ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝበሃል፡ ኣብ ህዝባዊ ሰላም፡ ህዝባዊ ደሞክራሲ፡ ህዝባዊ ልምዓትን ዕቤትን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ልክዕ ዝኾነ ሚዛናዊ ርድኢት ምስ ዝተሓዝ’ዩ። እዞም ኣገደስቲ ረቛሒታት እዚኣቶም ብህዝቢ ክውነኑ’ሞ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ብዘተኣማምን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ዝኸውን  ቀጻልነት ዘለዎ ኣስተምህሮ ምስ ዝወሃብ’ዩ። ወዲ-ሰብ ካብ ተፈጥሮ ድዩ ሰብ ዝሰርሖ ጸልማት ናብ ብርርሃን ክወጽእ፣ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ተናጊፉ ዝሓሸን ውሑስን ማሕበራዊ ህይወት ክረክብ’ዩ ዝምነ።  ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባ ናብ ዝማዕበለ ስልጡን ኣተሓሳስባ፡ ካብ ዓዘቕቲ ድኽነት ናብ ዝጭበጥ ልምዓታዊ ዕቤት፡ ካብ ኣድልዎን ዓፈናን ናብ ዘተኣማምን ማሕበራዊ ፍትሒ ብኸመይ ክበጽሕ ይኽእልን ግን፡ ነቲ መንገዲ ኩሉ ብማዕረ ዝርደኦ ኣይኮነን። እቲ ተረዲእዎ ዝበሃል’ውን ብሓደ ግዜን ብምልኣትን ኣይውንኖን።

ምኽንያቱ ደቂ-ሰባት ኣብ ነገራት ዘለዎም ኣረኣእያ ካብ ባህሪኦም ዝምንጩ ዝተፈላለየ’ዩ። እቲ ፍልልይ ድማ ኣብ ገሊኡ ዝቀራረብ፡ ኣብ ገሊኡ ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ’ዩ።  ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ሓደ ካብ ጉድለት ፖለቲካዊ ንቕሓት’ዩ። ካልኣይ ነገራዊ ረብሓታት ብዘይቅኑዕ ኣገባብ ንምርካብ ካብ ዘለዎ ሕሉፍ ስሰዐ ዝብገስ’ዩ። ስለዚ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ ብትምክሕታዊ ወይ ሕሉፍ ጽበት ዝዓወረ፡ ብነገራዊ ረብሓ ድማ ኩሉ ነዓይ ነበይነይ ዝብል ኣተሓሳስባ እንተተዓዛዚርዎ ኣዝዩ ከቢድ ሕማም ሓሚሙ ኣሎ ማለት’ዩ። ንፍዋሱ ከኣ ነዊሕ ግዜን ብዙሓ ዋጋን ዝሓተት’ዩ ዝኸውን። ስለምንታይ’ሲ እቲ ብኣጉል ትምሕታዊ ኣረኣእያ ዝሰኸረ መን ከማይ በሃሊ፡ ህዝባዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራሲ፣ ህዝባዊ ልምዓታዊ ዕቤት ...ወዘተ ዝበሃል ቅኑዕ መትከላዊ መርሆ ቋንቋኡ ኣይኮነን። ቋንቋኡ ስለ ዘይኮነ ከኣ ኣይስምዖን። ከተረድኦ እንተፈተንካ’ውን ርግእ ኢሉ እንታይ ይበሃል ኣሎ ክሰምዕ ዘኽእሎ ተፈጥሮ የብሉን። እቲ  ብጸቢብ ኣረኣእያ ዝዓወረ ከኣ መጀመርያ ናቱ ጥፍኣት ጉድለት ኣይርእን።  ኣነ ከም’ዚ ስለ ዝኾንኩ ተጠቒዐ ተዋሲነ እናበለ’ዩ ዝቑዝም።  ፈታውን ጸላእን ብዘይፈሊ ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ግብረ መልሲ ምሃብ ዝብል ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ሒዙዩ ዝጎዓዝ።

እዞም ክልተ ናይ ድሕረት ጫፋት ልዕልነት ኣብ ዝሓዝሉ ኣጋጣሚ ድማ ቅኑዕ  ርእይቶ ከም ግጉይ ይህረም። ሓቀኛ ክንሱ ኣብ መንጎ ትምክሕትን ጽበትን ድሑርን ኣዕናውን ኣረኣእያ ተቐርቂሩ ርእሱ ኣድኒኑ ክጎዓዝ ይግደድ። ነዚ ንምንጻር ንምግራሕ  ኢልካ’ውን ንምውጋድ ምበኣር፡ ገዛእ ርእስኻ ካብ ኩሉ መልከዓት ድሑር ዝምባሌታት ሓራ ንምዃን ጻዕሪ የድሊ። ብውጥን ዝምራሕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ንምስራጽ ዘኽእል ቀጻልነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ምሃብ የድሊ።

ገዛእ ርእሱ ክሳብ ምጥፋእ ዝበጽሕ ብትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ዝሰኸረን፡ ብጸቢብ ኣረኣእያ ዝዓወረን ድሑራት ፖለቲካዊ ዝንባሌታት ክትቃለሰሎም ትኽእል ረቛሒታት ብርግጽ ብዙሓት’ዮም።  ንኣብነት ቤት ትምህርቲ፣ ሃይማኖታዊ ትካላት፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ በርጌሳውያን ማሕበራት፣ ስነ-ጥበብ፣ መራኸቢ ብዙሓን ...ወዘተ ንምጥቃስ ይከኣል። እዞም ውዳቤታት እዚኣቶም ብባህሪ፡ ብዓቕምን ብተግባርን ይበቕዕዎ’ዶ ኣይበቕዕዎን ዝብል ሕቶ  መልሱ ንዓታቶም ዝግደፍ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ተልእኾኦም ግን ንቅኑዕ ኣተሓሳስባ ምትብባዕ ምድጋፍ፡ ንግጉይን ኣዕናውን ኣረኣእያታት ከኣ ምቅላዕ፡ ምግራሕ፡ ምኹናን ምኳኑ ኣየካትዕን። እዚ ዓውዲ’ዚ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ግን ንሎሚ ኣብ ደምበ ፈታዊ ንዝነጥፉ ዘለው መራኸቢ ብዙሓን  መሰረት ገይረ ርእይቶይ ከካፍል’የ።

ኤርትራውያን ብዓይነቱን ተግባሩን ካብ ዝኾነ ዝሓለፈ መድረኻት ዝተፈልየ ከም ህዝቢ ሓድነትና ኣውሒስና ንቕጽል’ዶ ኣይንቕጽልን ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከም እንርከብ ብዙሓት ንሰማምዓሉ እመስለኒ። ነዚ ሓላፍነታዊ ሻቕሎት ከቢድ ዝገብሮ ድማ  ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብመደብ ብዘቤታዊ ጸላኢ ተዛቢዑ፡ ቅኑዕ ርእይቶ ብድሑር ኣረኣእያታት ተዋሒጡ፡ ኣብ ዝተነጸረ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መስመር ዝዓሰለ ስጡም ውደባ ስኢኑ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ይሕቆን ስለ ዘሎ’ዩ።

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብድሑር ጨካን ምሕደራ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዘማርር፡ ንመሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ድማ ዝምነ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝበዝሐ’ዩ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ሰብኣዊ ክብሮም ናብ ደረጃ ባርነት ኣውሪዶም ንዕድመ ኤርትራዊ ሃገርነት ምስ ህላዌን ዕድመን ኢሳያስ ኣተኣሳሲሮም፡ ኤርትራ ከም ሃገር ክትህሉ ክሳብ ካብ ሕጊ ተፈጥሮ ወጻኢ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክህሉ ዝምህለሉ፡ ንእንኮ-ሰባዊ ስርዓት (ንኢሳያስ) ንዝቃወሙ ንምጥፋእ ኩሉ ዝከኣሎም ዝገብሩ ወገናት ምህላዎም ከኣ ግሁድ’ዩ። እዚኦም ግን ብመንጽር’ቲ ደላዪ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክረኣዩ እንከለው ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም። ኢሳያስ ነቲ ሰብኣዊ ክብሮም ዘዋርድሉ  ናይ ኣተሓሳስባ ባርነት ብግቡእ መዝሚዙ ወዲቡ፡ ኩሉ ዓይነት ዘመናዊ መሳለጥያ ኣዕጢቑ ስለ ዘዋፍሮም ግን፡ “ዓሻ በትሪ ጎራሓት” ከም ዝተባህለ ብዓይኒ ዕሙት ንቕኑዕ ርእይቶ ብዙሓት ኣብ ምዝራግ ክነጥፉ ጸኒሖምን ኣለውን።  ነዚ ድኹዒ ኮይኑ ዘገልግሎም ዘሎ ድማ እቲ ብምሕደራ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዘማርር ብዙሕ፡ ካብ ፖለቲካዊ ቁዘማን ግዝያዊ ስምዒታዊ ሆይ ሆይታን ሓሊፉ ብዝተነጸረ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ተመሪሑን ብሕጊ ተገሪሑን ጭቡጥ ዓቕሚታቱ ኣላፊኑ ትርጉም ዘለዎ ፖለቲካዊ ስራሕ ከካይድ ኣብ ዘኽእሎ ደረጃ ስለ ዘይበጽሐ’ዩ።

ፖለቲካዊ ብሓፈሻ፡ እዚ ንዓና ንኤርትራውያን ብዘቤታዊ ጸላኢ ከም ጥሙር ህዝብን ልኡላዊት ሃገርን ንቕጽል’ዶ ኣይንቕጽልን ኣብ ከቢድ ስኽፍታ ኣእትዩና ዝርከብ ባርነታዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ብሰናይ ድሌትን ግዝያዊ ስምዒታዊ ጫውጫውታን ብከም’ቲ ኣብዘሓ ዝብህግዎ ኮይኑ ዝመዓራረ ኣይኮነን። ስለምንታይ? ፖለቲካ ባህሪ ናይ ደቂ-ሰባት ዝግለጸሉ፡  ናይ ረብሓ ምርጋሕ ዝረኣየሉ፡ ማሕበራዊ መሰረቱ ኣበይ ዝንጸረሉ ሓሳብ’ዩ። ፖለቲካ ንኹሎም ዓውድታት ዝመርሕ ዝቆጻጸር ሓደ ኣካል ማሕበራዊ ህይወት ወዲ-ሰብ ዝኾነ ስነ-ፍልጠት’ዩ።  ስለዚ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ኣብ ሕድሕዱ ኮነ ምስ ቀዳማይ ዘቤታዊ ጸላኢ ዘካይዶ ግጥም ነዚ ሓቂ’ዚ ብግቡእ ዝተረደአ ክኸውን ይግባእ። ካብ’ዚ ዘለናዮ ባርነታዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ሓራ ክንከውን፡ መጻኢና ኣብ ኢድናን ጥጡሕ ባይታን ክንጸፍ፡ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና ክጸሪ፡ ናብ ሚዛን ፍትሕን ህዝባዊ ደሞክራስን ክዝምብል ኣለዎ።

ብኸመይ?

  1. ከም ሰባት ናይ ምሕሳብ ተኽእሎኦም ብጽልእን ጭካኔን ፕሮፖጋንዳዊ ዑብታ ዝተሰልቡ ወገናት፡ ካበይ ተበጊስና ናበይ ንኸይድ ኣለና፡ ምስ መን ንኸይድ ኣለና፡ ኢሎም ደው ኢሎም ነብሶም ክፍትሹ ኣለዎም። ብዘይ ሕቶን ርእይቶን ኣብ ትሕቲ ከምኦም ዝበሉ ሰባት ባብርነት ክመሓደሩ ሒዘሞ ዘለው ኣዕናዊ ርድኢት ገዲፎም፡ ባህሪኦም ኣስተኻኺሎም፡ ከም ሰባት ሰብኣዊ ክብሪ ረኺቦም፡ ኣብ ጉዳዮም ጉዳይ ሃገሮም ብማዕረ ዝዋስእሉ ሓድሽ ህይወት ክውንኑ ኣለዎም።
  2. ንግዝያዊ ስጋዊ ዕግበት ሕልናኦም ሸይጦም ኣብ ደምበ ጸላእትን ደምበ ፈታውን ዘዳኽሩ ዘለው ተበለጽቲ (መሲሎም ሓደርቲ) ኣብ’ቲ ህዝባዊ ቃልሲ ዘብጽሕዎ ዘለው ሃሰያ ዝተረደአ፡ ዝብልዎን ዝገብርዎን ብጭብጢ ተታሒዙ ብእሩም ግን ከኣ ብዘይምሕር ኣገባብ ክቃልዑ ምግባር የድሊ።
  3. እቲ ብሓቂ ካብ እንኮ-ሰባዊ መንግስታዊ ጉጅለ ሓራ ክወጽእ ዝደሊ ግን ከኣ፡ ሓራ ዘውጽእ ንጹር ኣንፈተ ፖለቲካ ከይወነነ፡ ብገበናዊ ተግባራት ጸላኢ ቁጠዐኡ ሓፍ ዝብል፡ ብባዶ ፕሮፖጋንዳዊ ወፍሪ ጸላኢ ድማ ዝዝሕል፡ ከም ዓውደ መኼዳ ኣብ ዕንክሊል ዝነብር ዘሎ ሸነኽ ዝተዘርገ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኡ ኣሪሙ፡ ናይ ብርጌድ ንሓመዱ ትብዓት ክኽተል ኣለዎ። ነቲ ሓቀኛ ናይ ቃልሲ ምሕዝነት ፈጢሩ ብመንገዲ ዓወት ንቕድሚት ከይምርሽ ዝዕንቅፎ ዘሎ ብግቡእ ኣለልዩ፡ ፈታውን ጸላእን፣ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን፣ መንገዲ ዓወትን ስዕረትን ፈላልዩ ክርኢ ዘኽእሎ ህዝባዊ ዝኾነ መትከላዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት ወኒኑ ብምትእምማን ንመሰሉ ብትብዓት ክቃለስ ይግባእ።

ብናተይ ርድኢት ኣብ’ዚ  ንርከበሉ ሕሱም መድረኽ ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ፡ ክህልዎም ምስ ዝኽእል ብምኽርን ነቐፌታን ዝእረም፡ ብዓይኒ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኣታውን ወጻእን ዝኾነ ዝንባለ፡ ኣብ ደምበ ፈታዊ ዝዋስኡ ዘለው ማዕከናት ዜና ኣበርክቶኦም ዝተባባዕ’ዩ። ዜጋታት ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰሎምን ፖለቲካል ደሞክራስን ብኩሉ መዳይ ክዋስኡ ዘካይድዎ ዘለው ቃልሲ ዝምስገን’ዩ። ምስ’ተን ህዝቢ ብፖለቲካ ምንቃሕ፡  ምውዳብ ዝዋኒነን ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ክነጻጸር እንከሎ ሚዛን ሓቂ ናብ መን ከም ዝዝንብል ንምርድኡ ኣየጸገምን።

ከም ማዕከናት ዜና ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮነ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብዘቤታዊ ጸላኢ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ጭውያ፣ ማእሰርቲ፣  ራስያ ንብረትን ጥሪትን፣  ምስቓይ፣ ቅትለት፣ ምርኻስ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ክብርታት፡ ዋላ ምስ’ቲ ዕለታዊ ዝፍጸም ገበናት ዝመዓራረ ሰፊሕን ዓሚቕን ኣይኹን ብዓቕሞም የቃልዑን ይስንዱን ኣለው። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝግበር ኣኼባ፣ ሰሜናር፣  ጉባኤ፣ ሰላማዊ ሰልፊ፣  ናይ ሌላን ምውዕዋዕን ኣገልግሎት ይህቡ ኣለው። ኣብ ኣገደስቲ ዛዕባታት መብርሂ ክህቡ ዝኽእሉ ሰባት እናዓደሙ የዘራርቡ ኣለው።  ኣብ ከባቢናን  ዓለምን ዝኽሰቱ ፖለቲካዊ ጸጥታውን ዲፕሎማስያውን ምዕባሌታት ብምቅላሕ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ይገብሩ ብምህላዎም ንወነንቲ፡ ኣዳለውቲ፡ ኣወሃሃድትን ኣቕረብትን በርትዑ ክበሃሉ ይግባእ።

ነቲ ሓሓሊፉ ዝረአ ኣታውን ወጻእን ዝኾነ ብግቡእ ዘይተገርሐ ኣረኣእያኦም ኣስተኻኺሎም፡ ካብ’ቲ ዝገብርዎ ዘለው ንላዕሊ ክሰርሑ፡ ዝተዘርገን ዝተዛበዐን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ምቕያር ዘይሃስስ ታሪኽ ክሰርሑ ከኣ ኩለ-መዳያዊ ደገፍ ክግበረሎም ይግባእ። ካብ ህዝቢ ክግበረሎም ካብ ዘለዎ ሓደን ቀዳማይን ደገፍ፡ ጽቡቕ ክሰርሑ እንከለው ምትብባዕ፡ ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ፡ ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ንጠለባት ህዝቢ ዘዛብዕ ካብ መንገዲ ዓወት ኣንፈት ዘስሕት፡ ንደምበ ጸላኢ ዘገልግል መልእኽቲ ከሕልፉ እንከለው ከኣ፡ ብእሩምን ሓላፍነታውን ኣገባብ፡  ብድፍረት ጉድለቶም ክሪኡን ክእርሙን ምኽሪ ወይ ነቐፌታ ምቕራብ የድሊ።

እዚ ክብል እንከለኹ ትካላት ማዕከናት ዜና፡ ካብ ህዝቢ ናይ ገንዘብ፡ ፍልጠት፡ ሓበሬታ ከም ዘድልዮም ዘንጊዐ ኣይኮንኩን። ናይ ገንዘብ ደገፍ የድልዮም’ዩ። ናይ ፍልጠት ወይ ተመክሮ ደገፍ የድልዮም’ዩ።  ልክዕ ዝኾነ ዘይተጋነነ ዝተወደበ ምንጪ ሓበሬታዊ ደገፍ ክረኽቡ ኣለዎም።  ምኽንያቱ ካብ ህዝቢ ከም’ዚ ዝበለ ደገፍ እንተዘይረኺቦም እቲ ትካል በቶም ኣብኡ ዘለው ውሑዳት ሰባት ጻዕርን ተወፋይነትን ጥራሕ፡ ነዊሕ ክጎዓዝ፡ ኣድማዒ ስራሕ ድማ ክሰርሕ ኣይክእልን። ስለዚ እቲ ደገፍ ቀጻልነት ዘለዎን ኩለ-መዳያውን ይኹን። ካብ ቀዳምነት ቀዳምነታት ክስራዕ ዘለዎ ግን፡ ንኣወንታዊ ኣበርክቶኦም ብኣወንታ ምትብባዕ፡ ካብ ህዝባዊ ወገናውነት ዝረሓቐ ብጸቢብ ሃገራውነት ተጎልቢቡ፡ ንሰብኣዊ ክብሪ ዝጎሲ፡ ናይ ዜጋታት መሰረታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ዝዕፍን መልእኽቲ  ዘመሓላልፍሉ ኣጋጣሚ ክርከብ እንከሎ ከኣ፡ ገዛእ ርእስኹም ተጋጊኹም ህዝቢ ተጋግዩ ስለ ዘለኹም ኣካይዳኹም ኣርሙ ኣስተኻኽሉ ዝብል ሃናጺ ምኽሪ ክወሃቦም ኣለዎ።

 ስለምንታይ’ሲ መስትያት ናይ ስራሖም ህዝቢ’ዩ። ህዝቢ ርእይቶኡ ዘየካፍል እንተኾይኑ፡ እቶም ማዕከናት ዜና ድማ ህዝቢ ኣብ ስራሖም እንታይ ትዕዝብቲ ኣለዎ ዘይፍትሹ እንተደኣ ኮይኖም፡ ከም’ቲ “በይኑ ዝጎዪ ዝቕድሞ የብሉን” ዝበሃል ምስላ፡ ጽቡቕ ኣለና እናበሉ መንገዲ ክስሕቱ ይኽእሉ’ዮም። ስለዚ ከኣ ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝዋሳእ ኩሉ ናተይ ኢሉ ክከታተሎም ክጓስዮም ይግባእ። ንሳቶም ድማ ኩሉ ግዜ ተማሃሮ ኮይኖም ክርከቡ ኣለዎም።  ትሕትናን ግልጽነትን መለለይኦም ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ሰማዕቲ ተዓዘብቲ ዝመጽኦም ኣራሚ ነቐፌታ ንዕቤት ትካሎምን ቅቡልነቶምን ሓጋዚ ምዃኑ ተረዲኦም ብተጻይ ዘይኮነ ብጸጋ ብምስጋና ተቐቢሎም ክሰርሑ ይግባእ።

ሓደ ትካል ማዕከን ዜና ምሉእ ወይ ብቑዕ ዝበሃል፡ ሸቶኡ ዝተነጸረ፡ ወናኒ፣ ኣዳለውቲ፣ ኣወሃሃድቲ፣ ኣቕረብቲ፣ ተቖጻጸርቲ፣ እኹል መሳርሒ፣ ምቹእ ናይ ስራሕ ቦታ፣ ነዚ ኩሉ ብሓላፍነት ዝመርሕ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝሕተት ቦርድ ዝመለሰ ምስ ዝኸውን’ዩ። ከምኡ ክትገብር ግን ብዙሕ ገንዘብ፡ ነዋት፡ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ፡ ዝሓትት ስራሕ  ብምዃኑ ብቐሊል ዝውነን ጉዳይ ኣይኮነን። “ጭሩ ብዓቕማ ትሕጎም” ከም ዝበሃል ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝነጥፉ ዘለው ማዕከናት ዜና ኩሉ ነገር ተማሊኡሎም ዘይኮነስ፡ ብዓቕሞም ሓኾት ይብሉ ከም ዘለው ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ። “ ግዜ ርኢኻ ሕለበኒ በለት ላም” ከም ዝተባህለ ኣብ ኢድና ዘሎ ጭቡጥ ዓቕሚ ንሱ ስለ ዝኾነ ንቀጻሊ ዕቤቶምን ቀጻልነቶምን ዝሕግዝ ኣብ’ቶም ዘለው ውሱናት መደበር ረዲዮን ቴሌቪዥንን፡ ብዙሓት ድማ ቴክኖሎጂ ዕድል ዝፈጠረለን ማሕበራዊ መራኸቢታት ክእረም ኣለዎ ኢለ  ዝሪኦ ትዕዝብተይ ብከም’ዚ ዝስዕብ ከቕርብ፡-

ሀ.  ሓደ ማዕከን ዜና (መዲያ) ዘለዎ ሃናጽን ኣፍራስን ጽልዋ ተረዲእካ እኹል ቅድመ ምድላው ጌርካ ዘይምቕራብ፣  ኣብ ትሕቶ መልእኽቱ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣቀራርባ’ውን ትኹረትን ጥንቅቃቔን ዘድልዮ ተነቃፊ ስራሕ ምዃኑ ዘይምርዳእ፣ ኣብ ህዝቢ ትቐርብ ከም ዘለኻ ተረዲእካ መታን እቲ ትካል ቅቡል ተሃራፊ ክኸውን ካብ ኣካዳድና ጀሚርካ፡ ኣዘራርባ፡ ስሩዕ ዋሕዚ ሓሳባትካ ከመይ ክመስል ኣለዎ ተዳሊኻ ምቕራብ ከም ዘድሊ ግቡእ ኣገንዝቦ ዘይምሃብ፣ ሓታታይ ክንስኻ መላሳይ ክሳብ ትመስል ዝተደዋወሰ መልእኽቲ ምቕራብ፣ ንሓደ ሕቶ ደጋጊምካ ምኩምሳዕ፣ ኣብ ባይታ ዘየለ ኣጋኒንካ ሓበሬታ ምምሕልላፍ፤

ለ. ኣብ መንጎ ፈታውን ጸላእን ዘሎ ዶብ ዘይምንጻር፣ ብሓሳብን ብተግባርን ምሉእ ትሕዝቶ ናይ መልእኽቶም ንጸረ-ህዝቢ ባህርን ፋሽሽታዊ ተግባርን ጸላኢ ኣብ ምቅላሕ፡ ድሕነት ሰብን ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላትን ምኽባር ቀዳምነት ኣብ ክንዲ ምሃብ፡ ሃገር፡ ምኽባር ልኡላውነት፡ ዓጋመ ወያነ ብዝብል መሰረት ዘይብሉ ተራ ፕሮፖጋንዳ ጸላኢ ዝተሰከፈ ዝመስል ዕትብቱ ዘይተበትከ ሓላፍ ዘላፍ ኣቀራርባ፣

 ሐ. ቃለ መጠይቕ ተግብሮም ሰባት ብጭቡጥ እንታይ መልእኽቲ ከሕልፉልካ ኢኻ ትደሊ ቅድመ ምድላው ጌርካ ዘይምንጻር፡ ሓታታይ ሓሳቡ ብቐደም ሰዓብ ጸሪቡ ዘይምቕራብ፣ ተሓታቲ  ብተመሳሳሊ ሰበር ዜና ብዝመስል ብሃታ ሃታ ክምልስ ምግባር፣ ኣበየናይ ደምበ ኣለው ዘይፍለጡ ሰባት ብስመ ነጻ ርእይቶ ኣብ’ቲ መድረኽ ምቕራብን ከም ድሌቶም ክዕንድርሉ ምፍቃድን፣ ንኣብነት፡ ኣነ ደላዪ ፍትሒ ‘ምበር ተቓዋሚ ኣይኮንኩን፡ ብጉልባብ ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ንሕና ምስ ሰራዊትና፡ ጥሪት ኢሳያስ ዝኾኑ እኩባት ሰብ ብረት ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ህዝቢ ትግራይ ንዝፈጸምዎ ገበናዊ ተግባር ዝቕበል፡ ዘተባብዕ፡ ንእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ጠንቂ ክንሱ ሳዕቤን ገይሩ ከድሕን ዝፍትን፡ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክጠፍእ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝጉስጉስ ፋሽሽታዊ ኣተሓሳባ ኣብ ክንዲ ዓገብ መምልኢ ናይ ኣየር ሰዓት ዝተደልየ ክሳብ ዝመስል ሓላፍነት ብዝጎደሎ ኣገባብ ክመሓላለፍ ምፍቃድ፣

መ. ጸላኢ ኮነ ኢሉ ብመደብ ንዝሰርሓሉ ዘሎ፡ ብሄር ምስ ብሄር፣ ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት፣ ኣውራጃ ምስ ኣውራጃ፣ ወረዳ ምስ ወረዳ፣ ዓዲ ምስ ዓዲ ፈላላይ ወፍሪ፡ እዚ ኣጀንዳ’ዚ ናይ ጸላኢ’ዩ ናይ ህዝቢ ኣይኮነን ኢልካ ኣብ ክንዲ ምቅላዕ፡ ከም ግብረ መልሲ በቲ ንሱ ዝጥቀመሉ ድሑርን ኣዕናውን ኣገባብ ክትምልሰሉ ምፍታን፣

ሰ. ዝተሰከምካዮ ህዝባውን ሞያውን ተልእኾ ብምዝንጋዕ  ብዝግዚያዊ ስምዒታዊ ረስኒ፡ ብሆይ ሆይታ ንዝብገሱ ምትእኽኻባት ንጹር ፖለቲካዊ ኣንፈትን ስጡም ውደባን ክሕዙ ኣወንታዊ ምኽርን ደገፍን ኣብ ክንዲ ምሃብ ምስኣቶም ጣሕመሽመሽ ምባል ...ይረአ።

እዚ ትኹረት ተዋሂብዎ ክእረም እላቦ። ርዝነት ፖለቲካ ኣረኣእያ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር’ሞ፡ ነብስ ወከፍና ባህሪናን ተግባርናን ምስ’ዚ ይሰማማዕ’ዶ ኣይሰማምዕን ንፈትሽ። መታን ከነዕሪ ንዓሪ።

እዚ ካብ ሓላፍነታዊ ስምዒት ዝተበገሰ ምዃኑ፣ ንኹሎም ማዕከናት ዜና ብማዕረ ጉድለት ይነቅፍ ከም ዘየለኹ፣ እቲ ጉድለት ድማ ሓሓሊፉ ‘ምበር ስሩዕ ከም ዘይኮነን ኣንባቢ ብሓፈሻ፡ ትካላት ማዕከናት ዜና ከኣ ብፍላይ ክትርድኡለይ ኣዘኻኽር።

                                                            ካብ ክብሮም ከሰተ

                                              ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                                  መስከረም 14/2023