ብሐርነት ክትጽንበል‘‘

ንከም ነፋሒቶ ሕብሩ ዝለዋውጥ

ካብ ያዕ በልዎ ያዕ ንበሎ ይሰልጥ

ንማፍያዊ ጉጅለ ህግደፍ ክንልውጥ;;

ኣብ ባይታ ኣርክብ ንበል ሎምሲ

ከም ሱዳናዊታን ክንረክብ ፈውሲ

ንዲክታቶር ክንትክኦ ብዲሞክራሲ‘‘

ኣርዮስ ንሱዳን ጉያ

ውድባት ኤርትረያ

ኢዱ ኣይትምሕን እያ

መራሒ ጉጅለ ማፍያ

ከይቅድመክን ጉየያ‘‘

ናይ ኤርትራዊያን ርኢቶ

ኣብ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ

ኮና ንጋኔን ክንምክቶ‘‘

ንዕላምኡ ከርዊ

ንጥፍኣት ኤርትራዊ

ዝደጎሎ ሐዊ

ኣብ ዝባንኩም ከሐዊ‘‘

መራሒ ህግደፍ

ከይረክብ ደገፍ

ከም በሺር ክግለፍ‘‘

ሕልንኡ ኩፉእ

ንኑጹሃት ከጥፍእ

ጋኔን ሐዊዩ ዝተፍእ‘‘

መራሒኦም ኮብራ

ኣማኸርቱ ኣትማን

ተንቤናይ ናይ ቀርኒ ጋኔን

ተጠንቀቑ በልዎም ንሱዳን

ከይከልኣኩም ምትእምማን‘‘

ጸረ ጃንዳ ህግደፍ ኣራዊት

ከም ሱዳናዊያን ክንዕወት

ሐርነት ትብዓትዩ ዝሐትት

ኤርትራዊያን ብስኒት ንመክት‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።