ENCDCኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ) ብኣጋጣሚ ምጅማር ጾም ወርሒ ሮሞዳን ንመላእ ህዝብና ብሓፈሻ ንኣመንቲ ምስልምና ኣብ ኤርትራን ኣብ ዓለምን ከኣ ብፍላይ፣ ርሑስ ጾም ክገብረልና ልባዊ ምንዮትና ብምግላጽ፣ ቂምታን ጽልእን በኒኑ፣ ሰላምን ፍቕርን ሕውነትን ምትሕልላይን ሰፊኑ፣ ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት ንዝነብር ህዝብና ከምኡ’ውን ንኹሉ ፍጡር ካብዚ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ተላባዒ ቫይረስ ክሮና (ኮቪድ 19) ልዑል ፈጣሪ ክሕልወናን ኢዱ ከንብረልናን ብልቢ ንጽሊ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እዘን ዝስዕባ ክልተ ነጥብታት ክንጠቕስ ንፈቱ፦

  • ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብወገን፣ ብሃይማኖት፣ ብኣውራጃ፣ ብእንዳ ግርጭት ጻሕቲሮም ሓድነቱ ንምዝራግ ስራሕና ኢሎም ተተሓሒዞም ዘለዉ ውልቀሰባት ይኹኑ ጉጅለታት ነፍሲ ወከፍ ሃገራዊ ይከታቶሎም ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ፣ ኣብ ልዕሊ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፣ ካብ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታት ብዝረሓቐ፣ ኣነዋሪ ዝኾነ ቃላት ምስማዕና ዘጒሂ’ኳ እንተኾነ፣ ነቲ ጽዩፍ ዝኾነ ባእታ ይኹን ነቲ ኣበሃህልኡ ዝድግፉ ዘሐፍር’ምበር፣ ታሪኽ ኤርትራዊት ተቓላሲት ይትረፍ ዶ ህዝብናስ ዓለም ብምሉኡ ብዓቢ ኣኽብሮት ዝሰነዶ ዘኹርዕ ሓርበኛዊ ታሪኽ ስለ ዝኾነ፣ ፈጺሙ ስኽፍ ክብለና የብሉን። ነዚ ጽዩፍ ተግባር’ዚ ይኹን ነቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ብጸረ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ብ”ኣግኣዛውያን” ዝፍለጥ ጉጅለን መሰልቱን ዝካየድ ዝነበረን ዘሎን ኣዕናዊ ምንቅስቓስ፣ ብትሪ ብምዂናንን፣ ናብ ሕጋዊ መጋበእያ ንምቕራቦም ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ብምድጋፍን፣ ኩሎም ሃገራውያን ነዚ ብኸቢድ ቃልስን ብሰፍ ዘይብል መስዋእትን ዝተነድቀ ሓድነት ህዝብናን ልዑላውነት ሃገርናን ንምዕቋብን፣ ሽርሕታት ጸላእቲ ህዝብና ንምብርዓንን ብንቕሓት ክቃለሱን ኣትሪርና ንጽውዕ። ናይ ከም’ዚ ዓይነት ፈላላይን ኣዕናውን ምንቅስቓስ፣ ጉጅለ ህግደፍ ቀንዲ መጓሃርን ደራኽን ምዃኑ ፈጺሙ ክንዝንግዖ ኣይግባእን። እዚ ጉጅለ’ዚ ነቲ ኣንጻር ምልካዊ ምሕደርኡ እናደየበ ዝመጽእ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ንምፍሻል፣ ኣብ ሕብረተሰብና ናይ ምፍልላይ ስልትታት ብምምሃዝ ካብ ነዊሕ ዓመታት ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ቅዋም ምዃኑ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ጉዳይ ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እምበኣር፣ ነቲ ቀንዲ መናሃርያ ፍልልያትን መሳወሪ ቅርሕንትን ዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ ንምእላይን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ንምርግጋጽን፣ ኩሎም ሃገራውን ሓይልታት ዓቕምታትና ብሓባር ጸሚዶም ኣንጻር እንኮ ጸላኢ ህዝብና ከቕንዑን፣ ህዝብና ድማ ነዚ ቃልሲ’ዚ ብንቕሓት ክዓስሎን ሃገራዊ ተርኡ ከበርክትን፣ (ኤሃባዲለ) ብትሪ ይጽውዕ።
  • ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ሓይሊ መንእሰይ ወሳኒ ግደ ከም ዘለዉ ብምርዳእ፣ ኤርትራዊ መንእሰይ ዓቕምታቱ ክጥርንፍን፣ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን ኣብ ሃገርና ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዕዙዝ ተራ ንኽህልዎን፣ (ኤሃባዲለ) ዓቢ ኣቓልቦ ዝገብረሉ ጉዳይ ምዃኑ ከነረጋግጽ ንፈቱ። ኣብዚ መዳይ’ዚ፣ ሃገራውያን መንእሰያት ንምጥርናፍ ዝግበር ተበግሶታት ኣብ ርእሲ ምድጋፍና፣ ንሕና ብወገንና’ውን ነዚ ሃገራዊ ሓይሊ’ዚ ኣብ ሓደ ንምጥርናፍ ዝዓለመ ተበግሶታት ንምውሳድ ከም መደብ ሒዝናዮ ምህላውና ከነረጋግጽ ንፈቱ። ንኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ሃገራውያን ሓይልታት ንምንጻል ብገለ ውልቀ ሰባት ይኹን ጉጅለታት ዝካየድ ተንኮለኛ ጎስጓስ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን። መንእሰያትና ካብ ሃገራዊ ቃልሲ ንምንጻሎም ዝዓለመ ሽርሒ ምዃኑ ተረዲኦም ክምክትዎን ሃገራዊ ተርኦም ክጻወቱን በዚ ኣገጣሚ’ዚ ጻዊዕትና ነቕርብ።

ደጊምና ርሑስ ሮሞዳን (ረመዳን ከሪም) ይግበረልና ብምባል፣ ንጽጉማት ንሕግዘሉን መንፈስና ነሕድሰሉን ወርሒ ክኾነልን ተስፋና ደረት የብሉን።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤሃባዲለ

24/04/2020

رسالة المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي

بمناسبة قدوم شهر رمضان الكريم

يسر المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي أن يتقدم بمناسبة قدوم شهر رمضان المبارك، إلى شعبنا الإرتري كافة، وإلى مسلمي إرتريا والعالم بشكل خاص بأسمى آيات التهاني والتبريكات، داعيًا الله أن يعيده على الجميع بالخير واليمن والبركات، وأن يجعلنا من عتقاء هذا الشهر الفضيل. كما نتضرع إلى الله أن يصرف عن شعبنا والعالم بأسره هذا الوباء المنتشر حاليا (جائحة فايروس كورونا "كوفيد19")، ويحفظ بلادنا وكافة البلدان من كل شر وسوء إنه على كل شيء قدير.

وننتهز هذه المناسبة لنثير النقطتين التاليتين:

  • ·أولا: نتابع هذه الأيام أن ثمة محاولات محمومة يقوم بها بعض الأفراد أو المجموعات لخلق الفتن داخل المجتمع الإرتري من خلال إثارة نعرات طائفية و إقليمية وقبلية وعشائرية مقيتة. وكان آخرها ما تفوه به أحد الإرتريين بكلمات مسيئة، بعيدة كل البعد عن القيم الدينية وعادات مجتمعنا، بحق المناضلات الإرتريات . وهذه الكلمات البذيئة التي صدرت عن هذا الشخص المعتوه أو بعض مسانديه، لا يمكن بأي حال من الأحوال أن تحط من قدر المناضلات الإرتريات الماجدات اللواتي يعرف القاصي والداني مكانتهن المرموقة في النضال البطولي لشعبنا الإرتري. ويأتي هذا التصرف الذي بدر عن شخص غير سوي، في سياق التوجهات الحاقدة التي بدأت منذ سنوات من قبول مجموعة معادية لإرتريا وشعبها، والمعروفة بـــ "الآقازيان" ومناصريها. إننا وإذ نستهجن مثل هذا التصرفات والتوجهات وندينها بشدة، فإننا ندعم الجهود المبذولة لتقديم أصحاب هذه التوجهات أمام العدالة. كما نطالب كافة الوطنيين الإرتريين أن يحافظوا على وحدة شعبنا وسيادة بلادنا التي تحققت عبرة مسيرة نضالية طويلة وتضحيات جسيمة، وذلك من خلال إفشال مؤامرات الأعداء بوعي . وينبغي ألا نتجاهل بأن الطغمة الديكتاتورية الحاكمة في إرتريا هي أكبر محرض على الفتنة وسط مكونات شعبنا وموجهها. فهذه الطغمة الديكتاتورية كانت تلجأ، مع كل مأزق سياسي أو تصاعد لرفض الجماهير لنهجها، إلى إثارة الفتن وسط المجتمع الإرتري، لتضمن استمرار حكمها القمعي. وانطلاقًا من هذا الفهم فإن المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي يدعو بقوة كافة القوى الوطنية إلى توحيد إمكانياتها وتسخير جهودها ضد النظام الديكتاتوري القائم. كما يدعو جماهيرنا الإرترية أن تنتظم بالعمل النضالي وتعزز دورها فيه، وذلك من أجل تسريع الخطى باتجاه اسقاط النظام الديكتاتوري الذي يغذي النعرات الدينية والإقليمية والجهوية داخل مجتمعنا الإرتري، ليتمكن شعبنا من إحداث التغيير الديمقراطي المنشود.
  • ·ثانيًا: إدراكًا منه بأهمية الشباب في أي مجتمع، ورغبة في تعزيز دور الشباب الإرتري في النضال الجاري من أجل العدالة والتغيير الديمقراطي، فإن المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي يضع في سلم أولوياته الاهتمام بالشباب. وفي الوقت الذي يؤكد فيه المجلس الوطني الإرتري تشجيعه ودعمه لكل الجهود المبذولة لتوحيد الشباب الإرتري، فإنه يعلن للجميع أنه سيقوم قريبًا بمبادرات تهدف إلى تأطير الشباب الوطني الإرتري وتفعيل دوره النضالي. وفي هذا السياق فإننا ندعو الشباب الإرتري ألا ينصت للأصوات الخبيثة التي تسعى جاهدة من أجل عزله عن القوى الوطنية الإرترية، أو تلك التي تحاول بشتى السبل في خلق صراعات وهمية في وسطه.

مرة أخرى نهنئ شعبنا بحلول شهر المبارك، راجين من الله أن يكون شهرًا نساعد فيه المحتاجين، ونصفي فيه القلوب، وتسود فيه المحبة والوئام.

رمضان كريم وكل عام وأنتم إلى الله أقرب !!

المكتب التنفيذي

للمجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي

24/4/2020