እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 45 guests and no members online

መጋረጃ ኵርዓት ኪጥቕለል ከሎ (Losing One’s Sense of Pride)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

እቲ መጋረጃ ኵርዓት ምስ ተጠቕለለ፡ ኣብቲ መድረኽ ኮይነን ምውሳአን ዚቕጽላ ባህርያት ኣለዋ፡ ንሳተን ድማ ውርደትን ሕስራንን እየን። ኵርዓት (sense of pride) ምስ ኣልገሰ፡ ብድሕሪኡ ዚስዕብ ኩሉ ባህርያት፡ ንእንስሳ ደኣምበር፡ ንሰብ ዚበቅዕ ኣይኮነን፡ ከመይሲ፡ ኩሉ እንስሳዊ ባህርያትና፡ በቲ ናይ ኵርዓት ስምዒት እዩ ተጋሪዱን ተቐዪዱን ዚነብር። ረገቢት ኵርዓት መስዩወን ኣብ ሰፈራተን ምስ ኣተዋ፡ ኣዕዋፍ ለይቲ ሓሶትን፡ ክሕደትን፡ ጥልመትን ካብ በዓትታተን ይወጻ። እቶም ጉዳዮም ንኺሰልጦም ይኹን፡ ወይ ነቲ እኩይ ተንኮላቶም ንምፍሓስ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ስምዒት ኵርዓት (sense of pride) ደርብዮም፡ ኣብ ናይ ፍሽኩልናን ናይ ሕስራንን ወርደትን ዓለም ኪነብሩ ዚደልዩ ብዙሓት እዮም።

ቅድሚ ምቕጻለይ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኵርዓትን ትዕቢትን ዘሎ ፍልልያት ከብርሆ እደሊ። ኵርዓት፡ ኣዎንታዊ ኪኸውን ከሎ፡ ትዕቢት ግን ኣሉታዊ እዩ። ኵርዓት ኣብ ወድሰብ ዘሎ፡ ንሰብኣዊ መሰላቱ ትርጉም ዚህቦ፡ ከም ብኣርእያ ስላሰ እተፈጥረ ህያው፡ ካብቲ ናይ እንስሳታት ደረጃ ክብ ዘብሎ ተፈጥሮኣዊ ውህበት እዩ። ትዕቢት ግን፡ ደሓር ዚፍጠር፡ ብናይ ምድራዊ ባህግታት እተደኮነ፡ ኣብ ንዕቀትን ስስዐን እተመስረተ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ካብ ስምዒት ስግኣትን ዘይውሕስነትን ዚምንጩ ባህርይ እዩ። ኵርዓት ዘይብሉ ሰብ፡ ነብሱ ዘሕሰረን፡ ኩሉ ናይ ጭውነትን ውርዝይና ባህርያት ዝደርበየን እዩ። ብሕማቕን ሰነፍን ተግባራቱ ኣይሓፍርን። ከም ሰብ ኮይኑ ዚነብር ድማ ናይ ሰብ ቅርጺ ስለ ዘለዎ ጥራይ እዩ። ብትዕቢት እተነፍሐ ሰብ፡ ሕማቕ ምስ ዚገብር፡ እቲ ተግባሩ ኣየሕፍሮን እዩ። ኵርዓት ዚስምዖ ሰብ ወይ ኵሩዕ (ሕቡን) ሰብ ግን፡ ብገለ ምኽንያት ዚፍጽሞ ሕማቕ ተግባራት ይሓፍር ስለ ዝኾነ፡ ኪደግሞ ኣይመርጽን።

ዝኾነኾይኑ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ክሰግር። ዘይሓፍርስ ጉዳዩ ይሰልጦ ከም እተባህለ ኩልና ንፈልጥ ኢና። ኣቦታትና ቀደም ዘስተብሃሉሉ ጉዳይ እዩ፡ ግን ‘ንግዜኡ’ ዚብል ሓረግ እንተ ዚውስኹሉ ነይሮም ጽቡቕ ነይሩ። እቲ ጭዋን ብልህን ሰብ፡ ዋእ ነብሰይዶ ከዋርድ ኮይነ፡ ዘይተርፈኒ፡ ብምባል ነቲ ግቡኡ ዝኾነ፡ ግን ብገለ ስሱዓት ፊውዳላውያን ደያኑ ዝተነፍጎ መሰል፡ ነቲ ጉዳዩ ናብ ኣምላኹ ብምግዳፍ ብትዕግስቲ መዓልቱ ይጽበ ነይሩ። ኣቐዲሙ፡ ነቲ ዳኛ ለቖታ መዓር ሒዝካሉ ዘይትኸይድ ዝበሉዎ ነይሮም እዮም። አረ ገሊኣቶምስ ኣብ እግሩ ዘይትወድቕ ብምባል ምኽሮም ዝለገሱሉ እውን ነይሮም እዮም። ደርሆን ድዓኛን ከም መማለዲ ከቕርብ ርእይቶ ዝሃቡዎውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ግን ካብ ጭራም መሬት ምስ ውርደት፡ ብዘይታ መሬት ግን ብኽብረት ኪነብር መሪጹ። ኣብዚ ኣጋጣምዚ፡ መሬትን ክብረትን ብሓደ ዘጥፍኡ ከም ዘለዉ ግን ክንርስዕ ኣይግባእን።

ብኣንጻሩ ግን ካልእ ሰብ ድማ ነይሩ፡ ንሱ ድማ እቲ ሕስራንን ውርደትን ከይዓገቶ ጉዳዩ ከሳልጥን ብዝኾነ መገዲ ድማ ካብ ስርሑ ኪበኵር ዘይደልን እዩ። እዚ ሰብዚ ኣምላኽ ብጥንቲ ኵርዓት ኪዕድል ከሎ፡ ደንጕዩ ዝመጸሞ፡ ኣብ ክንዳኡ ከም መከሓሓሲ መልሓስ እተወሰኾ እዩ ነይሩ ኪብሃል ይከኣል። መልሓስ ኪውሰኾ ከሎ ድማ ክልተ መልሓስ ከም ዝወነነ ክንርስዕ ኣይግባእን። እዚ ሰብዚ፡ ኣብ ኩሉ ጉዳያቱ ኵርዓት ስለ ዘይስምዖ፡ ምስ ብልሹዋት ዓበይቲ ዓዲ ብምምስጣር፡ ኣንጻር እቶም ውርደት ከም ሞት ኮይኑ ዚስማዖም፡ ምልማን ድማ ዕረ ዚጥዕሞም ሽማግለታት ብምግጣም፡ ተረቲዖም፡ ጥራይ ኢዶም ከም ዝኸዱ ይገብሮም ነይሩ። ዘይሓፍር (ወይ ስምዒት ኵርዓት ዘይብሉ) ብምንባሩ፡ በዚ ኾይኑ በቲ፡ ንግዜኡስ ነቲ ጉዳዩ ዝንቡዕ መዕለቢ ይረኽበሉ ነይሩ እዩ።

ዘይሓፍርስ ጉዳዩ ይሰልጦ ተባሂሉ እዩ። ምስላጥስ ይሰልጦ ይኸውን፡ ግን ከምቲ፡ ዓሻ ጽቡቕ ኣሎ፡ ዘመድ ዓሻ ከፊኡዎሎ እተባህለ፡ ኩሉ ዚሰልጥ ነገር ጽቡቕ እዩ ማለት ኣይኮነን።ኣብ ገለ ኩነታት፡ ክብረትካ ኩሉ ሸጥካ ንደቅኻ ካብ ጥሜት ወይ ካብ ሞት ንምድሓን እትወስዶ ኣማራጺ፡ ኣገዳሲ ዕላማኻ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንግዜኡ ነቲ ውርደት ውሒጥካ፡ በቲ ናይ ደቕኻ ብህይወት ምንባርን ካብ ሰብ ከይደለዩ ነዛ ዓለም ኪወጹዋ ምዃኖም ብምፍላጥካን ክትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ። ግን ከኣ፡ ክብረቶምን ክብረት ደቆምን ከምኡውን ናብራኦም ብሓደ ለኻኺሞም ዘጥፍኡ ሰባት ከም ዘለዉ ክንርስዕ ኣይግባእን። ማርክስ፡ ንወድሰብ፡ ሰብ ዚገብሮ ስርሑ እዩ ይብል ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ ግዜ ደርጊ ኣብ ታቤላታት ተለጢፉ ንርእዮ ኔርና ኢና። ይኹንምበር፡ ኣብዚ ግዜዚ፡ ኣብ ክንድኡ፡ እቲ ታቤላ ከምዚ ዚስዕብ እንተ ዚጸሓፎ፡ ንባህርያት ናይዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ መሪሕነት ብዝያዳ መንጸባረቖ ነይሩ እብል፥ ”ንሰብ ሰብ ዚገብሮ ስምዒት ክብረቱ ወይ ኵርዓቱ ምስ ዚቕንጠጥ ጥራይ እዩ”።

ዝኾነኾይኑ፡ ከም ሓቂ፡ ንወድሰብ፡ ሰብ ዚገብሮ፡ እቲ ናይ ኵርዓት ስምዒቱ ወይ ህዋሱ እዩ። እዚ ስምዒትዚ፡ ክብረትና ይዕቅበልና፡ ርዝነትና ይሕልወልና፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ወራዙትን ጭዋታትን የብለና። ኣብ ባይቶ ክብረት የውህበና፡ ምኽርና ይስማዕ፡ ሰባት ድማ ጸገማቶም ወይ ጉዳያቶም ናባና ንኸቕርቡዎ ኣይወላወሉን። ጽፈትን ውርዝይናን ዘኻዕበተ ሕቡን ሰብ፡ ንስድራቤቱ ይሓሊ፡ ንኣዝማዱን ንኻልኦት ጓኖትን ድማ መጽለሊ ይኸውን። ብኣንጻሩ ግን፡ ብዙሓት ንርእሶም ተዋሪዶም፡ ንደቆምን፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንኣዝማዶምን፡ ካብኡ ሰጊሩ ድማ ንዓዶምን ንሃገሮምን ዘዋርዱ ሰባት ከም ዘለዉ ክንርስዕ ኣይግባእን።

እቲ ኪሓፍር ዚግባኦ ሰብ ምስ ዘይሓፍር፡ ማለት ስምዒት ኵርዓት ምስ ዘይህሉዎ፡ እቲ ዘስተውዕል ብጻዩ ኣብ ክንዳኡ ኪሓፍር ይግደድ እዩ። እቲ ሰብቲ ዘይሓፍረሉ ምኽንያት፡ ናይ ኵርዓት ስምዒት ስለ ዘይተዓደለ እዩ። ንስኻ ግን ወሪዱካ፡ እንታይ እሞ ክትገብር፡ ኣብ ክንድኡ ትሓፍር እሞ፡ ኣብ ጽፍርኻ ክትኣቱ ትደሊ። ከም ምስላ፡ ዘይሓፍር ጽቡቕ ኣሎ እቲ ውርዙይ ዘመዱ ግን ከፊኡዎሎ፡ እንተ ዚብሃል ጽቡቕ ነይሩ።

ኣብዚ ኣጋጣምዚ፡ ሓንቲ ፍጻመ ከዘንትወልኩም። ኣብቲ አብራሃም ሊንከን ናይ ኣመሪካ ፕርሲደንት ዝነበረሉ ግዜን ናይ ኣመሪካ ናይ ሓድሕድ ኵናት እናተኻየደ ከሎን፡ ሓደ ህቡብን ጅግናን ጀነራል ኣብ ሓደ ዓውደ ኵናት ከም እተሰወአ ሓበሬታ ይመጽእ። አብራሃም ሊንከን ነዚ ወረዚ ምስ ሰምዐ ኣዚዩ ይሓዝን፡ ከምቲ ልሙድ ድማ ናይቲ ጀነራል ሬሳ ኣብ ሳንዱቕ ኣትዩ ብኽብሪ ኪቕበር ይእዝዝ። ብድሕርዚ፡ ነዚ ኩነታትዚ ኣብ ጥቕሙ ከውዕል ዝደለየ ሓደ ሰርጀንት ይኹን መጀር፡ ናብ አብራሃም ሊንከን ቀሪቡ፥ ክቡር ፕረሲደንት፡ ጀነራል እከለ ሞይቱ እዩሞ፡ እታ ቦታኡ ንኣይዶ ምሃብኩምኒ ብምባል፡ ንእሽቶ ኵርዓት ከይተሰምዖን ዓይኑ ከይሓሰየን ከይሓፈረን ይልምንን ይማሻኸንን። ሽዑ አብራሃም ሊንከን በቲ ናይዚ ሰብዚ ድቦላን ሕሱርን ዘረባ ገሪሙዎ ከምዚ ኪብል ይምልሸሉ፥ ”ብሓቂ እቲ ዘቕረብካዮ ሓሳብ ኣዚዩ ጽቡቕ እዩ፡ ግን እታ ቦታኡ ንኣኻ ልክዕ ትኣኽለካ ዲያ?” እቲ ፕረሲደንት ከምዚ ኪብል ከሎ፡ እታ ናይቲ ሬሳ ሳንዱቕ ትኣኽለካ ዲያ ማለቱ እዩ። እቲ ህሩፍ ሰርጀንተ ግን ነዚ ክብሩ ዘዋረዶ መልሲ ጽንሕ ኢሉ እዩ ተረዲኡዎ። ውርደቱ ውሒጡ ድማ ናብቶም ዚጽበዩዎ ዝነበሩ ብጾቱ ተጸንበረ ይብሃል። 

ከምቲ ጽጋብ ትወልዳ ለእኪት እተባህለ፡ ጉድለት ኵርዓት ድማ ንፍሽኵልና እያ እትወልዳ። ፍሽኵልና ድማ ብግዴኣ ንበዓል ውርደትን ሕስራንን ትወልደን። እቲ ጸገም ግን፡ ውርደት ዘይስመዓካ ኪኸውን ከሎ እዩ። ሌባ ሌባ እንተ በሉዎስ፡ ሉባ ሉባ ዚብሉዎ ዘለዉ ይመስሎ፡ ዚብሃል ምስላ ኣሎ። ሕማም ኣእምሮ፡ ንውርደት ከም ክብረት ጌይሩ ከቕርበልካ ስለ ዚኽእል፡ ኣእምሮኻ ከተመርምሮ ኣገዳሲ እዩ። ግን ከኣ መራሒተን ዘንድልሃጸት ኩለን የንደልህጻ ተባሂሉ እዩ’ሞ፡ ኣብዛ ዓለም ኣብ ገለገለ ዘመናት፡ እቲ ጽሉል ከም ጥዑይ፡ እቲ ሓንካስ ከም ኢራብ፡ እቲ ጸሊም ከም ጻዕዳ ዚቝጸረሉ ኩነታት ስለ ዚፍጠር፡ ከምዚ ምስ በዝሐ እዩ ብጥንቲ ኣቦታትና ንዓለም መኒኖም ናብ ኣድባራትን ቅዱሳት በዓትታትን ዚውሕዙ ዝነበሩ። ግንከ ንምዃኑ ፖለቲካ ወይ ቡሉቲካ ኪብሃል ከሎ ውርዝነት ዘለዎ ስራሕ ዲዩ? ቀደም፡ ገለ ሰባት ‘ቡሉቲካ እዩኮ ዚሰርሕ ዘሎ’ ኪብሉ ኸለዉ ይዝከረኒ። ይሻጥረኒ እዩ ዘሎ ማለቶም እዮም። ፖለቲካ ብዘይ ሽጣራ ኣይትሰርሕን እያ። ግን እቲ ሽጣራነት እውን ናቱ ኣገባብ ወይ መገዲ ወይውን ሕጊ ኣለዎ። 

ኣብ ናይ ፖለቲካ መስመራዊ ጸርጊ (spectrum) ምስ እንምልከት፡ በቲ ሓደ ጫፉ፡ ናይ ውርዝይናን ርዝነትን ቅሩብ ድማ ናይ ቅጥፈትን ባህርያት ዚረኣዮ ኪኸውን ከሎ፡ በቲ ሓደ ጫፉ ርሒቕና ምስ እንርእይ ድማ ናይ ሎቕመጽመጽን ፈሽኰልኰልን ናይ ምሽክንክነትን ሕግብግብን ባህርያት ይረኣዮ እዩ። መብዛሕትኦም መራሕቲ ሃገራት፡ በቲ ናይ ውርዝይና ጫፍ ይጅምሩ እሞ ብኡኡ ይውድኡ። ገሊኣቶም ድማ በቲ ናይ ውርዝይና ጀሚሮም ናብቲ ፈሽኮልኮልነት መድረኽ ይኣትዉ። ብፍሽኩልና ጀሚሮም ነቲ ስራሕ ብፍሽኩልና ዚድምድሙዎ ግን ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣንስታይን፡ እቲ ናይዚ ዘመንዚ ዓቢ ሳየንሰኛ ከምዚ ኢሉ ይብሃል፥ ኣብዚ ዩኒቨርስ፡ ክልተ ነገራት እየን መጀመርታን መወዳእታን ዘይብለን። እታ ሓንቲ፡ ባዕሉ እቲ ዩኒቨርስ ወይ ህዋ ዚብሃል እዩ፣ እታ ኻልአይቲ ግን፡ ናይ ወድሰብ ዕሽነት (stupidity) እያ-። ናይ ወድሰብ ዕሽነት መወዳእታ ዘይብሉ ኪኸውን ከሎ፡ ሓደ ህዝቢ ተዓሽዩ ንኺነብር ዘለዎ ተኽእሎ እውን ከምኡ መወዳእታ የብሉን። ኵርዓት ዘይብሉ መሪሕነት፡ ድላዩ ኪገብር ይኽእል እዩ። ድላይካ ምግባር ማለት ከኣ፡ ነቲ መጻኢ ዕድላት ኣብ ስግኣትን ምጥርጣርን ምእታው ማለት እዩ። ኵርዓት ዘይስምዖ መሪሕነት፡ ልብን ቀልብን የብሉን እሞ፡ ጽባሕ ንግሆ፡ ሸይጡና እንተ ሓደረ እውን ኪገርመና ኣይግባእን

                                  ኣማኒኤል ሳህለ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 13-07-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel