(መግለጺ ቃል ሐዘን ተጋድሎ ሐርንርት ኤርትራ)

ሙና እንታይ ረኸበኪ ኤርትራዊት ዋዕሮ

ልሳን ውጹዓት ሞትኪ ኣይከኣልናን ክንጾሮ

ኣደ ሰለስተ ሙና ሙስጣፋ ወይዞሮ‘‘

 2020 04 13 Muna Mustafa

ጓል ቶም ተባዓት ተቓለስቲ

ብትብዓታ ትልለ ብልጽቲ

ኤርትራዊት ዋዕሮ ምህርቲ

ኤርትራና ተዘሚታ ሎሚ መዓልቲ‘‘

ሙና እንቢ ንምልኪ እንዳ በልኪ

ሙና ንፍትሒ ንመሰል ዝተቃለስኪ

ከም ናይ ወለድኺ ስኑድዩ ታሪኽኪ

ረብና ኣብ የማናይ ኢዱ ይቀበልኪ‘‘

ብሽም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራዊያን

ሙና ሙስጣፋ ኣኺላ ዶ እዛ እዋን

ኮሮና ቫይርስ ጽቡቕ ኣይፈደኻናን‘‘

ብኮሮና ቫይርስ ዓሰርተ ትሽዓተ

ኣብ ዓለምና ክንደይ ዘይዘመተ

ኣምላኽ ረቢ ይቀበሎ ንዝሞተ‘‘

ንስድራቤትን መቕርብን ጽንዓት ይሃብኩም

ጠሊ ትግደፈልኩም ካብ ናይ ዕላማ ብጾትኩም

ንኹልኹም ናይዚ ኮሮና ቫይርስ ግዳይ ዝኾንኩም

ብሽም ዋዕሮታትን ሐርበኛታትን ተኻፈልቲ ሐዘንኩም።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።