ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግጭት ዘይፍለዮ ዞባ ምዃኑ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ’ዩ። ጠንቂ ናይ’ቲ ግርጭት ከኣ፡ ሓቚፍዎ ዘሎ ዕቁር ባህሪያዊ ጸጋታት ዘይኮነ፡ ዘለዎ ጂኦግራፊካዊ ዓለማዊ ኣገዳነት ምዃኑ፡ ብዙሓት ምሁራት ብመርተዖ ኣደጊፎም የረድኡ። ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኡ ዝግደሱ ድማ ካብ’ቶም ዋናታት ናይ’ቲ ዞባ ዝኾኑ ህዝብታትን መንግስታትን ወጻኢ፡ ፍልጠት፣ ገንዘብ፣ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ፣ ቴክኖሎጂ ሒዞም ካብ ርሑቕ ዝመጽኡ፡ ብልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ስርዓተ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ክብረት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ብዙሕ ዝብሉን ዝመጻደቑን ሰብ ፍሉይ ረብሓ’ዮም።

እዞም ሰብ ፍሉይ ረብሓ እቲ ቀደም ቀደም ብቀጥታ ብሓይሊ ኣምበርኪኾም ድሌቶም ይገብሩ ይገዝኡ ነይሮም። እንተ ሎሚ ሎሚ ግን መልክዕ ቀይሮም ብኢዳ ኣዙር ብዕሱባት ደቂ ሃገር ኣቢሎም’ዮም ዝኣትውን ዝገዝኡን ዘለው። እዞም ወሃብቲ ርእይቶ ከም ዝብልዎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ 60ታት ማእከል ናይ ርሱንን ግሉጽን ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ንሕንሕ ይካየደሉ ነይሩ። ናይ ሎሚ ግን ብወሳኒ መልክዑ ረብሓን መሰልን ሓፋሽ መሰረት ዘይገበረ ናይ ውልቀ ሰባት ሕልሚ ስልጣንን ረብሓ ጎይተቶምን ዘረጋግጽ፡ ኣብ ምድንጋርን ሓይልን ዝተኣማመን ፖለቲካዊ ቁማር’ዩ ይብሉ።

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣሳሰይቲ ፖለቲካዊ ቁማር ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቀላስን ኣውራሲ መንገዲ ጥፍኣትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ህንዱድ ተቐባሊ መንገዲ ጥፍኣትን’ዮም ክብሉ ይገልጹ። ከም ኣብነት ክጠቕሱ እንከለው፡ ካብ ክፍላ ዓመተ 2018 ሕጋዊ ኮነ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ምትእስሳር ዘይብሉ ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ተፈጢሩ ዘሎ ብፖለቲካ ዝተጎልበበ ተራ ማሕበራዊ ዕርክነት ዝመስል ናይ ቁማርተኛታት ዝምድና ሓደ’ዩ ይብሉ። ኣስከ ሓደ ክልተ እናበልና ፈላሊና ንርኣዮ’ሞ ብብስለት ንገምግሞ፡

ቀዳማይ፡ ኣብ ዝቐረበ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ናብ ኢትዮጵያ መጺኡ ንሰለስተ መዓልታት መደባት ልምዓትን ኢትዮጵያ ክዕዘብ ኣብ ኮለላ ቀኒዩ ተመሊሱ። ናብ ኢትዮጵያ ብጭቡጥ እንታይ መምጺኢኡ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ የለን። ብግምት ግን ብቑም-ነገር ከምዘይመጽእ ከም ርዱእ ዝተወስደ ጉዳይ’ዩ።

ስለዚ ምስ’ዚ ሕጂ ኤርትራውያን ክጽንበርዎ ምዃኖም ዝሕበር ዘሎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ኣዕናዊ ደማዊ ኲናት ውዲት ንምእላም ‘ዶ ይኸውን ኢልና ንሕሰብ።

ካልኣይ፡ ኣስታት ቅድሚ 20 መዓልታት ኣቢሉ ይኸውን ኣማራ ብሄራዊ ንቅናቄ (ኣብን) ዝተባህለ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያን ደቡብን ኣብ ልዕሊ ብሄረ ኣምሓረ ተፈጺሙ ንዝበሎ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ተቓውሞ ንምግላጽ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ጸዊዑ። መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ነዚ ጻውዒት ዝሃቦ መልሲ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር መሰል’ዩ። ይኹን ግን መንግስቲ ኣምሓራ ምስ ፈደራል ዝሓዝዎ ሓደ ዓቢ ሃገራዊ ዛዕባ ስለ ዘሎ ንዕኡ ከየበላሽወልና ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ኣይንፈቅድ። እንተተገይሩ ኸኣ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሉ ምዃኑ ነፍልጥ ኢሉ።

ሳልሳይ፡ ኣመራርሓ ኣብን ኣብ ድሮ ናይ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝጸውዓሉ ዕለት ኣብ ኣዲ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤ/ጽሕፈቱ ብዛዕባ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ መግለጺ ክህብ ንጋዜጠኛታት ዓዲሙ። ኣባላት ጸጥታ ድማ ኣብ ከበባ ኣእትዮም መግለጺ ከይህብ ከልኪለሞ። ኣማስያኡ እቲ ዝጸዋዕክዎ ኣኼባ ብቐረባ ክመርሖ ስለ ዘይክእል ማለት ተኸልኪለ ስለ ዘለኹ ከም ዝተሰረዘ የፍልጥ ዝብል ሓበሬታ ሂቡ። ገለ ደገፍቱ ግን ብመንገዶም ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውሞኦም ከስምዑ ስለ ዝጀመሩ ተኣሲሮም። ንጽባሐይቱ እቲ ብጅሆ ተታሒዙ ዝነበረ መሪሕነት ኣብን ናብ ቤተ-መንግስቲ ተጸዊዑ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብልጽግና ተራኺቡ። ካብ ቤተ-መንግስቲ ምስ ወጽአ ብዝተዋህበኒ ሓበሬታ ዓጊበ ኣለኹ። ውጽኢታዊ ምርድዳእ ጌርና ኣለና ክብል ገሊጹ። ተኣሲሮም ዝነበሩ ደገፍቱ ድማ ሽዑ ንሽዑ ተፈቲሖም።

ሰላማዊ ሰልፊ ከይግበር ዘኸልከለ ምኽንያት እንታይ ነይሩ? ሓለፍቲ ብልጽግናን ኣብንን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዝገበርዎ ኣኼባን፡ ኣመራርሓ ኣብን ውጽኢታዊ ክብል ዝገለጾን ድማ ኣተኣሳሲርና ንገምግሞ።

ራብዓይ፡ ኣብ ከባቢ ወለጋ ዘይርጉእ ጸጥታዊ ኩነታት ከም ዘሎ፡ ኣብኡ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሃንደበት ከም ዝተላዕለ፡ ከመ ቅጽበት ብዘይተፈልጡ ዕጡቃት እቲ ዝገደፎ ቦታ ከም ዝተቖጻጸርዎ። ህዝባዊ ኣኼባ ጸዊዖም፡ ንብሄረ-ኣምሓራ ፈልዮም ብጃምላ ከም ዝጨፍጨፍዎም ተገሊጹ። ፈደራል መንግስቲ፡ መንግስታት ኣምሓራን ኦሮሞን እቲ ጉዳይ ከይተጻረየ፡ ብቐጥታ ፈጻሚ ገበን ኦነግ ሸኔ፡ መዋሊ ህወሓት’ዩ ዝብል ናይ ክሲ መግለጺ ሂቦም፡

እዚ ምስ’ቲ ኣብ 90ታት ህዝቢ ትግርኛን ክርስትናን ህዝቢ መታሕትን ምስልምናን ንምትህንዃት ዓሊሙ፡ ንሓንቲ ኣብ ሓለዋት ተኣዋፊራ ዝነበረት ኣዋሃዱ፡ ብካልእ ኣሃዱ ቅትለት ደምሲስዋ ክንሱ፡ ጀሃዳውያን ንትግርኛ ተዛረብትን ኣመንቲ ክርስትናን ከም’ዚ ገይሮም ብጃምላ ጨፍጪፈሞም ክብል ኢሳያስ ዝነዝሖ ዝነበረ ፈጠራዊ ፕሮፖጋንዳ ኣዛሚድና ንገምግሞ። ንምዃኑ’ኸ እቲ ሰራዊት ተሃዋስነት ናይ’ቲ ከባቢ እናፈለጠ ስለምንታይ ብዘይመተካእታ ክለዓል ተገይሩ? ስለምንታይ’ሲ “መን ምዃንካ ከፈልጥሲ ዓርኪ መን ምዃንካ ንገረኒ” ዝብል ምስላ ዘዘኻኽር’ዩ። ስለዚ ነቲ ጉዳይ ተኸሰስቲ ኦነግ ሸኔን ህወሓትን ድዮም ፈጺመሞ ወይ ከሳሲ ብሓላፍነት ምምዛን የድሊ።

ሓምሻይ፡ ኣይደንጎየን ኣብ ልዕሊ ውድብ ህወሓት ነጋሪት ኲናትን ጸለመ ተጀሚሩ። ብወግዒ ኣሸባሪ ተባሂሉ ክውንጀል ኣብ መደረኽ ሃገራዊ ባይቶ ተላዒሉ። ኣሸባሪ፡ ዘራፊ፡ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ...ወዘተ ቀጺሉ። ኣብዩ ኣሕመድ ቅድም ኢሉ ምቕያል ባጤራ ብዕውት ኣገባብ ተፈጺሙ ኣሎ ክብል ንሃገራዊ ባይቶ ብወግዒ ገሊጹ ክንሱ፡ ሓድሽ ባጤራ ከተብጽሕ ኣረጊት ድማ ከተምጽእ ዝኸደት ኣንቶኖቭ ዝዓይነታ ነፋሪት ዓንቂፎማ ተባሂሉ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ስለዚ ተገዲድና ትዕግስትና ወዲእና ናብ ኲናት ንኣቱ ኣለና ዝብል መግለጺ ብቀዳማይ ሚኒስተር ተዋሂቡ። ኮታ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ ዝኾነ ህወሓት ወግዓዊ ኲናት ተኣዊጁ።

እዚ ምስ’ቲ ኣብ ልዕሊ ዝተጠቕሰ እናዛመድና ንርኣዮ። ብልጽግና ንውግእ ክዳሎ ድዩ ጸኒሑ ወይስ ሃንደበት’ዩ ዝኣቱ ዘሎ? እቲ ዝህቦ ዘሎ ምኽንያት ከ የእምን ድዩ ወይ ባዶ ጸለመ ንህዝቢ ምድንጋር’ዩ። ምርኣይ ምግምጋም ኣገዳሲ’ዩ።

ሻድሻይ፡ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ፖለቲካዊ’ዩ። ፖለቲካ ድማ ብሰላም ብዘተ ‘ምበር ብሓይሊ ኣይፍታሕን። ህወትሓት ኣቐዲሙ ኩሎም ዝምልከቶም ሃገራውያን ዝሳተፍዎ መድረኽ ዘተ ይከፍት ክብል ጸኒሑ። ሕጂ’ውን ከምኡ’ዩ ዝብል ዘሎ። ሃገራዊ ሓላፍነት ተሰኪመ ኣለኹ ዝብል ውድብ ብልጽግና ስለምንታይ ንሰላም ይሕሰም፡ ስለምንታይ’ከ ንዂናት ይመርጽ? ብምድርን ብኣየርን መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ። ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣዊጁ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ ብኢደ-ወነኑ ግዝያዊ መንግስቲ ከጣይስ ወሲኑ ኣሎ። ኣብ ትግራይ። ሓይሊ መብራህቲ፡ ባንክ፡ መራኸቢታት ብምድርን ብኣየርን ከልኪሉ ኣሎ። መዕደሊ ነዳድን ካልኦት ትካላትን የዕኑ ኣሎ። ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ተዘርጊሑ ዝነበረ ስሩዕን ዘይስሩዕን ሰራዊት ኣሎ ዝበሃል ኣጽዋር ውግእን ናብ ትግራይ ኣጸጊዕዎ ይርከብ። እዚ ብሕጊ፡ ብሰብኣውነት፡ ብፖለቲካ፡ ንምዘኖ። ከም ዘለዎ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ስለ ዝበሎ ኣይንጉሰሞ። ሰላማዊ ፍታሕ’ዶ ክቕድም ኣለዎ ዓመጻዊ ፍታሕ ብርግኣት ንገምግም’ሞ ኣብ ጎኒ ፍትሒ ደው ንበል።

ሻብዓይ፡ ኲናት ባድመ ከመይ ተጀሚሩ፡ ሽዑ ህግደፋውያን እንታይ ይብሉ ነይሮም? ኣብ ዝሓለፈ ኣይሰላም ኣይኲናት ተባሂሉ ዝግለጽ ኣስታት 20 ዓመት ንህዝቢ እንታይ ይብሉ ነይሮም? ድሕሪ ክፍለ ዓመተ 2018 ውልቀ መላኺ ኢሳያስ እንታይ ይብልን የግብር ኣሎ? ጉዳይ መሬት ይግባእኒ ካብ ሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ወጻኢ መልሲ ከምዘይረክብ፡ ቅድም ኣገንዝቦ እንተዘይነበረ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ተማሂርናሉ ክንከውን ተስፋ እገብር። ኢሳያስ ዶባና ነምልሰሉ እዋን ሕጂ’ዩ። ወያነ ንምቕባር ዳይ ተዳሎ ይብል ኣሎ። ሰብ በዚ ፈጺሙ ክደናገር የብሉን። ዋላ በቲ ንሱ ዝብሎ ዘሎ ወያነ እንተተሳዕሩ ጉዳይ ዶብ በቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዘቐመጦ ውሳኔ መሰረት መስርሑ ሓልዩ ደኣ መደምደምታ ይርከብ ‘ምበር ብዕስለ ሰራዊትን ታንክታትን ከምዘይፍታሕ ምርዳእ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኩሉ ሰብ ካብ መቑሕ ፖለቲካዊ ድንቁርና ንምውጻእ ይረባረብ። ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ደጀን ንህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ብፍጹም ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ንገዛእ ርእስና ክንብል ኣብ ጎኒ ሓቅን ፍትሕን ደው ንበል። እንተ በዚ ክልተ ቁማርተኛታት ዝገብርዎ ዘለው ተታሊልና ግን ተጣዒስና ዘይንመልሶ ናይ ድንቁርና ጥፍኣት ምዃኑ ክስቆረና ይግባእ። ማሕበራዊ ፍጮ ብገንዘብ ይቋመሩ። ናይ ፖለቲካ ፍጮ ብህይወት ይቋምሩ ከም ዝበሃል፡ ብህይወትናን መጻኢ ዕድልናን ንዝቋመሩ ዕድል ኣይሃብ።

                                    ካብ ጌታቸው በላይ