ደሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዝወደቦን ነዊሕ ቅድመ ምድላው ዝተገብረሉን ናይ
ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዲያስፖራ ኮንፈረንስ ሎሚ 28 ታሕሳስ 2012 ኣብ ኦብሳላ ሲዊድን ብወግዒ ተጀሚሩ፡፡ እዚ ኣብ ህልው ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብሓፈሻ ኩነታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝፍጽሞ ዘሎ መዘና ኣልቦ ግፍዕታትን ከኣ ብፍላይ ብምድድህሳስ፡ እዋናዊ ተባራዕቲ ሃገራዊ ጉዳያት ብምልላይ ንምፍትሑ ዘክእልን ኩሉ ዓቕምታት ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝጠራነፍሉ፣ ድሕነት-ቀጻልነት ህዝብን ሃገርን ናይ ምውሓስ መድረኻዊ ዕዮታት ከነጽር ዝዓለመ ኮንፈረንስ’ዩ፡፡ ኣብዚ ኮንፈረንስ’ዚ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፣ ዕድመ ዝተገብረሎም ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፣ ሙሁራት ኤርትራውያንን ኣዕርኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ወጻእተኛታትን ክሳተፍዎ ትጽቢት ከምዝግበር ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ፡፡
ብመስረት’ቲ ዝወጸ መደባት እቲ ኮንፈረንስ፡ ንዝቀረበሎም ዕድመ ተቐቢሎም ኣብቲ መጋባእያ ዝሳተፉ መሓዙት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ መግለጺ ደገፍ ከቅርቡ ምዃኖምን ኣብ ሙሉእ መስርሕ’ቲ ዘተ ተሳትፎኦም ብምርግጋጽ ነቲ ዘተ ከሃብትሙ ትጽቢት ከምዝግበር ኣዳላዊት ኮሚቴ ሓቢራ፡፡ ካብዚ ብምቅጻል፡ ብሙሁራት ኤርትራውያን፣ ኣሜሪካውያንን ኣውሮጳውያንን ኣብ ክሊ ተባራዒ ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብሄራዊ ሕቶ ህዝቢ ዓፋር ከኣ ብፍላይ ማእከሉ ዝገበረ ንህልው ኩነታት ኤርትራ ብዕምቆት ዝድህስስ፣ ንዘለዉዎ ብድሆታት ዘለሊ፣ ናይ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣማራጺታቱን ተክእሎታቱን ዝእምት፤ ብመንጽር ውድባዊ ተሞኩሮና ብዓይነቱን ትሕዝትኡን ተሳትፎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝሓወሰ፣ ኣብ ዝተፈለዩ እዋናዊ ጉዳያት ዘተኮረ መጽናዕታዊ ጹሑፋት ከምዝቀርብ፤ ብተሳተፍቲ’ቲ ኮንፈረንስ ድማ ክዝተየሉን ሰፊሕ ክትዕ ክካየደሉን ምዃኑ ዝሓበረት እታ ኮሚቴ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብሓባራዊ ተረድዖ ክዛዘም ትጽቢ ከምዝግበረሉ ገሊጻ፡፡
ከም ኣካል’ዚ ሰፊሕ ዘተ፡ ደሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ብላዕለዎት መሪሕነታዊ ወኪላቱ ኣቢሉ፡ ኣብ ህልው ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ዓፋር ድማ ብፍላይ ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ በጽሕ ዘሎ ወጽዓን ኣማራጺ መፍትሒታቱን ዝእምት መጽናዕታዊ ጹሑፍ ክቀርብ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ፡፡ ኣብዚ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዲያስፖራ ኮንፈረንስ ንደሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ብምውካል ዝሳተፍ ዘሎ ልኡኽ፡ ብኣቦ-መንበር ውድብና ተጋዳላይ ኢብራሂም ሃሮን ዝምራሕ፡ ንተጋዳላይ መሓመድ መዓር፣ ንተጋዳላይ ያሲን መሓመድን ንተጋዳላይ ኣሕመድ የሱፍን ዝሓቆፈ ኣርባዕተ ኣባላት ፈጻሚት ዝሓቆፈ ዝለዓለ ልኡኽ ዛጊት ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ምህላዉ ኣዳላዊት ኮሚቴ ናይ’ቲ ኮንፈረንስ ብተወሳኺ ገሊጻ፡፡
ቤት ጽሕፈት ዜና
ደሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር
28 ታሕሳስ 2012




