እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 77 guests and no members online

ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገረ ሽወደን ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግራትን መፍትሒኡን ዝምልከት ዝርርብ ከም ዝተገብረ ተገሊጹ።

ኤርትራዊ ሽወደናዊ ባህላዊ ምሕዝነት ዝተባህለ ማሕበር፡ ምስ ከንቲቫ ከተማ ዮተቦርግ ኣን ሶፊ ሀርመንሶንን ፖለቲካዊ ሴክረተር ኣብ ስራሓት ትምህርቲ ንሓደስቲ ስደተኛታት እታ ከተማ ዮሴፍ ኣካርን ተራኺቡ፡ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝገጥሞም ዘሎ ዝተፈላለየ ዕንቅፋት ኣመልኪቱ ከም ዝተዘራረበ ኣብ መርበብ ንሓርነት ዝተዘርገሐ ዜና ሓቢሩ።

ነታ ማሕበር ወኪሎም ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ንኤርትራውያን ከቢድ ጸገም ኮይንዎም ካብ ዘሎ፡ ጉዳይ ስእነት መንበሪ ገዛ፣ ምጥርናፍ ዝተበታተና ስድራ ቤታትን፣ ናይ ሃገረ ሽወደን መንነት ንምርካብ ዝቐረብ ዘሎ ጠለብ፣ ኣብ ስራሓት ትርጉም ዝነጥፉ ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፈጥርዎ ዘለው ዕንቅፋት፣ ብደረጃ ኤውሮጳ ንስደተኛታት ዝምልከት ዝተኣታቶ ዘሎ ሕግን ከም ኣብነት ኣብ ዘቕረብሉ፡ እታ ከንቲቫ ከምዚ ዓይነት ጸገም ከምዘሎ ክትሰምዕ መጀመርያኣ ከም ዝኾነን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክትዘራረበሉ ምዃና ምግላጻን ኣረዲኡ።

ጉጅለ ህግደፍ ንሓደ ሰብ፡ ንሓደ ዓይነት ጥፍኣት ኣብ በበይኑ ከተማታት ከም ዝቐጽዕ ተፈሊጡ።

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ከካይዶ ዝጸንሐ ራስያን ምክልባትን ብምቕጻል፡ ካብ ንግዳዊ ሕጊ ወጻኢ ከይድኩም ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ ተሰነይ 92 ናይ ነጋዶ መካይን ሃጊሩ ምህላው፡ ነቶም ነጋዶ ኣብ ተሰነይ ነብስ ወከፎም 4,000,00 ናቕፋ ቀጺዕዎም ክንሱ፡ ኣብ ባረንቱ ብተመሳሳሊ 4,000,00 ናቕፋ ቀጺዑ ናብ ኣስመራ ከም ዝወሰዶም ኣብ መሰል ብሄራት ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።

ዝርካቦም ኤርትራውያን ነጋዶ ኣብ ሓውሲ ደውታ ኣትዮም ከምዘለው፡ ኣብ ዕዳጋ ከቢድ ሕጽረት ባጤራ ናቕፋ ስለ ዘሎ፡ ብኡ ምኽንያት ዋጋ እንስሳ ዘቤትን እኽልን ብምሕሳሩ ሓረስቶት ንተወሳኺ ጸገም ተቓሊዖም ከም ዝርከቡ፡ ከም ኣብነት፡ ገመል 3000,00፣ ጠለ በጊዕ 150,00፣ ብዕራይ 1500,00 ናቕፋ… ይሽየጡ ኣለው ኢሉ።

ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ናይ ምሉእ ህዝቢ ዋኒን ‘ምበር፡ ንውድባት ጥራሕ ዝግደፍ ዕማም ከምዘይኮነ ተገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዶ/ር የሱፍ ብርሃኑ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ኦክላንድ (ካሊፎርኒያ) ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ኣብ ኤርትራ ህልዊ ምልኪ ኣልጊስካ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል እንተደኣ ኮይኑ፡ ንዝተወሰና ውድባት ዝግደፍ ዕማም ዘይኮነ፡ ናይ ህዝብታት ኤርትራ ምሉእ ሓላፍነትን ምሉእ ተሳትፎን ክረክብ ኣለዎ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ድማ ካብ ኣትየሞ ዘለው ድኹም ኩነታት ክወጽኡ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ይግባእ ከም ዝበለን ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን እቲ ግንባር ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ ጨፍላቒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ወሪዱ ዘሎ ሃሰያታት ብዝርዝር ዝገለጸ ዶ/ር የሱፍ፡ ካብ’ዚ ንምድሓን ድማ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኩሉ ዓቕሚታቶም ኣዋዲዶም ክቃለሱ ኣለዎም፡ ኣብ ምዕራባውያን ደሞክራስያውን ሃገራት እናነበሩ ንመላኺ ጉጅለ ዝድግፉ ወገናት ንሕጂ ኣይምሕረሎምንም ንጽባሕ ከኣ ብሕልናን ብሕግን ስለዘሕትቶም ደው ኢሎም ክሓስቡን ካብ መሳርዕ ጸላኢ ወጺኦም ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ተሰሊፎም ሃገራዊ ግቡኦም ከበርክቱ ይግባእ ምባሉን እቲ ዜና ኣረጋጊጹ።

ዶ/ር የሱፍ ብርሃኑ ናይ ኣመሪካ ዑደቱ ምስ ዛዘመ ናብ ሃገረ ካናዳ ቀጺሉ፡ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ተመሳሳሊ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ ሃናጺ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈን ጸብጺቡ።

ህግደፍ ብኣስገዳድ ህዝቢ የፈናቕል ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ንነበርቲ ከርከበት ብስም ምጥርናፍ ዓድታት ካብ መረበቶም ኣፈናቒሉ፡ ኣብ ቦታኦም ካብ ካልእ ዘምጸኦም ሓደሽቲ ሰባት የስፍረሉ ምህላው፡ ክሳብ ሕጂ 1800 ሰባት ኣስፊሩ ከምዘሎ እቲ ኣሃዝ ናብ 3000 ክበጽሕ’ዩ ዝብል ግምት ምህላው ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጸብጺቡ።

ድሮ ነቲ ኮነ ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ምፍንቓል፡ ምስ ዋንነት መሬት ተኣሳሲሩ ግርጭት ክፍጠር’ዩ ብምባል ነቶም ሓደስቲ ሰፈርቲ መሓለዊ ነብስኹም ብዝብል ብረት የዕጥቖም ከም ዘሎ፡ እዚ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ናይ ምትህኑኻት መደብ ኣብ ካልእ ቦታታት’ውን ክቕጽል’ዩ ዝብል ሓበሬታ ምህላውን መደብ ገሊጹ።

እዚ ጉጅለ ከምዚ ዝበለ ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ፡ ብዋሕዲ ቀረብን ክብሪ ዋጋን ንከቢድ ናይ ጥሜት ሓደጋ ተቓሊዑ እናሃለወ እዩ ክብል ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 21-05-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel