ኾነ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝካየድ ዝተኽሎ ዓይነት ስርዓት ብዘየገድስ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ እዩ፡

         « ፖለቲካ ምምሕዳራዊ ጥበብ »ክሳብ ዝኾነ ፡ዝኾነ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ዝቃለስ ሓይሊ /ህዝቢ ፖለቲካዊ ምምሕዳራዊ ጥበብ ወኒኑ መሰሉ ከረጋግጽን ጠቕሙን ፖለቲካዊ ስልጣኑን ክዉን ክገብር ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ዝቃለስ ከካይዶ ዘለዎ ቅድመ- ኩነታት ብግዜ ኣንጻር ክህልዉ ኣለዎም፡፡እዚ ማለት ካኣ እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ ህዝብን ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረ-ተሰብን ዕላምኡ ኣእሚኑ ከውድቦምን ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ዘብቕዕ ቃልሲ ከካይድን ይግባእ፡፡

         እዚ ፖለቲካዊ ልዕልነቱ ዘረጋገጸ ፖለቲካዊ ሓይሊ እንተሎ ማለት እዩ፡ እንተዘይየለ ግን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት፡ሰልፍታት፡ዓቕሞምን ትሕዝቶኦምን ኣዋሃሂዶም ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ከይጭብጡ ዝዓግቶም ዘሎ ገዛኢ መንግስቲ ስሙር ግንባር ብምምስራት ሓይሎም ኣዋሃሂዶም ፡ብሓደ ገጽን ብቀንዱን ሓባራዊ ጸላኢኦም ብቃልሲ እናዳኸሙ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ንቕድሚት ክምስረት ዘለዎ ሓባራዊ ሃገራዊ መንግስቲ ክምስረተሉ ዘኽእል ፖለቲካዊ ባይታ ክምድምዱን ነብሶም ከዳልዉን እዩ ዝግባእ፡፡

         * ካብዚ ፖለቲካዊ ቃልስን ምድልዋትን እዚ ወጻኢ ፖለቲካዊ ስልጣን መንግስትን ክጭበጥን ፖለቲካዊ ስልጣን ብከመይን መዓስን ክረጋገጽን ኣይክእልን እዩ፡፡ኣብ ደምበ-ተቓውሞና ክንርኢ እንከለና መብዛሕትኡ ክባሃል ዝካኣል ፖለቲካዊ ስልጣን ብከመይን መዓስን ክጭበጥ ይካኣል ዝብል ሕቶ ምንቕስቃስ ብዘይገድስ ዝዓብየትን ዝናኣሰትን ምንቅስቓስ ሓይልታት ተቓውሞና፡ምስ ብህርፋንን ባህግን ናይ ፖሎቲካዊ ስልጣን ምጭባጥ ዝተታሓሓዘ እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን ፡፡ እዚ ድሌት እዚ ድማ ንግዚኡ ክዕወት ስለዘይካኣለ ድማ ጸጸኒሑ ዝቃላሕ «ናይ ስደት መንግስቲ ክንምስርት ኣለና»ዝብል ርእይቶታት’ውን ክስማዕ ጸኒሑን ገና ይቃላሕ ኣሎን እዩ፡፡

         ኣብ ደምበ-ተቓውሞና ኣብዚ ወቅቲ’ዚ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት እዩ ዝርከብ ዘሎ? ዝጨበጠ ወይ ናይ ስደት መንግስቲ ከመስርት ዝኽእል ፖሎቲካዊ ስራሕ ሰሪሑን ጨቢጡን ድዩ? ዝብል ኣገዳሲ ነጥቢ ብምድህሳስ መልሲ ክርከብ ዝካኣል እዩ፡፡

ተቓወምቲ ሓይልታትና ጨቡጥ ኩነታትና ብጥንቓቐን ሓላፍነትን ከንመዝን እንከለና ሓይልና ኣዋሃሂድናንክንቃለስ ዝበቓዕና ኣይኮነን ዘለና፡፡ብምዃኑ ድማ ተቓዋማይ ሓይልታትና፡ብዝተባታተነን ኣብ በበይኑ ቀጽሪ ውደባታት ብምጽላልኣብ ሕድሕዱ ስኒት ብዝጎደሎ ኩነታት ተኺቢቡ ናብ ሕድሕድ ምትሕምማይን ምጥርጣርን ተሳጢሑ፡ዝተወባለን ውልቀ-ውድባት ይኹን ዝመስረቶም ሓባራዊ ውደባታትን ግንባራትን፡ ኣብ ዝመደብዎ ፖለቲካዊ ፡ውድባውን፤ዲፕሎማስያውን ስርሓት ኣድማዕነት ዘይብሉ ስራሕን ሂወትን እናሓለፈዝነጥፍ እናሃለወ፤ብኣነ ይሓይሽ ኣነባ ዝብል ፖለቲካዊ መንፈሳትእናተሃላለኸ፡ኣብ ውሽጢ ሃገርናን፤ህዝብናን ወጻኢን/ዲያስፖራ/ ክካየድ ዝግበኦ ፖለቲካዊ ከካይድ ዘይካኣለ፡ብመሰረቱ’ ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝረኤፖለቲካዊ ንጥፈታት ዘይበቅዐ፤ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ትርጉም ዘለዎ ሓባራዊ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ከካይድ ዘይካኣለን፡ኣብዚ ኣገዳሲ መዳይ ናይ ቃልሲ’ዚ ብዝተጠምረ ዓቕሚ ክንቀሳቐስ ዘይበቕዐን…ወዘተ እናሃለወ ፡ብሓጺሩ  ስልጣን  ይኹን ናይ ስደት መንግስቲ ከመስረት ዘኽእል ቅድመ-ምድላዋትን ዝረአን ዘጨብጥን ፖለቲካዊ ቃልሲ ከየካየደን ኣይበቕዕን ከመይ እዩ ኣቢሉፖለቲካዊ ስልጣን ክጭብጥ ዝደልን ዘሓልምን?

ብተመሳሳሊ «ናይ ስደት መንግስቲ ክንምስርት ኣለና» ዝብል ርእይቶ ከስምዕውን እንተኾነ፡ናይ ስደት መንግስት ምምስራት ይኹን ብሕብረተ-ሰብ ዓለምን መንግስታትን ኣፍልጦን ደገፍን ከዋሃብ /ክርከብ / ዝካኣል ካብ እነካይዶም ዘለናን ዝግባኣናን ኩሉ -መዳያዊ ቃልስታት ኣድማዒ ቃልሲ ብምክያድን ዝተጠምረ ሃገራዊ ዓቕሚ ብምውናን ምንቅስቓስን ዝርከብ፡ደገፍ እዩ ምበር፡ስቕ ኢሉ ሕብስቲ-ማና ኮይኑ ዝዕደል ወይ ዝርከብ ኣይኮነን፡፡መንግስቲ ኣብ ስደት ምምስራት ባህግናን ፡ ስለዚ ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ምጭባጥ ድሌት ይኹን እዞም ዝጥቀሱ ዘለዉ ነጥብታት ክጭበጡ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ ቅድመ-ስርሓት፡ምድልዋትንሃገራዊ ዓቕሚ ምውዳብን ህዝብና ብምብርባርን ምውዳብን ናብ ተቓሊሱ ከዕውተሉ ዘኽእሎ ንቕሓትን ክበጽሕ ብቃልሲ ምግባርን ከነሰላስል እዩ ዝህልወና፡፡

ነዚኦም ንምክያድን ንምዕዋትን ድማ፡ከምቲ « ጸባ ዝደለየ ላም የጥሪ »ዝባሃል ምስላ፡ብመሰረቱ ፖለቲካዊ ስልጣን ምጭባጥ ይኹን ናይ ስደት መንግስቲ ምምስራት ኣመልኪቶም ኣብ ፖለቲካዊ ሕልናና ሸንኮለል ዝብሉዘለዉ ሓሳባትእዞም ኣብ ፖለቲካውን ውድባውን መዳይ ዘለዉና ድኽመታት ኣለሊናን ኣሪምናን ከየወገድናዮምን ብቑዕ እዚኦም ባህግን ድሌትንቃልሲ ከነካይድ ክሳብ ዘይካኣልናን ዘሎ ግዜ እዞም ፖለቲካዊ ባህግታትና እዚኦም ባህግን ድሌትን ጥራሕ ኮይኖም እዮም ዝቕጽሉን ዝተርፉን፡፡ኣብዚ ምርኣይ ዘድልዮነጥቢ እንተሃለወ ፡«መንግስቲ ኣብ ስድት ክምስረት» ዝብል ድሌት /ጥሙሕ / ኣካል ኣምሳል ናይ ክንጭብጦ እንቓለሰሉ ዘለና ፖለቲካዊ ንምርግጋጽ እምበር ካብኡ ዝተፈለየን ዝተነጸለን ዘይምዃኑ ምርዳእን ምግንዛብን ኣገዳሲ እዩ ፡፡

ኣብ ስደት ብምዃን ናይ ስደት መንግስቲ ንምምስራት እንተፈቲናን ድማ ናይ ግዳም መንግስታት ኣፍልጦንደገፍ ክህባእንተኾነን ካብ ጭቡጥ ኩነታትተቃዋሚ ሓይልናን ዘካይዶም ኩሉ መዳያዊ- ቃለስን ብምብጋስ’ምበር ኣፍልጦ ሃቡናን ሓግዙናን ስለ ዝበልናዮም ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ኣፍልጦ ይኹን ድጋፍ ዝህቡ ኣይኮነን፡፡እቲ ኣብ በበይኑ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታት «ከይንሕግዘኩም ዝተጠምረ ሓይልን ዉሁድ ቃልሲን ከተካይዱ ብዘይምኽኣልኩምእዩ» ዝብል ዝህብዎ ርእይቶ ካብ ጭቡጥ ኩነታትና ዝተበገሰ ስለዝኾነ ብወድዕነቱ ተቐባልነት ዘለዎ እዩ፡፡ዕላማ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ እኳ እንተኾነ ፡ንምርግጋጹ ግን ጭቡጥ ምሕዝነት ናይ ተቓለስቲ ሓይልታትና ፤ብስኒትን ውህድትን ምቅላስ ምብቃዕ፤ኣብ ውሽጢ ሃገርናን ህዝብታትናን ብምዃን ሓያልን ማዕባልን ፖለቲከዊ ቃልስን ውደባንምክያድ፤ኣብ ስደት መንግስቲ ንምምስራት  ይኹን ብቐንዱ ፖለቲካዊ ስልጣን ምጭባጥ ብእነካይዶ መሪርን ዉሁድን ቃልስንብእንኸፍሎ መስዋእትን ጥራሕ ዝረጋገጽ ምዃኑ በልቢ ምእማንን፡ካብዚ ብምብጋስ ምሕዝነትናን ውደባታትናንብምድልዳል ፡ሃገራዊ ዓቕምታት ተወዲቡ ናይ ቃልሲ ኣበርክቶ ክግበረሉ ዝኽእል ፖለቲካዊ ባይታንኩነታትን ምፍጣርን ምርግጋጽን ዝሓተና እዩ፡፡

ስለዚናይ ፖለቲካዊ ስልጣን ምጭባጥን ናይ ስደት መንግስቲ ንምምስራት ባህግታትን፡ተጋዲልናን ዋጋ ናይ ቃልሲ ከፊልና ዝረጋገጹን ዝጭበጡን’ምበር ካብ ወድዓዊ ሓቂ ወጻኢ ብከም ዝደለናዮን ዝባሃግናዮን እንጭብጦም ኣይኮኑን ክውንነታውን ዝጭበጥን ፖለቲካዊ እምነትን ብምሓዝ ሃገራዊ ምሕዝነትና ኣደልዲልና ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን  ንምጭባጥን ሓቢርናን ተዳጊፍናን ንቃለስ፡፡

            ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!!