ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ንኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ብፍላይ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ዓለም ከኣ ብሓፈሻ፡ እንቋዕ ናብ’ዚ ታሪኻዊ ዓለም ለኻዊ ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ጸሓክንን ኣብ ጸሓናን ይብል። ቀጺሉ፡ ናይ ሎሚ ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት፡ ብደረጃ ሃገርና፣  ዞባና፣ ኣህጉርናን ዓለምን  ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበረ፡ ዝተሓላለኸን ዝኸፍአን ዓይነተ ብዙሕ ሰብ ዝሰርሖን ተፈጥሮን ጸገማት፡ ብዙሓትን ግፉዓትን ህዝብታት ብህይወት ናይ ምንባር ውሕስነት ስኢኖም ንሓደጋ ኣብ ዝተሳጥሕሉ፣ ዝተራቐቑ ኣዕነውቲ ኣጽዋራት ኲናት ንምውናን ዞባውን ዓለማውን ሓያልነት ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ውድድር፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ብቕሉዕ ኣብ ዝተጣሕሰሉ፣ ህላወን ቀጻልነትን ዘርኢ ወዲ ሰብ ብዘገምታ ክቕህም ዝገብር፡ ኣንጻር ሕጊ ተፈጥሮ ዝኾነ መርዓ ተመሳሳሊ ጾታ ብጉልባብ መሰል’ዩ፡ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣተሓሳስባ፡ ሕጋውን ወግዓውን ኣፍልጦ ረኺቡ፡ በተሓሳስባን ብተግባርን ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ ወቕቲ፣ ማሕበራዊ ሃይማኖታውን ባህላውን ስሩት ኣወንታዊ ክብርታት፡ ብግዝያዊ ረብሓ ዓገብ ዝብል ስኢኑ ናብ ነበረ ኣብ ዘንቆቁለሉ ዘሎ ኣሰካፊ መድረኽ፣ ሚዛን ፍትሒ ክሕልው ዝተመሰረቱ ዞባዊ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ውድባት፡ ብተግባር ብውሑዳት ሓያላን ኣብ ዝተዓብለለሉ፣ ውጽኢት ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር ዝኾነ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ብሓደ መዳይ ብዋጋ፡ ብኣጠቓቅማ፡ ብግዜ ጾር ደቂ-ሰባት ኣብ ዘቃልለሉ፡ በቲ ካልእ መዳይ ከኣ፡ያዕ ዝብል ስኢኑ ብፍንጡሕ ኣገባብ ንማሕበራዊ ባህላውን ሃይማኖታውን ኣወንታዊ ክብርታት ብኣሉታ ኣብ ዝጸልወሉ ኩነታት ይኽበር ብምህላው ቅድም ክብ ካብ ዝነበረ ፍሉይነት ከም ዘለዎ ይግንዘብ።

 ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ 8 መጋቢት፡ መራሒት ዓለም ለኻዊ ዴሳዊ ምንቅስቓስ ዝነበረት ክላራ ትዜንትኪን ዝተባህለት ጀርመናዊት ብ1910  ኣብ ኮፐንሃገን ደንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ዓለም ለኻዊ ማሕበርነታዊ ጉባኤ ብዘቕረበቶ ሓሳብ መሰረት ከም ዝተበገሰ ሰነዳት ይሕብሩ። ዕላማ 8 መጋቢት ድማ፡ ጾታዊ ወጽዓ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ደርባዊ ወጽዓ ዘይፍለ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዓለም ዘለዋ ሰራሕተኛታት ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ዝበጽሐን ድርብ ወጽዓ ሓራ ንምውጻእ፡ ሰራሓተኛታት ኣንጻር ገደብ ኣልቦ ምዝመዛ ንሰላም፣ ንደሞክራሲ፣ ንማዕርነት፣ ንፍትሒ ኣብ ዘካይድዎ ቃልሲ፡ ምሉእ ተሳትፎአን ብምርግጋጽ፡ መሰለን ብቓልሰን ከኽብራ  ዝዓለመ ምዃኑ፡  እዚ በዓል ንመጀመርታ ግዜ፡ ብ1911 ኣብ ጀርመን፡ ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ስዊዘርላንድ ከም ዝተኸብረን እቶም ናይ ታሪኽ ሰነዳት ወሲኾም የረጋግጹ።

መራሒ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ዓለም ዝነበረ ውሩይ ፖለቲከኛ ቪላድሚር ኢሊች ለኒን ኣብ ወጽዓ ደቂ-ኣንስትዮ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ተንታን ናይ ሕብረተሰብ ፍርቂ ሓይሊ ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ፡ መጀመርያ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ምስ ወዲ ተባዕታይ ብማዕረ ኣይረኣያን። ብካልኣይ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣዝዩ ድሑር ከቢድን ኣሰልቻውን ስራሕ ኣብ ምስራሕን ኣብ ምዕባይ ቆልዓን ከገልግላ ዝተደረታ’የን ይብል። ቀጺሉ፡ ማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብትምህርቲ፣ ብስራሕ፣  ብደሞዝ፣ ብጥሮታ፣ ብተግባር ምስ ወዲ ተባዕታይ ብማዕረ ዝርኢ ሕጊ ምስ ዝህሉን ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዳያት ማለት፡ ኣብ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ምምሕዳር፣ ማሕበራዊ ናብራ ምሉእ ተሳትፎ ክህልወን ከም ዘለዎ  ድማ የገንዝብ። እዚ ተግባራዊ ዝኸውን ድማ ብልመና፡ ብቑዘማ፡ ብምጽወታ ዘይኮነ፡ ብፖለቲካ ነቒሐን፣ ስጡም ውደባ ፈጢረን፣ ብቐሊል ዘይስገራ ተጽዕኖ ፈጠርቲ ኮይነን ምስ ዝርከባ’ዩ ድማ ይብል ቪላዲሚር ኢሊች ለኒን። እዚ ተንታን’ዚ ትማሊ ሎሚ ጻባሕ ኩሉ ግዜ ዘገልግል ብንውሓት ግዜ ዘይሃስስ ዘይኣርግ ረዚን ፖለቲካዊ መልእኽቲ’ዩ። ምኽንያቱ ከይነቓሕካ ከይተወደብካ ከይተቓለስካ ዝረጋግጽ መሰል ስለ ዘየለ።

ባህልና ባህሊ ኤርትራውያን ንወዲ-ተባዕታይን ጓል-ኣነስተይትን ብማዕረ ሚዛን ዝርኢ ኣይኮነን። ሰብ ብሰብነቱን ኣተሓሳስባኡን ዘይኮነ፡ ብኣካል ብጉልበት ዝዕቅን ድሑር ኣረኣእያ ልዕልነት ዝሓዘሉ ስለ ዝኾነ፡ ወዲ ከም ኩሉ ዘይሰኣኖ፡ ፈላጥ፣ ሓያል፣ ተባዕ፣ ኩርዓት ስድራ ቤት፣ ሓበን ሃገር፣ ተቐባሊ ሕድሪ፣ ጓል-ኣነስተይቲ ኸኣ፡ ከም ብተፈጥሮ ዝተበደለት፡ ናይ ኣተሓሳስባ ኮነ ተግባር ዓቕሚ ዝጎድላ፡ ከም’ቲ ቪላድሚር ኢሊች ለኒን ዝገለጾ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ተዓፊና ኣዝዩ ኣድካሚ ስራሕ ክትሰርሕ፡ ሰብኣያ ዝበለ ከም ዘለዎ ተቐቢላ ክትፍጽም፡ ንዕኡ ዘሐጉስ ክትገብር ከተቀባጥር፡ ብሕጊ ተፈጥሮ ይኣክል ክሳብ እትበሃል ኣብ ርእሲ ርእሲ ክትወልድ ዘተባብዕ ዘይኮነ ዘገድድ’ዩ።

ኣብ ፖለቲካዊ፣ ምምሕደራዊ፣  ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊ መዳያት ማዕረ ምስ ወዲ ተባዕታይ ደገ ወጺኣ ክትዋሳእ፡ ተማሂራ ዓቕሚ ደሊባ ከተመሓድር፡ ከተስምዕ ከተድምዕ ከተፍሪ ከም እትኽእል ዝቕበል ኣተሓሳስባ ገዛኢ ኣይነበረን። “ ጓል ምውላድ ጉድ ምውላድ” ፣ “ ዝኣኸለት ጓልካ ንዝብኢ ሃባ” ፣ “ ልቢ ጓል ክንዲ መርፍእ እንተሰዓምካያ ትጠፍእ” ፣ “ ንብዕራይ ኣብ መልሲ ንሰበይቲ ኣብ ሳልስቲ ወስ ኣይትግደፍ” ፣ “ ጓል ተማሂራ ኣብ እትበጽሖ የብላን” ፣ “ ናይ ደም ዕዳ እንተለካ ብመውስቦ ጓል ኣደቅሶ” ….ወዘተ ዝብሉን ካልኦትን ኣብ ልዕሊ ጓል ኣነስተይቲ ዝነበረ ኣዝዩ ድሑርን ጸቓጥን ኣረኣእያ ይሕብር። ካብ ጓል ኣነስተይቲ ተወሊድካ፡ ካብ ጓል ኣነስይተይቲ ወሊድካ፡ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ዝኸበደ ጾር ስድራ ዝተሰከመት ምዃና እናተፈልጠ፡ ጉልበታ ምምዝማዝ ጥራሕ ከይኣክል፡ ብሕልና ሞራላ ዝሰብር ጸርፍን ማህረምትን ብጸጋ ተቐቢላ ተመሳሲላ ክትሓድር፡ ካብ መምርሒ ቅዱሳን መጻሕፍቲ  ዝወጽአ ኣስተምህሮ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ተደሪብዎ፡ ንጓል ኣነስተይቲ ከም ሰብን ብዓይኒ መሰልን ኣትሒቱ ዝርኢ ባህሊ ከም ዝነበረና’ዩ ማሕበራውን ባህላውን ታሪኽና ዘረጋግጸልና።

እዚ ዘይሚዛናዊ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኢ-ሰብኣዊ ዝኾነ ድሑር ኣረኣእያ፡ ምስ ምጅማር ዘመናዊ ትምህርቲ ብሓፈሻ፡  ምስ ውልደት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ከኣ ብፍላይ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ተማሂረን መማህራን፣ ሓካይም፣ ተመራመርቲ፣ ኣመሓደርቲ፣  ነጋዶ፣ ሓረስቶት፣ ተዋጋእቲ ኣዋጋእቲ ክኾና ከም ዝኽእላ ገለ ናይ ኣገንዝቦ ለውጢ ክመጽእ ጀሚሩ።  ደቂ-ኣንስትዮ ህይወተንን ህይወት ስድራ ቤተንን ክልውጣ፡ በረኻ ወጺአን ከም ወዲ-ተባዕታይ ንሰብ ዝሰርሖ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንሰብ ዝሰርሖን ባህሪያውን ውድን ጾር ተሰኪመን ኣብ ዓውደ ውግኣት ተሳቲፈን ብተግባር ብዘመስከራኦ ትብዓት፡ ጀግንነት፡ ውጽኢታዊ ስራሕ ቀስ ብቐስ ኣወንታዊ ለውጢ ክተኣታቶ ጀሚሩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ብትምህርትን ብተሳተፎ ኣብ ጽኩር መድረኽ ቃልስን ዝተራእየ ኣወንታዊ ምዕባለ መባእታዊ ደኣምበር፡ ነቲ ንወዲ ተባዕታይ ሓፍ፡ ንጓል-ኣነስተይቲ ከኣ ኣትሕት ኣቢሉ ዝርኢ ድሑር ናይ ኣተሓሳስባ ሚዛን መሊኡ ዝቐየረ ኣይኮነን። ንዓቕመ ሂዋን ዝበጽሐት ጓል ክትምርዖ ክትወልድን ክትዝምድ’ዩ ዘለዋ።  ተማሂራ ኣበይ ክትበጽሕ’ያ ዝብል ግጉይ ተረድኦ ሎሚ’ውን ይሰርሕ’ዩ ዘሎ። ውሑዳት ብደረጃ ኮለጃት ዝምረቓ እንተሃለዋውን ኣብ ዓውደ ተግባር ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነታዊ ቦታት ኣይረኣያን። ንነዊሕ ዓመታት ተጋዲለን ተመክሮ ደሊበን ክንሰን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ኣብ ናይ ምውሳን ስልጣን የለዋን። ኣለዋ እንተተባህለ ድማ ንፍርዲ ኣይትርቱዕና ዓይነት ኣዝየን ውሑዳት ኮይነን  መዳመቕቲ ወደስቲ ደኣምበር ብርእሰ ምትእምማን ንሰብኣውን ጾታውን ማዕርነተን ክጣበቓ ኣይረኣያን። ስለዚ ከኣ ብገምጋምን እምነትን ደግሓኤ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ተማሂረን ተጋዲለን ሕቶ ሓቀኛ ማዕርነት ግን ዛጊት ኣይተመለሰን። እቲ ዝነበረ ልዕለ ትሕትነት ኣጉል ተባዕታዊ ትዕቢት ብመጠኑ ቀኒሱ ‘ምበር ዓይነታዊ ለውጢ ኣይመጽአን።

ብተግባር ኣብ ኤርትራ፡ ጸረ-ህዝቢ ገዛኢ ጉጅለ ብዝኽተሎ ዘሎ ኩለንተናዊ ኣብራሲ ፖለቲካዊ ኣንፈት፡ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዘኽብር፡  ካብ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ዝምንጩ ደሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ የለን። ሰላም የለን። ልምዓት የለን። ህላወ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ልምዓት ብመደብ ኣብ ዝበኾረላ ሃገር ቀንዲ ጥቑዓት ድማ ኣዴታትን ህጻናትን’ዮም። ኣንኮ-ሰባዊ ስርዓት እቲ ሕብረተሰብ ንዝግለጸሎም፡ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊ ክብርታት ብምዕናው፡ ናይ ነዊሕ ራኢ ዘይብሉ ሓላፍነት ዘይስመዖ ጽልሙት ወተሃደርን ወተሃደርነትን ኣረኣእያ ክነግስ ብምግባሩ፡ ምስ’ቲ ቅድሚ 1991 ዝነበረ ብምንጽጻር ክምዘን እንከሎ፡ ሎሚ ውላድ ይሃልው ኣይሃሉ ፍትሕ ተራ ነገር’ዩ፡፡ ኣብ ርእሲ ቃል ኪዳንካ  ካብ 4-5 ኣንስቲ ምውላድ ብሕጊ ዘሕትት ዘሕፍር ዘይኮነስ፡  ብኣንጻሩ ብኹርዓት ዘግልጽ መን ከም እከለ ዘብል ማሕበራዊ ሰለሎ’ዩ ተኣታትዩ ዘሎ።

ዘይነበረ ካብ ሰባዊ ናብ እንስሳዊ ባህሪ ዝቕይር ኣዕናዊ ባህሊ የስፋሕፍሕ ኣሎ። ቆልዑ ተወሊዶም በቲ ስሩት ኣወንታዊ ባህልና መሰረት፡ ወለደኦም ክቖጽሩን ክገልጹን  ኣብ ዘይኽእልሉ ብናይ መንነት ቅልውላው ዝሽገሩ ኣብ ዝበሕሉ ዘለው ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ብምህላውና፡ ወጽዓ ኤርትራዊ ጓል-ኣንስተይቲ ገለ ውሱን መጠናዊ ለውጢ ኣርእዩን መልክዑ ቀይሩን ደኣምበር፡ ካብ መሰረቱ ኣይተወገደን ዝብል ገምጋም ኣለዎ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)።

ስለዚ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ብሓፈሻ፡ ናይ ምንባር ውሕስነት፣ ምዝራብ፣ ምውዳብ መሰላት ኣብ ዘኽብራ ደሞክራስያውያን ሃገራት ትነበራ ዘለኽን ድማ ብፍላይ፡ ን8 መጋቢት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ እናተራኸብካ ሓጺር መግለጺ፡ ጭርሖ ኣስሚዕካን ሳዕሲዕካን ትበታተነሉ ዘይኮነ፡ ንጹር ህዝባዊ ዝኾነ ኣረኣእያ፡ ቀጻልነት ዘለዎ ርክብ፡ ተሓታትነት ዘለዎ ስጡም ውዳበ ብምፍጣር፡ ዝተጸንዑን ዝተማእከሉን ኣኼባታት፣ ሰሚናራት፣ ሰላማዊ ስልፍታት ብምክያድ፡ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለው ነጥብታት ብመደብ ተታሒዙ ክስረሓሉ ደግሓኤ ይላቦ።  

1.  ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ብዝተናወሐ ሰላማውን ብረታውን ቃልስን ኩሉ ሸነኻዊ መስዋእትን ወናኒ ልኡላዊ ሃገር ኮይኑ ክንሱ፡ ነቲ ንሃገራዊ ነጻነት መበገሲ ዝኾነ መሰረታዊ ህዝባዊ ሓርነታዊ መሰላት ግን ከምዘየረጋገጸ፡ ማዕርነታዊ መሰል ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ብኣረኣእያ ብሕግን ብተግባርን መሊኡ ከምዘይተመለሰ፡ ብጉልባብ ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ሳዋ ናብ ዝበሃል ማእከል ብልሽውና ዝኣትዋ ዘለዋ መንእሰያት፡ ብምድንጋርን ብምስግዳድን መሕለዊ ስልጣን ሓደ ሰብን መርወይ ስጋዊ ስምዒት ጥሪት ኢሳያስ ዝኾኑ ብደዎም ዝሞቱ ስማውያን መኮነናት ብምዃን ንዘይተደላዪ ጥንስን ሕዱር ሕማምን ተሳጢሐን ኣብ ትሕቲ ሕሱም ፖለቲካዊ ጭቆና ይነብራ ከም ዘለዋ ብንቕሓት ምእማንን ንምውጋዱ ብተግባር ምቅላስን፣

2. ጠንቂ ኩሉ ሽግራት ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝቢ ዘኽብር፡ ጠለብ ህዝቢ ንምምላስ መሰረት ገይሩ ዝቃለስን ዘቃልስን ብቑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ ዘይመለሰ ምዃኑ ብሓፈሻ፡ ብኢደ ወነኑ ኣብ ሃገራዊ ስልጣን ሓኲሩ ዝርከብ ኣካል፡ ህዝቢ ካብ ምርዓድ፣ ምድካይ፣ ምስቓይ፣ ምክፍፋል ወጻኢ፡ ኣጀንዳ ህዝባዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ህዝባዊ ልምዓት ዘይብሉ እንኮ ውድብ ዘይኮነ እንኮ ሰባዊ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ደኣምበር ብቐጥታ ኮነ ብስውር ካብ ግዳም ዝመጽአ ሓይሊ ዘይምዃኑ ተረዲእካ ምቅላስ፣

3. ብጥሕሰት ሰባዊ መሰል፡ ብፖለቲካዊ ዓፈና፡ ብቑጠባዊ ቅልውላው፡ ብዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ፡ ብዕንወት ማሕበራዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታት ታሕቲ  ወሪድና፡ መረበትናን ሃገርናን ገዲፍና ከም ዘርኢ ሽንፋእ ኣብ ፎቆድኡ ተበቲና፡ ሰኸም ትርጉም ሰብን ሰብኣዊ ክብረትን ኣብ ዝርደኦም ደሞክራስያውያን ህዝብታትን መንግስታትን መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለምን ኮይና እናሃለና፡  ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ  ዘሎ ግፍዕን ፋሽሽታዊ ተግባር ዘቤታዊ ገዛእን ዓው ኢልካ  ምዝራብ ንጸላእቲ ምሕጓስ፡ ምስጢር ኤርትራ ምውጻእ፡ ሞራል ህዝቢ ኤርትራ ምጉዳእ’ዩ ዝብል ብገለ ወገናት ተታሒዙ ዘሎ ኣረዳድኣ፡ ናብ ኩሉ ዘስእን ፖለቲካዊ ነብሰ ቕትለት ዝወስድ ሓደገኛ ኣንፈት ምዃኑ ብንቕሓትን ብሓላፍነትን ምርዳእን ምግራሕን፣

4. ማዕርነታዊ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብፖለቲካዊ ንቕሓት  ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብሕጊ  ብተግባር ኣብ ኩሉ ክውነን ክጉልብት ኣብ መድረኽ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ኮነ፡ ኣብ’ዚ ጸረ-ዘቤታዊ ጸላኢ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ብፍትሓውን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ መርገጸን፣ ብምምሕዳራውን ወተሃደራውን ብቕዓተን፣ ተወፋይነተን፣ ህዝባዊነተን ዝፍለጣ ፍሉያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ብህይወት እንተሃልየን ቅድሚት ክመጽኣ፡ ብህይወት እንተዘይሃልየን ከኣ ከይርሰዓ ክዝከራ ኣብነት ናይ ሓደስቲ ወለዶ ዝኾናሉ ባይታ ምፍጣር፣

5. ብሰንኪ ዘቤታዊ መግዛእቲ ህወተን ከድሕና ካብ ኤርትራ ሃዲመን ከምልጣ ክብላ ተታሒዘን ብሕሱም ስቅያታዊ መግረፍቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞታ፡ ኣካለን ዝጎደላ፡  ብፖሊሲ ተኲስካ ቅተል ዝተቐዝፋ፡  ኣብ በረኻታት ሱዳን ምድረ ባዳ ሰሃራ፡  ሲና፡ ኣብ በበይኑ እዋናት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠፍአ ብፍላይ ከኣ፡  ምስ ደቃ ዝተቐዝፈት ኣደ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ጭንቂ ሰዓት ኣብ ባሕሪ ወሊዳ ምስ ዘይተበትከ ዕትብታ ሬሳኣ ኣብ ባሕሪ ተንሳፍፍ ዝነበረት ኣደ ዘሕለፈቶ ተደራራቢ ጭንቀት ኣብ ዓይነ ሕልናና ብምቕራጽ፡ ናይ’ቲ ክትዛረበሉ’ውን ዘሰክፍ ናብ ኤርትራ ከይምለስ ተኸልኪሉ ኣብ ዓዲ ጥልያን ተዓቂቡ ዝርከብ  ስካሬን ናይ ኣማኢት ጃምላዊ ህልቂት  ላምፐዱዛ 2013  ጭቡጥ መግለጺ ኣብ ኤርትራ ናይ’ዘሎ ፋሽሽትነት ዘርኢ ስለ ዝኾነ ብመደብ ተታሒዙ፡ ብስነ-ጥበበኛታት ተደጊፉ ክስረሓሉ’ሞ ደላዪ ሰላም ማሕበረ ሰብ ዓለም ዘለና ጸገም ብጭብጢ ክርዳእ ምግባር፣

6.              ኣካል ኣምሳል ማሕበረ ሰብ ዓለም ስለ ዝኾና፡ እንኮ-ሰባዊ ፋሽሽታዊ ዘቤታዊ ገዛኢ  ብስመ ኤርትራ ብእውጅ ዝተሳተፈሉ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደን መሊኡ ዘይዓረፈን ኩለንተናዊ ዘርኢ ምጽናት፣ ራሻ ኣብ ልዕሊ ዩኩሬን ተካይዶ ዘላ ወራርን ኣብ ዓለም ፈጢርዎ ዘሎ ተጽዕኖን፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ዓላማዊ ጽላል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ደው ኢሎም እናተዓዘቡ ኣብ ልዕሊ ኣዴታትን ህጻናትን ፍልስጤማውያን ዝፍጸም ዘሎ፡ ውድቀት ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ካብ ሕልና  ደቂ-ሰባት ዝምስክር መሰክሕ ዝኾነ ህልቂት፣ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ  ኲናትን ኣብ ህዝቢ ብሓፈሻ ኣብ ኣዴታትን ህጻናትን ከኣ ብፍላይ ዝፍጸም ዘሎ ገበናትን …ወዘተ ብደረጃ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብሰብኣውነት ብፖለቲካ ብሕጊ ቀጻሊ ውሕስነትና መን? ብኸመይ ዝብል ግቡእ ትኹረት ሂብካ ምኹናን መፍትሒ ሓሳባት ሒዝካ ምቅላስን፣

7. ዓለማዊ ልዕልነት ንምርግጋጽ  ዝተራቐቐ ኣዕናዊ ኣጽዋራት ኲናት  ንምውናን ዝግበር ዘሎ ቅድድም፣ ህላወን ቀጻልነትን ዘርኢ ደቂ-ሰባት ብዘገምታ ክቅህም ዝገብር ኣንጻር ሕጊ ተፈጥሮ ዝኾነ መርዓ ተመሳሳሊ ጾታ፡ ብጉልባብ መሰል’ዩ  ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኺቡ ክትግበር ብደረጃ መንግስታት ዝግበር ዘሎ ብስነ-ጥበብን ማሕበራዊ ሚዲያን ዝተደገፈ ጸቕጥን ብገለ መራሕቲ ሃይማኖት ዝረአ ዘሎ ሸታሕታሕ ካብ መሰረታዊ እምነትን ተልእኾን፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ብወግዒ ኣብ ዝጠሓሰሉ ሚዛን ፍትሒ ክሕልው ዝተጣየሱ ዞባዊ ኣህጉራዊ ዓለማዊ ውድባት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ምሁራት፡ ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ስቕታ ኣብ ዝመረጽሉ ኣዝዩ ኣሰካፊ ወቕቲ ምህላውና ኣብ ግምት ብምእታው፣

8. ካብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጸገማት ክሳብ ዞባውን ዓለም ለኻውን ተኸሲቱ ዘሎ ሰብ ኣምጸኦ ሽግራት ኣብ ምፍታሕ ናታ ፍሉይን ልሉይን ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክትገብር ትኽእል፡ ካብ ዝሓለፈ ጉድለታት ትምህርቲ ዝወሰደት፡ ነጻ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ  ውዳበ ትጣየሰሉ ጉዳይ ትኹረት ክወሃብ

9. ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ወጽዓ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ብቐንዱ፡ ብስም ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ንመሓለዊ ስልጣን ሓደሰብ ብምሉእ ዓቕሙ ብዝሰርሕ ዘሎ ዘቤታዊ ገዛኢ፡  ተታሒዙ ካብ ዝጸንሐ ግጉይ ርድኢት መሊኡ ዘይተላቐቀ ኣገንዝቦ፡ ኣብ ምልውዋጥ ሓበሬታ ብዙሕ ጾር ሕብረተሰብ ዘቃለለ ፍርያት ቴክኖሎጂ ዝኾነ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብኣንጻር ኣወንታዊ ኣበርክቶኡ ንስሩት ኣወታዊ ማሕበራውን ባህላውን ክብርታት ኣብ ምብሕጓጉ ዝጻወቶ ዘሎ ዓገብ ዝብል ዘይብሉ ፍንጡሕ ኣዕናዊ ተራን ማዕበያ ፖለቲካ ህግደፍ ዘስከረን ኣንጻር ባህርን ስነ-ምግባርን ወራዙት ኣዴታት ኤርትራ ዝኾና ውሑዳት ብወግዒ ዘመሓላልፋኦ ዘለዋ ብነውሪ ዝተመልአ ስድነት ግቡእ ጠመተ ሂብካ እንተተኻኢሉ ብምኽሪ ብተግሳጽ እንተዘይኮነ ከኣ ብምቅላዕ ምቅላስ ከም ዘድሊ፣

10 ወጽዓ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኤርትራ ስርዓተ ምልኪ ብተሓሳስባን ብተግባርን ዳግም ከም ዘይምለስ ኮይኑ ምስተደብየ፡ ብምሉእ፡ ነጻን ደሞክራስያዊ ተሳተፎ ህዝብን ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ተተኺሉ፡ ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ልኡላዊ ህዝባዊ ስልጣኑ ኣብ ዝሓዘሉን ጥጡሕ ደሞክራስያዊ ባይታ ይፍታሕ ካብ ዝብል መሰረታዊ መትከላዊ እምነቱ ተበጊሱ፡ ብኣጋጣሚ’ዚ ታሪኻዊ ዓለም ለኻዊ በዓል 8 መጋቢት ንደቂ-ኣንስትዮ ጥራሕ ዘይኮነ ኩሎም ግፉዓትን ግዙኣትን ማሕበራዊ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ካብ’ዚ ንረከበሉ መድረኽ ጽልምትምት ክንወጽእ ሓቢርናን ተናቢብን ክንሰርሕ ይጽውዕ። ብፍላይ ከኣ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ተወዲበን ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእን ደሞክራስያዊ ማዕርነተን ንምርግጋጽን ኣብ ዘካይዳኦ ንጥፈታት ኩሉ  ብምሉእ ዓቕሙ ኣብጎነን ደው ከም ዝብል የረጋግጽ።

 

                                            ድምቀት ን8 መጋቢት በዓል ደቂ-ኣንስትዮ ዓለም

                                            ሓባራዊ ጸገም ብሓባራዊ ስራሕ ይፍታሕ

 

                                            ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                        8 መጋቢት 2024