እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 61 guests and no members online

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤትራ፡ ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዘለዎ ትዕዝብቲ ከካፍለና ምስ ገዲም ተቓላሳይ ኣቶ ረዘነ ኣብራሃ ዝገብርናዮ ቃለ-ማሕትት እነሆ ካብ ድምጺ ናብ ጽሑፍ ገልቢጥና ንዝርገሖ ኣለና። ሰናይ ንባብ።

Rezene Abrahaሕቶ፡ ዝኸበርካ ብ/ረዘነ ኣብራሃ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዘለካ ትዕዝብቲ ክተካፍለና ዕድሜና ኣኽቢርካ ብምምጻእካ ብስም ኩሎም ሰማዕቲ ኣመስግነካ፡፡ ብምቕጻል ከም መእተዊ መታን ክኾነና ኣበይ ሃገር ከም እትነብር’ዶ ምገለጽካልና?

መልሲ፡ መጀመርያ ኣብ ጉዳይ ህዝበይን ሃገረይን ዘለኒ ርእይቶ ንከካፍል ንዝገበርኩምለይ ዕድመ የቐኒየለይ፡፡ ዝቕመጠሉ ቦታ ፍራንክ ፈርት ሃገረ ጀርመን’ዩ።

ሕቶ፡ ናብ ቃልሲ መዓስን ብኸመይን ተጸንቢርካ?

መልሲ፡ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ኣብ 1975 ተጸንቢረ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፈ ድማ ኣብ’ቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ተጋድሎ ሃገራዊ ጉባኤ ፈጺመ። ኣየቋረጽኩን ክሳብ ሎሚ ኣየቋረጽኩን ህዝባዊ ሓርነት ንምምጻእ ኣብ ቃልሲ እርከብ ኣለኹ።

ሕቶ፡ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ነቲ ብኣካል ዝተሳተፈካሉ መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ ከመይ ትግምግሞ?

መልሲ፡ ኣብ ሎሚ ኮይነ ነቲ ኣብ ሰብዓታት ዝተሰለፍክሉ ወይ ምስ ኩሎም ብጾት ዝተቓለስናሉ ዕላማ ክዝክሮን ክግምግሞ እንከለኹ፡ እዛ ሕጂ እንሪኣን እንሰማዓን ዘለና ኤርትራ ክትከውን ዘይተጸበናዮን ዘይሓለምናዮን ብፍጹም ዝገርም ኮይኑየ ረኺበዮ። ንሕና ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮይና ንመሃሮ ዝነበርና መጻኢት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝባ ቅሳነት፣ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ምዕሩይ ገስጓስ ቁጠባዊ ዕቤት እተረጋግጽ፡ ምስ ጎረባብታ፡ ጥዑይ ዝምድና መስሪታ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ምክብባርን ዝተሰረተ ምዕባለ ኣብ ምምጻእ ናታ ልሉይ ተራ እትጻወት ሃገር ክትከውን’ያ ዝብል ሕልሚ’ዩ ኔሩና። ነዚታት ክንምልስ ኢና ንጋደል ኔርና። እዞም ኩሎም ጀጋኑ መንእሰያትና ኣካሎም ኣጉዲልናን ኣሰዊእናን። ገለ ድማ ኣብ ስደትን ማእሰርትን ዘብለናዮ። ሕጂ ግን ኤርትራ ክንሪኣ እነከላን ንስሙ ነጻነት ኣሎ ተባሂሉ ንጓይላን ዳንኬራን እንተዘይኮይኑ ህዝባዊ ሓርነት ኣይተረጋገጸን፡፡ ብዘይካ ነቶም ውሑዳት ጀነራላትን ሚኒስተራትን ናይ ረብሓ መማቕልቶም ዝኾኑ መጋበርያታትን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዓፈና ነጻ ኣይወጽአን። እቲ ዝገርም ብጉባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ መኣዲ ትምህርትን ስራሕን ተገዲዶም ዝተወስዱ መንእሰያት ልዕሊ 20 ዓመት መጻኢኦም ጸልሚቱ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ከርተት ኣብ ዝብሉላ ሃገር፡ ካብ ወጻኢ ዝኸዱ ብዙሓት ብጓይላን ዳንኬራን ሃገር ጽቡቕ ኣላ ህዝቢ ጥዒምዎ ኣሎ እናበሉ ነቲ ኣብ ዓዲ ጓና ኮይኖም ዝረኽብዎ ገንዘብን ሰላምን ኣብ ሃገሮም ከም ዘሎ ኣምሲሎም ክዛረቡ እንከለው ክትሰምዕ እንከለኻዩ። እዚ ኤርትራውያን እንታይ ድዩ ወሪዱና የብለካን ዝያዳ የሕመካን። ስለዚ ኤርትራ ከም ዝተጸበኽዋ ኣይከደትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ዝተጸበኽዎ ወጻኢ ንታሕቲ’ያ ኣንቆልቊላ።

ሕቶ፡ ኣብ’ቲ መድረኽቲ ዝነበረ ዘይብቕዓት ኣመራርሓ ዝጠንቁ ፖለቲካዊ ሕማማት፡ ነዚ ናይ ሎሚ መሰረት ዘንጸፈዩ ዝብሉ ወገናት ኣለው ሓቅነት ኣለዎዶ ትብል? እወ ሓቅነት ኣለዎ ኣብ ዝብል ትሰማማዕ እንተደኣ ኮይንካ ኣስፍሕ ኣቢልካ እንተተብረሃልና?

መልሲ፡ እወ እዚ ሕጂ ንሓልፎ ዘለና ኩነታት፡ ጠንቁ ካብ ብጊሓቱ ብቕዓት ኣመራርሓን፡ ምዕሩይ ኣሰራርሓ ካብ ዘይምንባሩ ዝብገስ’ዩ። እቲ ሰውራ ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ ብቑዕ መሪሕነት ረኺቡ ኔሩ እንተዝኸውን እዚ ሎሚ ወሪዱና ዘሎ ሽግር ከጋጥም ኣይምኸኣለን። እንተወሓደ ደረጃ እቲ ጸገም ከም’ዚ ሕጂ ኣይምኾነን ዝብል እምነት ኣለና። ብመሰረቱ ካብ ስእነት ብቑዓት መራሕቲ ዝምንጩ ክኸውን ይኽእል፡ ህዝብና’ውን እቲ ክዓጥቆ ወይ ክውንኖ ዝገባእ ፖለቲካዊ ንቕሓት ብግቡእ ስለዘይጨበጠ፡ ነቲ መራሕቲ ዝገብርዎ መሰረታዊ ድዩ ዘየመሰረታዊ ጌጋታት፡ ብኣጋ ከይሳዕረረ ያዕ ክብል ክገርሖን ክምክቶን ዘይምኽኣሉ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ተሰኪምናዮ ዘለና ኣደራዕ ናቱ ኣሉታዊ ብጽሒት ኣለዎ እብል። ኣብ ሓንቲ ሃገር ግደ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ወሳኒ’ዩ። ሕቶ ብቑዕ፡ ህዝባዊ ፍቕሪ ዘለዎ፡ ሕጋዊ፡ ውፉይ መሪሕነት ዘይመለሰት ሃገር፡ ክንዲ ዝኾነ መመላኽዒ ሽፋናት ይወሃቦ፡ ናይ ሰላም፣ ናይ ደሞክራሲ፣ ናይ ፍትሒ፣ ናይ ልምዓት ሕልማ ብግቡእ ከተሳኽዕ ኣይትኽእልን’ያ።

ንኣብነት ኤርትራ ሃገርና ብሕጋዊ ኣዘራርባ ነጻን ልኡላዊትን ሃገር’ያ። ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይኮነትስ ብወዲ ሃገር መንግስቲ’ያ ትመሓደር ዘላ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ካብ ግዜ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝኸፍአ ስቓይ ዝረኣየሉ መድረኽ ሎሚ’ዩ። እዚ ብጉድለት ቅንዕናን ዘይ ብቕዓት ፖለቲካዊ መሪሕነትን ዝመጸ’ዩ። ህዝቢ እዚ ኩሉ እናረኣየን ኣብ ዝባኑ እናተፈጸመን ብሓባር ኮይኑ ይኣክል ክብል ዘይምኽኣሉ ከኣ ዘሕዝን’ዩ። ብፍላይ ገለ ገሊኦም፡ ደቂ ድኻታት ተገዲዶም እናተዓስከሩ፡ እናተሰዱ፡ እናተኣስሩ፡ እናተቐትሉ ህግደፍ ኣብ ዘዳላዎ ጓያላ ከይዶም ክስዕስዑ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕፍር’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ተገዲዶም ዝተወስዱ 13 መንእሰያት ብወተሃደራት ህግደፍ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ክቕተሉ እንከለው፡ መራኸቢታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ እከለ ሃገር ሓደ ሰብ ተቐቲሉ፡ ኣብ እከለ ትበሃል ሃገር ሰለስተ ሰባት ተኣሲሮም፡ ባርዕ ጫካ ጉድኣት ኣብጺሑ እናበላ ናብ ነገርቲ መርድእ ተቐይረን ኣብ ዝውጭጫሉ፡ እቲ ስርዓት ባዕሉ ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንዝፈጸሞ ከም’ዚ ዝበለ ሰብኣዊ ገበን ቃል’ውን ኣይተንፈሳን። ህዝቢ’ውን ነዚ ብዓይኑ ሪኡ እናሃለወ ከም’ቲ ዝድለ ጥርናፈ ፈጢሩ ክለዓዓል ዘይምኽኣሉ ዘለናዮ ሕማቕ ኩነታት ዘመልክት’ዩ። ስለዚ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት፡ ህዝቢ ፈሪሑ ድዩ ልቢ ኣዕብዩ ብዘርኣዮ ስቕታን ሸለልትነትን ካብ ስቓይን ሞት ኣይደሓነን። ካብ’ዚ ንላዕሊ ክመጽኦ ዝኽእል ነገር ስለዘየለ ከኣ፡ ብትብዓትን ብሕብረትን ንመሰሉ ደው ክብል ኣለዎ በሃሊየ።

ሕቶ፡ ብ/ረዘነ ካብ ሜዳ ናብ ጀርመን ምስኣተኻ ቃልሲ ቀጺልካዮ’ዶ ወይስ ወንዚፍካዮ? እንተቐጺልካዮ ምስ መን ቀጺልካ ንሰማዕትና እንተተገልጸልና?

መልሲ፡ ኣቐዲመ ከም ዝገለጽክዎ ህዝቢ’ውን ከም ዝፈልጦ ካብ ሜዳ ኤርትራ ብድሌተይ ዘይኮነስ ዝነበርክዋ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብሓይሊ ተገዲዳ ምስ ወጽአት’የ ወጺአ። ስለዚ እቲ ናይ ቃልሲ ኒሕን ሓቦን ዝያዳ ሕራነ ወሲኸሉ ደኣምበር ኣይተዳኸመን። ኣብ ውሽጠይ እቲ በረኻ ዘውፈረኒ፡ ኤርትራ ክትኮነለይ ዝምነዮ ዝነበርኩ ሕቶ ኣይተመለሰን። ብዙሓት ኣብ ጎነይ ዝነበሩ ብጾት ዝወደቕሉ ዕላማ ኣብ መፈጸምታ ከብጽሕ’ውን ግዴታ ሰለ ዘለኒ፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን ምስ ኣተኹ ምቾት ዘለዎ ሃገር ረኺበ ኢለ ኣይተታለልኩን። ብጾተይ ኣይረሳዕኩን። ቃልሲ ኣየቋርጽኩን። ክሳብ ሎሚ ብሓሳብን ብተግባርን ውድብ ህይወት’የ ዘሕልፍ ዘለኹ። ድሕሪ ምብትታን ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ’ቲ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ’የ ቀጺለ። ናይ ሽዑ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ማእከላይ መሪሕነት (ሳግም) ተወዲበ ቃልሰይ ቀጺለ። እቲ ውድብ “ደም ብጾትና ኣይሃስስን ኣይድምሰስን’ዩ”። “ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብቃልሲ መሰረታት ክትሕደስ’ያ” ዝብል መሪሕ ጭርሖ ሒዙ’ዩ ተበጊሱ። እዝክር ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዝነበረት ሰሓቢት መዝሙር “ ኣብ ሜዳ ኤርትራ መቓብር ጀጋኑ ይጽወዐና ኣሎ ሃገር ከይትዓኑ” እናዘመርና ነቲ ቃልሲ ቀጺልናዮ። ስለዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ’ቲ ውድብ ኮይነ   ዕላማታት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ንምዕዋት ይቃለስ ኣለኹ።

ሕቶ፡ ድሕሪ ምፍራስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ’ውን ብዘይምቁራጽ ኣብ ሃገረ ስደት ምስቶም ኣብኡ ዝርከቡ ብጾት ቃልሲ ትቕልጽ ከም ዘለኻ ገሊጽካለይ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ማእከላይ መሪሕነት (ሳግም) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፡ ብፍላይ ከኣ ብታሪኻዊ ተበግሶ ስርሒት ሳግም ዝፍለጥ ምንቅስቓስ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝሓዞ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ እናመሓየሸን እናማዕበለን ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ዕላማታት ዘለዎም ደሞክራስያውያን ውድባት ሓድነት እናገበረን ስሙ እናቐያየረን መጺኡ፡ ሎሚ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ’ዩ። እሞ እዚ ውድብ ሒዝዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣረእእያ ከመይ ትሪኦ ከመይ’ከ ትነጥፍሉ ኣብ ከባቢኹም?

መልሲ፡ እወ እቲ ውድብ ኣብ መትከላቱ ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ፡ ግሉጽ፣ ጽፉፍ፣ ንሕጅን ንጽባሕን ንህዝቢ ኤርትራ ዘገልግል ዕላማ’ዩ ዘለዎ። ስለዚ ድማ’የ ኣብኡ ተሰሊፈ ዝቃለስ ዘለኹ። ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ነዚ ዕላማታት’ዚ ህዝቢ ክፈልጦ ኣብ ዙርያኡ ዓሲሉ ከዐውቶ ዝከኣለና ንገብር ኢና። ብመሰረት መደብ-ዕዮና ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያና ኣብ ህዝቢ ንምስራጽ እንገብሮ ንጥፈታት ኣሎ። ናይ ሓባር ጸላኢ ብሓበር ንምህራም ምስ ሃገራውያን ውድባት ንገብሮ ንጥፈታት’ውን ኣሎ። ቅድም ክብል ብደረጃ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ፣ ቀጺሉ ምስ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፣ ሕጂ ድማ ብደረጃ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተመሓዚና ብዘይዝኾነ ተጎላባነት ብጽንዓትን ብተወፋይነት ናይ ሓባር ስራሕ ንሰርሕ ኢና። ከም’ቲ እንደልዮ ወይ ክንኮኖ ዝገበኣና ግን ኣይኮናን። ኣይበረኽናን ንጸላኢ ባይታ ክንከልኦ ኣይከኣልናን። ብዙሕ ሓባራዊ ስራሓት ክንሰርሕ ከም ዘለና’ዩ እዚ መድረኽ ዝዕድመና ዘሎ። ምኽንያቱ መፍትሒ ናይ ህልዊ ጸገምና ቃልሲ’ዩ። ካልእ ኣማራጺ የለን። ንቕድሚት ከይንኸይድ   ዕንቅፈት ንዝፈጥረልና ዘሎ ከኣ ቀልጢፍና መፍትሒ ክንገብረሉ ኣለና ዝብል እምነት ኣለኒ።

ሕቶ፡ ዝኸበርካ ብ/ረዘነ ኣብራሃ ብመሰረት እዚ ዝገለጽካለይ ምሉእ ህይወት ምስ ህዝባዊ ቃልሲ ዝተኣሳሰረ’ዩ። ንሰማዕትና ንምብራህ ዝኣክል ንጥፈታት ውድብ ኣብ ሃገረ ጀርመን እንታይ ይመሰል ደጊምካ እንተተብረሃለይ?

መልሲ፡ ንጥፈታት ውድብና ኣብ ሃገረ ጀርመን ከም’ቲ ንሕና እንምነዮ ገና ሓያል ኣይኮነን። ግን ድማ ኣብ ደሓን ኩነታት ኣሎ። ኣባላትና ስሙር ኣረኣእያ ኣለና። ውሽጣዊ ሓድነትና ጽንዑ’ዩ። ብዘይ ምግናን ከኣ ኣባልና ውፉይ’ዩ። ዝወነኖ ዕላማ ንምዕዋት ንህዝቡን ንውድቡን ንምግልጋል ዝገብሮ ንጥፈታት ኣዝዩ ዘሐጉስ’ዩ። ብርግጽ ዓቐና ውሱን’ዩ። ኣብ ዓይነት መጺእካ ግን፡ ኣይነታዊ ኣባል’ዩ ዘለና። ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡን ንህዝቢ ዘለዎ ቅርበትን ሓልዮትን ብህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ክረክብ ዘለዎ ንጥፈታት’ዩ።

ሕቶ፡ ሕራይ ቅድሚ ሕጂ ብፍላይ ድሕሪ ምምስራት ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብዙሓት ከሰሓሕቡ ዝጸንሑ ሓሳበት ኔርዎም፡ ካብ’ቶም ዘሰሓሕቡ ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ካብ ቅድም ሒዝዎ ዝመጸ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ህዝቢ ብዘይ ገደብ ክኸበሩ ኣለዎም፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ብሄር ሕቶ፡ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበረ ነዚ መሰረት ዝገበሩ መልክዕ ውዳቤታት’ውን ብዓይኒ መሰል ክረአ ኣለዎ ዝብል መርገጹ ብገለ ደሞክራስያዊ መሰላት ሸራሪፎም ክዕድሉ ዝደልዩ ወገናት ክንቅፈ ጸኒሑ’ዩ። ሎሚ ግን እቲ ቋንቋን ዝልወጥ ዘሎ ይመስል። ማለት እቲ ውድብና ዝሕመየሉ ዝጽረፈሉ ዝህረመሉ ዝነበረ ሕቶ መሰል ሕቶ ደሞክራሲ ዘይስገር ዛዕባ ኮይኑ ቋንቋ ናይ ህዝቢ ዝኾነ ይመስል ኣሎ’ሞ ኣብ ከባቢኹ’ከ ከመይ’ዩ ኣብ’ዚ ዘለካ ትዕዝብቲ እንታይ ይመስል?

መልሲ፡ እወ ውድብና ኣብ ናይ ሃይማኖትን ኮነ ናይ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን መሰላት ዘለዎ ኣረኣእያ ብጣዕሚ ንጹርን መትከላውን’ዩ። ገለ መሓዙት ውድባት ግን ነቲ ህልዊ ኩነታት ብምኽሓድ ናይ ብሄር ሕቶ ኣየድልን ናይ ሃይማኖት ሕቶ ኣየድልን ዝብሉ ኔሮምን ገና’ውን ኣለው’ዮም። እዚ ቅኑዕ ኣይመስለንን። ኣብ ትሕቲ ምልኪ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ዘልዕሎ ናይ ተወጺዐ መሰለይ ይከበረለይ ሕቶ ዘይትርጉሙ ክወሃቦ ኣይግባእን፡፡ ሓደ ሃይማኖት ምስ ካልእ ሃይማኖት ንምግጫው ከምኡን መሰል ብሄራትን ብሄረ-ሰባት ይከበር ክትብል እንከለኻ፡ ብናቶም ዘየለ ስኽፍታ ዝመስል ኣስማት እናሃቡ ብትሕቲ ሃገርነት ዝገልጽዎ ኣለው’ዮም። ኤርትራ ሕብረ ብሄራዊት ሃገር’ያ። ብዙሕነት ኣለና ብዙሕነትና ከኣ ከንኽብሮን ክንሕልዎን’ዩ ዘለና። ስለዚ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንውድብና ዝነቅፍ ክሃርም ዝደናደንን ዝነበረ፡ ከም’ቲ ዝበልካዮ ህዝቢ ካብ ተመክሮኡ እናተማህረ ዘይስገር ናይ ውጹዓት ናይ መሰል ሕቶ ምዃኑ እናተገንዘበ ስለ ዝመጽአ እቲ ኣድም ዝነበረ ኣገንዝቦ መሊኡ ተራጊፉ እኳ እንተዘይተባህለ ግን ኣዝዩ ተመሓይሹ ተገልቢጡ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ኣብ ቻርተር ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኮነ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዘሎ ናይ ሓባር ቅዋማት ከምኡ’ዩ ሰፊሩ ዘሎ። ንፍቶ ንጽላእ ድማ ኤርትራ ናይ ክልተ ዓበይቲ ሃይማኖት ናይ ብዙሓትን ብሄራትን ሃገር ስለዝኾነት፡ ነዚ ተቐቢልናን ኣኽቢርናን ምስ እንኸይድ ጥራሕ’ያ ሰላማዊት፡ ርግእቲ ህዝባዊት ደሞክራስያዊት ሃገር ክትከውን እትኽእል። በዚ ዝገልጽክዎ ቅዋማት ዝተመሰረተ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንኣብነት ኣብ ሃገረ ጀርመን ጽቡቕ ተቐባልነትን ንጥፈታት ኔርዎ’ዩ። ከም’ቲ ዝተበገሰሉን ዝተገብረሉ ትጽቢትን ግን ይኸይድ የለን። ኣኼባኡ ኮነ ጉባኤኡ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ዘይምግባሩ፡ ኣብ መንጎ ፈጻሚትን ምምሕዳር ባይቶን ዝተራእየ ዘይጽቡቕ ምትህልላኽ፡ ንዐኦም ብካልእ ተኪእካ ንምቕጻል ዝተገብረ ፈተነ’ውን ክሳብ ሕጂ ካብ’ቲ ሕልኽላኻት ክንወጽእ ብዘይምኽኣልና ኣዝዩ ዘሰክፈናን ዘሕፈረናን’ዩ። እዚ ከኣ ናይ ኩሉና ዘይብቕዓት መረጋገጺ’ዩ።

ስለዚ ነዚ ክንሰግር ክንክእል ኣለና። መን’ዩ ግጉይ ስለምታይ’ዩ ተጋግዩ ኢልና ክንሓትትን ክንፈልጥን ኣለና። ሕጂ ብናተይ ትዕዝብቲ፡ እቲ ሽግር ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ኣኼባ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይኹን ካልእ ንሃገራዊ ጉዳይ ዝምልከት ናይ ሓባር ኣኼባታትን ኣብኡ ዝብጻሕ ስምምዓትን ውሳኔታትን ብቪዲዮ ተቐሪጹ ብግቡእ ተሰኒዱ ናብ ህዝቢ ዝወርድ የለን ክብል እኽእል። ኣብ’ዚ ምዕቡል ግዜ’ዚ ብቪዲዮ ዝተቐርጸ ህዝቢ ዝመሃረሉን መወከሲ ኮይኑ ዘገልግልን ሰነዳት ዘይምህላው ተበልጽቲ ዝሕብእሉ ድኻም ኮይኑ ይስመዓኒ። ምኽንያቱ ካብ ናይ ሓባር ኣኼባ ምስ ወጻእካ ነናብ ኣባላትካ ልክዕ ዝኾነ መልእኽቲ ስለዘይመሓላለፍ ጸገም ይፈጥር ኣሎ። ስለዚ ኣነ ዝብሎ ኩሉ ዝግበር ናይ ሓባር ኣኼባታት ብግቡእ ተሰኒዱ ክተሓዝን ከከም ኩነታቱ ድማ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ክመሃረሉን ክኽእል ኣለዎ። ነዚ ኩሎም ዝመልከቶም ኣካላት ትኹረት ሂቦም ክትግብርዎ፡ ምስ ዘይግበር ከኣ መሰረታት ስለምንታይ ዘይተተግበረ ኢሉ ኣወንታዊ ጸቕቲ ክገብር እላቦ። ንተዓዝብ ‘ሞ ኣኼባ ተጊሩ ብጽቡቕ ድማ ወጺኡ ይበሃል። ካብ ሳልስቱ ድማ ሓደ ነቲ ካልእ ክሓሚ ከቆናጽብ ናቱ መንገዲ ሒዙ ክኸይድ ትስመዕን ትርእን። ነዚ መድሓኒቱ ሰነድን ህዝብን’ዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኩሉ ንጥፈታት ብፍላይ ከኣ ሕጋዊ ሓባራዊ መድረኻት ብግቡእ ክስነድ ኣለዎን ይግባእን።

ሕቶ፡ ከምቲ ዝገለጽካዮ ሎሚ ዳርጋ’ቲ ኣንጻር መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድምጹ ዘስምዕ ብቑጽሪ ኣንጻር እንተርኢና’ዮ ብዙሕ’ዩ። ኣብ ጽፈት ውዳቤኡን ዓይነቱን ግን ከም’ቲ ዝድለ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ንጥፈታት እዚ ንስኻ ኣብ እትነብረሉ ሃገረ ጀርመን ከመይ ይኸይድ ኣሎ መሊስካ ኣዕሙቕ ኣቢልካ እንተትገልጸልና?

መልሲ፡ ኣብ ጀርመን ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ንገብር ኢና። ንኣብነት ከም ሰሚናራት፣ ኣኼባታት ዓመታዊ ሃገራዊ በዓላት፣ ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ቅድሚ ክለተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ድማ ኣብ ከተማ ካስል ናይ ሓባር ፈስቲቫል ኣካይድና ኢና። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ጀኔቭ ንመርማሪ ኮሚሽን ብምድጋፍ ኣብ ዝተገብረ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንኣብነት ብሓባር ወፊርናሉን ኣዐዊትናዮን ኢና። ስለዚ ሎሚ ኣብ ከተማ ጀኔቭ ክካየድ ምድላዋት ዝገበርሉ ዘሎ’ውን ካብ’ቲ ናይ ዓሚ ብዝጸፈፈን ብዝሓየለን ክካየድ’ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።

ሕቶ፡ ኤርትራውያን ብሰንኪ ኣረሜናዊ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ዝውሕዝሉ ዘለው መሪር ወቕቲ ኢና ንርከብ ዘለና። ጀርመን ድማ ሓንቲ ካብ’ተን ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተቐበላ ሃገራት ኤውሮጳያ’ሞ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ብተግባር እንታይ ይመስል? መንግስቲ ከመይ ይሕዞም፡ እቶም ስደተኛታት ከ ምስ ህዝቢ ተወሃሂዶም ሕጊ ኣኽቢሮም ኣብ ምኻድ ከመይ’ዮም?

መልሲ፡ እወ ኤርትራ ካብ ዓለም ብመጠን ብዝሒ ህዝባ ድሕሪ ሶርያ ብብዝሒ ዜጋታታ ከዲፎማ ዝወጽኡ ዘለው ሃገር’ያ። እቲ ዘተሓሳስብን ዘሕዝንን ግን ካብ ኤርትራ ክወጽኡ እንከለው ኣትሒዞም ካብ ኣሕዋቶም ጠያይቲ እንዘነበሎም ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያ ሰጊሮም፡ ካብ ሱዳን ንሊቢያ ክሰግሩ ብባህሪያዊ ሓደጋን ነጋዶ ሰብን ዘጋጥሞ ጸገማት ሓሊፎም፡ ካብ ሓደጋ ባሕሪ’ውን ንስክላ ኣምሊጦም ኣብ እፎይታ ዝረኽብሉ ቦታ ምስ በጽሑ ነዚ ኩሉ መስገደል ረሲዖም ፈውሲ ከም ዝተገብረሉ ናብ’ቲ ክሽገሩ ዝገበሮም መንግስታዊ ሽፍታ ጽግዕግዕ ዝብሉ ሰባት ክትርኢ እንከለኻ’ዩ። እዚ ንክትዛረበሉ’ውን ዘሕፍር’ዩ። ቀታሊኡ ዝፈቱ ብዘይካ ኣብ’ዞም ውሑዳት ኤርትራውያን ኣብ ታሪኽ ኣይረኣናን ኣይሰማዕናን። ስለምታይ ከምኡ ትገብሩ ምስ እትብሎም ዝህብዎ መልሲ ድማ ካብ’ቲ ተግባሮም ዝኸፍአ ኮይኑ ትረኽቦ። መንግስትና ኣይበደለናን ሃገር ከኣ ጽቡቕ’ያ ዘላ ይብሉኻ። ሃገር ጽቡቕ እናሃለወት ደኣ ሰብ ስለምንታይ ይስደድ? መልሶም ናይ ይበተኹ’ዩ።

ባህግና ሰራዊት መግዛእቲ ምስተባረረ ኩልና ናብ ሃገርና ተመሊስና በብዓቕምና ሃገርና ብሓባር ክንሃንጽ ደኣምበር፡ ካብ’ቶም ብግዜ ሃይለ-ስላሴን ደርግን ዝተሰዱ ብዓሰርተ ዕጽፊ ዝበዝሑ ክስደዱ ክንርኢ ኣይነበረን። ብዝኾነ ኣብ ሃገረ ጀርመን ብዙሓት መንእሰያት ዝኣትው ኣለው’ዮም። መንግስቲ ጀርመን ከኣ ልክዕ ከም’ቶም ካልኦት ስደተኛታት ሰብኣዊ መሰሎም ኣኽቢሩ ዕቁባ ሂቡ ብግቡእ’ዩ ዘተኣናግዶም። ብፍላይ ከኣ ንስደተኛታት ኤርትራን ሶርያን። እዚኦም መብዛሕቲኦም መንእሰያት ስለዝኾኑ ናይ ዑቕባ ተቐባልነት ምስ ረኸቡ ክመሃሩ ተማሂሮም ክሰርሑ፡ ሰሪሖም ነብሶም ክኢሎም ስድራ ቤቶም ሃገሮም ክረድኡ’ዩ ትጽቢት ዝግበር። ገለ መንእሰያት ግን ነዚ ዕድላት’ዚ ብተግባር ኣይጥቀምሉን’ዮም። ኣብ ጀርመን ተረጋጊኦም ኣብ ክንዲ ዝቕመጡ፡ ጀርመን ጽቡቕ ሃገር ኣይኮነን ሕማቕ ሃገር’ዩ ኢሎም ናብ ስካንዲኒቪያን ይኸዱ። ብተመሳሳሊ ኣብ ስካንዲኒቪያን ዝጸንሑ ድማ ነቲ ዘለውዎ ገዲፎም ናብ ጀርመን ዝመጹ፡ ኮታ ወርቃዊ ግዜኦም ኣብ ኮለልን ሽንኮለልን ዘሕልፍዎ መንእሰያት ውሑዳት ኣይኮኑን። በተን ናይ ሻሂ ተባሂለን ዝወሃባኦም ኣብዘይ ኣድላዪ ነገራት ዝውዕሉ’ውን ኣይሰኣኑን’ዮም። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ኣቐዲመ ከም ዝገለጽክዎ፡ ናይ ዕቑባ ወረቐት ምስ ሓዙ ህግደፍ ኣብ ዘዳለዎ ጓይላን ዳንኬራን ደራፋይ ክስቶ ክመጽእ’ዩ ዘማሪት ክስቶ ክትመጽእያ እናበሉ ኣዳራሽ ቀታሊ ከማዕርጉ እንከለው’ዩ።

ብዙሕ ሽግራት ሰጊሩ ትንፋስ ዝረኸበ መንእሰይስ ስለምንታይ ከም’ዚ ኣጋጢሙኒ፡ መን’ዩ ተሓታቲ ናይ’ዚ፡ ከመይ ከ ክፍታሕ ኣለዎ ኢሉ ደኣ ክሓስብ ክመራመር፡ ክውደብን ክዕጠቕን ይግባእ እምበር፡ ጓይላ ተራእይዎ ኣብ እንዳሻዕብያ ከይዱ ክስስዕ ዘደንጹ’ዩ። ከም ኤርትራዊ ዘሕፍርን ብመጻኢ ኣንጻር ክጥመት እንከሎ ከኣ ዘሰክፍ’ዩ። ንሕና’ውን እኮ ዝረኣዩ ዝናፈቑ ስድራ ኣለውና። ኣብ ውሽጢ 25 ዓመት ግን ከይድና ኣይንፈልጥን። ምኽንያቱ ከይድካ ተምጸኦ ለውጢ የለን። ክትቃለስ እንተደኣ ኮይንካ ድማ ኣብ ዘለኻዮ ኮይንካ ኢኻ ክትቃለስ ዘለካ’ምበር ኣነ ገዛ ኣለኒ ቤተሰብ ኣለኒ እናበልካ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ናብ ዘላ ሃገር በጺሕካ ምምላስ፡ ካዝና መላኺ ጉጅለ ብገንዘብ ክሃጥር ምግባርን ፖለቲካዊ ድንቁርና ዝወለዶ ባዶ ጃህራ’ዩ። ስለዚ እቲ ፍታሕ ምውዳብ ምቅላስ ጥራሕ’ዩ። ንካልኦት ምቁንጻብ ምንጻግ ገዲፎም ወይ ኣብ’ተን ውድባት ኣትዮም እንተዘየለ ድማ ናቶም ውድብ ፈጢሮም ናትና ዝብልዎ ስነ-ሓሳብ ተኸቲሎም ኣንጻር እቲ ስማዊ ስርዓት ክቃለሱ በዚ ኣጋጣሚ እጽውዕ።

                                                  ካልኣይ ክፋል ክቕጽል’ዩ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 19-06-2016

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel