Bilen Eritirea

ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ

እዚ ወርሒ እዚ ሰማእታትና ንዝክረሉ ወርሒዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ዘመን ዝኽርና ግን ንህዝቢ ትግራይ ቐዳምነት ክንህቦ ወሲና። ሰማእታትና ኣዕኑድ ታሪኽና፣ ባና ጽባሕ ናጽነትና፣ ክብርናን ኩርዓትናን ኣብ ዓመት ሓንሳብ ዘይኮነ መዓልታዊ ሕድሪ ናቶም እናፈጸምና ክንዝክሮም’ዩ ዝግባኣና። ህዝቢ ኤርትራ ኣዋርቕ ደቑ ‘’ዓወት ንሓፋሽ’’ እናበሉ ዝወደቑሉ ሎሚ ኣብ ሲኦል ክነብር ምርኣይና ዝያዳ የሕርነና ኣሎ።

ኣብ ዓዲ ሓቒ መቐለ ቆይማ ዘላ ሃዉልቲ ሰማእታት ህዝቢ ትግራይ ከኣ ካብ ቐደም ንላዕሊ ክደምቕ ሙዃና ንኣምን። ነቶም ምእንቲ ፍትሒ ኣብ ሞቑሕ ዘለዉውን ብጥዕና ሓርነት ሃገሮም ክርእዩ ተዓጢቅና ክንቓለስ 20 ሰኔ ዳግም ቓልና ንሓድሰላ ዕለት ሙዃና ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ነዘኻኽር።

ክቡርትን ክቡራንን ህዝቢ ኤርትራ፣ እዛ ሎሚ ነበልብላ ዘሎና ምልክት ናጽነትና ባንዴራ ንግደ ሓቒ ንሕና በይንና ኣይወደቅናላን። መንግስቲ ደርጊ፣ ሓዲስ መሳርያታት ካብ ደገፍቱ ተዓጢቑ ፈላጣት ኮምንደርስ ወሲኹ ካብ ገጽ ምድሪ ከጥፋኣና ከምጽእ እንከሎ እንኮ ምሳና ደዉ ዝበሉ ሂወቶምን ግዜኦምን ሞራልን ዝኾኑና ኣሕዋትና ተጋሩ ተጋድልቲ ህወሓትዮም። ድሕሪ ደርጊ ምዕናዉውን ዲሞክራስያዊ ሩፑፕሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያኣብ ግዜ ረፈረንዱም ብናዉትን ብሞራልን ብሕጋዊ መንገዱን ዝደገፉና ንሶም ህወሓትዮም ህወሓት ብሰንኪ እዚ ቅኑዕ መስመሮም ግዳይ ከም ዝኾኑውን ኩሉ ብዓል ህልና ኤርትራዊ ዘይክሕዶዩ። እዚ ቅድሚ ሾብዓተ ወርሒ ዝተወልዔ ኲናት ንመንግስትን ህዝብን ትግራይ እንተዘይንበርኪኽና መስመር ትምክሕቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክዕወት ኣይ ክእልን’ዩ ዝብል ኣጅነዳ ናይ ብዙሓት ሽርሒ’ዩ። ብሰማይን ብምድርን ዝጎስዕ ኣጽዋር ዓጢቖሞም ብገንዘብን መዳልያን ድማ መሪቖሞም። እዚ ኲናት ጸረ ህዝብን ጸረ ሰላምን ጸረ ዲሞክራስን’ዩ። ዲዉብብኤ ነዚ ናይ ፋሺሽቲ ኲናት ይኹንኖ።

ንሕና ኤርትራዉያን ኣብ ግዜ ጣልያን ብሓይሊ ባንዳታት ጥልያን ኮና ንኢትዮጵያ ንሶማል ንሊብያ ወጊእናና። ሃገርና ዶባታ ብመሬት ምስ ስለስተ ብባሕሪ ድማ ካብ ባብ ኤልመንደብ ክሳብ ሱወዝ ካናል ምስ ሓምሽተ ሃገራት ትዳውብ። ምስ እዘን ኩለን ሃገራት ሰላምን ርጉእ ናይ ቑጠባ ዝምድናን የብልናን። ንየምን ክትዓኑ ካብ ዓሰብ ነፈርትን ድሮናትን ክበራ መሬትና ተዋሂቡ። ሰቕ ኢልና። ሎሚ ብኢድና ብእግርና ንጎርቤት ሃገር ወሪርና። እሞ ንህዝቢ ትግራይ። ካብ እዘን ኩልን ሃገራት ዓለማት እታ ብሂወት ደቓ ኣብ ግዜ ቓልስና ዝደገፈትና ትግራይ ከም ዝነበረት መን ይርስዖ። ሎሚ ዝኾነ ፍጡር ወዲ ሰብ ክግብሮ ዘይግባእ ወንጄል ብባንዳታት ኢሰብ ኢሳያስ ኣብ ትግራይ ይፍጸም ከም ዘሎ ናይ ዓለም ዜናን ናይ መራሕቲ ዓለም ሃብታማት መንግስታትን ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ንትምክሕቲ ስርዓት ኢትይጵያ መንግስቲ ፋሺስቲ ኢሳያስ ዓንዲ ሕቆ ኮይኑ ከም ዘሎ ዓለም ብኹሉ ይዛረብ ኣሎ። ኣብ ጎቦታት ሳሕል ፋሕ ኢሉ ዘሎ ኣዕጽምቲ ናይ ተጋደልቲ ትግራይ ሰማእታት ከይወግኣናን ንታሪኽና ጸሊም ከይንገድፍን ብህጹጽ ኣብ ልብናን ቀልብናን ንመለስ።

ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ ናይ ዓለም ሕቡራት መንግስታትን ትካል ጸጥታ ቤት ምኽሪ፣ ብጥሜትን ብጥይትን ብሕሱም ጭቆናን ንዝጸንት ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ሽዓ ክርድኦ ንጹዉዕ። በቲ ዝሓሸ ዝብልዎ መንገዲ ንህዝቢ ትግራይ ምስ ወኪላቱ ተሳንዮም ሂወት ሰብ ከድሕኑ ብዕሊ ጻዊዒትና ነቅርብ ኣሎና። ነዚ ጽሑፍና እትድግፉ ኣሓትን ኣሕዋትን ግዲታኹም ክትገብሩውን ንጽዉዕ። ካልእ ክንግብሮ ዝግባእና እንተሎ’ውን ቅሩቡነትና ንገልጽ።

ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ እዚ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ናይ ኢሳያስን ኣብን ምሕዝነት ክሳብ ክንደይ መዘዝ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቓ ከምጽእ ከም ዝኾነ ጺሕፍናና። ሎሚ ዘሎ ኲናትውን ‘’ዶብ ምሕንጻጽን ንሕጊ ምኽባር’’ ዝብልዎ ሸፍጥዩ። አብ ኢትዮጵያ ብናይ ህዝብታት ቃልሲ ንዝተተኽለ ፈደራላዊ ስርዓት አፍሪስካ፡ አብ ክንድኡ ንስርዓት ህግደፍ ዝመስል ብዉልቐ መላኺ እትማሓደር ኢትዮጵያ ክምስርቱ ነዚ መሰለይ ዝብል ህዝቢ ትግራይ ምምብርካኽ ናይ ቐዳምነት ቐዳማይ መደቦምዩ። እዚ ግን ሕልሚዩ።

ፍሽስታውያን ዕምሮም ሓጺርዩ። ንሕና ደጊፍና ኣይደግፍና ህዝቢ ትግራይ ክዕወትዩ። ኣብ ድሮ ኣዉድኣመት ዓወት ህዝቢ ትግራይ እንተኾነ ቅድሚኡ ጸሓይና ክትበርቕ ንሕናውን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ኮና ብመትከል ንቓለስ። መሬት ንርእሳ ኢላ ምስ ወግሔት ጣዕሳ አይጠቅምን`ዩ። ጭዋ ባህልና ብህግደፍ ተብሪዙ ኣሎ። ንድለዮ ንሓድሶ ንተዓጠቆ፣ ንሱ ዘሰማማዓናን ዘዕዉተናን ዘኽብረናንን። ባህሊ ዘይብሉ ህዝቢ ኩሉ’ዩ ዝጻወተሉ። መጻወቲ ከይንኸዉን ኣብ ክቡር ባህልና ንመለስ። ካብ ዝፈላልዩና ዘራኽቡና ይበዝሑ፣ ዘባእስ ባህሊ ፋሺስቲ’ዩ ንቐሓሉ ወጊድ ንበሎ።

ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ ከም ስሙ ንመሰል ዉጹዓት ይቓልስ። መረበቱ ድማ ምድሪ ብሌንዩ። ኣብ ምድሪ ብሌን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ወገን ሃገርና ‘’ዓሳ ንምሓዝ ባሕሪ ክንጽፍ ኣለዎ’’ ዝብል ጭርሖ ተከቲሎም ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓደ ሺሕ ዝኸዉን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ንሰላማዊ ህዝቢ ናይ ዓድታት ዖናን በስክዲራን ቐቲሎም ገዝኡን ማሉን ግራቱን ድማ ኣንዲዶም። እዚ ቑስሊ ኣሎና። ከም ጥፍኣት ግደፉ ናብ ንፈትዎም ንጸልኦም እኳ ክወርድ ኣይንምኔን። ጸሊም ታሪኽ ንደቅና ክንገድፍ ኣይንደልን። ኣብ ግዜ ኩሉ ፋታዉ ፍትሒ ምስ ህዝቢ ትግራይ ደዉ ክብል ግዴታ ኣለዎ። ሞት ደቅና ኣብ መንገዲ ስደትን ኣብ ዘይፍትሓዊ ኲናት ደዉ ክብል ቅኑዕ መትከል ህዝቢ ንትዓጠቕ።

ናይ ውጽዓት አህዛብ ምሕዝነት ንዘለአለም ይንበር!!

ህዝቢ ትግርይን ህዝቢ ኤርትራን ክዕወት`!!

ዉድቐት ንፋሺስታዊ ጥምረት!!!

ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን/ሆደ 6/18/21