ቀደም ጎይታን ጊላን ዝበሃሉ ገዛእን ተገዛእን ከም ዝነበሩ ተመራመርቲ ታሪኽ ይምህሩ። ታሪኽ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ፡ እማዊ ዘመን ( ናይ ኣደ ዘመን) ፣ ፊል መዴስነት፣ ስርዓተ ባርያ፣ መስፍንነት፣ ርእሰ ማልነት፣ ማሕበርነት (ዴስነት) እናበለ ከምዝመጸአ’ውን ይገልጹ። እቲ ዳሕረዋይ ኣብ ማህጸን’ቲ ቀዳማይ ተጠኒሱ፡ ብሰላም ዘይኮነ ብግርጭት ከም ዝተወልደ የረጋግጽ።

ዝበዝሕ ካብ’ቲ ሓደ ናብ’ቲ ካልእ ዝግበር ሕብረተ-ሰባዊ ምስግጋር፡ ዘይመሰረታዊ ወይ መልከዓዊ ለውጢ ከም ዝኾነ፡ ገሊኡ ግን፡ ብባህሪኡን ራእይኡን መሰረታዊ ወይ ዓይነታዊ ለውጢ ከም ዘምጽእ ዝዛረቡ’ውን ኣይተሳእኑን።

ናይ ሎሚ መልእኽትና፡ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ካበይ ተበጊሱ? መስርሑ ከመይ ነይሩ? ኣብ ሕድሕዱ ዝነበሮ መሰረታውን ዘይመሰረታውን ግርጭታትን መጻኢ መዕረፊኡን ንምግላጽን ምርዳእን ስለዘይኮነ፡ ናብ’ቲ ቀንዲ ዛዕባና ከነተኩር፡፡ ባርነት ኣብ ታሪኽ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ከም ስርዓት ዝግለጸሉ ሕሱም መዋእል ምንባሩ ኣብ ላዕሊ ኣተንቢብህና። ብመንጽር ደረጃ ሕብረተ-ሰባዊ ምዕባለ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ራሕቂ ግዜን፤ ትማሊ ኣብ መንጎ ጎይታን ጊላን ዝነበረ ርክብን፡ ኣብ’ዚ ስልጡን ዘመን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይወግዓዊ ባርነታዊ ኣገዛዝኣን ብዓይነቱ ኮነ ብመልክዑ ኣይራኸብን።

ሎሚ ኣብ መንጎ ሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ፍጽሙ መላኺ ጉጅለን፡ ኣልቦ ሃገራዊ ሰላም፣ ኣልቦ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ኣልቦ ሃገራዊ ቅዋም፣ ኣልቦ ንጹር ስትራተጂካዊ ራእይ፣ልዕሊ ሰብኣዊ ክብሮምን ህዝባዊ ልኡላውነትን፡ ብንሕና ንሱ ዝምርሑ ኣምለኽቲ ብጉልባብ ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ዝምድና ጎይታን ጊላን እወ በፍጹም ኣይነጻጸርን።

ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ሰባት ልክዕ ከም እንስሳ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ንከምኦም ዝበሉ ሰባት የገልግሉ ነይሮም። ጎይተቶም ንምዝንጋዕ፡ ምስ ኣኽላባት፡ ምስ ኣናብር፡ ምስ ኣናብስ መን ሰዓረ ክቃለሱ (ክበኣሱ) ይግበር ከም ዝነበረ፡ ክሳብ’ውን ሕልፈተ ህይወት ነጋውስ ኣብ ዘጋጥመሉ፡ ጋላዩ ብህይወቶም ምስኦም ይቕበሩ ከም ዝነበሩን ተመራመርቲ ታሪኽን መዛግብቲ ታሪኽን ይሕብሩ። ዳግም ኣይተርእየና ኣይተስመዐና ተባሂሉ ዝተኾነነን መድረኽ ዝሰገሮን ዘስካሕክሕ ታሪኽ። ይኹን ግን እቲ ኣብ መድረኹ ኣብ መንጎ ጎይታን ጊላን ዝነበረ ርክብ፡ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ብኹለንተንኡ ድሑር፡ እንዶ ሰብኣዊ ክብረትን ፖለቲካዊ ንቕሓት ኣብ ዘይነበረሉ መዋእል ዝተፈጸመ ብምዃኑ፡ ኣብኡ ዝግበር ገምጋምን ዝንበር ሚዛንን ብደረጃ’ቲ ዝነበረሉ መድረኽን ምዕባለን ክኸውን ይግባእ።

ናይ’ቲ መድረኽ’ቲ ጎይታ ብሃገራዊ ልኡላውነት፡ ብሕድሪ ስውኣት፣ ብትንዕታ ጸላእትን ተጻባእትን፣ ወይ ብካልእ ስምዒት ዘረሳስኑ ጎስጓሳት የካይድ ኣይነበረን። ብኸምኡ ዝሕበኣሉ በዓቲ ኣይነበረን። ረብሓ ዝመንቀሊኡ ግጭት ይፍጠር። ሰዓርን ተሰዓርን ይንጸር። ብቐጥታ ሰዓሪ ጎይታ፡ ተሰዓሪ ጊላ ይኸውን። ስለዚ ቅልጽሙ ዘሕበጠ ጎይታ፡ ዝያዳ ሓያልነቱ ንምዕቃብን ንምስፋሕን መሳኪን ሰባት ናብ ዘለውዎ ዓሳክሩ ልኢኹ ወይ ባዕሉ ከይዱ፡ ንዝደለዮ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ዝኽእሉ ኣጓብዝ መሪጹ፡ ብሰንሰለት ኣሲሩ ብምውሳድ፡ ኣብ ሕርሻ፡ መጓሰን ፋብሪካን ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ብባርነት ክሰርሑ ብምግባር ከቢሩ ህይወቱ ይመርሕ ነይሩ።

እቶም መሳኪን ጊሎት ድማ፡ ብስብከት ተታሊሎም ዘይኮኑስ ኣማራጺ ስኢኖም ተገዲዶም፡ ኣብ መንጎ ሞትን ሕየትን ኮይኖም ብባርነት የገልግሉ ነይሮም። ብሓጺሩ እቲ ናይ ሽዑ ባርነት ደረጃ ምዕባለ ናይ ሕብረተ-ሰብን ፖለቲካዊ ንቕሓትን ኣብ ዘይነበረሉ ብዓመጽ ዝሓየለ ጎይታ፡ ዝደኸመ ከኣ ተገዲዱ ኣገልጋሊ ዝኾነሉ መዋእል ስለ ዝነበረ፡ ምስ’ዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብገለ ኤርትራውያን ንዕዘቦ ዘለና ብፍታውካ ባርያ ምዃን ዓይነታዊ ፍልልይ’ዩ ዘለዎ። ብመሰረቱ’ውን ብውዴታ ባርነት ብዘይካ ኣብ ኣምለኽቲ ህግደፍ፡ ቅድሚ ሎሚ ከም ተርእዮ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ መረዳእታ ዘሎ ኣይመስለናን።

ኣገዛዝኣ ህግደፍ ካብ ሕጋውነትን ህዝባውነትን ዝኾብለለ፡ ፍጹም ፈራሕ፡ ፍጹም ድማ ጨካን’ዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ ትጽቢት ብዙሓት ዘይነበረ፡ ገዛእን ተገዛእን ጎይታን ጊላን ተኸሲቱ። ኣብ ኤርትራ ምንባር ዕድመኻ ምሕጻር ምዃኑ፡ ስደት ግን ከም ግዝያዊ መስጋገሪ ህይወት ተወሲዱን ገዛኢ ኣተሓሳስባ ኮይኑ፡ ከም ህዝብን ሃገርን መጻኢና ናበይ ዝብል ከቢድ ስኽፍታ ፈጢሩ ይርከብ።

እቲ ስኽፍታ ነቲ ገፋዒ ጨፋላቒ ጉጅለ ኣልጊስካ ከም ዝቕንጠጥ ርዱእ ነገር’ዩ። ከምኡ ንምግባር ኩሉ ብዱል ኩሉ ደላዪ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ቅነቅሕ፡ ክበራበር፡ ቀላጽሙ ኣተሓባቢሩ ናብ ተግባር ክብገስ ይግባእ። ይኹን ግን እቲ ጉጅለ ፍጹም ፈራሕ፡ ፍጹም ድማ ጨካን ብምዃኑ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ምክትታል ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ዝነብሩ በርገስ ዜጋታት፡ እንታይ ኮይኖም እምቢ ኣይንግዛእን ዘይብሉ ወይ ከም’ዚ ዘይገብሩ ኢልካ ክትፈርድ ርትዓውነት የብሉን።

ስለምንታይ’ሲ፡ ንሳቶም ደለይቲ ሰላም፡ ንሱ ዘራጊ ሰላም’ዩ። ንሳቶም ጥራሕ ኢዶም ንሱ ወናኒ ተተኳሲ ኣጽዋር’ዩ። ንሳቶም ኣብ መዓልታዊ ማሕበራዊ ህይወቶም ተበታቲኖም ዝውዕሉ ድኻታት፡ ንሱ ኣብ ትሕቲን ልዕል መሬት ዝርከብ ሃገራዊ ጸጋታት ዝገበተ፡ ፖሊሲ ተኲስካ ቅተል ከተግብሩ ብዝተፈላለየ ኣስማት ዝመልመሎም፡ ናበይ ስለምንታይ ከይበሉ ድሌቱ ዝፍጽሙ ሰብ ብረት ዝወነነ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ናይ ጥፍኣት ጉጅለን’ዩ። ስለዚ ፈጺሞም ገለ ክገብሩ ኣይኽእሉን ወይ ገለ ክገብሩ የብሎምን ኢልካ ምትብባዕ’ኳ ኣሉታዊ መልእኽቲ እንተኾነ፡ ኣብኡ ኮይንካ ገለ ንምግባር ከቢድ ጥንቃቐን ነዊሕ ግዜን ዝወስድ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ብረት ዝተሓንገጡ እኩባት ሰባት ኣለው። መብዛሕቲኦም ከኣ ኣብ ክሊ ናይ ንእስነት ዕድመ ዝርከቡ’ዮም። ንቡር ናይ ወተሃደር ክብሪ የብሎምን። ብህይወት ንምንባር ዘኽእሎም መሰረታዊ ጠለባት ኣይረኽቡን። ኣብ ኤርትራ ባርነት ኣሎ ክበሃል እንከሎ ከኣ ብቐጥታ ጉልበቶም ብነጻ ዝምዝመዙ ዘለው፡ ንሳእቶም እቶም ዕላማ ኣልቦ እኩባት ሰብ ብረት’ዮም።

ይኹን ግን ብዛይካ’ቶም ውሑዳት ተረባሕቲ እቶም ዝበዝሑ ኣብ ሕማቕ ከም ዘለው፡ ብዘይ ክፍሊት ብባርነት የገልግሉ ከም ዘለው ዘይፈልጦ ኣይኮኑን። ሕርሕራይ ገይሮም ይፈልጡ’ዮም። ኣብ ሕድሕዶም ውሽጣዊ ምትእምማን ከይህልዎም ክጠራጠሩ ገይሩ ስለ ዝሃነጾም፡ ብዘይብ ብቁዕ ምኽንያት ከም’ዚ ስለ ዝበለ ዝገበረ ኢሉ ካብ መንጎኦም ሰባት ጨውዩ ከጥፍእ፡ ሰራዊት ኣኪቡ ክርሽን ስለ ዝሪኡ ግን ይርዕዱ። ኣብ ክንዲ ስለምንታይ ስቕታ ይመርጹ። ዕድል ክሳብ ዝረኽቡ እናፈለጡ ከምዘይፈለጡ ኮይኖም ብመቑሕ ባርነት ተኣሲሮም ይነብሩ። ዕድል እንተ ረኺቦም ከኣ ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ሃዲሞም ሓራ ዝወጽኡ ዘለው ወገናት ብምዃኖም፡ ወድዓውያን ፈተውቲ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ‘ምበር፡ ምስ’ቶም ብፍታዎም ስርዓተ ባርነት ዝሕብሕቡ ዘለው ኣመለኽቲ ዝምደቡ ኣይኮኑን።

ክውቀሱ ክኹነኑ ዘለዎም ናፈቕትን ሓብሓብትን ባርነት ደኣ ኣበይ ዘለው’ዮም ወይ መን’ዮም? ክውቀሱን ክኹነኑን ዘለዎም ዜጋታት እቶም ካብ መሳርዕ ጸረ-ህዝቢ ህግደፍን ኤርትራን ሃዲሞም፡ ካብ ባርነታዊ ሚዝመዛን ሓራ ዝወጽኡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ናይ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓፈሻ፡ እቶም ኣብ ሃገራት ምዕራብ በጺሖም፡ ትርጉም ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ከስተማቕሩ፡ ክፉእ ገጽ ጊላነትን ክብረት ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ከመዛዝኑ፣ ኣብ ኩሉ መሳለጥያታት ዝተማልኣሉ ገዛ ምንባር፡ ኣማሪጾም ክበልዑን ክሰትዩን ዝጀመሩ’ሞ፡ ሕግና ዓንቀጽና፡ መምርሒና ኢሎም ዝጠቕስዎን ዝጣበቕሉን ዘይብሎም ንውልቀ ሰብን ጉጅለኡን ኣይትሕመመና ኣይትሙተና፡ ንበረልና ንበር ዝብሉ ዘለው ሕሱራት ወገናት ከኣ ብፍላይ’ዮም።

ሎሚ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም እናነበረ ንእንኮ ሰባዊ ስማዊ ስርዓት ህግደፍ ኣይትሙተኒ ዝብል ዝድግፍ ኤርትራዊ ተገዲዱ ኣይኮነን። ሰኣን ኣፍልጦኡ’ዩ ኢልካ ከተመኽኒየሉ’ውን ልክዕ ኣይኮነን። ስለምንታይ ካብ ባርነታዊ ኣገዛዝኣ ሃዲሙ፡ ኣብ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ዘለዎ፡ ሰብ ብሰብነቱ ኣብ ዝኽበረሉ፡ ወናኒ ነብሱ ኣብ ዝኾነሉ ምዕቡል ዓለም’ዮም ዝነበሩ ዘለው። ሕጽረት ሓበሬታ ዝፈጠሮ ከይበሃል ናይ ከምኡ ጸገም የለን። ከምቲ ዝኾነ ነገር እንተለሚድካዮ ሕማቕ ጽቡቕ ይመስለካ ዝበሃል፡ ናይ መሰል ተመጽወቲ ክኾኑ ቅቡል ከም ዝገበርዎ፡ ባርነት ከም ዝናፍቑ ተግባሮም ምስክር’ዩ። ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ኣውስትራሊያ …ወዘተ ኮይኖም፡ በዚ ዘመን ዘፍረዮ ስሉጥ ዝተራቐቐ መራኸቢታት ተጠቒሞም ብድምጽን ብምስልን ኣሰኒዮም፡ ነዚ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ዘለዎም ደገፍን ኣመልኾን ክገልጹ እነከለው ባርነት ካብ ምንፋቕ ወጻኢ ካልእ ምኽንያትን ስምን ክወሃቦ ኣይከኣልን።

ስለዚ ኩሉ ዝገብርዎ ብፍታውን ብፍላጥን’ዩ። ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ መቑሕ ባርነት ሃዲምካ ሓራ ወጺእካ፡ ኣብ ርሑቕን ውሑስን ቦታ በጺሕካ፡ ኣብ ክንዲ ኣነ ንመሰለይ ኣለኹ ባዕለይ ኢልካ ብሕራነ ምቅላስ፡ ተመጽዋእቲ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ኮይንካ፡ ምሕረት ካብ ቀታሊ ጉጅለ ምጽባይ፡ ንዕኡ ከተሐጉስ ሰብኣዊ ክብርኻ ምሕሳር፡ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ባርነት’ዩ። እቲ ዘመን ዝሰገሮ ናይ ቀደም ባርነት ግዱድን ብወሳኒ መልክዑ ጉልበታዊ ምዝመዛን’ዩ ነይሩ። እዚ ብገለ ኣመለኽቲ ህግደፍ ኤርትራውን ንዕዘቦ ዘለና ግን ብፍታውን ናይ ኣተሓሳስባ ባርነትን’ዩ። እዚ ባርነታዊ ኣተሓሳስባ’ዚ ከኣ፡ ንክብርን ሚዛንን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ’ቶም ፖለቲካዊ ዕቑባ ዝሃቡ ሃገራትን መንግስታትን ኣብ ትዕዝብቲ ዘእቱን ዘፍኩስን ብምዃኑ፡ ብዓይኒ ሓላፍነታውያን ኤርትራውያን ትሕዝቶኡን ትርጉሙን መሪር’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 14-09-2019