• Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Start እዋናዊ ዜና News ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ናይ 2013ዓም ሓዲሽ ዓመት ጋዜጣዊ መግለጺ - ፍሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊንኹ ድሪስ ገዱዅ ሓዲስ ኤምራ
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ - ደግሓኤ - ዝዝርጋሕ ርእሰ ነጻነቱ ዝተሓለወ ዌብሳይት - ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ - ንሓድነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምድልዳልን ንሸቶታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምዕዋት - ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርግጋጽ ይቃለስ - An Independent Website Distributed by Democratic Front for Eritrean Unity –DFEU - Anti Dictatorial Regime PFDJ - Embolden Unity of Eritrean Democratic Alliance - and struggle to accomplish the aims of Eritrean National Council for Demonratic Change in order to establish an Eritrea with Democracy, Social Justice, Peace and Prosperity.

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ናይ 2013ዓም ሓዲሽ ዓመት ጋዜጣዊ መግለጺ - ፍሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊንኹ ድሪስ ገዱዅ ሓዲስ ኤምራ

E-mail Print

ብቐዳምነት ንኹልኹም ኣብ ዉሽጥን ኣብ ዲያስፖራን ትነብሩ ህዝብታት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣባላትን

ደገፍትን ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን ከምኡ’ውን ምላእ ህዝቢታት ዓለም ርሑስ ሓዲሽ ዓመት
2013 ክገብረልና ንምኔ:: ናይ ሰላምን ራህዋን ፍትሕን ዓመት ክኾነና ብሄራውን ሃገራውን ምንዮትና’ዩ።
ንክርስታያን ህዝብታት ከኣ ሩሑስ በዓል ልደት ክገብሮልም ንምኔ።
ብዛዕባ ህዝብታትናን ሃገርናን ኤርትራ ብደቂ ሃገርን ጉዱሳት ወገናትናን ብዙሕ ይጸሓፍ ኣሎ። ሃገርና
ካብ ሕማቅ ናብ ዝኸፍኤ ካብ ህላውየ ናብ ዘይላውየ፣ ካብ ጥርናፌ ናብ ምብትንታን፣ ተምርሕ ከም ዘላ
ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከይተረፈ ዝኣመነሉ’ዩ። ኣብ ፖለታካውን፤ ኢኮኖሚያውን፣ ማሕበርውን፤
ዲፕሎማስያውን መዳያት ጠቅሊሉ ከምዝፈሸለ ኩሉ መዔቐኒታት ኣህጉርና ይምስክር ኣሎ። ላዕለዋት
መራሕትን እሙናት ናይ ጸጥታን ስለላን ዓበይቲ ናይ ቁጠባን ምሕደራን ካድርት ከምኡ ሲቪክ ካብታ
ትጥሕል ዘላ ህ.ግ.ደ.ፋዊት መርከብ በብሐደን ብጅምላን ነነጢሮም ነብሶም ከድሕኑ ዝገብርዎ ዘለዉ
ፈተነ ግሉጽ መርትዖ’ዩ ።
ነዚ ደጋጊምካ ብዙሕ ስለዝተባህለ፡ ፍታሕ ብኸመይ ይረኸብ ኣብ ዝብል ኣድሂብና ምጽሓፍ መሪጽና
አሎና። ጽሑፍና ከም ሓደ መትከላዊ እምነት ናይ ውድብ ጥራይ ከይተወስደ ህዝቢ ብሌን ኣብ ማእከል
(እስትራተጂካዊ) ቦታ ናይ ኤርትራ ስለ ዝርከብ መታሕታውን ከበሳው ህዝብታት ኤርትራ ተዛሚዱ ስለ
ዝነብር፣ ቋንቋኦም ባህሎም ከኣ ስለ ዝፈልጥን ሓቢሩ ምስኦም ስለ ዝዋሳእን፣ ንናይ ሓባር ጸገም ተረዲኡ
ኣብ መፍትሒ ምንዳይ ዘይነዓቕ ግደ ኣለዎ፡፡ እዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና’ውን ናይ ኩሉ ብሄራትን እምነታትን
ባህግን ድልየትን ዘንጸባርቕ ክኸውን ተስፋ ንገብር።
ኣብ`ዚ መድረኽ`ዚ ንህዝብናን ንሃገርናን ክነድሕን ሐቢርና ክንቅጽልን እንታይ ንግበር? ዝብል ኩሉ ደላይ
ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝሓቶ ማእከላይ ሕቶ`ዩ፡ ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት ጥለመት ስለ ዝነገሰ ነዚ
ሕቶ ሐቢርና ብግሉጽ ዘቲና ብዕርቕን ብፍትሕን ክንፈውሶ ዕድል ኣይረኸብናን። ዝገደደ ጉጅሌ
ህ.ግ.ደ.ፋዊ ምሕደራ ጥርጠራን ዘይምርድዳእን ክጋፍሑን አብ ዘይንድሊ አቅጣጫ ከመርሕን ተዓጢቁ
ይሰርሓሉ ኣሎ። ብዙሕነትና ዘተአናግድ ንብሄራውን ሃይማኖታውን ጾታውን ፍልልያት ዝጻወርን
ፖሎቲካዊ ራእይ ክሳብ ሕጂ በኺሩ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ አገዳሲ ናይ ራኢይ ሕጽረት በበይናን ኮና
ክንሓትትን መልሲ ኮይኑ ዝረኸብናዮ ድማ ብሓይሊ ናብ ልዕሊ ካልኦት ክንጽዕኖ ስለ ንፍት ኣብ
ተደጋጋሚ ስቓይን ምጥርጣርን ንርከብ ኣሎና፡፡ እዚ ናትና ዘይምርድዳእን ንሕቶታትና ብድሞክራስያውን
ፍትሓውን ኣገባብ ክንፈትሕ ዘይምኽእልና ንጸላእቲ ህዝብተበታትና ምስ ግዳማዊ መሻርኽቶም ዕድሜ
ስልጣኖም የናውሕ ኣሎ።
ንኣብነት ኣብ ካልኣይ ስሩዕ አኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞኢራስያዊ ለውጢ፣ ዓመት ሙሉእ
ዝነበረ ሕጽረታት ገምጊሙ ኣብ ሓድሽ መድረኽ ናይ ቓልሲ ክንዲ ዘተኩር፣ ብሓደ መስከረም ምጅማር
2
ብረታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር፣ ብኣሕዋትና ደማሓኵኤ ዝወጽኤ ንኣቦን
ንጀማርን ቃልሲ ዝኾነ ስዉእ ተጋዳላይ ሓምድ ኣድሪስ ዓወተ ዝጻረር ንርእይቶኦም፣ ኣተኵሩ ነቲ ክግበር
ዝነበሮ ዕማማት ብምርስዕ ኣብ ካልኣዊ ግርጭት ግዜ ዝወስድ ዛዕባ ኣድሂቡ።
እንተ ወረደ ከኣ ንዝወርድ ዛዕባታት መን ኣንቐሎ ከይበልና ንረብሓ ቓልሲ ክኸውን ዘንቐለን ዝተኣናግድን
ተጸዋዊርና ሓባራዊ ሓላፍነት ወሲድና ብኹሉ ሸነኻት አብ ምፍትሑ ክንተሓጋገዝ ውዕል ባይቶ ከም
ዘሎና ክሳሓት ኣይነበሮን። እዚ ውሕልነት ኣፈታትሓ ግርጭት በኹሩ ስለ ዘሎ፣ ብሰንኩ ከኣ ተቐባልነት
ህዝብና ጎዲልና፣ ክሓንን ዝግብኦ መንኣሰይና ኣጉዲምና ስለ ዘሎና ሕጂ’ውን ንምትዕርራዩ ናይ ኩሉ
ሓላፍነት ኮይኑ ጽባሕ ዘይበሃል ሕድሪ’ዩ።
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ባይቶ ኣድላይነቱ ኩሉ ዝዝንግዖ ኣይኮነን። ንምዝኽኻሪ አብ ፍቅድኡ ዝአልዮ
ዝሰኣነ ህዝብና ንምእካብ፣ ኣብ ቅድሞ ሕ/ሰብ ዓለም ብሐደ ድምጺ አውያቱ ዘስማዓሉ ስኢኑ ከም
ቆጽሊ ዝረግፍ ዘሎ መንእሰይ ንምድሓን፣ ብቀንዱ ድማ እቲ አብ ውሽጢ ዓዲ ከም ጆሆ ተታሕዞም
ዘሎው ህዝብታትና ካብዚ ሕማቅ ኩነታት ክነድሕኖ ሓደ ሓባራዊ ግንባር ምትካል ኣማራጺ ዘይብሉ
ድልየት ህዝብና ስለ ዝኾነ ቆይሙ። ነዚ ክዕምም ኸኣ ብመንፈስን ብስራሕን ከንጸባርቆ ኔርዎ። ሕጂ’ውን
ክብል በለ እንበር ኣይተኻዕወን ስለ ዝኾነ ኣብ ሰፍሕ ሃገራዊ ግንባር ኣሎና። ኣብ ሰፊሕ ግንባር ከኣ ነቶም
ትሰማማዓሎም ብትብዓትን ብተወፋይነትን እናሰራሕካ ነቶም ዝፈላልዩኻ ወይ ዘይትሰማምዓሎም
ነጥብታት ከኣ ንግዝይኡ አወንዚፍካ ምኻድ ባህሊ ባይቶ ክኸውን ዝግብኦ ስለ ዝኾነ ነዚ ክነጥሪ
ከይተሓለልና ንቓለስ። ግደፉ ከም ናትና ኣተሃላልዋ ዘሎዉ ፖሎቲካውያን ሓይልታት: እቶም ንዘበናት
ዲሞክራሲ ዝስተማቐሩ’ውን ኣብ ኹሉ ተሰማሚዖም ውስኔ ከም ዘይወስዱ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዘሎ
ሓቂ’ዩ። ንኣብነት ናይ ኣሜሪካ ዝመርሑ ዘለዉ ውድባት ንቁጠባዊ ፊስካል ብምርድዳድእ ውሳኔ ክውሰዱ
ስለ ዘይክኣሉ ካብ ሽማግሌ ናብ ሽማግሌ ዕንክሊል ክብሉ ንርኢ ኣሎና። ዲምክራሲ መሪር’ዩ ካብኡ
ዝሓሽ’ውን የሎን። ባይቶ ኣቦታትና እውን ቀንድን እንኮን መፍትሒ ሽግሮም ብሽምግሌ’ዩ ዝነበረ። ነዚ
ጽቡቕ ባህሊ ምምዕባል ክጽግመና የብሉን። ዝኾነ ዘዕባ’ውን ቅድሚ ኣብ ባይቶ ምውራዱ ህድእ ዘተን
ውሳኔን ክውሰደሉ ቀዲምካ ብሽምግሌናን ብኺኢላታትን ኣዳቒቕካዮ ክትመጽእ ከም ዘሎካ ተገንዚብና
ኣሎና።
ፍትሕን ሰላምን ክዕንብብ ባይቶ ዲሞክራስያዊ ባይቶ መተካእታ የብሉን። ኤርትራዊ ሃገራዊ
ዲሞክራስያዊ ባይቶ ከኣ ከም ስሙ ዲሞክራስያዊ ባይታ ኮይኑ ንዝለዓሉ ሕቶታት ብፍትንሕን
ብዲሞክራስን እናፈትሔ ግደፍ ንኣባላቱ ነቶም ኣብኡ ዘይዓሰሉ ከይተረፈ ዝዕድምን ዘካፍልን ክኸውን
ኩሉ ወገናት ክንሰርሓሉ ንላቦ።
ምስ ዘሎና ፍልልያት ተኸኣኢልና ንቐዳማይ ጸሊኢና ዕምሩ ክነሕጽሮ ንሕነን። ንሃገር ዝቁሙ ዓንድታት
ብንቅሓት ክንጭብጦም፣ ንልዕልና ሕጊ ብፍትሓውነት ክንሰርሓሉን ሓደራ ንብል።
2013 ዓም ዓመት ምዕቡል ቓልስን ዓወትን ክትከውን ንምኔ፣
ሰማእታትና ንዘላኣለም ይኽበሩን ይዘከሩን!!
ውድቐት ንፋሽስታዊ ጉጅሌ ህ.ግ.ደ.ፍ!!
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄር ብሌን 12/25/2012

ፍሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊንኹ

ድሪስ ገዱዅ ሓዲስ ኤምራ

ናትክ ከው አሪትሪውሲé ጅዊልኽር ዲያስፖሪልኽር መንደርትደናኽር ሲ፣ ፍሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊንኹድ ጨርዲ ሰሃርደንኽር ሲ፣ ናትክ ዓለምስክ ኪዳ ኤመራ 2013ዓም ኢስሮና ዪና ተምኔሲ ጃቢስነኩንኩም። ዲን (እምነት) ክርስትና እምነውሲ ልደት ሰላምዅዲ ፍትሕዅዲ ኣኽሮ ተምኔትኑ ክዳ ልደት ይነኩን።  

ዪና ከውድ ኣኽኒ ዪና ኮሊሩኹድ  ገሪው ከተብሰውዲ ጋብሰውዲ ኣኸውድ ኒድ ከተብና ንኪ ቋልስተለና። ከተብሰውሲ ሓየብኖ ቋልነን ዪና ኮሊ ንኪ ክረም ህ.ግ.ደ.ፍ መቅርሕድ፣ ኮድረክ መግደርደትር ጨነትረትር ናው ናላውድ እምነናዅ ሓቕ ኣኾ ህንበኵ። ኣኻ እቑሹንድ ሓየምረትር ን ደብኽር ሳዳ ዋኒገትላ፣ ቋሊሳዃ ና በህሊጝ ውሪ ምራሕቲ ናው ከብተጝኒ ጠሓልደሪ ባቡር ህግደትሪትል ባንጙረክ ገመው ጅምለድር ነፈርድር ንኪረሰና ኮሊት ባሮ ጋይተው ብጅኽ ቋልሶ ኤርላ።

እን መርሆ ኣዋኸ እንትን ያኹል ጀወልኖ ገለ ዪና ረኤይ ሲ ፈይ ሲኖ። ብሊን ነበክል መንደርተው ና ኣክነድ ናትካ ጂጘስ ኮዶ ዋሰው ና እክነድ ናው የነውሲ ስዳውድሮ ቋልስሮ ሻኽላ። ዪን ከተብነውዲ ዪን ተምኔትነውዲ መርሆ ከው ጀረበውዲ ብሪል ህንበውዲ ግን። ዪና ዓዋዲትልድ ብርፍ ዪናኽር ኣኸውድ ክብርድር ሕሽምድር ግን ዪና ረኤይሲ ዪን ኡናኹ።

እና ናን ህንብናዅ ኣያምሊ፣ ኣኾ ኣካልክ ኣኾ ከውክ እና ዪና ኮሊት ኣዋሃብነ ዳሕኒስንን ያኹ ወንቐራ ገርገሮ ህንቦኵ። ኒንኻ ክብ ልጠቕ ዩ ኤርብያታተልድ ወንቐርሱ ድየዅ ኣኾ ኮዶ ንኪር ቂር መልሲ አርጋኹ ውነቐራ ግን። ጀበረት (ነጻነት) 1991ዓም ደንቢ፣ እና ወንቐራ ኒን ሕሳንዲ ፍትሕዲሲ ድጙትስሮ እርጋዅሉ ግን። ጣልሜን ና ጉግ እኽጋዅ ኣኽነዲን ኻ ወንደፍንኑዅሉ። ጂባዃ ክረም ህ.ግ.ደ.ፍ ምንደርትሮ ኣከን ከው ኤሪትሪው ሕሳንድር ፍትሕድር ናጨገምሲ እንክድኖ ሻኽኒ ያዅ ኒ ጉግ ኣኸውድ ኮደክ ፋሕ ሱኹር ሙሩቑሲ ጨንትዱኽር እምነታትሲ እኺርኺርሊ እሱኽር ፈርነዲን ንኪ ኩሱሰን እን ናልድ እኳርስኹን የውስኽር ጨመሮ ናትክ ላጘስ ጨነደኩና እንኩኹ።

እና ኤወት ስኩርደሪ ወንቐረት ላገሽ ኣኽኖ፣ ወንቐር ጝኒንኽር መርሆ ኤርግኒንኽር “ኣን የሪት ዋሳ” የው ክረም ህ.ግ.ደ.ፉ ካያ እኽግኒ፣ እና ረኤይ ንሰንስ ሻኾው ለመለም ጅዊልኽር ዋኒኒነዲን ንኪር ቂር መልሲ እረኒላ። ኔን ኣኸውድኻ ዪና ነበክል ሕሳንዲ ፍትሕዲ ዋኒጋዅ ኣኻዅድ ዕምጭልር ምጨትልር መንደርትነኩን እንኩንኹን። ክረም ህ.ግ.ደ.ፍዲ ኒት ተከውዲኻ ብሶት ኤርኖ ስልጠትል ህንበነኵ።

ኤሪትራዊራ ኮልር ዲባ ፈሪዕ ልውቲዅ (ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያው ለውጢ)  ደኳኹ ኤርብሊ ነበካ ዲባ ሊጘርሊ  ኒ ግሲትል ንዓቕምሲ ኣኽን ኒ ጨገምሲ ቋሉ ተቓዅ ሽንክራ ዲቢል ገምዱዅ። ዲባ ሽምግሌ ነወያዅ ሽንክረስ ዲብል ገምዱ፣ ሰልፍ ኒት ቃለውዲ ኣኾ ሽምግሌስኽር ኣምራንድር ነበካ ስምምዕ እንትሮ ለመለም ዩ ከውሲ ኽር ሓበሮ ረኤይሲ ጠፍሕዶ ሕሳንድ ደዃዅ እሲሮ ኒ ምኹር እርጉዅ።

ኤብነስትሰና ጉድናዅ ሊጘር ግሲት ዲባ ኤሪትራዊራ ኮልር ዲባ ፈሪዕ ልውቲዅ (ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያው ለውጢ) ኤመራ ኣቍታኹስክ ጨጋማት እርገውሲ ቋልኖ ሓዲስ ግርብል ውራ ዓመምኖ ህንባዅና ዪጝኒ፣ ላዃ መስከረምትል ዪና ሻን ደመሓኵኤ እኽርዲ ብርፍ ሰዅዲት ፍዲታዅ ሓምድ እድሪስ ዓዋተት ተጻረራኹ ፍድናዅ ና ረኤይል ስለፈስ ባርኖ ዪና ጅዊውሉ ገሪ ወክት ደኵሱዅ።

ዲብል ገሞ ደንብኻ እን ምጉት፣ ኤውኒ ኒስ ጉድኹንሉ ውሪ ኒስ ጀረበለሉ ኣኽጚ ዕቡብድ ኤዋሃብነ ዪና መዓልድ እርግስንንሉ ያዃ ነብካ ፈሄም ዋኒሮ ዲባ ዓዋዲ አምርድ ሻኽኖሎም ዋኒግነት መሀርስንዅን። ኣና ኤምር ኒን ነቀስድንነዲንኻ ከው እና ሆደትል (ሰውረት) ሺረኵ፣ ሻሎትኻ ሓነንጝኒ ዓንቐፍሰነኵ እንኩኑዅ። ናግር እንቲ ኣን ዪ ግኒ ፍትሕድር ሓሳነትድር ዪና ጨገምሲ እንክኖ ናትካ ሙኹር ኣኽኒ።

ኤሪትራዊራ ኮልር ዲባ ጀረብደት ናውክ ኤርእንኹን። ይነትነቱ ኣኽኖ ከድምስገትር ቋልኖ ህንብነኵን። ንድ እስነ ዪና ከው ፋሕ ዮ ህንበውሲ ላ ዲሞክራሲራ ዲብል እክብኖ፣ ሻሎት ደርብል ክረውሲ ዳሕኒስኖ፣ ኒ ብሀርዲካ ህ.ግ.ደ.ፍቲ ላ ብሶት ኣኽኖ ልብድኖ ዪና ከዋ ፊና ኣኸውድ ቱኑዅንሉ። ዲባኻ  ኔስ ኒ ሕላንድ ኣኽን ኒ ክድመትድት ኣኽን  ቋሊስሮ ህንበኩሉ።  ዪጝር ውላውልድ ኡጝኒሉ እዳናኹ ብሶት ዲቢል ውንትነት ፈሄምኖ ህንበኩና። እዳናኹ ብሶት ዲቢልኻ ተሰምሚዕለውርክ ሕሳንዲ እምንዲሲ ከደምሩ ተሰማሚዕግረውልኻ ደፋእ ዪሮ ወንተርቶሎም ብረስ ጠፍሕድሩ ጂቢቶ ዋነትና ዋነት ስርዕ ለመለምየንቱታናዅ ግን።  ዪን ዪና ብርፍል ህንብናኽር ባራ ኢያማት ዲበድ መንደርተው ኮላት እና ጨገም ንሰና ህንበኩሎም። ኣሜርካ ኣና ናን ህንብናኹ ኤርቢል እን መቕርሔው እክብ  ገድ ፋስካል ያኹድ ስምምዕ ብንነዲን ስምምዕል ጋእ ይድኖ ሽማግሌትል ሽማግሌትል ኮለል የነኩ እንኩኑኹ። ዲሞክርሲ መረራኹ ግን ኒልድ ታምታኹር እላ።  ዪና ክልልሲ ቋልነን ና ኣጭጉምሲ ሽማግሌሲ እሲነ እንኩኑ ዲኒኹ። ይግር እና ትክያኹ ዓዋዲ ዪና ክልለውስ ኣማበልድኖ ከደምኖልም ህበኩና። ኮዶ ኣኾ ሽንክረክ ሰልፍ ቋልሶኽር ቐየስቶኽር ገምሮ ዘተ ክዋኹዲ ኮድጛ ኣምራናዅድ ሻኾ ዲብል ገምሮ ሻኸት ኒልድ መሄርስኖ ፋነይነኵን።

ፍትሕዲ ሳላምዲ ዪና ኮሊትር ዓንበብሮ ዲባ ዲሞክራሲራ መተካእታ እለሉ። ኤሪትራዊራ ኮልር ዲባ ፈሪዕ ልውቲዅ (ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያው ለውጢ)  ወረና ዲሞክራሲሩዅ ኣኾ ወንቐርሲ ፍትሕድር ዲሞክራስኽር እንክሮ ለመለም ዩ ኒ ጂዊል ህንበውሲ ኣክቦ ከደን ህነውሲ ጋበልድሮ ናትካ ሸንሃዲ ሙኹርዲ ግን።

ሲደውሲና ሙኹርኖ እኽርኺርሲ ሓሸምድኑ ሰልፋ ኣባይሲ ንዕምርሲ ድርጝድኖ ዲባ ዪናዅሲ ጃቢስንን። ኮዶ ኮሊር ሰላምዲ ከዋ ክብሪዲት ፈሀምድ ዓትዓትኖ ለመለም ዪንን። ሕግኻ ናትካ ኤወይሲ ኮፍ ዪሮ መሽግኒ ከደምንን።

2013 ዓም ሰርገል ለመለሙኹዲ ፍትሕኹዲ ኣኽሮና ተምኔትነኩን።

 

ዪና  ፍዳታት  ዲምክ  እልብርስናውር  ከበርናውር!!

ክረም ፋሺስቲ  ህ.ግ.ደ.ፍ .  ዕምር ድርጝኒ!!

 

ፈርዕ እክባ ሙርቛ ብሊነሪ 12/25/2012

 

 
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ - ደግሓኤ - ዝዝርጋሕ ርእሰ ነጻነቱ ዝተሓለወ ዌብሳይት - ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ - ንሓድነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምድልዳልን ንሸቶታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምዕዋት - ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርግጋጽ ይቃለስ - An Independent Website Distributed by Democratic Front for Eritrean Unity –DFEU - Anti Dictatorial Regime PFDJ - Embolden Unity of Eritrean Democratic Alliance - and struggle to accomplish the aims of Eritrean National Council for Demonratic Change in order to establish an Eritrea with Democracy, Social Justice, Peace and Prosperity.

ሓተታ Poll

ሃገራዊ ዋዕላ ን ደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ንኽካየድ ምውሳኑ፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት'ዩ ዶ ትብሉ/ላ?
 

ኣብ መርበብ Online

We have 5 guests online

Send your articles comments or critics to webmaster@democrasia.org
Administration-Panel