እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 30 guests and no members online

ፈጻሚ ስርሕ ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ኢህወደግ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ንምሉ ከም ዝትግብር ብወግዒ ገሊጹ።

ፈጻሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ደሞክራስያዊ ግንባር ( ኢህወደግ) ከባቢ 20 ዓመት ዝገበረ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኣይሰላም ኣይኲናት ኩነታት፡ ንክልቲኣቶም ኣሕዋት ህዝብታት ይጎድእ ከም ዘሎ፡ ስለዚ ከኣ ንናይ ክልቲኣቶም ኣሕዋት ህዝብታት ረብሓ ክበሃል፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ምሉእ ብምሉእ ከምዝትግብር ብ5 ሰነ 2018 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ ከባቢ ናይ 20 ዓመት ግዜ ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት ዓቢ ፖለቲካዊ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ፈጢሩ ምህላውን ካብ’ዚ ዝብገስ፡ ብክልቲኣቶም ህዝብታት ኮነ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከምዚ ኢልካ ከመይ ይቕጸል ዝብል ስኽፍታ ምጽንሑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ንምፍታሕ ካብ ዝጸንሖ መርገጽ ለውጢ ምግባር ኣድላዪ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ብምሕባር መንግስቲ ህግደፍ ኣወንታዊ መልሲ ክህብ ጸዊዑ።

ፈጻሚ ስራሕ ኢህወደግ ብዘይካዚ፡ ኣብ ቁጠባዊ ፖሊሲኡ ካብ ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣገባብ ለውጢ ከም ዝገበረ፡ ስለዚ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላትን ወሃብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ደቂ ዓድን ወጻእተኛታትን ሰብ ሃብቲ ክኣትው ከም ዘፍቀደን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ጉጅለ ህግደፍ ንደገፍቱ ብመደብ ኣባኢሱ ተመሊሱ ብምሽምጋል ንመናዊሕ ስልጣኑ ይጥቀመሎም ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ ካብ’ቶም ሳላኻን ምሳኻን ኢሎም ብዓይኒ ዕሙት ዝከላኸልሉ ዝነበሩ ኣምለኽቱ እናተነጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብኤምባሲታቱን ብዝተፈላለየ ጉልባብ ሓድነት ህዝቢ ንምዝራግ ዝለኣኾም ዕሱባት ካድራቱን ኣቢሉ፡ ኣብ መንጎ ደገፍቱ ስጡም ምትእምማን ከይፍጠር ብመደብ ዘሪጉ ተመሊሱ ሸምጋሊ ኮይኑ ብምቕራብ ንመናውሒ ስልጣኑ ይጥቀመሎም ከም ዘሎ ካብ በበይኑ ኩርነዓት ዝመጽኣና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ናይ ሽርሕን ጉርሕን ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ህዝቢ ካብ ነጻ ተመክሮኡ ብግቡእ ክግንዘቦን ከለልዮን ምስ ጀመረ፡ ኣብ ኤርትራ ብዝገዝእዎ መሬት፡ ኣባይትን ትካላትን ከምኡን መንቀሳቐሲ ሰነዳት ከም መፈራርሕን መቖጻጸርን ክጥቀመሉ ምጽንሑ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እዚ ሜላዚ ኣገልግሎቱ ምስ ኣብቀዐ፡ ኣባላት ምትእምማን ፈጢሮም ኣንጻሩ ገለ ነገር ከይገብሩ ካብ ዝሓደሮ ስግኣት ተበጊሱ፡ ምትእምማን ጠፊኡ ምጥርጣር ክነግስ ብምግባር ተገልቢጡ ሓላይን ሓላፍነታውን መሲሉ ብምሽምጋል፡ በብመንገዶም ምንጪ ሓበሬታኡ ኮይኖም ከገልግልዎ ብመደብ ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ኣረዲኦም።

እቶም ብቀጥታን ተዘዋዋርን ብኤምባሲታትን ብኣታቶም ብዝዋፈሩ ዕሱባት ካድራትን ብዘይፈልጥዎ ኣብ ሕድሕዶም ኣብ ቅርሕንቲ ዝኣትውን ምትእምማን ዘጥፍኡን ዘለው ወገናት፡ እቲ ጉዳይ ካበይ ከም ዝነቅል በዓል ቤቱ መን ከም ዝኾነን ርግእ ኢሎም ከስተብህሉ ይግባእ ክብሉ’ውን መኺሮም።

ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝነብሩ ደገፍቲ ህግደፍን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ዳርባ እምንን ጠራሙዝን ብዝተሓወሶ ዕግርግር ከም ዝፈጠሩ ተገሊጹ።

ኣብ ሃገረ እስራኤል ብምኽንያት ዕለተ ነጻነት 24 ግንቦት ኣብ ሓደ ከባቢ ዝተራኸቡ ደገፍቲ ህግደፍን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን፡ ብ3 ሰነ 2018 “እንዳ ባላጋን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኩርባባ እምኒን ጥርሙዝን ብዝተሓወሶ ዕግርግ ከም ዝፈጠሩ፡ ኣብ ምኽባር ጸጥታ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከም ዝቖሰሉን ረድዮ ኤረና ብ5 ሰነ 2018 ኣብ ዝዘርገሓቶ ዜና ኣፍሊጣ።

ነዚ ምኽንያት ብምግባር ፖሊስ እስራኤል 13 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምእታው፡ ብ4 ሰነ 2018 ምስ ወከልቲ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራን ሓተቲ ዕቑባን ብ5 ስነ 2018 ድማ፡ ኣብ’ታ ሃገር ንዝርከብ ኣምባሳደር ህግደፍ ኣቶ ሰለሙን ኣብራሃለይ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ ከም ዘዛራረቦም ንምንጪ ሓበሬታኣ ብምጥቃስ ሓቢራ።

ብካልእ ዜና፡ ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ከምኡ’ውን ሽነኽ ምዕራባዊ ቆላታት፡ ደርቂ ዘስዓቦ ከቢድ ጥሜት ተፈጢሩ ምህላው፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ኣዴታትን ኣጋጢሙ ብዘሎ ሕጽረት መዓዛዊ መግቢ ህይወት ሰብ ንሓደጋ ዝተቃልዓሉ ኩነታት ምህላውን ኣረዲኣ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 08-06-2018

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel