እዋናዊ ዜናታት
- ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣስታት 100 ስደተኛታት ጥሒሎም።
- ናይ ሓዘን መግለጺ
- ሰማእታትና ዝቐስኑን ህዝብታት ኤርትራ ዝድበሱን፡ ዝወደቕሉ ህዝባዊ ሓርነታዊ ዕላማ መሊኡ ሽትኡ ምስ ዝወቅዕ ጥራሕ እዩ፡
- ወዲ 48 ዓመት እስራኤላዊ ኣብ ልዕሊ ጓል 6 ዓመት ኤርትራዊት ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ
- ጋዜጣዊ መግለጺ ንሕቶ ዶብ ብሰላም ንምፍታሕ ዝምልከት
- ጉጅለ ህግደፍ ንደገፍቱ ብመደብ ኣባኢሱ ተመሊሱ ብምሽምጋል ንመናዊሕ ስልጣኑ ይጥቀመሎም ኣሎ።
- ኣብ ሊብያ ካብ ኢድ ነጋዶ ሰብ ከምልጡ ካብ ዝፈተኑ ስደተኛታት 15 መይቶም ልዕሊ 20 ከም ዝቖሰሉ ተፈሊጡ
- መግለጺ ንዝኽሪ በዓል ናጽነት ኤርትራ
- ህግደፍ ብኣስገዳድ ህዝቢ የፈናቕል ኣሎ።
- ሓደ ወተሃደር ህግደፍ ሕነ ሓዉ 6 ኣብ ሓለዋ እሱራት ዝነበሩ ወተሃደራት ቀቲሉ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ኣሰና ሓቢራ።
- ልዕሊ 11 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቐዩ ዝጸንሑ፡ ፓስተር ዕቑባ ሚካኤል ተኽለ ሃይማኖት ዝተባህሉ መራሒ ሃይማኖት ተፈቲሖም
- ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ካብ ስነ-ሓሳባዊ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ፡ ድሑር ስምዒታት ዝፈጥሮ ምፍልላይ ይዓቢ
- ነጻነት መራኸቢ ብዙሓን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ
- ሰብ ክጨውዩ ናብ ሱዳን ዝተላእኩ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ፡ ብኣባላት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
- መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ኤርትራ ሰባት ብናይ መንግስቲ ተኲስካ ቅተል ፖሊሲ ከም ዝቕተሉ ገሊጹ
ኣብ መርበብ ዘለዉ
We have 20 guests and no members online
- Details
- Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
- Published: 11 May 2018
ደቡባዊ ክፍሊ ኣፍሪቃ፡ ኣብነታዊ ኣፈታትሓ ፖለቲካዊ ግርጭትን መትከላዊ ጽንዓትን
ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባትን መንግስታትን ርእይቶ ወይ ኣተሓሳስባ ማእከል ዝገበረ ፍልልይ እንከጋጥም፡ ውሽጡ ቅንዕና መልክዕ ኣቀራርባኡ ድማ ሰላማዊ እንተደኣ ኮይኑ፡ ከም ክኸውን ዘለዎ ባህሪያዊ ነገር ተወሲዱ፡ ምንጪ ሓሳባት ኮይኑ ከገልግል ዝያዳ ከቀራርብ ደኣምበር፡ ዘሰንብድ፡ ዘነውር፡ ብዓይኒ ጸላእነት ዘጠማምት ዘቃትል ክኸውን ኣይግባእን። ብርግጽ ኩሎም ሓሳባት ወይ ርእይቶታት ካብ ቅኑዕ ሕልና ዝብገሱ፡ ንሓቢርካ ምንባርን ሓቢርካ ምጥቃምን ዝዕድሙ ’ዮም ማለት ኣይኮነን። ሓላፍነታዊ ብምዃን፣ ብምቕርራብ፣ ብግልጽነት እሂን ምሂን ብምብህሃል ብምድምማጽ ክፍትሑ ዝኽእሉ ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ኣለው። ኣነ ልዕለኻ’የ ዝበልኩኻ ስምዓን ፈጽምን፣ ኣነ ክበልዕ ንስኻ ጾምካ ሕደር ዝዓይነቱ ብስስዐ ኣእምሮኦም ዝተደፍኑ፡ ብትምክሕታዊ ኣረኣእያ ዝሰኸሩ መሰረታዊ ፍልልያት ድማ ኣለው። ስለዚ እቲ ፍልልይ መሰረታዊ ድዩ ዘይመሰረታዊ ምንጻር የድሊ። ርእይቶታት ሓሳባት መሰረታውያን ድዮም ዘይመሰረታውያን ክትፈሊ ድማ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ብቕዓት ምሕደራን ልባዊ ቅንዕናን ክትውንን ይግባእ።
ፖለቲካዊ ብቕዓት፡ ፖለቲካዊ ብስለት ምውናን ከኣ፡ ነቲ ካብ ካልእ ዝመጽአካ ሓሳባት ካበይ ይምንጩ፣ እንታይ’ዩ ዕላማኡ፣ መን’ዩ በዓል ቤቱ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን እንታይ ሳዕቤን ከኸትል ይኽእል ተንቲንካ ብግቡእ ተረዲእካ መልክዕ ግጥሚያ ካብ ምንጻር’ዩ ዝጅመር። ቀጺልካ ነቲ ዘይመሰረታዊ ከይተሃውኽካ ግን ከኣ ግዜ ከየባኸንካ ብግሉጽነትን ሓልፍነታዊ ስምዒትን ብሰላምን ብዘተን ከተመሓድሮ፡ ነቲ ናይ ህልውናን ረብሓን ሓደጋ ዝኾነ መሰረታዊ ፍልልይ ድማ፡ ቅድሚ ጎነጻዊ ብሓይሊ ሓሳብ ክትምክቶ ንዕኡ ዝምጥን ኣማራጺ ሓሳብ ሒዝካ ምቕራብ’ዩ።
ንኣህጉርና ኣፍሪቃ ምስ ኩሉ ዘይተመዝመዘ ድንግል መሬታ፡ ባህሪያዊ ጸጋታታን ሰብኣዊ ዓቕማን ከይትምዕብል ንድሕሪት ካብ ዝጎትዋን፡ ኣብ ዓዘቕቲ ድሕረትን ድኽነትን ክትነብር ካብ ዝገብርዋ ቀንዲ ነጥብታት፡ ጉድለት ቅንዕና፣ ዘይመትከላዊ ፖለቲካዊ ምትእስሳር፣ ምድውዋስ መሰረታውን ዘይመሰረታውን ፍልልያት፣ ግጉይ ኣገባብ ኣፈታት ግርጭት፣ ኣብ ገዛእ ርእስኻ፡ ኣብ ርእይቶኻን ህዝብኻን ዘይምትእምማን ከም’ዚ እንተኢለ ከም’ዚ ክብሉኒ ክኸልኡኒ’ዮም ዝብል በለጽ ዝማእከሉ ፍርሕን’ዩ። መሰረታዊ ጸገም ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን ናይ መራሕትን ምሁራትን ድሑር ኣፍሪቃዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ’ዩ። እቲ ኣተሓሳስባ ካብ ጉድለት ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ወይ ልምዲ ብምስኣን ዝብገስ ኣይኮነን። ካብ ቅንዕና ዘይብሉ ብትምክሕትን ጽበትን ዝግለጽ ድሑር ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝምንጩ’ዩ።
ውድቀት ፖለቲካ ኣፍሪቃ፡ ናይ ኣፍሪቃ ፖለቲከኛታት ካብ ዝኽተልዎ ቅንዕና ዝጎደሎ ድሑር ኣገባብ ምሕደራ ዝምንጩ ምዃኑ ዘረደአና ድማ፡ ገለ ውሑዳት ኣብነታውያን ብቕንዕና ብህዝባዊ መትከል ተገዚኦም ብምቅላስ፡ ዘመዝገብዎ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን ለውጥን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ እምቢ ንግዳማዊ መግዛእቲ ዝብሉ ጽኑዓት ኣብ መትከሎም ንዕዘብ ስለዘለናዩ። ብዙሓት ኣይኮኑ ‘ምበር፡ ምስቲ ቅድም ዝነበረ ብምንጽጻር ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ኲናት ርኡይ ለውጢ ዘምጽኡ ክተባብዑ ዝግበኦም ፖለቲካዊ ሓይልታትን መንግስታት ንርኢ ኢና። ብፍላይ ብወገን ደቡባዊ ክፍሊ ኣፍሪቃ። ደቡባዊ ክፍሊ ኣፍሪቃ፡ ከም ሃገራት ኣንጎላ፣ ቦትስዋና፣ ለሴቶ፣ ማላዊ፣ ሞዛምቢክ፣ ናምቢያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ስዊዝላንድ፣ ዛምቢያ ዚምባብዌ ዝበላ ሃገራት ዝሓቖፈ‘ዩ።
ካብ’ዘን ሃገራት ዝያዳ ዓለማዊ ትኹረት ዝረኸባን ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ጽቡቕ ኣብነት ዝኾናን ሃገራት ድማ ደቡብ ኣፍሪቃን ዚምባብዌን’የ። ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘመን ናይ ዝቑጸር ግዜ ጸለምቲ ደቀባት ኣብ ትሕቲ ብጸዓዱ ዝዝወር ዓሌታዊ ስርዓት ( ኣባርታይድ) ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተሳቐዩላ ሃገር’ያ። ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ብዘይካ ሕብሪ ቆርበቶም ካልእ ኣበሳ ዘይብሎም ክንሶም፡ ከም ህዝቢ በቲ ዓሌታ ስርዓት ተኣሲሮም፡ ኣካሎም ጎዲሎም፡ ተሰዲዶም፡ ብባርነት ሰሪሖም፡ ተረሽኖም …ወዘተ ‘ዮም። እንተኾነ ተሳቒዮም ተገፊዖም ደኣምበር ንዓሌታዊ ስርዓት ግን ኢዶም ኣይሃቡን። መንነቶም ኣይሸጡን። ኩነታት ከክንዲ ዘፍቀደሎም ንመሰሎም ንመንነቶም ብጽንዓትን ተወፋይነትን ዝተቓለሱ ኣብነታውያን ህዝብታት’ዮም። ን27 ዓመት ኣብ ትሕቲ ዓሌታዊ ስርዓት ዝተኣስረ ኣፍሪቃዊ ሓበን ነፍስሄር ኔንሰን ማዴላ ንጽንዓትን ተቓላሳይነትን ናይ’ቲ ህዝቢ ዝምስክር’ዩ።
ነፍስሄር ኔንሰል ማዴላ፡ ጸረ-ዒለታዊ ስርዓት ምግዳሉ፡ ን27 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምሕላፉ ጥራሕ ዘይኮነ ግን፡ ባህጉ ሰሚርሉ ዓሌታዊ ስርዓት ተሳዒሩ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ፡ ንደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዘገረመ ዘርኣዮ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ዝተኸተሎ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭትን’ዩ። ኔንሰል ማንዴላ ንሱን ህዝቡን ተበዲሉ ክንሱ ሕነ ክፈዲ ኣይበለን። ርሑቕ ጠሚቱ ዝሓለፈ ሓሊፉ ኣሎ ኣይምለስን ናይ ዘመናት ቁስሊ ጸለምቲ ብሓቅን ዕርቅን ኣደቂስና ብሓባር ብምክብባር ሃገርና ንህነጽ ንቕድሚት ንጠምት ዝበለ ፖለቲከኛ’ዩ። ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረሲደንት ኮይኑ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበረ እዋን ከኣ ንስለ መሰል ውጹዓት ኣንጻር መለኽቲ መንግስታት ብወግዒ ይምክት ነይሩ። ብሳዳም ሑሴን ኣብ ልዕሊ ትምራሕ ዝነበረ ሃገረ ዒራቕ ንዝካየድ ዝነበረ ናይ ምኩሓት ኣዕናዊ ኲናት ይቃወምን ይኹንን ነይሩ። ኣብ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣፍሪቃውያን ዝውቱር ዘይኮነ፡ ብህይወት እንከሎ ስልጣን ብምርጫ ናብ ካልእ ሰብ ኣመሓላሊፉ። እዚ ኣወንታዊ ኣብነት’ዩ።
ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቀረባ ወርሓት ድማ ፕረሲደንት ጃኮብ ዙማ ብሰላም ብምርድዳእ ስልጣኑ ኣረኪቡ ተሰናቢቱ ብሰላም ኣብ ሃገሩ ይነብር ኣሎ። መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም መርኣያ ጽኑዕ ኣብ መትከሉን ሓራ ፖለቲካዊ መስመሩን ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይ ወርሒ ጉንበት 2018 ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኡ ኣቢሉ፡ ካብ ርእሰ ሓያል ሃገር ብዝተፈላለየ ምኽንያት ገንዘባዊ ደገፍ ዝግበረልኩም መንግስታት፡ ብኣህጉራዊ መድረኻት ኣብ ዝሓልፉ ውሳኔታት ናይ ግድን ንዓና ትድግፉ፡ እምቢ እንተበልኩም ግን ሓገዝና ከነቋርጾ ኢና ብዝብል ንዝተመሓላለፈ ፖለቲካዊ ብስለት ዘይብሉ ትምክሕታዊ መልእኽቲ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ሓቢርካን ተኸባቢርካን ደኣምበር ብግቦ ኣይስራሕን ክብል ብወግዒ ብድፍረት መልሲ ሂብሉ። እዚ ክተባብዕ ዘለዎ ካብ ኣፍሪቃዊ ፖለቲካዊ ተስፋታት’ዩ።
ሃገረ ዚምባብዌ ብተመሳሳሊ ካብ ግዳማዊ መግዛእቲ ብመሪሕነት ፕረሲደንት ነበር ሮቦርት ሙጋበ ብቓልስን ክቡር መስዋእትን ነጻ ዝወጽአት ሃገር’ያ። ቁጠባዊ ልዕልነት ናይ ጸዓዱ ብፍላይ ኣብ ሕርሻ ኣይቅበልን ኣይጻወርን ስለ ዝበለ ድማ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ምዕራባውያን ሃገር ኣሎ ዝበሃል ፖለቲካዊ ጸለመ ተኻይድሉ። ተደጋጋሚ ማዕቀብ ተገይርሉ። ግን ኣይተምበርከኸን ብምዕራባውያን ስሪኡ ኣይፈትሐን። ምስ ኩሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ባህሪ ጸገማት ካብ ፖለቲካዊ መትከሉን ሃገራዊ ሓላፍነቱን ፈልከት ኣይበለን።
ፕረሲደንት ሮበርት ሙጋበ ዕድመ ደፊኡ ብቑዕ ኣመራርሓ ክህብ ብዘይምኽኣሉ፡ ሕጋዊ ናይ ስልጣን ግዜኡ ከይኣኸለ ኣብ ምውራዱ ዝተራእየ ፖለቲካዊ ብቕዓት ኣዝዩ ዝድነቕ’ዩ። ብፍላይ ከኣ ሰራዊት እታ ሃገር ዘርኣዮ ሕጋውን ፖለቲካውን ብስለት ኩሉ ግዜ ብኣብነት እናተዘከረ ዝነብር ኣወንታዊ ተግባር’ዩ። ብሃብቶምን ሕብሪ ቆርበቶምን ዝምክሑ ገለ ካብ መራሕቲ ርእሰ ሓያል ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያንን ካልኦት ውጹዓት ህዝብታት ዓለምን ዘስምዕዎ ጸርፍን ምቁንጻብን ከይኣክል፡ ብመልክዕ ሓገዝ ዝሃብናኩም ገንዘብ ብናይ ደገፍ ድምጺ መልሱ ንዝዓይነቱ ጽዩፍ መገልጺ፡ ብመንገዲ ኣፈኛኡ ኣቢሉ ግዜ ከይወስደ ብናይ ላግጺ ሰሓቕ ጀሚሩ ንሕና መንነት ዘለና ህዝብን ሃገርን ኢና። ክሳብ ሎሚ ከኣ ብዙሕ ፈኸራን እገዳን ዝረኣና ኢና። ግን ብሃገራዊ ክብርና ኣይንዋገን። ብስምዒትን ውህብቶን ዘይኮነ ብመትከል ኢና ንምራሕ ክብል ዝሃቦ መልሲ ብርግጽ ዘኹርዕ’ዩ።
ስለዚ መንግስታት ደቡብ ኣፍሪቃን ዚምባብዌን ብሓርነታዊ ቃልሲ ኣቢሎም ዝመጽኡ’ዮም። ምስ ክህልዎም ዝኽእል ብፖለቲካዊ ቃልሲ ዝበሊ ውሽጣዊ ጸገማት ብዘይ ደም ምፍሳስን ንብረትን ምብራስን ብሰላም ብምርዳድእ ከደቅስዎ ምኽኣሎም፡ ኣብነት ዝኸውን መግለጺ ብሱል ኣፈታትሓ ግርጭት’ዩ። ብንህበኩም ገንዘብ ድምጺ ሃቡና …እንተዘይኮነ ግን ክነቋርጾ ኢና ንዝብል ታህዲድ ንሕና ብፖለቲካዊ መትከል ኢና ንምራሕ ብምባል ብወግዒ ምንጻጎም ሓበን’ዩ። እዚ መንነቱ ኣጥፊኡ ካብ ህዝቡ ተነጺሉ ዕሱብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኮይኑ ንዘገልግል ዘሎ ጉጅለ ህግደፍን ካልኦት መሰልቱን፡ ረዚን መልእኽቲ ዘመሓላልፍ’ዩ። ስለዚ ደቡባዊ ክፍሊ ኣፍሪቃ፡ ኣብነት ኣፈታትሓ ፖለቲካዊ ግርጭትን፡ መትከላዊ ጽንዓትን።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 07-04-2018
ኣገዳሲ ቆጸራታት
- ዝኽሪ ንፈላሚት ባሕቲ መስከረም ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሽቱትጋርት
- ጻውዕት ንሰፊሕ ልዝብ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኤውሮፓ/ኸ ኣብ ጀርመን
- በዓል 8 መጋቢት 2017
- በዓል 8 መጋቢት 2017
- SECOND EASE CONGRESS ANNOUNCEMENT - ምልክታ : ካልኣይ ጉባኤ ዝምልከት
- ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝኽሪ መበል 25 እዮብያላዊ ዓመት ናጽነት ኤርትራ Firande av 25 års av Eritreas Självständighet.
- ኣገዳሲ ሕዝባዊ መፍለጢ Important Public Announcement دعوة لإجتماع هام
ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here
This is the right module position, which is not using any module suffix.
To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.