እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 63 guests and no members online

ናይ ጥፍኣት ፖሊሲን ፋሽሽታዊ ተግባርን ህግደፍ፡ ብምጥራር ዶብ ኣይሕከምን

                                                           ሳልሳይ ክፋል

ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ፡ ካብ ውሽጣዊ ናይ ሰላም ድሌቱ ዝብገስ ዘይኮነ፡ ብናይ ደገ ሓይሊ ግበር ተባሂሉ ብዘይ ዝኾነ ኤርትራዊ፡ ሕጋዊ ትካላዊ ውሳኔን ፍቓድን ህዝቢ ከየማኽረን ብሃንደበትን ብቐጥታን ጉጅለ ተዛተይቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንሰድድ ኣለና፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ካብ ዘለዎ ድኽመታት ክወጽእ ክንሕግዞ ኢና ክብል ከይሓፈረ ተዛሪቡ። ነዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ክንዲ ከመይ? ስለምንታይ? እንታይ ድዩ ክበሃለና ጽኒሑ ኢሎም ዝግረሙ፡ ሕቶ ዘልዕሉን ዝሓፍሩን ከም ዘለዎ ብታሕጓስ ተቐቢለሞ። ከም ዓቢ ሃገራዊ ዓወት እናተቐባበሉ የሰራስርዎ ኣለው። እዚ ግን ዘይፍወስ ሕማም ፖለቲካዊ ድሕረት ደኣምበር፡ ብመንጽር’ቲ ክበሃሎም ዝጸንሐን ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ ቅልውላውን ዓወት ኣይኮነን። ስለምንታይ’ሲ እዚ ሎሚ ብዓቕሊ ጽበትን ቀልጢፍካ ትዛተ ናይ ጎይተቱ ጸቕጥን ዘርእዮ ዘሎ ተበግሶ፣ እቲ ኩሉ ኣብ ህዝብን ሃገርን ዝወረደ ምዝንባልን ድኽነትን ከይመጽአ ቅድሚ 16 ዓመት ክውሰድ ዝነበሮ ስጉምቲ’ዩ። መላኺ ኢሳያስ ስለዘይደለየ ግን ካልእ መልክዕ ሒዙ ጸኒሑ። ሕጂ ድማ እነሆ ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ መንገዲ ሃሪሙ ሓራ ፖለቲካዊ ርእይቶ ዘለዎ ክመስል ቀልባዕባዕ ይብል ኣሎ። ምስ በልናና ኢና ኣቋሪጽናዮ ኔርና።

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኮይና ክትክበር ዝተመርጸትሉ ምኽንያት ኮነ መን ወሲንዎ ዝብል ንቕድሚት ክምለስ ዘለዎ ሕጋዊ ሕቶ ወንዚፍና፡ ዕለተ ዝኽሪ ጀጋኑና ብፍሉይን ብድምቀትን ክኽበር ከም ዘለዎ፡ ብዙሓት ንሰማምዓሉ ይመስለና። ህግደፍ ግን ብኣጋጣሚ ብዝረኸቦ መንግስታዊ ስልጣን ተጠቒሙ፡ እቶም ስውኣት ሕቶ ህዝቢ ክምልሱ ዝወደቑ ደቂ ህዝቢ ዘይኮኑስ፡ ናቱ ናይ ብሕቱ ከም ዝኾኑ፡ ዝያዳ’ቲ በዓል ቤት ዝኾነ ህዝብን ወለድን ከም ዝግደሰሎም፣ ቃሎም ከምዘየዕበረ፣ ልኡላውነት ህዝቢ ካብ ጸላእትን ተጻባእትን ብምክልኻል ሓላፍነቱ ይዋጻእ ምህላውን ዓመት መጽአ ኣብ ማዕከናት ዜናኡ፡ ብኣንጻር’ቲ ብስሞም ዘካይዶ ዘሎ ንግዲ መልእኽቲ ከሕልፍ’ዩ ንሰምዖ ዘለና። ንኣብነት ኣብ 20 ሰነ ናይ 1991 ብኣንጻር ዕላማ ናይ’ታ በዓል፡ ድሕሪ ደጊም ዝተፈልየ ውድብን ውደባን ዝበሃል የለን፡ ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይነፍቅድን ክብል ነዚ ሎሚ ኮይናዮ ዘለና ክንከውን ብተዘዋዋሪ ኲናት ከም ዝኣወጀላ ኣይርሳዕን።

ኣብ ዕለት 20 ሰነ ናይ 2018 ከኣ፡ ነቲ ዕለት ንይምሰል ‘ምበር ብልቢ ከምዘይኽብሮ ዝእምት፡ ብመንጽር ክብደቱ ክወሃቦ ዘለዎ ክብሪ ግቡእ ጠመተን ቅድመ ምድላውን ዘይተገብረሉ ሓደ ብጣሽ ወርቐት ኣውጺኡ፡ ክጻረፈሉን ክወራዘየሉን ተሰሚዑ። ልቢ በሉ እቲ ዕለት ንስለና ክብሉ ህይወቶም ንዝኸፈሉ ሓረበኛታት ውዕለዎም ዝዝከረሉ’ዩ። ብፍላይ በቲ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ፡ መንግስቲ ብምዃኑ ብዘለዎ መሳለጥያታት ተጠቒሙ ብድምቀት ክዝክሮ፡ መንእሰያት ብግቡእ ክፈልጥዎን ብዝገብር’ዩ ክሰላሰል ነይርዎ። እቲ ኣብ መድረኽ ዝረኣናዮ ግን፡ ንግበሮ’ሞ ኣይነጸብቆ ዓይነት’ዩ። ብዛዕባ ስውኣትና ሓደ ክልተ መስመር ምስ ገለጸ ብቐጥታ ናብ ጸርፊ’ዩ ኣትዩ። ቀይዲ በተኽ ምዃኑ’ዩ ኣነጺርሉ።

ብዝኾነ መታን እቲ ስእሊ ምሉእ ክኾነልና ኣብ’ቲ ዕለት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዘስመዖ መደረ እንታይ ይመስል ነይሩ ንርአ። ኣቶ ኢሳያስ ናይ እንቋዕ ኣብጸሐና ምስገና ድሕሪ ምቕራብ “ዓመተ 2018 ብፍሉይ፡ ምስ ዝሓለፈ ፈላሚ ዓመት ካልኣይ ርብዒ-ዘመን ናጽነትና፡ መዋእል መቐይሮ ወይ ምስግጋር ዝርኣየለን ዘሎ ዓመታት ብምዃነን ንናይ ሎሚ ዕለተ ሰማእታት ፍሉይ መኣዛ ዝህብ’ዩ።” ምስ በለ ዘሊሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን፡ ንንግዳዊ ዓለማዊ ኣጀንዳታት ከገልግል ተባሂሉ ብዝተሓርየ ፓሊሲታት፡ ናይ ክልተ ወለዶታት ዕድላት ከሲሮም’ዮም። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኽለተኣዊ ተመላላኢ ረብሓታቶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሓባራዊ ዕብየት ህዝብታት ቀርኒ-ኣፍሪቃን ኪኖኡን፡ ኣብ 1991 ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ዝተበገስሉ፣ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ-ዘመን፡ ብደግሲ ዝምቡዕ ዓለማዊ ፓሊሲታት፡ ዝወረደ ዕንወትን ዝተኸስረ ዕድልን፡ ዝተኸፍለ መስዋእትን ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ነይሩ በለ።

ሕጂ’ውን ርሑቕ ከይከደ ሰለስተ ተኸታተልቲ ምምሕዳራት ኣብ ዋሺንግተን፡ ብሎተሪያ ሶቭየት፡ ተረኽበ ኢሎም ዘንቀሉዎ ፍልስፍና ዓለማዊ ስርዓት፣ ኣብ ገዛእ ርእሶም ዘውረዶ ናይ ትሪልዮናት ቁጠባዊ ክሳራ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ዞባና ዘኸተሎ ምምዝባልን ዕንወትን ገዚፍ’ዩ። እዚ ሕጂ ዓመትን መንፈቕን ገይሩ ዘሎ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ዝሓለፈ ክሳራታት ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ክሳራታት ዘኸተለ ፖሊስታት ንምቕያር ብዘለዎ ድልየት፡ ዝተፈላለየ ኣመታት ክህብ ጸኒሑ’ሎ። ኪኖ ዘመተ ምንሻው፣ ዘጋጥሞ ዘሎ ተቓውሞታት ውሑድ ኣይኰነን። ድልየቱን ክእለቱን ብንጹር ክንፈርድ ዘሀውኽ እኳ እንተዘይብልና፡ ብንጡፍ ክንጸምድ ብዝቐየስናዮ ስትራተጂያዊ ሕርያ፣ ሰጋእ-መጋእ ከይበልና፡ ምስ መሻርኽትና ተሓባቢርና፡ ነቲ ምምሕዳር ናብ’ቲ ቅኑዕ መኣዝን ክንድርኽ ክንሰርሕ ኢና ወሰኸሉ። ምቕናይ ንኹሉ ንምራኣይ በለ ደራፋይ። ምቕናይ ጥዑም’ዩ።

ከም መላኺ ሕልና ከሕልፎ ዝደለየ መልእኽቲ’ኳ ርዱእ እንተኾነ ኮለል ገልበጥበጥ ይበዝሖ። እነሆ ከኣ ከም እንደገና ናይ ጸርፊ ወልፉ ከርዊ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ዝተቐልቀለ ተርእዮታት፣ ግቡእ ኣቓልቦ ዝሓትት ምዕባለ’ዩ። ወያነ ምስ ዘሸቀሉዎ ዘራያት ናይ ዝተኸተሎ ኣዕናዊ ፓሊሲታት፣ ዝዓበየ ግዳይ ወይ ከሳራ፡ ንቝልቁል ከምዝተፋነን ዝተገደደ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ዩ። ወያነ፡ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ተመላላኢ ጉልበት ኪፈጥሮ ዝኽእል ዝነበረ ኣወንታዊ ክልተኣዊን ዞባዊን ኩሉ-ጎናዊ ዕብየት ምኹላፍ’ውን፡ ካልእ ዝዓበየ መጉዳእቲ እዩ ገይሩ። ናይ 27 ዓመታት ግዜ ምንዋሕን ክሳራን፣ ኣዚዩ ከቢድ’ዩ። እቲ ሃሰያ ንህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኪኖ ምጽዋር ስለዝኸደ ግን፡ ህዝቢ ነዲሩ ንዒቡ፡ “ይኣክል!” ስለዝበለ፣ ናይ ወያነ ኣሽካዕላል ኣብቂዑ፤ “game over” ተባሂሉ። ኢትዮጵያ ኸኣ፡ ኣብ እዋን ምስግጋር ወይ መቐይሮ ትርከብ። ናበይ? ብኸመይ? ዝብሉ ሕቶታት ኪለዓሉ ንቡርእዩ። ነቲ ግዕዙይን ሕሙምን ሓድጊ ሓጺብካ ቅርዑይ ሃዋሁ ምምጻእ፣ግዜንስራሕንይሓትት’ምበር፡እቲመኣዝንንጹር’ዩ።ዘይውርዙይ ክንሱ ክወራዘ ፈቲኑ።

ወያነን ዝተፈላለዩ ጉማታትን (vultures) ሓደ ካብቲ መናውሒ-ዕምሮምን መሰናኽልን ኢሎም ዝሓስቡዎ ዝበለየ ሽጣራ፣ ምስ ኤርትራ ወጥሪ ከም ዝቕጽልን፡ ዘይሕጋዊ እገዳ ከምዝዕቀብን ምስራሕ ስለዝዀነ፣ ነቲ ብዘይምኽኒት ዘባርዕዎ ትርጉም ዘይብሉ ግጭት ዶብ ተንጠልጢሉ ከም ዝጸንሕ ንምግባር፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ከጋውሕዎ ዝፈተኑ “ሕራይ. . . ግን” ዝዓይነቱ ጣቋ፡ መርኣያኡ’ዩ። ሕሙም ሕልናኦም ብዓቢኡ ግን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዀነ ለውጢ ምቝጻይ’ዩ። ከም ናይ ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድልየት ንስኒት ምስ ኤርትራ፣ ሓድሽ ምህዞ ኣይኰነን። ተመላላእነት ናይ ክልቲኦም ህዝብታትን ሃገራትን፣ ክልተኣዊ ሓባራዊ ረብሓታቶምን ዕብየቶምን፣ ብንጥፈት ንጸምደሉ ቀዳምነት እዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ ወጻኢ ካብ ዘመተታት ህዝባዊ-ርክባትን ዜናዊ ምቅብባልን፣ ንህሉው ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቈትን ምእንቲ ክንፈልጦን፡ ቀጻሊ ውጥን-ስራሕ ምእንቲ ክንነድፍን፡ ልኡኽ ናብ ኣዲስ- ኣበባ ከነበግስ ኢና ኢሉ። ምድንጓዩ፡ ምኽንያት መደንጕይኡ፡ ብምድንጓዩ ኣብ ህዝብን ሃገርን ዝበጽሐ ዕንወትን ዝስመዐና ሓላፍነታዊ ምረት እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ዘተ ሽማግለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምልኣኹ ሓጎስ ‘ምበር ቅሬታ የብልናን።

ኣቶ ኢሳያስ ኣብ’ቲ ዘይሓላፍነታዊ ተጣላዒ መደረኡ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ድሌቱ ዝገብራ ናይ ብሕቲ ንብረቱ ምዃና ኣብ ርእሲ ምርግጋጹ፡ ብርክት ዝበሉ ስለምንታይ ዝብል ሕቶታት ዝፈጥሩ ሓሳባት ደርብዩ ኣሎ። ነዚ ኣብ ክንዲ ብወገን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ በቶም ሕሉፋይ ሃገራውያን ክኾኑ ዝደናደኑ፡ ነገራት ሓቂ’ዶ ሓሶት ከይመመዩ ዘዝበሎ ተቐቢሎም ክዕንድሩ ዝጸንሑ፡ ናይ ፖለቲካዊ መንነት ሚዛን ዘይብሎም፡ ኣምለኽቱ፣ ደገፍቱ፣ ወድዓውያን ተሓባበርቱን መልሲ እንተዝወሃቦ ይሓይሽ ነይሩ። ንዓታቶም’ውን ካብ ፍኹሶት ብርዝነት መጠመቶም ነይሩ። ብኩለንተናኦም ብኣኻን ስለኻን ጥራሕ ስለ ዝኾኑ ግን፡ ትማሊ ኮነ ሎሚ ዝተባህልዎ ክደግሙ ደኣምበር ልቢ ኣዕብዮም ስለምንታይ ክብሉ ስለዘይከኣሉ፡ ብወገና ኣብ’ዚ ዝስዕብ ነጥብታት ሓደ ብሓደ ርእይቶና ክንህበሉ ኢና።

ሀ. ንዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ከሕልፎ ዝፈተነ ኣምስሉ መልእኽቲ፣

ለ. ምስ ምጥራር ዶብ ተኣሳሲሩ ን20 ዓመት ክጉስጉሰሉ ዝጸንሐ ዛዕባን ናይ ሕጂ ውሳኔኡን ብዝምልከት፣

ሐ. ምስ ኣመሪካ ኣለኒ ክብሎ ዝጸንሐ ታሪኻዊ ጽልእን ሕጂ ንፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ውድቀት ንምድሓን ክተሓጋገዝ ኢና ምባሉ፣

መ. ዋላ ኣብ ዝወዓሎ ከምዘይሓድር ፍሉጥ እንተኾነ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ክኣቱ ዝተገደደሉ ምኽንያት፣

ሰ. ዕላማኡን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ኣብ ራብዓይ ክፋሉ ሒዝና ክንቀርብ ኢና። ክሳብ ሽዑ ሰናይ ጽንሑ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡- 2

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel