እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 36 guests and no members online

ኣብ ከተማ ሲያትል ንርከብ ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራሲን ኤርትራውያን ኣብ’ቲ ኣብ 29 ጥቅምቲ , 2015 ዓ / ም/ ፈረንጂ ኣብ ቀጽሪ መጋባእያ ሕቡራት መንግስትታ ዓለም ኩልና፡ ኤርትራውያን፡ ብዘይ ሓደ ፍልልይ፡ ንኽንሳተፎ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ሲያትልን፡ ከባቢኣን ንቕመጥ ኤርትራውያን’ውን ብብዝሒ ቁጽሪ ህዝቢ ንኽንሳተፎ፡ ሃገራዊን ፡ ሞራላውን ግቡእና እዩ።

ድሕሪ ምስታፍና፡ ናብ ህዝብና ከነመሓላልፎ ዝድለ መልእኽቲ ፡ ብንጹር ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ እቲ ጸሎትን፡ ትምኒትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ሃገርና ብዝቐልጠፈ ግዜ ፡ ለውጢ ንፍትሕን፡ ደሞክራሲን፡ ራህዋን፡ ቅሳነትን፡ ንምምጻእ ስለ ዝኾነ፡ ብዛዕባ’ዞም ነጥብታት እዚኣቶምን ካልኦት ሃለኽቲ ሕቶታት ሃገርን’ውን ብሓባር ንምዝታይ ኣብ መደብ ስለ ዘሎ፡ ነቶም ብኣካል ዝውኩልና ዘሎዉ ውፉያት ኣሕዋትን፡ ኣሓትን፡ ናይ ገንዘብና ስንቂ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ ነፍስ-ወከፍና፡ ሓሳብን፡ ርእይቶን፡ ምኽርን ፡እውን ንኽንልግሰሎም፡ ናይ ህዝቢ ኣኼባ፡ ንዕለት 17 ጥቅምቲ 2015, ልክዕ ሰዓት 5pm ፡ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣደራሽ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን፡ ሲያትልን ፡ ከባቢኣን ተመዲቡ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ቅኑዕን፡ ፍትሓዊን ዝኾነ ህዝባዊ ኣኼባ ፡ ኩልና ብኣካል ተረኺብና፡ ስነ- ሓሳባዊን፡ንዋታውን፡ ሞራላዊን እጃምና ምስ እነወፊ፡ እቲ ዝድለ ዓወት ብዘይ ጥርጥር ከም ዝጭበጥ፡ ዘየወላውል ሓቂ እዩ።

ስለ’ዚ ጽቡቕ ኣብነት ንምዃን ንተዓጠቕ ሓደራ !!!  

ብተደጋጋሚ ከነተሓሳስባ አንደሊ ነጥቢ ከኣ፡ አታ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ዕለት ስለ ዝቐረበትን፡ ከምኡ ድማ ከተማ ሲያትል ካብ ኩለን ከተማታት ኣመሪካ ዳርጋ ዝረሓቐት ከም ምዃና መጠን፡ ኣዬር -ትኬት እንተደንጎየ በዛ ተጠቒሳ ዘላ ናይ ህዝባዊ ኣኼባ ዕለት፡ እንተዘይተገዚኡ፡ ኣዝዩ ክኸብር ከም ምዃኑ ብጥብቂ ከነተሓሳስብ ንፈቱ።

ብደሓን ከኣ ምጹ!

ኣኼባ ዝግበረሉ ኣድራሻ ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ እዩ፡

Eritrean Community Center

2402 East Spruce Street

Seattle Washington 98122

ግዝያዊት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ናይ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን፡ ንምዕዋት ሰላማዊ ሰልፊ ኒ-ዩ ዮርክ (NY ).

           

 

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel