እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 32 guests and no members online

ፈጽሚ ውሳነ ዶብን ብይን እገዳን ኣይዛመዱን፡

ክልተ ዘተኣሳስር ዘይብሎም ነገራት ወይ ክስተታት ኣብ ሓደ ኣምጺእካ ከተዛምድ ምፍታን መጀመርያ ዘይ ስነ መጎታዊ’ዩ። ካልኣይ እቲ ጉዳይ መሊሱ ክተሓላለኽ’ሞ መሰረታዊ ፍታሕ ከይረኸበ ክቅጽል ድሌት ከምዘለካ ዘመልክት’ዩ። ሳልሳይ ንዘይመትከላዊ ስጊንጥራዊ ባህሪኻ ዝሕብር’ዩ። ራብዓይ ኣብ ህዝቢ ዘለካ ሕሉፍ ንዕቀት ዘርእዩ’ዩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ባህርን ልምድን ከኣ፡ ዘይስነ-ፍልጠታውን ዘይንቡርን ብምዃኑ፡ ብሰላምን ብሕግን መደምደምታ ክትገብረሉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ውልደቱ ዝኽተሎ ፖለቲካዊ ኣንፈት፡ ዘውጸኦ ፖሊሲ፣ ዝኣትዎ ቃል፡ ዝፍጽሞ ተግባር፡ ብዙሕ ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ካብ ዝረአን ዝስማዕን ንቡር ዝበሃል ኣካይዳ ዝወጽአ፡ ዘይንቡር ብሕታውን ፋሉላውን’ዩ። ኣብ በረኻ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ ጭርሖ ምሕዝነትን ስምረትን ሒዙ ይዛተ፡ ብትሕቲ ጤረጴዛ ፍሩያት ካድራት መዛትይቱ ይቀትል። ቀዲሙ ይሃርም፡ ተገልቢጡ ቀዲሙ ተበዲለ ኢሉ ይኸስስ። ኣብ መድረኽ ወጺኡ 3 ሚሊዮን ተጋዳላይ ኣለኒ ይብል (ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ነጻነት’ዩ ዝደሊ ንማለት’ዩ) ብተግባር ነቲ በዓል ቤት ናይ’ቲ ቃልሲ ዝኾነ ህዝቢ፡ ብዘይካ ወራሪ ግዳማዊ ጸላኢ፡ ፈታዊ ይገብሮ ኢልካ ዘይግመት ብዘስካሕክሕ ጭካነ ሓይልታት ኣዋፊሩ ገፊፉ የዕጥቖ። ብወግዒ ዘይተሸራረፈ ሃገራዊ ነጻነት ይዝምር፡ ብታሕቲ ታሕቲ ምልኣት ዝጎደሎ ዝተሸራረፈ ሃገራዊ ነጻነት ንምቕባል ይሸማገል። ኮታ ህዝባዊ ሕቶ እናቃለሐ ብኣንጻሩ ዘይ ህዝባዊ ዘይደሞክራስያዊ ምስጢራዊ ጉጅላዊ ኣሰራርሓ ይክተል ነይሩ።

ሰራዊት መግዛእቲ ተባሪሩ ርኻብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ዝረገጸላ ጀሚሩ ድማ፡ ንህዝቢ ብመብጸዓን ጥልመትን፡ ብሓይልን ጥበራን እናፈራረቐ ኣምበርኪኹ ከመሓድሮ ጀሚሩ። ተሓቢእሉ ዝነበረ ሕጹነት ነጻነት እናተዛዘመ፡ ህዝቢ ፍርያት ናይ’ቲ ብመስዋእቲ ደቁ ዝመጽአ ነጻነት ክረክብ ሕቶ ከልዕል ኣብ ዝጀመረሉ ድማ፡ ካብ ሓደ ርእሰ ሓያል ሃገር ንዝተዋህቦ ዕማም ክፍጽምን ኣቓልቦ ህዝቢ ካብ ውሽጢ ንግዳም ክቕይርን (ብሓደ እምኒ ክልተ ዑፍ ክትሃርም ምሕላን’ዩ፡) ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ጀሃድ ሰዲዱለይ ኢሉ ኲናት ከፊቱ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ክዓልዎን ነበረ ክገብሮን ዓቕምን መደብን ኣለኒ ክብል ብወዒ ፈኪሩ። ንፈታዊኻ ብድድ ኢልካ ሰላሙ ምዝራግ ምህራም ካብ በጋሚዶኣዊ ባህሪ ዝውለድ ስጊንጢር ኣካይዳ’ዩ።

ምስ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጽባሕ’ቲ ኣብ መንጎ ክልቲኣቶም መንግስታትን ህዝብታትን ተፈጢሩ ብዘሎ ምውቑ ዝምድና ንክልቲኣን ሃገራት ዘራኽብ መስመራት ትርጉም ናብ ዘይብሉ ተሰጋጊሩ’ዩ” “ብኮንፈደረሽን ክንተኣሳሰር ኢና” ኢሉ ዝገለጸሉ፡ ንህዝብታት ኤርትራ ንምሽቓል ንምድኻም ንምብትታን ከምኡ ገይሩ ቀጻልነት ጉጅላዊ ስልጣኑ ከውሕስ ኮነ ኢሉ ዶብን ባድመን ኣሳቢቡ ኣብራሲ ኲናት ከም ዝውላዕ ገይሩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝፈልጡ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ዝምስክርዎ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኮሚሽን ካሕሳ ነቲ ጎንጺ ዝጀመረን ዝወረረን መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ክብል ብወግዒ ዘረጋገጾን፡ ንሱ’ውን ብወግዒ ኣሚን ኢሉ ተቐቢልዎ ዝሓደረ’ዩ።

ጠንቂ ናይ’ቲ ኣሽሓት ህይወት ሰብ ዝበልዐ፡ ቢሊዮናት ሃብቲ ዝሃሞኸ ኲናት ብዘየጠራጥር ንሱ’ዩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ እቲ ኲናት ብሓይሊ ደኣምበር ብሕጊ ክፍታሕ ድሌት ኣይነበሮን። እቲ ኲናት ኣብ ከባቢ ዶባት ዘይኮነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰዓራይነቱ ክዛዘም ምዃኑ’ዩ ዝፍክር ዝጀሃር ነይሩ። ተጠሊዑ ክሳብ ዘእዊ ምስተቐጥቀጠን ስልጣኑ ኣብ ገምገም ውድቀት ምስ በጽሐን ግን፡ ኣድሕኑኒ ኢሉ ክጣራዕን ናብ ሕጊ ከምርሕን ተገዲዱ። ክልቲኣቶም ወገናት ዝተሰማምዕሉ ዓለማዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ፈራዲ ኣካል ቆይሙ፡ መስርሕ ፍርዲ ድማ ብ13 ሚያዝያ 2003 ተዛዚሙ። ኣብ ከባቢ ጾራና ዝርከብ ስቡሕ ሕርሻን ብዙሕ ህዝቢ ዝርከበሉ ቦታታት ሓውሲኻ ኣብ ግዝኣት ኤርትራ ዝነበረ ሰፊሕ መሬት ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ተበይኑ፡፡ ነታ ከም መበገሲትን መጣልዒት ፖለቲካዊ ጸወታን ዝግልገለላ ዘሎ ቁሸት ባድመ ሓውሱ ገለ ኣብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝነበረ መሬት ድማ ናብ ኤርትራ ክኸውን ተወሲኑ።

ስለዚ ከኣ እቲ ወራሪ ምዃኑ ብሕጊ ዝተረጋገጸ ህግደፍ፡ ባድመ ናባኻ’ያ ስለ ዝተባህለ ካብ ህዝብታት ኤርትራ ኣብሊጹ ከሰራስራ ይረአ ኣሎ። ህግደፍ ስልጣኑን ስልጣኑን ጥራሕ ‘ምበር፡ ብልኡላዊ ህዝብን ልኡላዊ ግዝኣትን ኤርትራ ዘይገድስ ምዃኑ ሕጂ ኣብ ከመይ ኣለና ጭቡጥ ምስክር’ዩ። ህግደፍ ንነበርቲ ዓድታት ክኒን ቅኒቶ ከምዘይናቱ ዝረሰዐ ጉጅለ’ዩ፡፡ ዜጋታት ኤርትራ ብሰንኩ ካብ ቤቶም ወጺኦም፡ ግዳይ ነጋዶ ሰብ፡ ምድረ-ባዳ ሰሃራ፡ ዓሳታትን ባሕርን ማእሰርትን ክኾኑ እንከለው፡ ኣይኮነን መንግስታዊ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ግቡኡ ክፍጽም፡ ሰብኣዊ ተደናጋጽነት ዘየርኢ ብወግዒ እንቋዕ ኮኑ ዝብል ጨካን ጉጅለ ምዃኑን’ዩ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዘይምቅዳው ብሰላም ንምፍታሕ ድልውቲ’ያ ክብል ንዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ብዘይካ ናይ ክልቲኡ ጠንቂ ወይ መበገሲ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ፡ ብባህሪ፣ ብግዜ፣ ብዕላማ፣ ብይን ብዘሕለፉ ኣካላትን ትካላትን ፈጺሙ ዘይራኸብ፡ ፈጽሚ ውሳነ ዶብ ምስ ብይን እገዳ ኣላጊቡ ነገራት ከዛብዕ ጀሚሩ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልቲኣቶም ኣሕዋት ህዝብታት ከቢድ ጸገም ፈጢሩ ዘሎ ኣይሰላም ኣይኲናት ኣተሃላልዋ ንምፍታሕ’ዩ ድልውነቱ ገሊጹ። ህግደፍ ግን ምስቲ ጉዳይ ፈጺሙ ዘይራኸብ ቅድመ ኩነት ሒዙ’ዩ ዝቐርብ ዘሎ። ባዕሉ ብሃላሊ ባህሪኡ ጸዊዑ ዘምጸኦ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተነብረሉ፡ ናብ’ቶም ቀንዲ ውሱናት ወሰንቲ ኣካላቱ ዘነጻጸረ እገዳ ምስኡ ይለዓለለይ፡ እንተዘይኮነ ግን ንፍታሕ ድልዊ ኣይኮንኩን ይብል ኣሎ።

እዚ እንታይ’ዩ ዝሕብር? ቀጻልነት ስልጣኑ ብዘይካ ኣብ ኲናትን ዕግርግን፡ ኣብ ሰላምን ልዕልና ሕጊ ዝሰፈኖ ባይታ ክቕጽል ዘይኽእል ምዃኑን ከቢድ ስግኣት ከም ዘለዎን’ዩ። እዚ ኣቐዲሙ’ውን መሬት ይግበኣኒ ሽፋን ገይሩ ብባድመ ኲናት ዝኸፈተሉ ምኽንያት፡ ንህዝብታት ኤርትራ ክጠቅም፡ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ድማ ከኽብር ካብ ዝብል ሓላፍነታዊ ስምዒት ዘይኮነ፡ ብዋጋ ህይወትን ሃብትን ኤርትራውያን ብሓዊ እናተጻወት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ንምቕናይ ዝዓለመ ምንባሩ ዘረጋግጽ’ዩ። ባድመ ክሳብ ዘይተረከብና ብዝብል ሃገር ብሃገራ ን16 ዓመታት ብዘይዝኾነ ፖለቲካውን ቁጠባውን ንጥፈታት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ተነጽሎ ኣብ ጸላም ክትነብር፡ ህጻነትን መንእሰያትን ዕድሎም ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋን ውትህድርናን ክኸውን፣ ዘቤታዊ ጭቆና ዝወለዶ ክፉእ ኣማራጺ ስደትን ምብትታንን ሰማይ ክዓርግ ዝገበረሉ፡ ስሰዐ ስልጣን ደኣምበር ንህዝብን ሃገርን ካብ ዘለዎ ክብርን ሓልዮት ተበጊሱ ከምዘይኮነ፡ ንበሃማትን ስሚዕታውያንን ብብሩህ ዝሕብር’ዩ።

ሰለዚ ብዶብ ዝተመኽነየ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ጸገም ንምፍታሕ ድልዊ’የ ንዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝበየነልና እገዳ’ውን ምስኣ ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ቅድሚ 16 ዓመት ካብ ዘሄግ ኔዘርላንድስ ዝተዋህበ ዶባዊ ፍርድን ብ2009 ን 2011 ዞባዊ ሰላም ብምህዋኹ፡ ምስ ኣሸበርቲ ድማ ብምትሕብባሩ መሰረት ገይሩ ካብ ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበየነሉ እገዳን ኢትዮጵያ ብኸመይ ክትምልሶ’ዩ ቅድመ ኩነት ኣቕሪቡላ? ኣመት ናይ’ዚ ዶባዊ ጎንጺ ክፍታሕ ኣይደልን ኣየዋጽኣኒን ንቀጻልነት ስልጣነይ ሓደጋ’ዩ ዝብል’ዩ። ምኽንያቱ ፈጽሚ ውሳነ ዶብን ብይን እገዳን ፈጺሙ ዘይዛምድን ዘይራኽብን ስለዘይብሉ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 16-04-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel