Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ
Hits: 1019

ሰኣን ሐሙሽተ ጀጋኑ ከም ኣብራሃም ተኽለ

ሰኣን ሐሙሽተ ጀጋኑ ከም ወዲ ዓሊ ሕጃይ

ምውሳን ተሳኢኑ ንጃንዳ ህግደፍ ንምእላይ

ግዜና ኣሕሊፍናዮ ን29 ዓመት ብዘረባ ጥራይ

ኤርትራዊያን ክሳብ መዓስ ክንጸንት ብውሳይ

ብትብዓት ንመክት ከም ኢንጂንየር ተስፋይ‘‘

ተቃምቲ ዲና ደገፍቲ

ተጸንቂቁ እቲ ዓቕሊ

ምውሳን ተሳኢኑ

ኩሉ ተመሳሳሊ ኮይኑ

ኑኡስ ዓቢ

ኩሉ ተዛራቢ

ዳኛ ሲኢኑ ህዝቢ‘‘

ስለ ዘይኮና ወሰንቲ

ገለን ናብቲ ናብቲ

ገለ ድማ ሐመይቲ

በዚሑ ትምክሕቲ‘‘

ህዝቢ እንዳ በኸየ

ብጀካ ተቓዋሚ እየ

መንዩ ብትሪ ሒዙ ዝጎየየ‘‘

ናይ ውድተኛ ሃገርና ድራማ

ሽንሽን ናይ ውዲት ሻንፓኛ

እንየ ትግሬ ኣማራ ነኛ

እወ ኣታ ሐሳዊ ለኹመኛ

ኣይከሰርናን ዝበለ ደመኛ‘‘

ዓይንኹም ኣይትተዓመቱ

ደቂ ኤረ ብእዋኑ ዋሕስ ዕገቱ

ኣባ ብልሐቱ ከይብለኩም ክተቱ‘‘

ትምክሕቲ ወዲ ልብሱ ሰሚዕናዮ

ጀነራላት ህግደፍ ናይ ኢሱ ዋህዮ

መንድዩ ንህዝቢ ኤርትራ ዘድመዮ‘‘

ሕሱር የሕስረካ ማዕረ ነብሱ

ክቡር የኽብረካ ማዕረ ነብሱ

ጀነራል ኢሱ ወዲ ልብሱ

ሰማይ ሰቒልዋ ንነብሱ

ወዲ ሰብ ዶ ክንድዚ ይሕሱ‘‘

ጸሊም ታሪኾም ብዓወት ንሐፋሽ ተሸፊኑ

ሐለውቲ ኢሰያስን ፍሊጶስን ክሻን ዝኾኑ

ብኣትማን ሳሕልን ኣዶባሐን ህዝቢ ተበታቲኑ‘‘

ጀጋኑ ኣጥፊኦም ዝኣተዉ

ታሪኾም ሐቢኦም ዝሕስዉ

ከም ዝብኢ ወጋሕታ ዝንቅዉ‘‘

ብሰብ መሰል ኣዛብእ ምድረበዳ

ዓወት ንሐፋሽ እንዳ በልካ ኩዳ

ሎሚ ይርዳእኩም ጽባሕ ጃንዳ‘‘

ጀነራላት ህግደፍ

ወትሩ ጃህራ ወልደፍደፍ

ስዕረትኩም ክትብልያ ከተፍ‘‘

ንጭርሖ መርሃዊ ከራጉዳ

ዓርበሮብዕ ደብረቢዘን ካፋ

ገረብ ብሐኽላ ማይ ዘይሐለፋ

ንኤረና ዝተንከፋ

ፋፋ ቁልቁል ኣፋ‘‘

ክሳብ ማዓስ ደም ምንባዕ

ዕላማኻ ዘይምዝንጋዕ

ንተባዓት ምትብባዕ‘‘

ኣቲ ኤረይ መለይ

ንኤርትራዊ መንእሰይ

በልዮ ንስኻ ዋሕሰይ

ፈይ ፈይ

ክገልጸሉ ደገፈይ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።