ፖለቲካዊ ዓውዲ ከም’ቲ ገለ ተበለጽትን ድኹማትን ፖለቲካ ማለት ሓሶት’ዩ። ፖለቲካ ናይ ጸለመን ምቅትታልን ዓውዲ’ዩ። “ፖለቲካን ኤሌትሪክን ብርሕቑ” ኣነ ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ

ኣይደልን …ወዘተ ክብሉ ዝገልጽዎን ዘመራስሕዎን ኣይኮነን። ፖለቲካ ትምህርትን ምርምርን ኣረኣእያን ተመክሮን ዝሓትት ኣብ ህይወት ዜጋታትን ህዝብታትን ወሳኒ ቀላሲ ተራ ዝጻወት ስነ-ፍልጠታዊ ዓውዲ’ዩ። ፖለቲካ ከመይ ማዕርነታዊ ሚዛን ብዝሓለወ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ብሰላምን ብደሞክራስያዊ ኣገባብን ህይወትካ ከም እትመርሕ፣ ከመይ ከምተፍርን ከም ትከፋፈልን፣ ከመይ ከም ትሸይጥን ትሽምንትን ስልትን ስትራተጂን ቀሪጹ ጎደና ልምዓትን ዕቤትን ዘርኢ፡ ኣብ ህይወት ደቂ-ሰባት ፈጺሙ ዘይስገር ወሳኒ ዓውዲ’ዩ።

ንሓደ ዝተገፍዐን ዝተወጸዐን ህዝቢ ሓራ ንምውጻእ ዝካየድ ፖለቲካ፡ ናይ ብሓቂ ፖለቲካ ክኸውን ግን፡ ካብ ኣጀማምራኡ ማሕበራዊ መሰረቱ፡ ህዝባዊ ውግንናኡን ክበጽሖ ዝደለዮ ኣንፈትን ክንጸር ይግባእ። ኣብ ጉዕዞኡ ዘጋጥምዎ ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ጉድለታት፡ ዝፍትሸሉን ዝእርመሉን ባህሊ ሰላማዊ ዘተ ሒዙ ክዓቢ ይግባእ። “ከም’ቲ ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሕሱ” ዝበሃል፡ ፖለቲካ ዋላ መበገሲኡ ፍትሓውን ሕጋውን ሕቶ ይኹን ካብ ብንግሆኡ ብህዝባዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን እንተዘይተገሪሑ፡ ሳዕቤኑ ከቢድ’ዩ። ንከተዕርዮ ነዊሕ ግዜ’ዩ ዝሓትት። ዘኽፍለካ መስዋእቲ ድማ መሪር’ዩ።

ከም’ቲ “ቆርበት ተበላሽያ ኣብምንታያ ኣብ ምስጣሓ ኣይብምስጠሓን ኣብ ምጥበሓ” ዝተባህለ፡ ርኡይ ናይ ደርባዊ ባህሪ፡ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ስልትን ስትራተጂን ጉድለት ዝነበሮ ፍትሓውን ሕጋውን ሕቶ ሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ሰውራ ኤርትራ፡ ርሑቕ ከይተጓዕዘ’ዩ ኣብ ውሽጣዊ ግርጭት ኣትዩ። ነቲ ናይ ሓሳብ ፍልልይ፡ ኣብ መንጎ ብዙሓት ዘጋጥም ባህሪያዊ ፍልልይ’ዩ። ነቲ ዘይተደላዪ ኣካላዊ ግርጭት ድማ “ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሰብ ይዕንቀፍ” ኢልካ ከየካበድካ ብሓላፍነት ንምሕላፉ ተፈቲኑ። ህዝቢ ንዘርኣዮ ሓላፍነታዊ ትዕግስቲ ድማ ግቡእ ክብርን ክብደትን ክወሃቦ ነይርዎ። ብኣንጻሩ ግን ህዝቢ ከም ዘይፈለጥን ዘይምልከቶን ተቖጺሩ፡ “ገባር ደንባር” እናተባህለ ተሳቕይሉ። ዘይመትከላዊ ፖለቲካዊ ፍልልይን ርእይቶይ ብግዴታ ተቐበል ዝብል ስነ-መጎት ሓይልን ተቐቢልና ክነብረሉ ዝተዋህበና ተፈጥሮኣዊ ግድነት ክሳብ ዝመስል፡ ከም ጽላሎትና ምስና ይነብር ኣሎ። እዚ ከም ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ነቶም ገዳይም ተጋደልትን ውድባትን፣ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ከሰክፍ ነይርዎ። ብኣንጻሩ፡ ክብሪ ዘይብሉ ዘሕፍር ክንሱ፡ ከም ክብሪ ተወሲዱ ካብኡ ንዘይምጻእ ድሌት ዘለዎ ብዝመስል መልክዑ ኣብ ዕንክሊል ይንበር ኣሎ። ከይዱ ከይዱ ብኣጋ ዘይተገርሐ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ድኽነት ውጽኢቱ ከም’ዚ ክኸውን ድማ ግድን’ዩ።

ብርግጽ ኩሉ ፍትሓውን ህዝባውን ሕቶ ተሓንጊጥካ ዝጅመር ቃልሲ ለማጽ ኣይኮነን። ጎርብታት ዝበዝሖ’ዩ። ትሕዞ ኣረኣእያ ሽዑ ንሽዑ ምስ’ቲ ዝወፈርካሉ ፍትሓዊ ህዝባዊ ሕቶ ከም ዝሰማማዕ ጌርካ ክትቀርጾ፡ ትነብረሉ ዘለኻ ወድዓዊ ኩነታት፣ ባህሪ፣ ዓቕሚ፡ ልምዲ ነናቱ ግደ ከም ዘለዎ ኣየካትዕን። ኣብ’ቲ ቃልሲ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናተሰጋገርካ ኣብ ዝቐጸልካሉ ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓ ለውጢ ዘይምግባር፡ ኣብ ዘይመትከላዊ፡ ዘይህዝባዊ፡ ዘይደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ደማዊ ግርጭትን ጋም-ማን እናበልካ ምንባር ግን፡ ፈጺሙ መሕብኢ ዘይርከቦ ሚዛኑ ዝወረደ ማዕበያ ዝበደሎ ፖለቲካዊ ድኽነት ምዃኑ ኣይተሓትትን።

ካብ ተመክሮኡ ዘይመሃር፡ ብኣጋ ዘይተገርሐ ማዕበያ ዝበደሎ ኤርትራዊ ፖለቲካ፡ ከም’ቲ ገለ ኣቦታት “ከይንሰማማዕ ተሰማምዒና ኢና” ዝበልዎ እነሆ ዕድመ ሰውራና ኣስታት 60 ዓመት ኣቚጺሩ ክንሱ፡ ኩለንተናና ተዘሪጉ፡ መጻኢ ጉዕዞና ካበይን ብኸመይን ኣንፈቱ ኣጥፊኡ፡ ከም ልኡላውነት ዘለዎ ጥሙር ህዝብን ልኡላዊት ሃገርን ንቕጽል’ዶ ኣይንቕጽልን ሓደጋ ምብትታንን ፍርሰትን ኣንጸላልዩና ይርከብ።

ሰውራና መበገሲኡ ወጽዓን ጸረ ወጽዓን ስለ ዝኾነ፡ ዘኹርዕ ‘ምበር ዘሰክፍ ዘሕፍር የብሉን። ብብዙሕ መምዘኒንታት ኣብ’ቲ መጀመርታ ስለምንታይ ጽፉፍ ህዝባውን ደሞክራስያውን ኣረኣእያን ስጡም ውደባን ዘይሓዘ ክትብሎ ሚዛናዊ ክኸውን ኣይክእልን። ካብ ዝተበገሰሉ ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ዓመት ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ሕመቓቱ እናራገፈ፡ ብፖለቲካዊ ንቕሓቱ እናበሰለ፡ ውሽጣዊ ስኒቱ ድማ እንደልደለ ዘይምኻዱ ግን፡ ብዝኾነ ምኽንያት ዘይስገር ርእሲ ዘድንን ፖለቲካዊ ድኽነት’ዩ። ምስ ኩሉ ሕጸረታቱ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ብዝተመዝገበ መስተንክር ዓወታት ክንሕበን ይግባእ። ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ከም ህዝቢ ተወኒኑ ዘሎ ብባዶ ሰለስተ (03) ዝምራሕ ዘይመትከላዊ፡ ዘይፍትሓዊ” ዘይህዝባውን ዘይደሞክራስያውን ኣብ ተራ ጽልኢ ዝተመሰረተ መን ከማና ዝብል ባዶ ጃህራን ግን ምስ ንውሓት ገድልና እናነጻጸርና ክንሓፍር ይግበኣና።

ድሕሪና ዝተወልዱ (ክሳብ’ውን ብገለ ወገናት ብትምክሕታዊ ኣረኣእያ ንሕና ምሂርናዮም ኣዕቢናዮም እናበሉ ዝጀሃርሎም) ፖለቲካዊ ውድባት እናወደቑን እናተስኡን ብፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓትን ኣበይ በጺሖም ኣለው? ኣብ ህዝቦም ኣስሪጸሞ ዘለው ህዝባውን ደሞክራስያውን ኣተሓሳስባ፣ ሕግን ስርዓት ተኸቲልካ ንመሰልካ ፊት ንፊት ናይ ምምጓት ባህሊ፣ ኣጣይሰሞ ዘለው ፖለቲካውን ሕጋውን ትካላት፣ ኣረጋጊጸሞ ዘለው ተነጻጻሪ ቁጠባዊ ዕቤት፣ ኣብ ከባቢና ፈጢረሞ ዘለው ኣወንታዊ ጽልዋ፣ ብዓለም ደረጃ ዘለዎም ተሰማዕነትን ተቐባልነትን ንሕና ታሕቲ ወይ ድሕሪት ንሳቶም ላዕሊ ወይ ቅድሚት ምህላውና ክበርሃልና ይግባእ።

ክሳብ ትማሊ ጌጋ ኣብ ርእሴ ጌጋ እናወሰኽና እንተመጺእና፡ ሎሚ ደው ኢልና ብሕልናና ድሕሪት ተመሊስና ዝመጻእናሉ ክንግምግም፡ ብዘይ ዝኾነ ምሽፍፋን ዝነበረና ጉድለት ተቐቢልና ክንእርም፡ ንሓድሽ ወለዶ ብሓድሽ መንፈስ፡ ብሓድሽ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ኣብ ጎንና ኣሰሊፍና፡ ብሓሳብን ብተግባርን ካብ ትማልን ክኒዮኡን ዝሓሸ ጽባሕ ንምምጻእ ክንረባረብ ኣለና። ፈውሲ ከም ዝተግብረሉ ኣብ ፖለቲካ ዝጸናሕናሉ ዕድመ እናቖጸርና ኣነ’ኮ ንሕና’ኮ እናበልና ኣብ ፍረ ዘይብሉ ተራ ህልኽ ተረግሪግና፡ ንሰርሕ ንዓቢ ለውጢ ነምጽእ ዘለና እንተመሲሉና ግን ፍጹም ተጋጊና ኣለና’ሞ ንተኣረም። ባህሪእና ኣረኣእያና ሕጋዊ ኣሰራርሓና ፖለቲካዊ ባህልና ቀይርና ንቀየር። ኣይፋል ኢልና በቲ ዝለመድናዮን ብንግሆኡ ዘይተገርሐ ፖለቲካዊ ባህሊ ክንቅጽል እንተመሪጽና ግን፡ ትርጉም ዘለዎ ታሪኽ ከይሰራሕና፡ ምስ ገበታ ወቐሳን ገበናን ባህሪያዊ ሞት ከርክበና ከም ዝኽእል ክስቆርና ይግባእ።

                                                 ካብ ዛራ ማና

                                               12-06-2020