Written by: ደግሓኤ
Hits: 331

* ጽግዕተኛ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ናይ ዓመጽን ጎነጽን ፖለቲካዊ ስልጣኑ ዘይኮኖ  ክመስል  እናፈተነ፡ ክብሪ ህዝብን ሃገርን፣ ናጽነትን ልእላውነትን ብምርኻስን ናብ ዋጋ - ዕዳጋ ብምውራድ ጉጅላዊ ጥቕሙ ቀዳምነት ሂቡ ክምእርር ዝጸንሐን ዘሎን ጸረ-ህዝብን ጸረ-ሃገርን ዝኾነ ጉጅለ እዩ፡፡ 

መንግስቲ ህግደፍ  ብተፈጥርኡ (ደርባዊ ባህርያቱ) ናይ ሰላምን ደሞክራስን፡ ልምዓትን ዕቤትን ሓይሊ »ስለዘይኮነ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ብዓመጽን ምድንጋርን ጨቢጡ፡ ህዝባውን ሃገራውን ሉእላውነትን ንባዕዲ ኣሕሊፉ እናሃበ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ስርዓታት (ሓይልታት) ዝተፈላለየ ጉንዖ እናተቐበለ ህዝብን ሃገርን ኣሕሲሩ ኣዋሪዱን ዝነብር ዘሎ ከዳዕ ጉጅላዊ መንግስቲ እዩ፡፡ መንግስቲ ህግደፍ ጽግዕተኛ ኮይኑ ንምጥቃም ዝጥቀመሎም ሜላታት ብዙሓትን በቢግዚኡ እናተጥቕሱ ዝመጹን ስለዝኾኑ ንኹሎም ምጥቃስ ጽቡቕ ስለዘይከውን ገለን ቀንድን ካብኣቶም ምስ ፖለቲካ ኣማሳሚሱ ዝጥቀመሉ ሜላ ሓደ ዝኾነ ክንጠቅስ።መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ዓለምና ካብ ቅድም ብናይ ኣሰላልፋ ሓይልታት ሓይሊ ሚዛን እናተኻታተለ “መን የርብሓኒ'' ዝብል ሕቶ እናልዓለ ዝሓሸ እናመረጸ ምስቲ ክሳብ እዚ ግዜ እዚ ልዕልነቱ ኣረጋጊጹ ዝመጸ ምዕራባዊ ሓይልታት ብሓፈሻ ምስ ገሊኦም ካኣ ብፍላይ ብግሉጽን ብሚስጥርን ተልእኾ እናወሰደ ብኡ መጠን ዋጋ ዓስቡ እናተቐበለ ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎን ጽግዕተኛ ጉጅለ እዩ፡ጉጅለ ህግደፍንይምሰል ጸረ-ምዕራባዊ ስርዓታት ዝመስል ፕሮፖጋንዳዊ መቓልሓት እናስምዐ ዝመጸ እኳ እንተኾነ፡ፕሮፖጋንድኡ ዓሰብቲ ንምምራጽ ዝዓለመ ካብ ምዃን ሓሊፉ መማረጺ ዘለዎ ዕላማ ዝሓዘን ኣይነበረን።

እቲ ካልኣይ ሜላ ፖለቲከኛ ተመሲሉ ናይ ዓለምና ኣሰላልፋ ናይ ሓይልታት ከመይ ከምዝጽንሐን እንታይ ከምዝመስልን፡ ኣሰራርሓ ናይ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት እንታይ ከምዝመስልን ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ስለዘይብሉ ክልወጥ ከምዝግባእን እናኣመልከተ ዳርጋ ስልጣን ካብ ዝቆጻጸር ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት ጀሚሩ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 22-24 ዓመታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ውዳበታት (ትካላት) ሕቡራት መንግስታት ትሓድሶ ክተኣታቶ ኣለዎ ብምባል ዓለማዊ ፖለቲከኛ መሲሉ ንምቕራብ እናጸዓረ ጸኒሑ እዩ።

ኣብዚ ወቕቲ እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ሓያላን መንግስታት ናይ ምዕራብን ምብራቕን እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ወተሃደራውን ወዘተ ምስሕሓብን ምትፍናንን፡ እናዓበየን ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ዝነበረ ናይ "ዝሑል ኲናት" ምፍጣጣት ዝመሳሰል ፖለቲካዊ ክስተታት እናተጠናኸረ ብምምጽኡ እዚ ዝቀላቐል ዘሎ ምወጣጣት ኣብ ዓለምን ከባቢታትን እንታይ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከስዕብ ይኽእል ከየገደሶ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ወሲዱ ከበሮ ሓምሓሙ እናዘበጠ ናብቲ ናይ ምብራቕ ካምፕ እናተመላለሰ ብጽግዕተኛነትን ዕሱብነትን ከምዝዓስብዎ፡ተኣማንነቱን ምእዙዝነቱን ከረጋግጽ ኣብ ዘየቋርጽ ጻዕሪ ይርከብ ኣሎ።

እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ንናይ ምብራቕ ካምፕ ዝወከለ ብዝመስል ኣንጻር ናይ ምዕራብ ካምፕ ዝበለን ሓይልታት ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝምርሓ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብወግዒ ዝገለጸሉ ኩነታት ተበጺሑ ዘሎ ተርእዮ እዩ፡፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ሩስያ ኣብ ዝኸደሉ ገዜ ሕንኽ ከይበለ “መንግስቲ ኣሜሪካ ቃል ኪዳን ኔቶ ሒዛ ኣንጻር ሩስያ ኵናት ከፊታ አላ፡ እዚ ድማ ዓለም - ለኻዊ ኵናት እዩ፡ ስለዝኾነ ሩስያ ኣንጻር ኣሜሪካ ዓለም- ለኻዊ ኵናት ክትከፍት ኣለዋ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ጎንኹም እዩ ዘሎ”ወዘተ ከብል ዓለም ለኻዊ ውግእ ከኽፈትን ብውጽኢቱ ክርባሕ ብምሕላም ዝሃቦ መግለጺ እዩ፡፡እዚ መግለጺ እዚ ክኣ ጉጅለ ህግደፍ (ኢሳያስ) ክሳብ ክንዲ ኣየናይ ምስ ውግእን ወረ- ውግእን ዝተኣሳሰረ ባህርን ዕላማን ከምዘለዎ ቁልጭ ኣቢሉ ካብ ምብራህ ሓሊፉ፡ካብ ውግእ ወጻኢ ሂወትን ህልውናን ዘይብሎም ምዃኖም’ውን ብግልጺ ሓባሪ እዩ፡፡

ጉጅለ ህግደፍ ናብ ኣባላት ምብራቓዊ ካምፕ (ቻይናን ሩስያን ዝርከበኦ) ደጋፊአን ብምዃን ክሰርሕ ዝማጻደቐሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ኣብ ፖለቲካ ወታደራውን ዲፕሎማሰያውን መዳያት ጽልዋን ዓቕምን ስለዘለዎ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ እስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ሃገርና ኣብ ኣገዳሲ ከባቢ  ብምህላዉ፡እዞም ተነሓነሕቲ (ተወዳደርቲ) ሓይልታት እዚኣቶም ካኣ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ዓረብን ከካይድዎ ንዝደልዩ ስራሓትን ክረኽብዎ ንዝኽእሉ ዝተፈላለየ ጥቕምታትን ንምስላጥ ዝሕግዝ ኣብ ባሕርን መሬትን ሃገርና ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ መዓስከራት ንምድኳንን፡ ካብኡ እናተበገሱ ክንቀሳቀሱን ስለዝሕግዞም መሬትና ተኻርዮም ንዝተፈላለየ መዓላታት ንምግልጋል ስለዝደልዩን እዮም እዚ ኣግባብ እዚ ድማ ጉጅለ ህግደፍ ካብዞም ሓይልታት እዚኣቶም ዝተፈላለየ ጥቕምን ሓገዛትን ብምርካብ ውሕስነት ንዘይብሉ ዕድመ ጽግዕተኛ ስርዓቱ ንምንዋሕ እዩ ዕላምኡ፡፡እዚ ማለት ክኣ እቲ ብህግደፍ ክርከብ ዝድለ ዘሎ ጠቕሚ ፖለቲካውን ቁጠባዊ ይኹን ወተሃደራዊ ደገፋት ንግዚኡ ካብ ምጥቃም ሓሊፉ ንህዝብታትናን ሃገርናን ኣብ ህልውንኦምን ዕቤቶምን ዝጠቅም ፋይዳ ዘለዎ ኣይኮነን፡፡

ብኣንጻሩ ነዚ ገዛኢ ጉጅለ ዝጠቅምን ንህዝብታትናን ሃገርናን ድማ መመሊሱ ናብ ጽግዕተኛነትን ተመጽዋትነትን ዘሳጥሕ ተርእዮ እዩ ዝኸውን፡፡ ስለዝኾነ ናይ ህግደፍ ናብ ሓዱሽ ካምፕ ጽግዕተኝነት ምእታው ካብ ግዝያዊ ጉጅለ ጥቕሙ ምርግጋጽ ዘይሓልፍ፡ ንህዝብታትናን ሃገርናን ድማ ናጻ ሃገራዊ ናጽነቶም ልእላውነቶምን ዘዳኽምን ዘስእንን ብመስርሕ ሕሱም ኩነታት ዝፈጥር እዩ ዝኸውን፡፡ጉጅለ ህግደፍን ኢሳያስን ግን ኣብ ናይ ውግእሃዋህው ናይ ህዝብታት ጭቆናን ምዝመዛን ኩለ-መዳያዊ ሕሰማትን ምንባር ስለዝኾነ ምርጭኦም፡ ናይ ህዝብታትን ሃገርናን ናይ መጻኢ ዕድል ከየገደሶም፡ጥቕሞምን ህልውንኦምን ጥራሕ ስለዘገድሶም ሎሚ’ውን ህዝብናን ሃገርና ናብ ሓዱሽ ካምፕ ጸግዕተኝነት ብምሕዋስ ክጠቀሙ (እንተሰሊጠዎምስ ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል እዮም ዝርከቡ)፡፡

* እዘን ኣብ ዓለምና ዝወዳደራ ዘለዋ መንግስታት (ሃገራት) ምስ ዘለወን ኩሉ-መዳያዊ ትሕዝቶን ወተሃደራዊ ዓቕምን፡ ኣብ ሃገራት ዘለዉ ኩለ-መዳያዊ ጽልዋን ተደሚሩ ክርአ ከሎ ኣብ ግጭት እንተድኣ ተበጺሑ፡ ከምቲ ናይ ህግደፋውያን ጸቢብን ዘይሓላፍነታውን ኣታሓሳስባ ብቐሊሉ ዝፍ       ጸምን ጠጠው ዝብል ዘይኮነስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታትን ዓለምን ኣብ ህዝብታትን ሃገራትን ንምግማቱ ዘጸግም ጉድኣት ከውርድ ዝኽእል ክስተት እዩ ዝፈጥር፡፡ ጉጅለ ህግደፍ ግን ከም ኩሎም ጸረ- ህዝብን ጸረ- ደሞክራስን ስርዓታት (መንግስታት) ብዋጋ ህዝብን ሃገርን ክጠቀሙን ክነብሩን ባህርያቶም ስለዝእዝዞም፡ ካብዚ ሓቂ እዚ እናተበገሱ ውግእ ኣብ ሞንጎ ደቂ ሰባትን መንግስታትን ክውላዕ ከም ጠቓሚ ገይሮም ስለዝወስዱ፡ታሪኻዊ ጌጋን ገበንን እናፈጸሙ እዮም ዝሓለፉ፡፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ምርግጋጽ እንተተደልዩ ድማ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ጨቓኒ ስርዓት ታሪኽ ገንጺልካ ምርዳእ ዝካኣል እዩ፡፡ኣብ ጉዳይህግደፍ ንምፍላጥ እንተመጺእና ድማ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዘሓለፍናዮም ናይ ሳላሳን ክልተን መሪር ዓመታት ዝተመዝገበ ኣሉታዊ ታሪኽ ስለዝኾነ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን፡፡

* ኣብ ዓለምና ዝቐላቐል ዘሎ ዘስግእ ምስሕሓብን፡ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ኣሉታዊ ኣንፈትን ክዉን ክኾኑ እንተዳኣ ክኢሎም ኩሉ-መዳያዊ ኣሉታዊ ሳዕቤኖም እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል መብርሂ ዝሕተተሎም ኣይኮኑን፤ከም ናይ ዝሕለፉ ብቀዳማይን ካልኣይን ዓለም ውግኣት ዘስዓብዎ ህልቂትን ብርሰትን ዕንወትን ዘስዕቡ እዮም ዝኾኑ፡ ስለ ዝኾነ ከም መፍትሒ ክቐርብ ዘለዎ ሓሳብ ዓለማዊ ይኹን ከባብያዊ ግጭት ንከይውላዕ ብሓሳብ ደረጃ መርገጺ ምሓዝን ዓቅምና ክንዲ ዘፍቕዶ ተቓላሳይ ህዝብታትና ተቓለስቲ ደቑን እዚ ኣህላቕን ኣብራስን ውግእ ከይውላዕ ምስ ፈታው ሰላም ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ርእይቶኦም ኣስሚሮም/ ኣዋሃሂዶም/ ምቅላስ እዩ፡፡

ካብዚ ወጻኢ እቲ ዘይተርፍ ውግእ እንተተጀሚሩ ንህዝብታትና ይኹን ንካልኦት ህዝብታት ናይ ከባቢና ዝልክም እዩ ዝኸውን፡፡ብፍላይ ካኣ ጉጀለ ህግደፍ እዞም ናይ ምብራቕ ሓይልታት ዝብሎም ብቻይናን ሩስያን ዝምርሑን ዝጽለዉን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕርና ዝተፈላለየ ወታሃደራዊ መደበራት ክድኩኑ እንተበቒዖም ፡ኣብ ልዕሊ ህዝብናንሃገርናን ክስዕብ ዝኽእል ጉድኣታት ክህሉ ከም ዝኽእል ዘጠራጥር የብሉን፡፡

ስለዝኾነ ከምቲ «ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጸረግ » ዝባሃል ምስላ፡ መንግስቲ ህግደፍ መሬታውን ባሕራውን ልዑላውነትና ንሓደስቲ ዓሰብቲ ኣካርዩ ንምጥቃም ይኹን፡ኣብ ሓዲሽ ካምፕ ብምእታው ናይ ተልእኾ ውግእ ከካይድን፡ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣብቲ ክምስረት ዝኽእል ኣዕናዊ ግንባር ብምስታፍ ምሕዝነቱ ንምርግጋጽን ብምሕሳብ ንምዕዋቱ ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል ዝርከበሉ ዘሎ ዕማማት ንከይዕወት ክንቃወምን ከነበርዕኖን እዩ ዝግባኣና፡፡ንዝኾነ ጃንዳ ሓያላት ምዕራብ ይኹን ምብራቕ ኣብ መሬትናን ባሕርናን መዓስከራት ከይምስርቱ ኣበርቲዕና ክንቃለስ ኣሎና፡፡እዚ መኸተን ቃልስን እዚ ከይገበርናን ምስ እንተርፍ ግን ግዳይ ናይ’ቲ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ካብ ምዃን ክንድሕን ኣይንኽእልን፡፡ ስለ ዝኾነ፡ንድሕነት ህዝብታትናን ሃገርናን ከባቢናን ንምርግጋጽን ንምውሓስን ምስ ከማና ዝኣመሰሉ ፈተውቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾኑ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ብምዃን ክንራባረብ እዩ ዝህልወና፡፡

                          ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!!