ዕዱም ጋሻና ብመጀመሪያ ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዘለካ ርእይቶ ንከተካፍለና
ንዘቕረብናልካ ዕድማ ብኣወንታ ተቐቢልካ ብምምጻእካ ብስም ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራን ክቡራት ሰማዕትናን ኣመስገናካ። ብምቕጻ፡-
ሕቶ፡ ምሉእ ስማካ ሓጺር ናይ ቃልሲ ድሕረ-ባይታኻን ሕጂ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለኻን ንሰማዕትና እንተትገልጸልና?
መልሲ፡- ብቐዳምነት ንኣሰናዳእቲ ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ነዚ ዕድል’ዚ ስለ ዝሃብኩሙኒ የመስግን። ስመይ መኮነን ተኽለ ይበሃል። ናይ ቃልሲ ድሕረ ባይታይ ብዝምልከት፡ ወዲ 17 ዓመት ምስ ኮንኩ ኣብ’ቲ ንሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፈ። ኣብ ሱዳን ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ተወዲበ ይሰርሕ ነይረ። ካብ ሱዳን ናብ ማእከላይ ምብራቕ ተሰዲደ፡ ስደትን ሃገራዊ ግቡእን ኣጠዓዒመ ድማ ሓደ ዜጋ ክገብሮ ዘለዎ ግቡኣት እንዳማላእኩ ኣብ ዝተፈላለያ ሕብረ- ብሄራውያን ውድባት ተወዲበ ቃልሰይ ቀጺለ። እቲ ካብ ወዲ 17 ዓመት ኮይነ ዝኣተኽዎ ሃገራዊ ቃልሲ መግዛእቲ ኣልጊሱ ሕቶ ሃገራዊ ነጻነት ተመሊሱ ኢለ ደው ኣይበልኩን። እቶም ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ኣንጊሁ ዝወፈረሎም መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት፡ በዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ብስመ ሃገራዊ ነጻነት ጥራሕ ኣንፈቱ ጠምዚዙ ብዘይ ሕጋውን ተሳትፎ ህዝብን ንዕኡ ብዝጥዕሞ መንገዲ ክወስዶ ምስ ጀመረ፡ ከም ኩሎም’ቶም እዚ ህዝባዊ ግንባር /ህግደፍ ዝምረሓሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣንፈት ኣገላሊ ድሌት ሓደ ሰልፋዊ ልዕልነት ዘረጋግጽ፡ ንሓርነታዊ መሰላት ህዝቢ ዝጉዕጽጽ ከቢድ ሓደጋ ዝሓቖፈ ምዃኑ ብኣጋ ተገንዚቦም ዝቃለሱ ዝነበሩን ዘለው ክነጥፍ ጸኒሐ። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ድማ ኣባል ኣመራርሓ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ-ብሌን ኮይነ ይቃለስ ኣለኹ። ከምኡ’ውን ንውድበይ ብምውካል ካብ ዓመተ 2011 ጀሚረ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኮይነ ይዋሳእ ኣለኹ።
ሕቶ፡- ሕራይ ዝኸበርካ ብ/መኮነን ተኽለ፡ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ኩነታት ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣብ ከመይ ከም ዝርከብዶ መብራህካልና?
መልሲ፡- እወ ብቐንዱ ክረአ ዘለዎ ጠላባት ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ደርግ እንታይ ነይሩ ዝብል ምርኣይ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ። ህዝብታት ኤርትራ ኣስታት ንሓደ ክፈለ ዘመን ዝኸውን ግዜ ኩሉ መሰላቱ ተገፊፉ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ተበራረይቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ይነብር ስለዘነበረ፡ ስርዓት ደርግ ፈሪሱ ሃገራዊ ነጻነት ክውን ምስ ኮነ ብቐጥታ ሕቶ ሰላም፣ ሕቶ ደሞክራሲ፣ ሕቶ ፍትሒ፣ ሕቶ ደሞክራስያዊ ህዝባዊ ምሕደራ፣ ሕቶ ልምዓት፡ ብግቡእ ተመሊስሉ ርጉእ ሂወት እንዳመርሐ ብመንገዲ ምዕባለ ንቕድሚት ክምርሽ፡ ብኲናት ዝዓነወት ሃገሩ ተደጋጊፉ ክሃንጽ፡ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብታትን’ውን ኣብ ግሉጽ ሕድሕድ ምክብባር ዝተሰረተ፡ ሓበራዊ ናይ ሰላም ደሞክራስን ልምዓትን ስምምዓት ገይሩ ተኸባቢሩ ክዓቢ’ዩ ነይሩ። መንግስቲ ህግደፍ ብተግባር ሒዝሉ ዝመጸ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ኣሳታፊ ዘይኮነ ፖለቲካ ማለት ናይ ምጽሓፍ፣ ኣብ ዝመሰሎ ከይውደብ፣ ብኣኼባ ድዩ ብመልክዕ ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ደገፉን ተቓውሞኡን ዘስመዓሉ ክፉትን ሕጋውን ዕድላት ክይህሉ ዝግብር ኣግላሊ ምሕደራ ኣተኣታትዩ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ መዳይ ቁጠባ እንተመጺእና’ውን እዚ ዓማጺ ጉጅለ ኢደ-ወነናዊ ስልጣን ካብ ዝተቖጻጸረሉ ክሳብ ሎሚ ንህዝባዊ ረብሓታት ማእከል ዝገበረ ቁጠባዊ ፖሊሲ ቀሪጹ ኣይፈልጥን። ኩሉ’ቲ ብዛዕባ ዳግመ ህንጻ ሃገር፣ መደብ ነብስኻ ምኽኣል፣ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ፣ ቁጠባዊ ዋዕላን ካልእን ምስምስ ብምግባር ብስመ ህዝብን ሃገርን ተኸዊሉ ኣውጺአዮ ዝብሎ መደባትን ኣብ ባይታ ዘየለ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዘንበድብዶ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓሳትን ካብ ክሳብ ማእከሉ ውልቃውን ጉጅላውን ረብሕኡን ቀጻልነት ጉጅላዊ ስልጣኑን ቀዳምነት ዝሰርዐ’ዩ።
ኣብ ህዝብና ካብ ቀደም ኣትሒዙ ሓደ ልሙድ “ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ” ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። ከቢድ መስዋእቲ ከፊልካ ግዳማዊ ጸላኢ ኣባሪርካ ምዩቕ ዘይትብለላ ናይ ብሓቂ ሓዳስ ህዝባዊ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ተሃኒጻ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ፖለቲካዊ ባይታ ክፍጠር ነይርዎ። ህግደፍ ግን በቲ ንሱ ዝደልዮ ቀይስዎ። ህግደፋውያን ብሃብቲ ጉልበትን ሂወትን ህዝቢ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ገዛኢ ደርቢ’ዮም ተሰጋጊሮም። ህዝቢ ሓሪሱን ነጊዱን ርእሱ ክኽእል፡ ካልኦት ኣውፈርቲ ኣብ’ታ ሃገር ኣትዮም ውሕስነት ረኺቦም ርእሰማሎም ከፍስሱ ዕድል ዝኸፍትን ባይታ ኣይፈጠረን። ናይ ገዛእ ርእሱ ኩባኒያታት ንግዲ ኣጣይሱ፡ መጋበሪያታት ዝኾኑ ውሑዳት ኣኻኺቡን ነዚኦቶም ብዝገልግል መልክዑ ቀይሱ’ዩ ዝሰርሓሉ ዘሎ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፡ ንውሽጣዊ ኩነታትና ዘገናዘበ ንዓቕሚ ድሌትን ረብሓን ህዝብና ብዝጠቕም ምስ ጎረባብትን ዓለም ተሳንዩ ዝኸይድ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ቀሪጹ ኣብ ክንዲ ዝብገስ፡ ካብ’ቲ ጸረ-ህዝቢ ባህሪኡ ዝነቅል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘርኣዮ ጨፍላቕን ገባትን ኣካይዳ፡ ኣብ ልዕሊ ጎረባብትና ከንጸባርቖ ጀሚሩ። ኣብ ልዕሊ ከም በዓል ሓድነት ኣፍሪቃ ( ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪቃ) ዝኣመሰሉ ኣህጉራዊ ውድባት ዝተኸተሎ ኣገባብ፡ ንኣካይድኡ ምኽንያት ብምግባር ይትረፍዶ ሓደ ንሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል መንግስቲ፡ ኣብ እዳሻሂ ኮይኖም ካብ ዘዕልሉ ተራ ሰባት’ውን ክወጽእ ዘይትጽበዮ ጽዩፍ መግለጺታት፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ዝነበሮ ዕርቃኑ ዝወጸ ድኽነት ዝግለጸሉ’ዩ። ህግደፍ ከም መንግስቲ ረብሓ ህዝቢ ማእከል ገይሩ ህዝቢ ብዝፈልጦ ግሉጽ ሓባራዊ ስምምዓት መሰረት ዝገበረ ስጡም ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝገበረላ ሃገር ወይ መንግስቲ ዛጊት ኣይተራእየልን። ንውልቃዊ ረብሕኡ ክብል እንሓንሳእ ብስውር በለጽ፡ ዝበዝሕ ግዜ ድማ ብጎነጽን ምትህልላኽን ዝፍለጥ ዝምድናታት ደኣምበር ካብ ህዝባዊ ረብሓ ተበጊሱ ህዝባዊ ጠቕሚ ዘረጋገጸ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክገብር ብርግጽ ኣይተራእየን። ክሳብ ኣብ መቓብር ዝኣቱ ከኣ ብኽምዚ ዘለዎ’ዩ ክቕጽሎ ዝብል እምነት ኣለኒ።
ሕቶ፡- ኣብ ጸጥታዊ ማሕበራውን ባህላውን መዳያት’ከ እንታይ ክትብለና ትኽእል?
መልሲ፡- ኣብ’ዚ መዳያት’ዚ ብዙሕ ኣዝዩ ብዙሕ ክበሃል ይከኣል’ዩ ግን በዚ ሓጺር ናይ ረድዮ መደብ ኣቢልካ ብሰፊሑ ንምግላጽ ዝከኣል ኣይመስለንን። ገለ ነገራት ግን ክንተናኽፍ። ናይ ጸጥታ መሓውራቱ ዝበሃሉ ዝተፈላለየ ኣስማትን ኣቋውማን ዘለዎም ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም። ንህዝቢ ኣእሚኑ ዘይኮነ ሰጥ-ለበጥ ኣቢሉ ኣምበርኪኹ ናይ ምግዛእ ሕልሙ ተግባራዊ ንምግባር፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዝጸፈዮም ንኸብዶም ዝሓደሩ ትካላት ጸጥታን ስለያን’ዮም እቶም ንሱ ከም መድሕን ስልጣኑ ዝተኣማመነሎም። ንሳቶም ህዝቢ ክሳብ ኣብ መኣዲ ስድራ ቤት እንታይ ይበሃል ኣሎ ብምጽንጻን ክሳብ’ውን ብጥርጠራ ኣብ ክትወጽኣሉ ዘይትኽእል፡ ቤተሰብካ ብሂወት ኣለኻ የለኻን ከረጋግጽሉ ዝኽእሉ ዕድል ዘይህብ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስቅያታዊ መግረፍቲ ዝፍጽም ጨካን ብተግባራቱ ዘይሕተት መሓውራት ኣተኣታትዩ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣካይዳ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንኮላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተዋፊሮም ዘካይድዎ ዘለው’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ባህላውን ማሕበራውን ኩነታቱ እንታይ ይመስል ንዝብል፡ ብመጀመሪያ ጥዑይ ተሓታትነት ዘለዎ፡ ንቕድሚት ሓደ ድልዱል ተካኢ ወለዶ ንምህናጽ ዓሊሙ ዝተቕርጸ ስርዓተ ትምህርትን ናይ ምምሃር ዕድላትን የለን። ናይ ሃይማኖት ነጻነት የለን። ንተራ ዓበይቲ ወይ ወለዲ ኣብ ምእላይ ጥዑይ ስድራ ቤት ዝነበረ ዝብሕጉግ ደኣምበር ዘተባብዕ ኣይኮነን።
ብገለ ኣጋጣሚታት ናይ ምምሃር ዕድል ዘጋጦሞም ዜጋታት’ውን ተገዲዶም ኣብ ወተሃደራዊ መሳርዕ ክኸዱን ኣገልገልቱን ክኾኑ ደኣምበር፡ ብነጻነት ዝመስሎም ዝገልጽሉን ዝሰርሕሉን ዕድላት ስለ ዘይብሎም ባህላውን ማሕበራውን ኩነታትና ይብረዝ’ዩ ዘሎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ባህላውን ማሕበራውን ሓደ ህዝቢ ብናይ ምትኽኻእ መስርሕ ኣቢሉ’ዩ ካብ’ቲ ናብ’ቲ ሓደ ዝሰጋገርን ህልውንኡ ክዕቅብ ዝኽእልን። መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ከመይ ኣለው ድማ ካባና ሓሊፉ ዓለም ብዓለሙ ዝሪኦ ዘሎ ዘሰንብድ ኣተሃላልዋ’ዮም ዘለው። ቀሲኖም ኣይመሃሩን። ብክእለቶምን ፍልጠቶምን ኣይሰርሑን። ውሑስነት ዘለዎ ሓዳር ክገብሩ ኣይክእሉን። እንተገይሮም ድማ ከም ንቡር ክኣልይዎ ከመሓድርዎ ዘኽእል ዕድል የብሎምን። ካብ’ቲ ኣረሜናዊ መንግስቲ ንምምላጥ ብዝተረኽበ ቀዳድ፡ ብዝረኸበ ይርከበኒ ንስደት ጥራሕ ዝውሕዝሉ ዘለው ወቕቲ’ዩ። ሎሚ ኤርትራ ካብ’ተን ብብዝሒ ዜጋታተን ዝስደዱለን ሃገራት ዓለም ኣብ ቀዳማይ ቦት ተሰሪዓ ትርከብ። ስለዚ ባህላውን ማሕበራውን ኩነታት ኤርትራ ነቲ ንሱ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ እንዳበለ ዝጭርሓሉ፡ ብዝገልግል መንገዲ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ንናይ ህዝቢ ሓንጎል ብዘደንቁር ዝተኣታቶ ዘሎ ጓና ብሃሊ እንተዘይኮይኑ፡ ነቲ ዝነበረ ንቡርን ክቡርን ያታና ዝዕቅብ ባህልን ርጉእ ማሕበራዊ ሂወትን የለን። ከም ጭቡጥ መግለጺ ናይ’ቲ ንሱ ስሩት ኣወንታዊ ባህልናን ንምብራዝን፡ ማሕበራዊ ክብሪታትና ንምህዳድን ክገብሮ ዝጸንሐን ዘሎን ህግደፋዊ ቀይዲ በተኻዊ ኣካይዳ ጽዑቕ መግለጺ፡ ነቲ ህዝቢ ከም ህዝቢ ክሰግር ዝመጣጠር “ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን መንእሰያት ህግደፍን፡ ዝብላ ምጥቃስ ኣኻሊ’ዩ። ነዚ ንምልጋስ ድማ’ዩ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ።
ሕቶ፡- ብርግጽ ኩነታት ኤርትራ ብኩሉ መዕቀኒታት ኣብ ሓደጋ’ዩ ዝርከብ፡ ናይ’ዚ ጠንቂ ወይ ተሓታቲ መን’ዩ ትብል?
መልሲ፡- ቀንዲ ተሓታቲ ስርዓት ህግደፍ’ዩ። ከም’ቲ ልዕል ክንብል ዝገለጽናዮ ካብ ሜዳ ሒዝዎ ዝመጸ ባህርን ተግባርን ንድሌትን ባህግን ህዝብታት ኤርትራ ዘርዊ ኣይኮነን። ንናቱ ውልቃውን ጉጅላውን ስሱዕ ድሌታት ንምርዋይ ዝሰርሕ ፖሊሲ ኣተኣትዩ’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣብ ህዝብና ናይ ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ከተኣታቱ ዝሰርሕ ዘሎ ስርዓት’ዩ ተሓታቲ፡ ካልእ ቅድሚኡ ዝስራዕ ወይ ዝሕተት የለን። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ስደት ዝበጽሕ ዘሎ ወጽዓታት ምስ ጎረባብትና ክካይድ ዝጸንሐን ገና ዝቅጽል ዘሎን ኣዕናዊ ኲናት ይኹን ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ተነጽሎ ካብ ፈታዊ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ካልእ ንነጻነትን ልዑላውነት ኤርትራ ንምጽባእን ንምጉባጥን ዝተበገሰ ግዳማዊ ሓይሊ ዝፈጠሮ ዘይኮነስ፡ ንሱ ባዕሉ ኮነ ኢሉ ብመደብ ዝገብሮ ዘሎ ስለ ዝኾነ ተሓታቲ ንሱን ንሱን ጥራሕ’ዩ።
ሕቶ፡- እሞ ህዝቢ ጠንቂ ናይ’ዚ ኩሉ ወሪድዎ ዘሎ ኣደራዕ ህግደፍ ምዃኑ ብግቡእ ተገንዚቡ ኣሎዶ ክንብል ንኽእል?
መልሲ፡- ኣብ’ዚ ብዙሕ ክበሃል ይከኣል’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ንጸረ-ህዝቢ ሕልምታቱ ንምዕዋት ካብ ቀደም ኣትሒዙ ፖለቲካዊ ንቕሓት ናይ ህዝብና ንምጉዳም ዝከኣሎ ኩሉ እናገበረ’ዩ መጺኡ። ካብ’ዚ ህግደፍ ዝዘርኦ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣገንዝቦታት ሓደ፡ ውሑዳት ዘይኮኑ ሰባት ኢሳያስ መሳርሕቱ ደኣ እንዳዓንቀፍዎ’ምበር ንሱ ንህዝብን ሃገርን ዝሓሊ ብቑዕ፣ ማዕረቲ ድኻ ህዝቢ ዝነብር መራሒ’ዩ እንዳበሉ ዝገልጽዎ’ዩ። ብርግጽ ሎሚ ሎሚ እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣምላኺ ኣተሓሳስባ እንዳቀነሰ ኢሳያስ ቀንዲ ጸያቒቶ ምዃኑ እንዳተገንዘብ ይመጽእ ኣሎ’ዩ። ስለዚ ንኹሉ’ቲ ኢሳያስ ዝዘርኦ ድሑር ፖለቲካዊ ኣገንዝቦታት ብዓሚቕ ፖለቲካዊ ንቕሓት ሰጊርዎ’ዩ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ንምዝራብ ዝከኣል ኣይኮነን። ካብ መዓልታዊ ተመክሮኡን እቲ ጭፍራ ዘብጸሓሉ ዘሎ በደላት ተበጊሱ ግን ሎሚ ካብ ፈታዊ ጸላኢ ህግደፍ ብተዓጻጻፊ ከም ዝበዝሕ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ንቕሓተ ሕልና ናይ ህዝቢ ኣብ ምጉልባት ብዝተነጸረ ፖለቲካዊ ኣንፈት ብቐጻሊ ኣስተምህሮ እንተሂበምሉ ድማ ብዝያዳ ይሕገዝን ድልዱል ፖለቲካዊ ዕጥቂ ክጭብጥ ይኽእል ዝብል እምነት ኣለኒ።
ሕቶ፡- ገለ ወገናት ህዝቢ ኤርትራ ብኩለንትንኡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት’ዩ ዘሎ መንግስቲ ህግደፍ መወዳድርቲ ዘይብሉ መደባት ልምዓት የካይድ ኣሎ ኢሎም ክከራኸሩ ይስምዑ’ዮም እዚ ክውንነታዊ ድዩ?
መልሲ፡- ህግደፍ ሓሓሊፉ ገይረዮም ዝብሎም ናይ ልምዓት መደባት የቃልሕ’ዩ። ገለ ትካላት’ውን ኣለው’ዮም። ኣብ’ዚ ክንርደኦ ዘለና ግን መንግዛእቲ ጣሊያን ጽርጊያታት ሰሪሑ፡ ዘመናዊ ሕርሻታት ኣተኣታትዩ፡ ዝተፈላለያ ፋብሪካታት ኣጣይሱ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ። መግዛእቲ ጣሊያን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ንምግልጋል ኢሉ ዘይኮነ ክገዝእ ዝመጸ ሓይሊ’ዩ። ስለዚ እቲ ንሱ ዝገብሮ ንጥፈታት ኩሉ ነቲ ብመደብ ዝገዝኦ ዘሎ ህዝቢ ዘይኮነስ ንባዕሉ ክብል’ዩ ሰሪሕዎ። እዚ ጭቡጥ ኣብነት ይመስለኒ። መንግስቲ ህግደፍ ድማ ንህህዝቢ ከርብሕ ኢሉ ዝቐርጾ ናይ ልምዓት ፖሊሲ የብሉን። ኩሉ ምስ ነብሱን ቀጻልነት ፖለቲካዊ ስልጣኑን እንዳለከዐ’ዩ ዝሰርሕ። ብርግጽ ከም’ቲ መግዛእቲ ጣሊያን ንባዕሉ ክብል ዝስርሖ ጽርጊያታት፡ ፋብሪካታት፡ ሕርሻታት ንጥቀመሉ ዘለና፡ እቲ ህግደፍ ንባዕሉ ክብል ዘጣይሶ ትካላት’ውን ፈጺሙ ንህዝቢ ኣይጠቅምን ማለት ኣይኮነን። ብውሕዱ ጽርጊያ እንተሰሪሑ ህዝቢ ክኸይደሉ ናይ ግድን’ዩ። ዓበይቲ ኩባኒያታት እንተተኺሉ ብጉልበትን ብፍልጠት ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዜጋታት ክህልው ናይ ግድን’ዩ። ብንጹር ክቕመጥ ዘለዎ ግን እቲ ፖሊሲ ክቕረጽ እንከሎ ንህዝቢ ከርብሕ ኢሉ ኣይቕረጽን፡ ክንደይ ኣታዊ ገይሩ ወይ ከሲሩ፡ እቲ ዝርካቡ ኣታዊ ኣበይ ይኣቱ ህዝቢ ናይ ምቁጽጻር መሰል ዘይብሉ ምዃኑ’ዩ። ስለዚ እቲ ህግደፍ ቅኑዕ ናይ ልምዓት ፖሊሲ ቀሪጹ ኣብ ባይታ ድማ ህዝቢ ኣሳቲፉ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ብቐንዱ እቲ ጭፍራ ባዕሉ ብመራኸቢታቱ ዝነዝሖ’ዩ። ነዚ ተቐቢሎም ዘራብሕዎ ድማ ቀጥታ ምስኡ ናይ ረብሓ ምትእስሳር ዘለዎም ወገናት’ዮም። ኩሉ ብመራኸቢታት ዝበሃልን ዝረአን ሓቂ ዝመስሎም ግን ከኣኣ ዝኾነ ረብሓ ዘይብሎም ናይ ፖለቲካ የወሃት’ውን ኣይዛረብሉን ማለተይ ኣይኮነን። ነቲ ጉዳይ ብልክዕ ከይተገንዘቡ ሰናይ ክኾነሎም ስለ ዝደልዩ ሰሰናዩ ዝዛረቡ ኣለው’ዮም። እዚ ግን ምስ ባህሪ ናይ ህግደፍን ኣብ ባይታ ኣንጊስዎ ዘሎ ናብ ኲናት ወረ ኲናት ዘቕነዐ ሕሙስ ፖለቲካዊ ሃዋህውን ዘረጋግጾ’ዩ። ንኣብነት ብዙሕ ግዜ ዝዝረበሉ እዚ ናይ ምግፋፍ ዓሳ፣ ቱሪዝም ዕደና ወርቂ እንተወሲድና ኣብ ረብሓ ህዝቢ ዝውዕል ዘይኮነስ፡ እቶም ናብ ምሉእ ገዛኢ ደርቢ ተሰጋጊሮም ዘለው ዕስለ ከመይ ገይሮም ምስ ናይ ቀረባ መሻርኽቶም ይጥቀምሉ ደኣምበር፡ ንኤርትራዊ ሓርስታይ፣ ሸቃላይ፣ ብክብሪ መነባብሮ ዛንዛን ዝብል ዘሎ ነባሪ ከተማታት ህዝብናን ዝጠቅም ኣይኮነን። ኣነ ከም ሰብ ኮነ ውድብና ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ-ብሌን ስርዓት ህግደፍ ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ ክሳብ ሎሚ መነባብሮ ህዝቢ ከመሓይሽ ይኽእል’ዩ ኢሉ ዝሓንጸጾ መደባት ልምዓት ኣይረኣናን።
ካልኣይ ክፋሉ ይቕጽል
ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
Email This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it .




