Written by: ዛራ ማና
Hits: 937

ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውድታት ኣብ ምዕባለ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ዘይስገሩ ወሰንቲ ኣዕኑድ’ዮም። ባህላውን ሃይማኖታውን ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ መጥመሪ ከምዘይብሉ ዕንጸይቲ’ዩ። ከመይ’ሲ ናተይ ዝብሎ ፍሉይ ማሕበራዊ ክብሪ ስለዘይብሉ። ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓት ምሕደራን ዘይብሉ ህዝቢ ብተመሳሳሊ ካበይ ተበጊሱ ናበይን ብኸመይን ከም ዝይኸድ ኣይፈልጥን። መሰረታዊ ናይ ህይወት መቐይሮ መንገዲ ገዲፉ፡ ኣብዘይመሰረታዊ ጉዳይ ሕድሕዱ እናተመናጨተ፡ ካብ ክብረት ናብ ሕስረትን ምብትታንን’ዩ ዝወርድ። ስለዚ ህዝቢ ዋላ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳሩ ኣወንታዊ ጎኒ ይሃልዎ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን እንተወዲቑ ኩሉ’ዩ ዝስእን። ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡን ምሕደራኡን ንቑሕን ብቑዕን ጎኒ ሃልይዎ፡ ዘተኣሳስሮ መለለዪ ማሕበራዊ ክብርታት ዘይብሉ ድኹም እንተኾይኑ’ውን ንድሕሪት ተመሊስካ ናይ ምውዳቕ ‘ምበር ንቕድሚት ናይ ምስጓም ዕድል የብሉን። ስለዚ ከኣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውድታት ኣብ ምዕባለ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ወሳኒ ግደ ዘለዎም፡ ክልተ ዝመስሉ ግን፡ ሓደ ብዘይትሓደ ናይ ምቕጽል ዕድል ዘይብሎም ተመጋገብቲ መትንታት’ዮም።

ካብ መግለጺ ማሕበራዊ ክብርታት ህዝቢ ሓደ ስርዓተ መውስቦ’ዩ። ማሕበራዊ መውስቦ ደቂ-ሰባት ንኣካለ መጠን ምስ በጽሑ ዝፍጸም ክቡር ናይ ህይወት ነጥቢ መቐይሮ’ዩ። ክልተ ተቓራኒ ጾታ ዘለዎም ሰባት፡ ብእምነትን ማሕላን ኣብ ሓደ ዝመጽእሉ፣ ወሊዶም ዝስዕምሉ፣ ኣዕብዮም ዝልእክሉ ኣብ ግዜ እርጋኖም ዝድገፍሉ፣ ሓድጊ ገዲፎም ዝሓልፍሉ፣ መሰረት ሕብረተ-ሰብን ሃገርን ዝኾነት ስድራ ቤት ትጣየሰሉ መድረኽ’ዩ። መውስቦ ክሳብ ክንድ’ዚ ርዝነት ዘለዎ ጉዳይ ብምዃኑ ከኣ፡ ብወሳኒ መልክዑ ብዘይ እኹል መጽናዕቲ፣ ብዘይግቡእ ምምኽኻር፣ ብዘይተሳተፎ ቀረባ ቤተዘመድን ፈተውትን ኣይፍጸምን። ኩሉ ነገር ብስርዓትን ኣገባብ ክኸይድ ስለ ዘለዎ፡ ማሕበራዊ መውስቦ ናቱ ዝኾነ ስርዓትን ኣገባብን ኣለዎ።

ከም ኣብነት ኣነ ኣብ ዝዓበኽሉን ብቕረባ ዝፈልጦን ስርዓተ መውስቦ ኣብ ባህሊ ብሄረ ትግርኛ፡ ሕቶ መውስቦ ብወገን እንዳ ወዲ’ዩ ዝጅምር። እንዳ ወዲ ዓይኒ ንዘውደቑላ ጓል ንምርካብ፡ ምስ ስድራ ቤት ጓል ቅርበት ዘለዎ፡ ነቲ ጉዳይ ብሓላፍነት ተቐቢሉ ኣብ ፍጻሜ ከብጸሖ ይኽእል’ዩ ዝበልዎ ሰብ ከም መማጽኢ ( መንጎኛ) ክኾኖም ይሓርዩን ምስኡ ይላዘቡን። መማጽኢ ፍቓደኛ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ገለ ዕንቅፋት ከየጋጥሞ ቅድመ ሕቶታት ብምቕራብ ዳህሳስ ይገብር። ኣብ መንጎኦም ናይ ስጋ ዝምድና ከይህሉ፣ ዝኽተልዎ ሃማኖታዊ እምነት ተመሳሳሊ ምዃኑን ዘይምዃኑን፣ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባ ዝብገስ ኣሉታዊ ርድኢት፣ መበገሲኡ መሰረታዊ ይኹን ዘይመሰረታዊ ጽልኢ ከይህሉ፣ ንሓዳር ትድለ ዘላ ጓል ግዳማዊ ተኽለ ሰብነታ (ጭጋረታ)፡ ውሽጣዊ ብስለት ኣተሓሳስባኣ፡ ኣዴታታ ወላዳት ምዃነንን ዘይምዃነንን፡ ጸባዋት ድየን ኣይኮናን፡ ምስ ወለዳ ብተኸታታሊ ዝመትወን ከይኾና፡ ...ወዘተ ዝብሉን ካልኦትን ሓቲቱ ዝረኸቦ መልሲ ሒዙ ተልእኾኡ ክፍጽም ናብ እንዳ ጓል ይኸይድ። ምኽንያት መምጺኢኡ ትሕትና ብዘለዎ ኣገባብ ይሕብር። ናታቶም መልሲ ድማ ይሰምዕ። ካብ እንዳ ጓል ዝረኸቦ መልሲ ሒዙ ናብ እንዳ ወዲ ይምለስ። ከም’ዚ ተባሂለ ኢሉ ከኣ ይነግር። ዝተረኽበ መልሲ ኣወንታዊ እንተደኣ ኮይኑ ኣሰይ ጉዳይ ሰለጠ። ኣይፋል እንተደኣ ኮይኑ ኣብኡ የብቅዕ። ኣብ መንጎ ምድላይን ዘይምድላይን ጠልጠል ዝበለ ዘይበሰለ ጉዳይ እንተኾይኑ ግን፡ መማጽኢ እቲ ጉዳይ ኣብ ፍጻሜ ክሳብ ዝበጽሕ፡ ካብ ናብ እናተመላለሰ ከብስሎ ይግበር። ኣብ ምሉእ ምርድዳእ ምስተበጽሐ ዕለተ ሌላን ህጸን ይተሓዝ። ድሕሪ ሕጸ ድማ ዕለተ መርዓ ይንጸር።

ቃል ኪዳን ብሰለስተ መሰረታዊ ረቓሒታት ይፍጸም። ብባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ዘመናዊ (መዘጋጃቤታዊ)። ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ክሳብ ሎሚ ኣብ ብሄረ ትግርኛን ኣመንቲ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያንን ዝግበር ስርዓተ መውስቦ፡ ብወሳኒ መልክዑ ባህላዊ ኮይኑ መጥመሪኡ ሓይማኖታዊ ስርዓት፡ ቃለ-እምነትን ማሕላን ማእከሉ ዝገበረ’ዩ። ቃል-ኪዳን ኣብ ዝእሰረሉ ብቁጠባዊ ዓቕሚ ድርቱነት ጽብብ ብዝበለ ወይ ብጭሉቕ እንተተፈጺሙ፡ ወለድን መቕርብን ናይ ክልቲኦም ተጻመድቲ ማለት፡ ብሽነኽ እንዳወድን እንዳ ጓልን፣ ናይ ሃማኖት ኣቦ፣ ዋሕስ ኣብ ዝተረኽብሉ ይፍጸም። ብዝሕ ዝበለ ዕዱም ኣብ ዝተረኽበሉ ሰፊሕ ዳስ ዝካየድ እንተኾይኑ ከኣ፡ ዕዱማት ብግልጺ ኣብ ዝዕዘብሉ፡ ክልቲኦም ወገናት ዝኣመንሎም ሓለቓ ዳስን ዋሕስን መዚዞም ኣብ ማእከል ዳስ ደው ክብሉ ይግበር፡፡ ሓለቓ ዳስ ንእንዳ ጓልን እንዳ ወድን በብተራ ኣቶ እከለ ዋሕስ ክኸውን ትቕበልዎ ዲኹም ኢሉ ይሓትት። ካብ ወለዲ ኣወንታዊ መልሲ ምስ ረኸበ፡ ንዋሓስ ንስኻኸ ብዘይኣድልዎ ዋሓስ ኮይንካ ከተገልግል ቅሩብ ዲኻ ኢሉ ይሓቶ። ድልውነቱ ምስ ገለጸሉ የምሕሎ። ቀጺሉ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሰብ ጉዳይ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ማእከል ዳስ ናብ’ዚ ዝስዕብ ጉዳይ የምርሕ።

ኣብ ግዜ ሕጸ እንዳ ወዲ ንእንዳ ጓል ዘበርከትዎ ብገንዘብ፡ ብጥሪት፡ ብዓይነት፡ ብጉልበት ተዘርዚሩ ይቕርብ። ኮታ እንዳ ጓል ዝሓተትዎን እንዳ ወዲ ዝመለስዎን ዘይመለስዎን ዝተኣትወ ቃል ዝተፈጸመን ዘይተፈጸመን ብወግዒ ይንገር። ቅሬታ ዘለዎ ቅሬታኡ የስምዕ። ቅሬታ እንተዘይሃልዩ ብምምስጋን ናብ ዝቕጽል ይሓልፍ። ንተጻመድቲ መውጽኢ ሓዳር ዝኸውን ካብ ክልቲኦም ወለዲ ማለት እንዳ ወድን እንዳ ጓልን ብማዕረ ወይ ብርዱእ ምኽንያት ክንድዚ ሂብና ኣለና ኢሎም በብወገኖም ይገልጹ። ሓለቓ ዳስ ዕልልል እናበለ እንዳ ክስቶ ከም’ዚ ኢሎም፡ እንዳ ክስቶ ድማ ከም’ዚ ኢሎም ኢሉ ንዕዱማት ይሕብር። ዋሕስ ቃልኩም ዲዩ ብተግባር ትፍጽምዎ ዲኹም ኢሉ ይሓትት። ወለዲ እወ ቃልና’ዩ፡ እግዝኣብሄር ከኣ ቃልና ኣየጥለመና ይብሉ። ስርዓተ ቃል ኪዳን ይቕጽል። መራሒ ሃይማኖት መርዓትን መርዓውን ከይጠልመኪ፡ ከይጠልመካ እግዝኣብሄር ይጥለመኒ ኢሎም ቃላ ማሕላ ክፍጽሙ ይግበር። መስርሕ መውስቦን ቃል-ኪዳንን ድማ በዚ ኣገባብ ይዛዘም።

በዚ ኣገባብ’ዚ ዝሓለፈ ማሕበራዊ ጽምዶ ወይ ስርዓተ መውስቦ እቲ ዝበዝሕ ዕውት’ዩ። ስለምንታይ ዕውት ይኸውን? 1. ብቕኑዕ ሕልና ስለ ዝብገስ። 2. ሕግን ስርዓትን ስለ ዝተኸተለ። 3. ኣብ ሓቀኛ ድሌትን ግቡእ መጽናዕትን ስለ ዝምስረት፡፡ 4. ብኹሎም ቅቡላት ዝኾኑ ኣውሓስቲ ኣካላት ስለ ዘሳትፍ። 5. ብእነተ ማእከላይ ዳኛ (ዋሕስ) ብዘለዎ ዝፍጠር ጽምዶ ብምዃኑ ንክፈርስ ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ይገብሮ። ዘፍርስ ነገር እንተኣጋጢሙ ከኣ፡ ከም ኣመሰራርታኡ ግልጽነት፣ ምኽንያታውን ሕጋውን ስርዓት ብዘለዎ ኣገባብ ስለ ዝፍጸም ዘሰሓሕብ ኣይከውንን። ሰብ ጉዳይ ቃል ኪዳኖም ካብ ምቁራጽን ዝኣተውዎ ማሕላ ብምዕጻፎም ካብ ዝፈጥረሎም ናይ ሕልና ቁስልን ወጻኢ በትሪ እናወጣወጡ ናብ ሓዞ ትሰዶ ኣየምርሑን። ኣይበኣሱን። ዝረገጽካዮ ኣይረግጸኒ ኣይበሃሉን። ትማሊ ከም’ዚ ዝበልካ ዝገበርካ ኢሎም ነቲ ብሓባር ዘሕለፍዎ ሕጉስ ህይወት ኣይድምስስዎን። ሓቢርና ክንቅጽል ወይ ንሕና ኣይነፋዕናን ወይ ድማ እግዝኣብሄር ኣይፈቐደን ኢሎም ብሰላም ይፈላለዩ። ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ድማ ይበጻጽሑ። እዚ’ዩ ንቕሓት። እዚ’ዩ ልቦናዊ ብስለትን ሓላፍነታዊ ምሕደራን ዝበሃል።

ገለ ንኡስ ፍልልይ ክህልዎ ይኽእል እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ ዝግበር ስርዓተ መውስቦ ዳርጋ ሓደ ወይ ተመሳሳሊ’ዩ። ንስርዓተ መውስቦ ዝወሃቦ ትኹረት፡ ኣገባብ ኣጀማምራኡን ኣፈጻጽማኡን፡ ግልጽነት፣ ፍቓደኝነት፣ ሕጋውነት፣ ባህላውን ሃይማኖታውን መምርሒታት መሰረት ገይሩ፣ መንጎኛን መሰኻኽርን ኣብ ዘለውዎ ብሓላፍነት ተጀሚሩ፡ ብሓላፍነት’ዩ ዝፍጸም። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ስልጡን ማሕበራዊ ስርዓትን ምትእስሳርን ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መዳይ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ኣስታት ን80 ዓመታት ካብ ዘረባ ዝሓልፍ ዝጭበጥ ፍረ ከመዝግብ ዘይምኽኣሉ የገርምን የሕፍርን። ንሓቀኛ ምሕዝነትን ሓድነትን ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ህዝቢ ዘሎ ኣወንታዊ ባህጊ፡ ነዚ ክውን ንምግባር ዝተኸፍለ መስዋእቲ ደቂ-ህዝብን የሕዝን። ኣብ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ሕሜታ፡ ጸለመ፡ ደማዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ተኣሊኽካ ምንባር ናይ ውርደት ውርደት’ዩ። ናይ’ዚ ጠንቂ መን’ዩ? ህዝቢ? ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ወድዓዊ ኩነታት? ወይስ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት? ሓደ ብሓደ ንርኣዮ።

ቀዳማይ ግደ ህዝቢ፡- ብሃገር ደረጃ ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክንግስ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ስነ-ሓሳባዊ ንጹርነት ዝተመሰረተ ሓቀኛ ምሕዝነትን ሓድነትን ክረጋገጽ ኣለዎ። ሓቀኛ ምሕዝነትን ሓድነት ኣብ ምምጻእ ህዝቢ ናቱ ተራ ከም ዘለዎ ድማ ኣየተሓትትን። ህዝቢ ከም ህዝቢ ኩሉ ኣባል ፖለቲካዊ ውድባት ክኸውን ስለ ዘይኽእል ግን፡ ስለምንታይ ናቱ ትርጉም ዘለዎ ኣወንታዊ ድፍኢት ዘይገበረ ካብ ምባል ሓሊፍካ፡ መሊእካ ብጠንቅነት ክትከሶ ኣይክኣልን። ብጠንቅነት ኣይከሰስ ‘ምበር ነጻ ግን ኣይኮነን። ህዝቢ ከም ህዝቢ ዘልዕሎ ኣሉታዊ ግደ ኣለዎ’ዩ። ጉድለት ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝመበገሲኡ ካብ ፖለቲካዊ መትከላትን ሕግን ወጻኢ ዝግለጽ የዋህ ደገፍን ኣረኣእያን። ውሑዳት ዘይኮኑ ኤርትራውያን ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ናብ ዕሽነት ዝዘንበለ የዋህ ኣተሓሓዛ’ዩ ዘለዎም። እቲ ኣብ ስርዓተ መውስቦ ከም ኣብነት ዝተገልጸ ኣወንታዊ ክብርታት ዝውንን ህዝቢ ብምዃኑ ግን ሓበን’ዩ። ኣብ’ቲ ብሃገር ደረጃ ተፈጢሩ ፖለቲካዊ ዝርገተ ሓሳብ ናቱ ዝተወሰነ ኣሉታዊ ተራ ከም ዘለዎ ምቕማጥ ከኣ ቅኑዕ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ከይተጋነነ ሃማኖተኛ’ዩ። ስርዓተ ሃይማኖቱ ተኸቲሉ ዝኸይድ’ዩ። ፈሪሓ እግዝኣብሄር ዘለዎ’ዩ። ኣብ በበይኑ ከባቢታት ይኹን ‘ምበር፡ ብወሳኒ መልክዑ ብፍትሓውን ደሞክራስያውን ትሕዝቶኡ ዝፍለጥ ዝተጻሕፈ ያታዊ መማሓደሪ ሕግታት ዝነበሮ ህዝቢ’ዩ። ህርኩትን ተደጋጋፍን ‘ምበር ተጸባይን ተነጻጻግን ባህሪ የብሉን። ንገዛእቲ ዘይምብርከኽ ኣላሽ ዘይብል ሓርበኛ ህዝቢ ምዃኑ ብተግባር ዘመስከረ ተቓላሳይ ህዝቢ’ዩ። ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ ብመን ሕራይ ግንባሩ ንዓረር ክህብ ዝቀዳዳም ብተወፋይነቱ ዘኹርዕ ትውልዲ ዘፍረየ ህዝቢ ክንሱ፡ ኣብ ፖለቲካን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ዝፈሸለሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ ስለ ዘጉደለ ወይ እንታይ መዕዘሚ ስለ ዝተግብረሉ’ዩ? ጉድለቱ ካብ ክፋእ ዘይኮነ ብባህሪኡ ንነገራት ብቕንዕናን የዋህነትን ስለ ዝቕበል’ዩ። ኣብ ፖለቲካ ቅንዕናን የዋህነትን ብንጹር መትከላዊ እምነትን ሕጋዊ ተሓታትነትን እንተዘይተደጊፉ መፍቶ ውሑዳት ተበለጽቲ’ዩ ዝገብረካ። ኮይኑ ዘሎ ከኣ ንሱ’ዩ።

ካብ ኣብራኹ ዝወጽኡ፡ ብቋንቋኡን ወጽዓኡን ዝዛረቡ ውሑዳት ክርዳድ፡ ባርኖስን ሓዊ ዓይና ንቅንዕናኡን የዋህነቱን ተበሊጾም ሜላ እናቐያየሩ ይጻወትሉ ስለ ዝነበሩን ዘለውን’ዩ። “ ቆርበት ተበላሽያ ኣብ ምንታይ ኣብ ምስጣሓ ኣየምስጠሓን ኣብ ምጥበሓ” ከም ዝተባህለ፡ ካብ መጀመርያ ምሉእ ፖለቲካዊ ንቕሓት ወኒኑ ብርእሰ ምትእምማን ክወሳእ ስለዘይተደልየ፡ ምሉእ ዕድሜኡ ኣብ ዕለታውን ወተሃደራውን ኩነታት ጥራሕ ክጽመድ’ዩ ተፈሪዱ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ንጹር ህዝባዊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመርን ኣረኣእያን እከለ’ኮ ዝተማህረ’ዩ። እከለ’ኮ ገዲም ተጋዳላይ’ዩ። እከለ’ኮ ወዲ ዓድና ወዲ ሃይማኖትና’ዩ ብዝብል ኣብ ውልቀ ሰባት ምሉእ እምነት ምሕዳሩ ሓደ ካብ ድኽመቱ’ዩ ዝብል ሚዛን ኣለኒ። ኣብ ወልቀ ሰባት፡ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ መንግስቲ እምነት ምሕዳር ከም ዘለዎ ዝኹነን ኣይኮነን። እምነት ምሕዳር ሓደ ካብ’ቲ ስሩት ክብርታትና ስለ ዝኾነ ክተባባዕ ‘ምበር ክጎድም የብሉን። እቲ ሕቶ ክትኣምን እንከለኻ ንመን ትኣምን? ብኸመይ ትኣምን? ስለምንታይ ትኣምን? እንተተኻሓድካ’ኸ እንታይ መቆጻጸሪ ኣለካ? ንዝብል መልሲ ዝህብ እምነት ክኸውን ኣለዎ። ብፍላይ ንህይወት ብዙሓት ኣብ ዝምልከት ፖለቲካዊ ዛዕባ፡ ሕጋዊ  መቆጻጸሪ ዘይብሉ እምነት፡ ፖለቲካዊ ነብሰ ቕትለት ‘ምበር ተራ የዋህነት ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ኣብ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሃገር ከደን ፖለቲካዊ ዝርገተ ሓሳብ ብየዋህነት ኣሉታዊ ተራ ከም ዝተጻወተን ዛጊት’ውን ይጻወት ከም ዘሎን ብልክዑ ዕዳኡ ክስከም ይግባእ።

ካልኣይ ወድዓዊ ኩነታት፡- ሓቀኛ ምሕዝነትን ሓድነት ፖለቲካዊ ውድባት ከይግበር ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ወድዓዊ ጸቕጢ ስለ ዘሎ ( ኢድ ምትእትታው) ስለ ዝግበር’ዩ ዝብሉ ወገናት ዝምልከት፡- ትማሊ ኣብ ትሕቲ ግዳማዊ መግዛእቲ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ መግዛእቲ ከም ዘለና፡ ተቓሊስና ድማ ሓራ ክንወጽእ ኣለና ንዝብል ካብ ፖለቲካዊ ድሕረት ነጻ ዝኾነ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ውድብ ውድዓዊ ኩነታት ግዝያዊ ኣሉታዊ ጽልዋ ክፈጥረሉ ይኽእል ይኸውን። ካብ 40ታት ዝተበገሰ ሕቶ ምሕዝነትን ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ክሳብ ሎሚ፡ ምምሕዳር ወይ ምፍታሕ ክስእን ግን ባዕላዊ ‘ምበር ወድዓዊ ጸቕጢ ( ኢድ ኣእታውነት) ክኸውን ከቶ ኣይክእልን። ሓቂ’ዩ ዝተፈላለየ ረብሓታት ዘለዎም ግዳማውያን ሓይልታት ንዓና ምሰሉ ብዝበልናኩም ኪዱ ዝብል ጸቕጢ ክፈጥሩ፡ መእተዊ ቀዳድ እንተረኺቦም፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ኣትዮም ነገራት ክሓማዝቑ ኣይፍትኑን ማለት ኣይኮነን። ክፍትኑ ይኽእሉ’ዮም። ኢድ ኣእታውነት ግን ማዕጾኻ ሰቢሩ ዝኣቱ ቀጥታዊ መግዛእቲ ማለት ኣይኮነን። ኢድ ኣእታውነት ከም ትዃን ባዕላኻ ኣብ ዝፈጠርካዮ ነኻዕ ኮይኑ’ዩ ዘጽነዐካን ሓዊ ዘእትወልካን። ከም’ቲ “ሰብኣይን ሰበይትን ዝተባእስሉ መኣዲ ፍጠረለይ” ዝበሃል ምስላ፡ ንውሽጣዊ ዘይሓድነትካን ዘይፖለቲካዊ ብቕዓትካን ተኸታቲሉ’ዩ ዝኣቱ። እዚ ከኣ ባዕላዊ ድኽመት ‘ምበር ወድዓዊ ተጽዕኖ ኣይኮነን። ባዕልኻ ጎቲትካ ዘምጻእካዮ ግዳማዊ ኢድ ኣእታውነት ኣካል ኣምሳል ጠንቂ ናይ ዝርገተ ፖለቲካዊ ሓሳብ ኣምሲልካ ከተቕርቦ፡ ነብስኻ ካብ ምትላል ወጻኢ ቅቡልነት የብሉን። ውሽጣዊ ድኽመትካ ኣለሊኻን ተቐቢልካን ንምፍዋሱ ኣብ ክንዲ ምጽዓት፡ ንካልእ ሓይሊ ከተሰክም ምፍታን ድርብ ሞት’ዩ።

ሳልሳይ ፖለቲካዊ ውድባት፡- ኤርትራዊ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ካብ ዝተጀመረሉ 40ታት ኣድላይነት ምሕዝነትን ሓድነት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዕዙዝ ነይሩ። ብሓሳብ ደረጃ ድማ ብዙሕ ይዝረበሉ ነይሩ። ግብራዊ ግን ኣይኮነን። ኣብ ግዜ ፈደሬሽን ወይ ዓደይ ዓደይ ኣድላይነት ነይርዎ። ጠለብ ምሕዝነትን ሓድነት ኣብ ተሓኤ ነይሩ። ኣብ ህግሓኤ ነይሩ። ካብ ተሓኤን ህግሓኤን ዝተፈንጨላ ኮነ ብድሕሪአን ኣብ ዝተወልዳ ፖለቲካዊ ውድባት ነይሩን ዛጊት’ውን ኣሎን። ካብ ናይ ልሳንን ወረቐትን መግለጺ ሓሊፉ ትርጉም ብዘለዎ ኣገባብ ኣብ ባይታ ክትርጎም ግን ኣይተራእየን። ምኽንያቱ፡ 1. ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ብሓፈሻ፡ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብፍላይ ቅንዕና ስለ ዝጠፍአ። 2. ብግቡእ ቅድመ መጽናዕትን ፍቓደኝነትን ስለ ዘይብገስ። 3. ህዝባዊ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓት ምሕደራን ስለ ዘይተወነነ። 4. ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ፍልልይ ኣበይን ብኸመይን ብፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ብባህርን ተግባርን ተነጺሩ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ስለ ዘይምዘን። 5. ህዝቢ ወይ ኣባል ከየሳተፈ ብመራሕቲ ውድባት ተጀሚሩ፡ ብመራሕቲ ውድባት ስለ ዝፈርስ። 6. ተሰማዕነት ዘለዎም ኣውሓስቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ስለ ዘይፍጸም። ካብ ክሳብ እቲ መስርሕ ብምልኡ ብጽሑፍ፡ ብምስልን ድምጽን ተሰኒዱ ስለዘይተሓዝ። 7. ቅድሚ ድሕነትን ክብረትን ብተናጸል ኤርትራዊ ዜጋ፡ ብእኩብ ኤርትራዊ ህዝቢ፡ ሃገር ዝብል ሸፋጢ መደናገሪ ፖለቲካዊ ዕጥቂ ከም ማእከላይ መሰማምዒ ነጥቢ ስለ ዝውሰድ። 8. ህዝባዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ሓባራዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ዘይኮነ፡ ጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ሕሳባት ሰሪዕካ መን ላዕለዋይ ኢድ ሓዘ ኣዝዩ ድሑር ፖለቲካዊ ውድድር ስለ ዝነበረን ዘሎን፣ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ሕማም ኤርትራ ዝፍውስ ሓቀኛ ምሕዝነታዊ ሰፊሕ ግንባር መስሪትካ ብሓባር ንምቅላስ፡ ወይ ካብ ሓቀኛ ናይ ዕላማ ምትእምማን ዝተወልደ ምሉእ፡ ግሉጹን ሕጋውን ሓድነት ገይርካ ተስፋን ደጀንን ህዝቢ ንምዃን ኣይተበቕዐን። ምሕዝነትን ሓድነትን ናይ ዘይምዕዋት መሰረታዊ ጠንቂ ‘ምበኣር፡ እዚ ተስፋን ደጀንን ህዝቢ ክኸውን ዘይበቕዐ ፖለቲካዊ ውድባትን መሪሕነቱን ባዕሉ ምዃኑ ብዘይማትእ ክፍለጥ ይግባእ። “ካብ ዝቐደመ ዝደሓረ ገደደ” ከም ዝተባህለ፡ ፖለቲካዊ ውድባትን መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ኤርትራ ኣብ ሓቀኛ ፖለቲካዊ መትከላዊ እምነት፡ ግልጽነትን ሕጋውነት ዝተመሰረተ ምሕዝነትን ሓድነትን ዘይምግባሮም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ግዜ ፍትሕ ዘርእይዎ ሚዛኑ ዝወረደ ድሑር ኣገባብ፡ ያኢ መንፈዓት ተረኺቡስ ዘስምዕዎ ዝተገብረን ዘይተገብረን ሕድሕድ ምጽልላምን ነብስኻ ዘንዕቕ’ዩ።

ክንዲ ዝኾነ ህዝባዊ ወጽዓን ህዝባዊ ቁጠዐን ይሃሉ፡ ብዘይ ፖለቲካዊ ውድብን ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝዕወት ቃልሲ የለን። ፖለቲካዊ ውድብን ፖለቲካዊ መሪሕነትን ክበሃል እንከሎ ግን፡ ሰባት ስለ ዝተኣከቡ፡ ውድብ ኢና ኢሎም ስለ ዝኣወጁ ዘይኮነስ፡ ባህሪ፡ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፡ ስትራተጂ፡ ማሕበራዊ መሰረቱ ዝተነጸረ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ትማሊ ኣንጻር ስርዓት ደርግ፡ ሎሚ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ጥራሕ ዘትከለ ፖለቲካዊ መውስቦ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን። ብንግበር ንግበር ፈተነ ምሕዝነትን ሓድነትን ብሕቡእ ተጠኒሱ ብሕቡእ ካብ ምፍራስ ወጻኢ ዘምጸኦ ለውጢ ኣይህሉን። ፖለቲካዊ መርገጽ ኣይሕባእን። ንፖለቲካዊ ውድባት ካብ ፖለቲካዊ መትከላት ወጻኢ መዋሰቢ ምኽንያት የለን። ህዝቢ ዘይፈልጦ፡ ዘይቆጻጸሮን ሕጋዊ ተሓታትነት ዘይብሉን ፖለቲካዊ መውስቦ ኣብ ሳልስቲ ናይ ስምምዕ ክፈርስ ከኣ ባህሪያዊ’ዩ። ክሳብ ሎሚ ተገይሮም ዝተባህሉ ምሕዝነታዊ ግንባራት ኣይሰመሩን። ተገይሮም ዝተባህሉ ሓድነታት’ውን ሓድነቶም ሓቂቦም ነዊሕ ክጎዓዙ ኣይተራእዩን። ንብሕጂ ይግበሩ ኣለዎ ዝበሃሉ ዝተፈላለዩ ምሕዝነታዊ ግንባራት ኮነ ሓድነታዊ ምጽንባራት ካብ ዝሓለፈ ዝሓሹን ዘተኣማምኑን ምዃኖም፡ ዝተፈልየ ናይ ባህሪ፡ መርገጽን ተግባራዊ ድልውነትን መተኣማመኒ የለን። ስለምንታይ ብዕላማ ብመስመር ምቅርራብ ይድለ ስለ ዘየለ። ኣብ ጸረ-ጉጅለ ህግደፍን ጸረ-ህዝቢ ትካላቱን ተመሳሳሊ ንባብን መርገጽን ዘየሎ ክንሱ፡ ፍልልይ ኣይተስምዑና፡ ህግደፍ ጸላኢ ኩሉ’ዩ፡ ጸረ-ህግደፍ ምሕዝነታዊ ሰፊሕ ግንባር ዘይኮነ፡ ፍጹም ሓድነት ንግባር ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ፡ ካብ ስነ-ፍልጠታዊ ፖለቲካዊ ግንባራዊ መቖሚያታት ዝወጽአ ብምዃኑ ርሑቕ ከምዘይስጉም ንምርዳእ ኣየጸግምን። ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝዋስኡ ዘለው ፖለቲካዊ ውድባትን ፖለቲካዊ መሪሕነትን ኤርትራ ንኹሎም ብሓደ ሚዛን ብኣሉታ ምዂናን’ኳ ቅኑዕ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ፣ ኣብ ውግንና ህዝቢ፣ ኣብ ሓቀኛ ምሕዝነትን ሓድነትን ዘለዎም ርድኢት ግሉጽ ኣይኮነን። መግለጺ ውሽጣዊ ባህሪኦም ዝኾነ ኣብ ባይታ ዘሎ ተግባሮም ከኣ መረጋገጺ’ዩ። በዚ መንጽር ኤርትራውያን ብማሕበራዊ ክብርታትና ክንሕበን፡ ብፖለቲካዊ ኣገንዝቦናን ብቕዓትን ምሕደራናን ከኣ ክንሓፍር ይግባእ።

                                                    ካብ ዛራ ማና

                                                   23-09-2020