ኣብ ዛ ታሪኻዊት መዓልቲ‘‘መጸዋዕታ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ‘‘ናይ ተቓውሞ ደንበ ዝዓበየ ጥርናፈ‘‘ዝሐለፈ ተመኩሮ ኣለና‘‘ውዲት ከይድገም ተጸባይቲ ምዃን ያኣኽለና‘‘ብደም ዝጠልቀዩ ጭፍራ ህግደፍ‘‘ጭርጭር ዓበደ ክይጻወቱልና‘‘ወስኑ እሞ ብዝቐልጠፈ መልሲ ሃቡና‘‘ ኢሰያስ ሞይቱ ኣይሞይቱ‘‘ህግደፍ ብህግደፍ ተተኪኡ እንበር‘‘ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ነጊሱ ማለት ኣይየስምዕን እዩ።

ከምቲ ናይ 91‘‘ብመሪሕ ህዝባዊ ግንባር ደጊም ሐሸውየ ናይ ውድባት የለን ዝተባልለ‘‘ሕጂ ድማ ኣበይ ዘለዉ ተቓወምቲ እንዳተባህለ‘‘ንህግደፍ ዳግማይ ክቅበሎ‘‘ ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ‘‘ጸለመ ይጎስዕ ኣሎ‘‘መልሲ መሃብ የድሊሎ‘‘ኣብ ኤርትራ ሰላም ክሰፍን‘‘መልስና እንቢ ንጽገና‘‘ስልጣን ናብቲ ዋኑኡ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ይመለስ‘‘ ቦታ የለን ንሰዓብቲ ድያብሎስ።

ኣብ ዓለምና ሐደ ግንቦት

ብመስዋእቲ ሰራሕተኛታት

ዝኸበረት ክብርቲ ዕለት‘‘

መጸዋዕታይ ኣብዛ ታሪኻዊ መዓልቲ

ዝተኣወጀላ ናይ መሰል ዕረፍቲ

ን29 ዓመት ናይ ደገ ተቓወምቲ

ን29 ዓመት ዳውን ዳውን በሃልቲ

ሃገር ተቐይራ ናብ ቤት ማእሰርቲ

መዓስ ኢና ንኸውን ወሰንቲ።

ዘዝደኸምናሉ እንዳ ተዘረገ

ክንደይ ግዜ ኢና ክንጋገ

ን29 ዓመት ክንቃወም ብደገ‘‘

ንደለይቲ ለውጢ ያኣክል

ያኣክል በበይንኻ ኮለል

ብሃገራዊ ባይቶ ክንምእከል

ኣብ ዛ ክብርቲ ዕለት

መጸዋእታይ ነዚ ይመስል‘‘

ከምቲ ዜማ ናይ ስነ ጥበባዊ ናይ ወዲ ገብሩ‘‘ ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብኩሉ‘‘ ነዚ ውን እንቋዕ ኣርከብናሉ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።