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም መናእሰያት ከም ዝኾኑ፡ ስድራ ቤት ምውታት ከም ዝተሓበሩ፡ ይኹን ግን እቲ ብናይ ካልኦት ዝመጻደቕ ኣምሲሉ መንግስታዊ ጉጅለ፡ ነዚ ጃምላዊ መቕዘፍቲ ብወግዒ ንህዝቢ ከምዘይሓበረን እቲ ኣብ ኣሰና ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።
ብሓይልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 13-04-20
ኣገዳሲ ቆጸራታት
- ዝኽሪ ንፈላሚት ባሕቲ መስከረም ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሽቱትጋርት
- ጻውዕት ንሰፊሕ ልዝብ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኤውሮፓ/ኸ ኣብ ጀርመን
- በዓል 8 መጋቢት 2017
- በዓል 8 መጋቢት 2017
- SECOND EASE CONGRESS ANNOUNCEMENT - ምልክታ : ካልኣይ ጉባኤ ዝምልከት
- ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝኽሪ መበል 25 እዮብያላዊ ዓመት ናጽነት ኤርትራ Firande av 25 års av Eritreas Självständighet.
- ኣገዳሲ ሕዝባዊ መፍለጢ Important Public Announcement دعوة لإجتماع هام
ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here
This is the right module position, which is not using any module suffix.
To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.