ኣገዳሲ መጸዋዕታ ንተቐማጦ ኮሎምቦስን (ኦሃዮ) ከባቢኣን።
ንኹሉኹም ኣብ ኮሎምቦስን ከባቢኣን ትርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን። ኣብ`ዚ ኣዋን`ዚ
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ናይ ገዛእቱ ርእይዎን ሰሚዕዎን ዘይፈልጥ ዓይነት ቅዝፈትን
መከራን ብስርዓት ህግዲፍ ክወርዶን ክሳቐን ፡ ተዓዘብቲ ክንከውን
ሕልናና ክቕበሎ ስለዘይክእልን፡ ከምቲ በብከተምኡ ዕድመን ጾታን ከይፈላለየ፡ ብፍላይ ግን
መንእሰያት፡ ንስርዓት ህግዲፍ ኣውዲቕካ ናይ ህዝቢ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል
ዝካየድ ዘሎ ምርብራብ፡ንሕና`ውን ኣብ ኮሎምቦስ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ
ለውጢ ጨንፈር ንምቛም፡ ዶክ. ኣፈወርቂ ጳውሎስ ኣ/ወ ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ሰሜን
ኣመሪካ፡ናይ ህዝቢ ኣኼባ ከካይድ ስለዝዀነ፡ ኩሉ ግዱስ ተቓዋማይ ወዲ ሃገር ሰንበት
ዕለት 6-24-12 ሰዓት 1፡00 ድ.ቀ. ኣብ ናይ ሂል ቶፕ ቤት ንባብ ( መትሮፖሊታን
ላይብረሪ) ኣብ 511 south hague ave, Columbus , ohio 43204 ክርከብ ነተሓሳስብ።
ካብ ግዱሳት ተቓወምቲ ኤርትራውያን
ኮሎምቦስ ኦሃዮ
6-6-12




