እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 25 guests and no members online

ህግደፍ ምስቲ ትማልን ሎሚን ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኢሉ ክገልጾ ዝጸንሐ መንግስቲ ኣሜሪካ ብምስጢር ክዛተ ምጽንሑ ሓቢሩ።

ሕንቃቐ ዘንቀሎ በሽቀጥቀጥ ደኣምበር፡ ናይ ብሓቂ ምስ ኣሜሪካ መሰረታዊ ባእሲ ከም ዘይብሉ ካብ ቀደሙ መሳርሒ ናይ ኣሜሪካ ምዃኑ’ኳ ርዱእ እንተነበረ፡ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ብምሉእ ስዕረቱ ዝተዛዘመ ኲናት ባድመን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ 2003 ምስተዋህበን ብዱል ክመስል ምምሕዳር ዋሽንግቶን ዝብል ጽዑቕ ጎስጓሳት ከካይድ ጸኒሑ።

ሕጂ ግን ምስቲ ንነዊሕ ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐ ፈጠራዊ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ ዘይሳነ፡ ንስውር ጽግዕተኛ ምትእስሳሩ ዘቃልዕ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ምስ ምምሕዳር ኣሜሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ተደጋጋሚ ምስጢራዊ ርክባት ክገብር ምጽንሑ ብ14 ሚያዝያ 2018 ካብ መድረኽ ስማዊ ካቢነ ሚኒስተራት ገሊጹ።

ወሳኒ መሪሕነታዊ ኣካል ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ዘይእመን ከዳዕ ጉጅለ ምዃኑ ዘርኢ፡ ንዓመታት ብዱልን ዝኸረረ ጽልኢ ከምዘለዎን ኣብ ሓሙሳታት ዝገበርዎ፡ ኣብ ባድመ ዝደገምዎ እናበለ ሓሶት ክምግቦ ንዝጸንሐ ህዝቢ ከይሓበረ ብምስጢር ክራኸብ ምጽንሑን ይቕጽል ምህላውን ምግላጹ፡ ምስ ክምስ ዝበሎን ዝያዳ ገንዘብ ዝኸፈሎን ክኸይድ ድሕር ዘይብል መርገጽ ዘይብሉ ከም ዝኾነን ኣመላኻቲ’ዩ።

ኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ቤተ-ሰቦም ናብ ወጻኢ ካብ ዘህደሙ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ተጽዕኖ ብምግባር ገንዘብ ይዘምቱ ከም ዘለው ተፈሊጡ።

ንመላኺ ጉጅለ እናገልገሉ፡ ቁጠባዊ ሕቶኦም ብግዕዝይና ዝምልሱ ኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ፡ ባዕሎም ምስ ነጋዶ ሰብ ተሻሪኾም ቤተ-ሰቦም ካብ ኤርትራ ከህዱም ካብ ዝሓገዝዎም ስድራ ቤታት፡ ዝተፈላለየ ምስ ምስን ናይ ሓይሊ ተጽዕኖን ብምግባር ብሓውሲ ቅሉዕ ይዘምቱ ከም ዘለው ብ12 ሚያዝያ 2018 ኣብ ኣሰና ዝወጽአ ዜና ሓቢሩ።

ዕሱባት ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ነቲ ዝምታ መጀመርያ ነቶም ነጋዶ ሰብ ኣብ ቀይዲ ብምእታው፡ ቀጺሎም ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቤተ-ሰቦም ናብ ወጻኢ ዝሰደዱ ስድራ ቤታት መሪሖም ከርእይዎም ብምግባርን ኣቢሎም፡ ነቶም ስድራ ቤታት ብምፍርራሓ ብኣማኢት ኣሽሓት ናቕፋ ይግሕጡ ምህላዎምን እቲ ዜና ኣረጋጊጹ።

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ንሓንቲ ፍርያት መዓድን ተበጻጽሕ መኪና ጸላኢ ከም ዘዕነወ ገሊጹ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ሩባ ዓንሰባ ዛራ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብድብያ ንሓንቲ መዓድን ወርቂ ተበጻጽሕ መኪና ጸላኢ ብ3 ሚያዝያ 2018 ከም ዘዕነወ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን እቲ ግንባር ብ12 ሚያዝያ 2018 ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ህይወት ንጹሓት ሰባት ከይልከም ጥንቃቐ ብምግባር ከም ዝተፈጸመ፡ ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ኣባላት ግሃደኤ ብዘይ ዝኾነ ክሳራ ብሰላምን ናብ ባህሪያዊ ቦታኦም ከም ዝተመልሱ ኣረጋጊጹ።

በቲ መጥቃዕቲ ኣቢልካ ክሓልፍ ዝተደልየ መልእኽቲ፡ ስሱዓት መራሕቲ ጃንዳ ህግደፍ፡ ምስተን ናይ ደገ ኩባኒያታት ብግዕዝይና ተኣሳሲሮም፡ ሓታቲ ኣልቦ ካብ ዛራን ከባቢኣን ዝፈረየ ወርቅን ካልእ ክቡር መዓድናትን ንውልቃውን ጉጅላውን ጠቕሚ የውዕልዎ ስለ ዘለው ብዝተኻእለ መጠን ክቃልዑን ክምክቱን ናይ ዝሓዞ መደብ ኣካል ምዃኑ ኣረዲኡ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 16-04-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel