Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ
Hits: 976

ኣዝማሪኖ ግርማይ ሰመረ ወዲ ዓላዊ

ግርማይ ሰመረ ሕቡን ኤርትራዊ

ሕድሩ ዘይጠለመ ተቃላሳይ ሃገራዊ

ሐመድ ድበ ብዉሕድ መፋነዊ‘‘

ጸዊዕካ ዶ ወዲ ፊሊፖ ብሰምማይ

ኣብዛ ሕማቅ ግዜ ከድካ ዶ ግርማይ

ኢዱ ዘርጊሑ ይቀበልካ ኣብ ሰማይ‘‘

ኣብ ጀርመን ጀነቫ ብራስለስ

እንዳበለ ጭፍራ ህግደፍ ይፍረስ

ኣብ ውዑይን ዝሑልን ዝማላለስ‘‘

ንፍትሒ ኣልቦ ስለ ዝተቓወሞ

ዓለም ኣርኪባቶ እንታይ እሞ

ሐመድ ድበ ዓደቡኡ ዝሐረሞ‘‘

ወደቦይ ሰመረ ፍሽኽ ዝኣመሉ

ክዋዘ ክጨርቕ ኩሉ ዝምሕረሉ

ኤርትራ ንኤርትራዊያን ዝበለ ኩሉ

ከም ዘይወደባት ሃገራዊ ተበዲሉ‘‘

ንሃገራዊ ነጻነት ኣብ ሜዳ ኤርትረያ

ንፍትሐዊት ኤርትራ ኣብ ድያስፖራ ጉያ

ፍትሒ ይንገስ ዝበልካ ኣብ ጽርግያ

ከድካ ዶ ዓርኪ ዮኑስ የማነ ባርያ‘‘

ኣርክብ ኣርክብ ኮይኑ ሐወየ

ክንዲ ሐመድ ድበኻ ክብል ወየ

ብሰላም ዕረፍ ሐርበኛ መቃልስተየ‘‘

ወዲ ሰብ ኣይነብርን ታሪኽዩ ነባሪ‘‘ንስድራቤቱን ፈተውቱን‘‘ መቃልስቱን ጽንዓት ይሃብኩም‘‘ጠሊን ይግደፈልኩም‘‘ እንዳ በልኩ በዛ ንዑኡ ዘይትበቅዕ ግጥሚ ክፋነዎ።

ብሽም ዋዕሮታትን ሐርበኛታትን‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና‘‘ገጣሚ ኣባል ተ,ሐ,ኤ በርሀ ዑቅባዝጊ,,ኣብ ሃገር ጀርመን።