ህዝቢ ኤርትራ ዝረኸቦ

ክንዛረብ ዶ ከላእ ትዛረቦ

ብኣፎም ተለጒሞም ኣዛብእ ዓደቦ‘‘

ዓደባኻ ክዝመት ዶ ዓይንኻ ትዕመት

ውጺኢቱ ንሱዩ ናይ ህግደፍ ባርነት

ድምጽና እንቢ ንምልኪ ወ ንሐርነት‘‘

ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ

ህዝቢ ኤርትራ ሲኢኑ ዋሕስ

እዚ እንዳ ሰማዕካ ዶ ትድቅስ‘‘

ኣቢዪ ኣሕመድ ምቕናይ

ኣይኮነን ዶ ኦሮሞታይ

ወኪል ናይ ቴንቤናይ

ንተወልጀ ኣስመራ ዕባይ

መን ኢልዎ ወኪልና ሔራይ

ህግደፋዊያን ደገፍቲ ንኣባይ

ጽባሕ ከይከውን ዋየ ዋይ‘‘

ኣቢዪ ልሳንካ ኣድቦ

ትፈልጦ ኢኻ ሴፍ ዓደቦ

ውክልናኻ ፍረ ኣልቦ‘‘

ንኤርትራዊያን ተካል ስማዕ

መን ንበሎ ወኪሉኒ ኢካስ ዓዕ

ህዝቢ ኤርትራ ንሳማማዕ

ሕማም ተላገብ ከይላባዕ‘‘

ዓለም ኣብ ሐይሊ እያ ትኣምን

ሕጂ ውን ኤርትራ ንኤርትራዊያን

ኣቢዪ ወኪል መን ንበሎ እንበር

ኣቢዪ ወኪል ህዝቢ ኤርትራ ኣኮነን

እምም ኣይውክሉናን ክልተ ኣትማን‘‘

ንህዝቢ ኤርትራ ኢሰያስ ኣውክሎ

ኣቢዩ ኣሕመድ ኣይውክሎ

ኤረና ዶ ብመን ንበሎ ትሕሎ

ኤረና ሎሚ ዘበን ሐዲኡሎ

ብደገን ውሽጥ ከምዚዩ ዝበሃል ዘሎ

ንደለይቲ ፍትሒ ወኪለ ኣነ ይብሎ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ 14 10 2019‘‘ብኣባል ተ.ሐ.ኤ. በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።