Bilen Eritireaመበል 59 ዓመት ባሕቲ መስከረም እንቋዕ ኣብጽሓና። ባሕቲ መስከረም ነባሪ ንምጸብራቅ ልዑል ዘይተምበርካኺ ባህርያት ኤርትራውያን እያ። ባሕቲ መስከረም ሉኡላዉነትና ወኒንና ኣብ እነብዕለሉ እዋን ማዕረ ማዕሪኡ ጅግና ኣቦና ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ቐያሕትን ጸለምትን ሱዉኣትና ብልዑል ሓበንን ክብርን እንዝክረሉ እዋን እውን እዩ። ሕድሪ ሱዉኣትና ንፍትሸላ፣ ዝጎደለ ክንምልእ ቓል ንኣትወላን’ያ።

ኣመጻጽኣ ኤርትራ ዘይርድኦም ወይ ደይ መደይ ኢሎም ንታሪኽና ዘመርስሑን ይዕቢተኛታትን ንደቅና ከየዘንግዑ፣ ምስል ኢልና ታሪኽና ሓቢርና ንርኤ። ኣብ ታሪኽ መዋእል ‘ዚኤን ሎሚ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሱዳንን ጁቡትን ዝበሃላ ሃገራት ብፍላይ ሰሜናዊ ወገን ኤርትራ ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ ዘመናት ስልጣኔ እሞ ናተን ፊደልን ዓወደ ኣዋርሕን ዝነብረን’የን። ብስነ-ሰብ (Anthropology) ከርሲ ቀዳሞት ሰባት ከም ዝነበረን ታሪኽ ኩዕታ ይምስክር ኣሎ። እዚ ምዕባሌ እዚ ግን ብደፋእታዊ መንገድን ብዕዳጋን ካልእ ኣገባብን ሃገር ክይሃነጻ ብመግዛእቲ ኤዉሮጳዉያን ተቆጽየን። እዚ በደል እዚ ነዚኢነ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ ንኹለን ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ዝበጽሔ ዕጫ’ዩ።

ንጉስ ኢንበርቶ ንጉስ ጣልያን ብ1891 እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ብሓይሊ ብረት ኣንበርኪኹ ብሕታዊት ግዝኣቱ ሙዃና ብኣዋጅ ካብ ዘለጠላ ዕለት ፈቲና ዘይኮነ ከይፈቶን ደቂ ሃገረ ኤርትራ ኮና’ና። እተን ጎረባብቲ ሃገራት’ውን ብብግዜኡ ብመራሕተን ንዶባት ዝምልከት ፊርማታተን ኣቐሚጠን’የ። ነቲ ናይ ሎሚ ምድረ ቅርጺ ኤርትራ ተቀቢለን። መግዛእቲ ሱሱዕን ጨቛንን’ዩ። ዘነይት ኣይኮነን እንተኾነ ንረብሓኡ ክብል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘዉርዶ ዝነበረ ሕብራዊ ጭቆናን ምዝመዛን ብስነኣምሮን ብባህልን ደቂ ሓንቲ ሃገር ገርና። ኩሉ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም’ውን በዚ’ዩ ቆይሙ። ሓደ ስድራን ሓደ ሕብረተሰብን ኮና ናትና ናቶም፣ ንሶም ንሕና፣ ሰብና ሰቦም፣ መሬትና መሬቶም፣ ዝብል ኣምር በብቅሩብ ንሓንጎልናን ንባህልናን ወሪሱ ብብግሓቱ ነጻ ክንከዉን ተቓሊስና። ተቓወምቲ ኣቦታትና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናኹራን ካልእን ሓቒቕዕም ኣብ ባሕሪ ተደርበዮምን’ዮም።

እንግሊዝ ነዚ ሓቒ እዚ ስለ ዝተረድኤ’ዩ ምስ ጣልያን ኲናት ክገጥም ከሎ ብነፈርቲ ገይሩ ‘’ደቂ ኤርትራ ዓሳክር ጥልያን ዘሎኹም፣ ንጣልይን ራሕሪሕኩም ኣብ ሓይሊ ክዳን እተዉ፣ ኣነ ከም ጥልያን ክገዝኣኩም ዘይኮንኩ ሓራ ከዉጽኣኩም’የ መጺኤ’’ ዝብል ጹሑፋት ብነፈቲ ዝብትን ዝነበረ። ኣቦታትና’ውን ድልየቶምን ባህጎምን ስለ ዝነበረ ንመሳርዕ መከላኸሊ ሓይሊ ጣልያን እናሰበሩ ናብ ኪዳን ሓይልታት ምስ ብረቶም ኣትዮም። ናይ ከረን (ጥንቑልሓስ) ኲናት ብ1941ዓም ክዕወት ህዝቢ ኤርትራ ንኪዳን ሓይልታት ስለ ዝደገፈ’ዩ። ህዝቢ ብሌን ኣብ’ዚ ኲናት ዝኸፈሎ ሂወትን ንብረትን ምስ ግዜ ክግለጽ ንሰግሮ።

እንግሊዝ ኣስመራ ምስ በጽሔ ኣቦታትና ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ተኣኪቦም በል ናጽነትና ሃበና ምስ በልዎ ከይገረሞ ኣይተረፈን ሚኽኒታት ዘርዚሩ ተዓገሱኒ ድሕሪ ሕጂ ድማ ካብ ሓምሽተ ሰብ ንላዕሊ ከይትእከቡ ክሳብ ንሕና ነፍልጠኩም’ዩ ዝበሎም። እንተኽዕነ ባህግን ድልየትን ህዝብና ብኣሜሪካን ብእንግሊዝን ንእስትራተጂካዊ መኽሰቦም ክብሉ ናብ ሃጸይ ኢትዮጵያ ብጉልባብ ፈደረሽ ኣሕሊፎም ሂቦና። እዚ ባዕሎም ዝኣመንዎ ሓቒ’ዩ። ሃጸይ እቲዮጵያ’ውን ክበልዕ ዝበለ ሓዉ ኣፉ ድልየትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ክርዳእ ስለ ዘይደለየ ንዕምሩ ዘሕጽር ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተጻሊኡ። በዚኣ መዓልቲ ነዚ ባህግናን ድልየትና ህዝብና ኩዉን ክገብሩ ብዙሕ ሰላማዊ ቓልሲ ተኻይዱ ዝሰምዕና ስለ ዝስኣና ብ1961ዓም ብረታዊ ቓልሲ ጀሚርና። እዚ ባህጊ ፍትሕን ዲሞክራስና ህዝብና ብሙሉእ ዝዕወት እቲ ቓልሲ ዉጹዓት ደዉ ክብል ኣይኮነን።

ንሉኡላውነትና ብ1991 ነቲ ኲናት ብዓወት ብረት ብ1993 ድማ ብፖሎቲካዊ ኣገባብ ዛዚምናዮ። ድሕሪ ነጻነት ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ተማሃር ተማህራይ ክእወጅ ትጽቢት ኔርና። ኩሉ ዓጸባን ባርነትን ካብ ዝባና ተቐንጢጡ ኢልና ሓሲብና። እንተኾነ ኣብ ዉሽጥና ብጸላእትና ዝተደጎለ ጻልኢ ብሃግናን ድልየትናን ኮንቱ ኩይኑ ተሪፉ። እዚ ገባቲ ስርዓት’ውን ካብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ዘይመሃር ኮይኑ እንበር ናትና መኸተ ጸረ ዕብለላን ጭቖናን ኣብ ደምና ዘሎ ስለ ንሱ’ውን ከም ቅድሚኡ ዝነበሩ ክወድቅ’ዩ።

ክቡራት ደቂ ሃገርና ሎሚ ኣብ ቅድሜና ክልተ ምርጫ ኣሎ። ከም ኣቦታትና ንጭቆናን ንድሕረትን ብሓደ ኮና ዝወሰደ ይዉሰድ ዝወደቐ ይዉደቅ ክሳብ መጠረሽታ ምምካት’ዩ፣ ናይ ግዜና ጭርሖ ‘’ይኣክል’’’ዩ። እቲ ካልኣይ ምርጫ ብፍርሕን ብበለጽን ተጎልቢብካ ሬሳኻ እኳ ኣብ መሬቱ ዝግባእ ባህላዊ ቀብሪ ከይትገብር ንዝኽልኽል መንግስቲ ምግልጋል’ዩ። ምርጭና እታ ቐዳመይቲ ከም ትኸዉን ኣይንጠራጠርን። እንተኾነ ኣብ’ዚ ተሓናነቕ መድረኽ ዝንጀልሕጡ፣ ብምፍላጥን ብዘይፍልጥን ጽልእን ትምክሕትን ኣብ ማእክልና ዘንብድብዱ ጉጅሌታት ንርኢ ኣሎና። ’’ኣግኣዝያን ከምኡ ትግራኝ ትግሪኚ’’ ንበሃል ይብሉ። ታሪኽ ናይ’ዞም ዘልዕልዎም ህዝብታት ግን ጽልእን ትምክሕትን ኣይነበሮን። ታሪኽ ዘይንብቡ እቲ ቓልሲ ስለ ዝነዉሖም ኣቛራጭ መንገዲ ህሰስ ዝብሉ ይመስሉ። ካልኦት መስዋእቲ ኣቦይ ‘’ኮንቱ’’ እዩ ኔሩ ዝብሉና ይጓነፉና ኣለዉ። እዚ ማይ ንዓቕብ ክልስ ሓሳብ መበቖሉ ካበይ’ዩ ኣይተፈልጠን። ንሶም’ውን ናይ ሕርቓንን ናይ ቂምን ጸገም ዘለዎ ይመስሉ። ብሃግን ድልየትን ሱዉኣትና ፍትሕን ዲሞክራስን’ዩ ዝነበረ። ነዚ ዕላማታት ድማ ተሰዊኦም። እቲ ዝምሕልን ዝጥሕልን ዝነበረ ከም ቅጫ እንተተገምጠለስ እቲ ጅግናን ሓርበኛን ተጋዳላይን ህዝብን ታሪዂ ክንዓቕ ኣይግባእን። ዝተረፍና ሕድሪ ስለ ዝገደፉና ንሕና ነተግብሮ ይበሃል እንበር ኣብ ኣደባባይ ወጺእካ ርብዒ ኣቦኻን ኣዴኻን ከይገበርካ ንታሪኽካ ሙንሻዉን ምሕጫጭን ነገር ደሓን ኣይኮነን ኣምር ህንጸት ሃገር’ውን ዝሰሓተ’ዩ። ክቡር መንእሰይ ኤርትራ ጥንቕሊዒት ኮንካ ጡፍ ምስ ትብል ኣብ ገጽካ’ዩ ዝወርድ እሞ ኣይትዓሹ ንታሪኽካ ባዕልኻ ፍልሖ ኣይትኹኖ፣ ጽባሕ ንርእሳ ኢላ ክትጸብሕ’ያ።

ካልእ እዋናዊ ሕቶ ሎሚ ሃገርን ህዝብን ምድሓን’ዩ። ኣብ ዉሽጢ ዝነብር ህዝብና በትን ኮሮና በትን ሓለንጊ ገባቲ ስርዓት ክልተ ኣደራዕ ይወርዶ ኣሎ። ፖሎቲካዉያን ዉድባት’ውን ነዚ ዝተረዳእናዮ ንመስል። ብፍላይ በቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዶምክራስያዊ ለዉጢ (ኤሃባለ) (ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ኤርትራ/ሆደ ኣባሉ’ና) ዝኸይድ ዘሎ ዘተን ምቅርራብን እናሞጎስና ካብኡ ንላዕሊ ህዝብና ይሓተና ኣሎ። ክንስምዖ ናይ ግድን’ዩ። ንሱ ዝሓተና ዋሕስ ሃገርን ህዝብን ዝኾነ ፍትሕዊ ጽላል ናይ ኩሉ ደንበ ተቓዉሞ’ዩ። ኣብ እዚ ግዜ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ሙዃኑ ኩሉ ፍትሓዊ ዝርድኦ ዕማም’ዩ። ንሕና’ውን ብዘይቅድመ ኲነት እዚ ድልየት ህዝብና ክዕወት ተጊህና ክንሰርሕ ቓል ንኣቱ።

ኣብ መጠረሽታ እቲ ወጃሕጃሕ ናይ ገባቲ ኤርትራን ቐ/ሚ እትዮጵያን ዓፊሩ ዓፊሩ ዝግ ይብል ኣሎ። እዚ ዝግ ግን ብቓልሲ ዉጹዓት ዝመጸ’ዩ። ሕጂ’ውን ክንዛነ ይብልናን። ዓሰብ ኣብ ኢድ ዓረብ ኣቲያ ከም ድላዮም ይስዕሱዑላ ኣለዉ። እዚ ቑጹር ናይ ሰብ ሃብቲ ዓለም ዝኾነ ሰብን ጉጅሌኡን ነዛ ሃገር ሓደጋ’ዮም። ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን ትረክብ ኣብ ፍትሓዉን ዲሞክራስያዉን ቑዋማዉም መንግስቲ ጥራይ’ዩ። ነዚ ክንብቅዕ ዕርፊ ቓልሲ ኣጽኒዕና ተኸባቢርና ክሳብ ዓወት ንመርሽ። ዓወት ንሓርነታዊ ቓልስና!!!

ዘለኣለማዊ ክብሪ ንሱዉኣትና!!!

ሓደ መስከረም ናይ ወሎዶታት ክብሪ’ያ!!!

ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን-ኤርትራ/ሆደ Monday, 31 August, 2020